ግደ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ወሳኒ እዋን

2020-03-19 07:31:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2641 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ጕባኤና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።”  (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡ ሰዲህኤ)

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣርዑት ሓጺን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝተጻዕነ እዩ። ነዚ ኣርዑት ሓጺን ብቃልሲ ሴርካ ናጻ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ናይ ኩልና ዕማም እምበር፡ ሓደ ተዕዛባይ ኮይኑ ናይቲ ካልእ ጻዕሪ ዝጽበየሉ መስርሕ ኣይኮነን። እዚ ንምዝኽኻር ዝጥቀስ እምበር ነቲ ሓቢሩ ብተመኩሮ ጽንኩር ቃልሲ ፈሊሑ ዝገረረ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ኣይኮነን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብጽሒታትና ኣብ ምዕዋትዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ብመልክዕ ክፈላለ ይኽእል። ብኣተሃላልዋና ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ዘለናን ኣብ ወጻኢ እንነብርን፡ ብዕድመና መንእሰያትን ዓበይትን፡ ብጾታ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ብዝተዋፈርናሉ ዕማምን ክእለትን ኣባል ሰራዊትን ሲቪልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ክንበሃል እንከለና፡ መን ኣበየናይን ብኸመይን የድምዕ ብመልክዕ ክፈላለ ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ናይ ኩልና ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ግና ሸቶኡ ሓደ ወጻዕትን ናይ ወጽዓ ኣተሓሳስባን ኣወጊድካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ናብ ሓደ ናይ ዓወት ፈለግ ዝፈስስ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ: ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓኡ ፍጊዕ ኢልዎ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ተረዲኡ፡ ብፍርሒ ተዋሒጡ መህደሚ ከናዲ ሃንደፍደፍ ይብል ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ህግዲፍ ፈትዩ ዝኣተዎ ዘሎ ናይ ድሮ ውድቀቱ ምዕራፍ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን  ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኻየደ ናይ ላዕለዎት መራሕቲ ህግዲፍ ናይ ኣኼባ ሸበድበድ ተዓዚብናዮ ኣለና። ካብ ዕላማታት ናይዚ ኣኼባታት ነቲ ዓለም ብዓለማ ብዛዕባ ኤርትራ  ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክትዛረብ እንከላ፡ “ዋላኳ ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ሰላም ዝመስል ኣንፈት እንተተኸፍተ፡ እቲ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ለውጢ ግና ፈጺሙ ኣይተራእየን” ትብሎ ዘሎ እንዳሓደረ ዘጨንቖን ዝውጥሮን ዘሎ ቅኑዕ ገምጋም ንምኽዋል ይመስል። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ “ሎምስ ግዲ ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ራህዋ፡ ሰላምን ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል እንዳተጸበና ነታ ህይወት ብዙሓት ጀጋኑ ዝተኸፍላ ሃገር እውን ከጥፍእዋ እዮም” ብዝብል ዝገልጾ ዘሎ ረዚን ስኽፍታ ናይ ምሕባእ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ እውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግዲፍ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብሉ ከምዚ ዓይነት ኣተሓባባእ ክጻወት እንተፈተነ ዘተዓዛዝብ እምበር ዘገርም ኣይኮነን። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ መደንዘዚ ተግባራት ህግዲፍ ክጥበር  እሞ ካብዚ ዘለዎ ናይ ቃልሲ መስርሕ ንድሕሪት ተመሊሱ መዕንደሪ ወጽዓ ናይቲ ጉጅለ ክኸውን ማለት ዘበት እዩ። ነቲ  ሓዊ ናይ ምጥፋእ ኣኼባታት ዝውሃቦ ዘሎ ገብረ መልሲ  እውን ነዚ ዘመልክት እምበር ከምቲ ህግዲፍ ክኾነሉ ዝሓሰቦ ኣይኮነን።  

ኣብ ከምዚ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታትን ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ዳምዳምን፡ ኩልና ኣበርክቶና ኣብ ቃልሲ ከነሕይልን ኣብ ተዳሎ ክንከውንን ናይ ግድን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝያዳ እቲ ካልእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብወጽዓ ህግዲፍ ዝተበደለን ኩሉ ዕድላቱ ዘጥፈአን ብምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ዝተወደበ፡ ተራኺብካ ብጉዳይ ህዝቢ ናይ ምልዛብ ዝያዳ ዕድል ዘለዎን ናይ ምግዳድ ዓቕሚ ዘለዎ ዕጥቂ ዝውንን ስለ ዝኾነ፡ ሓላፍነቱ ከም ዝዛይድ ይዝንገዖ እዩ ዝብል ሻቕሎትኳ እንተዘየብልና ከምቲ “ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለካ እንተዝውስኹኻ” ዝበሃል ከነዘኻኽሮ ኣድላይ እዩ።

ስለዚ ድማ እዩ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡ “ጕባኤና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።”  ዝብል ቁምነገር ዘስፈረ።

 ኣብዚ ወሳኒ እዋን ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቡ “ኣነ ኣብ ጐነኻ ኣለኹ” ክብሎ እምበር፡ “እንታይ ኢና እሞ እንገብሮ፡ እዚ ሰብኣይ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ” እንዳበለ ከዕዘምዝም  ኣየምሕረሉን እዩ። ምናልባት ስቓዩን ስቓይ ህዝቡን ዘንጊዑን ሰሓብ በቒሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝኸውን እንተልዩ እሞ ከኣ መሬት ምስ ወገሓ ጣዕሳኡ ኣይክወጸሉን እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእዮ ዘሎ ዕግርግርን ኣብ ዘዘይምልከተካ ጉዳያት ጨብረቕረቕን ናይ ሓያልነቱ መርኣያ ዘይኮነ ናይ ዓቕሊ ጽበቱ ምልክት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ምስቲ ሓደ እንዳተመሓዘወ ምስቲ ካልእ እንዳ ተፋትሐ፡ ከብቲ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ ዘሎ ቀንዲ ኤርትራዊ ዛዕባ ንምህዳም፡ ሎሚ እውን ከም ኣመሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዘይኮነ ህውከትን ዕግርግርን ካብ ምጽሕታር ድሕር ከምዘይብል ካብ ተመኩሮና ክንመሃሮ ዝግበኣና እዩ። ናይዚ ዘይቅዱስ ማእለማ ቀዳማይ ግዳይ ከኣ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ክኸውን። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ መዕገሲ ወልፊ ውግን ህውከትን ህግዲፍ ቅድሚ ምዃኑ፡ ብንጹር “ኣነ ምስ ህዝበይ እየ” ዝብል መርገጹ ከነጽር ይጥለብ ኣሎ። እዚ ድምጺ ሰራዊት ኣብ ዝስመዓሉ፡ እቲ ወሳኒ ሓይሊ ህዝቢ ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፍ  ክተኣማመን ይግበኦ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ርእዩ ከምዘይረኣየ ምጽቃጥ ግና፡ ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ዘለዉዎ ናብ ዝኸፈአ’ውን ክወስድ ከም ዝኽእል  ምስትብሃል ኣገዳስን እዋናውን እዩ።

Last modified on Thursday, 19 March 2020 08:36