መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንክንዝክር!

2021-03-06 10:03:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1890 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ኩለንተናዊ ናይ ለውጢ መስርሕ የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸ  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትኽበር ተወሲና።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

እዛ ዕለት እዚ ቦታ’ዚ ክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ተራእዩ።  ቀንዲ ሕቶ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ቃልሰን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድሌትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓሊፉ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ኣንንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ ከኣ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኩነታት ግና ከከምቲ ህልዊ ምዕባለ ናይቲ ዓመት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝነበረ ኩነታት ምስ ናይ ሎሚ ዘበን ይፍለ እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ከኣ ንኣዘኻኽራ 8 መጋቢት ይጸልዎ። ቀንዲ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነት ክረኽባን ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባር “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላሰል ይግባእ። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2021 ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምረት ደቂ ኣንስትዮን ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮረናቫይርስ ዘስዓቦ ቅልውላው  ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ  ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ኣሓትን ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ብምእታዎም  ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2021 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ግን ኣብኡ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልስን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ እሱራት ከይኮና ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መጻኢ መንገዲ ዝጸርጋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ  ግና ናተን ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነተን ዘይስገር እዩ። ናብዚ ክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ዲሞክራስያውን ማሕበራውን ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይስገር ዓብይ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወትሩ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ እቲ ቀንዲ ብደሆ እዩ።

8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ

Last modified on Saturday, 06 March 2021 11:09