ድሕሪ ዕዉት ጉባአና ኸ?

2019-08-06 20:53:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2351 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ንነዊሕ ግዜ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና 3ይን ሓድነታውን ጉባአና በቲ ኣቐዲምና ዝተለምናዮ ግዜን ኣገባብን መሰረት ከም ዝተዓወተ ብደምዳሚ ኣዋጅን ውዑይ ዜናታትን ገሊጽናልኩም ኢና። እዚ ጉባአ ንሓድነታዊ ጽምኢ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምዃኑ፡ ብዙሓት ናይ ሓድነት ናፈቕቲ ኤርትራውያን ናይ “እንኳዕ ኣመጐሰኩም፡ ከማኹም የማስለና” መልእኽቲ፡ በበቲ ዝጥዕሞም መንገዲ ይገልጹልና ኣለዉ። እዚ ኣብ ርእሲ እቶም ኣብቲ ጉባአ ዝተሳተፉ ብኣካል ተረኺቦም ዘስምዕዎ ናይ “ኣገናዕ’ መልእኽቲ ተወሳኺ እዩ።

ርግጽ እዩ እቲ ብዘይምስልካይ ንልዕሊ 9ተ ኣዋርሕ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና መስርሕ ሓድነታዊ ጉባአ፡ ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ደንበ ተቓውሞና ናይ ሓድነት ኣተገባብራ ተመኩሮ ክወዳደር እንክለሎ፡ ልዑል ግምት ብዝወሃቦ ኣገባብ ብምፍጻሙ ነቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ሓበን እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ክብደትን ሓበንን ዘለዎ እዩ። ጉባአና ኣብቲ ዝቐነዮ፡ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ኣጽዲቑ። ነዚ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ኣብ ዘተግብረሉ ነቲ መስርሕ ግቡእ ቀጥዒ ዘትሕዝ ሰልፋዊ ቅዋም እውን ኣጽዲቑ። ካብዚ ሓሉፉ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ተመያይጡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ከኣ ንጹር ውሳነታት ወሲኑ ኣሎ።ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ሉኣላውነታን፡ ጭረሖ ይኣክልን ኣተሓሕዛኡን፡ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሃገርና፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትሓይልታት ምክልኻል ኤርትራሃንደበታዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝያዳ ድማ እዋናውነትን ወሳንነትን ሓቢርካ ምቅላስ፡” ካብቶም ጉባአና ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ፡ ኣዕሚቑ ዝተላዘበሎም ረዘንቲ ዛዕባታት ምንባሮም ኣብቲ ናይቲ ጉባአ ደምዳሚ መግለጺ ተነጺሩ ኣሎ።

ንጉባአና ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝወሰኑ ውሳነታት ግቡእ ኣድህቦ ክወሃቦም ይግባእ። እዞም ውሳነታ ዝያዳ ግቡእ ትርጉም ዝረኽቡ ግና፡ ክትግበሩ እንከለዉ ጥራይ እዩ። ጉባአና ኣገደስቲ እዋናዊ ውሳነታት ምሕላፉ እንሕበነሉ ኣውንታዊ መለለይና እዩ። እንተኾነ ዝያዳ እንሕበን እዞም ዝወሰናዮም ውሳነታት ተተግቢሮም፡ ኣብቲ ኤርትራውያን ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ለውጢ መስርሕ ከንጸባርቑ እንከለዉ  ጥራይ እዩ። ውሳነ ክውሰን እንከሎ ምስ ናይቲ ውሳነ መተግበሪ ዓቕሚ እንተዘይተመጣጢኑ፡ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ። እዚ ምምጥጣን እንተዘይሃልዩ፡ ውሳነታት ዘይፍታሕ ሕልሚ ኮይኖም እዮም ዝተርፉ።

ውሳነታት ጉባአና ኣብ ድሩት ሰልፋዊ ባህግን ስምዒታን ዝሕጸሩ ዘይኮኑ፡ ብዝከኣል ደረጃ ንኤርትራዊ ውድዕነት ዝዳህሰሱን ዝምጥኑን እዮም። ምትግባሮም እውን መሪሕ ግደ ኣባላት ሰልፍና ህያው ኮይኑ፡ ኣብ ውሱን ዓቕሚ ሰልፍናን ኣካላቱን  ጥራይ ዝጸዓን ዘይኮነ፡ ናይ ዝኾነ ፍትሓውን ወድዓውን ኣረኣእያ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ውድብ ሰልፊ፡ ማሕበርን ቅሩብነት፡ ኣጀኹም በሃልነትን ኣበርክቶን ዝሓትት ግዜ ዘይህብ መሰረታዊ ዕማም እዩ። ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ኤርትራዊ ረብሓ ዘለዎ ክነሱ፡ ካብ ጸቢብነት ነቒልካ ዘይምርዓሙ ሎሚ ተሰጊሩ እዩ። ከምቲ ዝተገልጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን  ናይ ለውጢ ወገናት ካብ ቀረባን ርሑቕን ሓድነታዊ ጉባአና ብምድጋፍ ናይ “እንኳዕከ ከምዚኣ በለትየ” መልእኽቲ ይሰዱልና ምህላዎም ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ “ኩሉ ገድላዊ መሳርሕታትና ንምህሃድ ብሓባር ንለዓል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዜናኡ ብ3 ነሃሰ 2019 ኣብ ዝወጸ ሓተታኡ “ዝተፈላልዩ መልከዓት ጽላላት ዝሓቚፍ ኤርትራዊ ተቓውሞ ከደን ኣካቢ ጽላል ክሳብ ዝፍጠር፡ ኣብ ቅድሚ ህዜቢናን ኣህጉራዊ ዓውድን ስሙር ልሳን ንክህልወና ምእንቲ፡ ናይ ሓባር ልኡኽ ጉዲያት ወጻኢን፡ ናይ ሓባር ዛናን (ሚድያ)፡ ናይ ሓባር ህዜባዊ ምልዕዓልን ኣሊያታት ምቋም።” ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ዘተባብዕ ኣብነት እዩ። እዚ ብካለኦት ናይ ለውጢ ኣካላት  ክድገም ከኣ መድረኽ ዝጠልቦ እዩ።

ናይ ሓቢርና ንቃለስ ከነድምዕ፡ መልእኽቲ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ብፍላይ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ብሓፈሻ ከኣ ናብ ኩሉ ምእንቲ መሰረታዊ መሰልን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ዝሕለቕ ሓይሊ ዘቕነዐ እዩ። ኣብ ምትግባሩ’ውን ነናትና ብጽሒት ከም ዘለና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሳነታት ጉባአና ንኹሎም ኤርትራዊ ወገናት ናይ ሓድነት ኣብነት ንክኸውን ናይ ምትግባሩ ከቢድ ሓልፍነት ኣለና። ኣጻብዕትና ናብ ካለኦት ቅድሚ ምምልካት ከካብ ገዛእ ርእስና ክንጅምር ኢና። መሓዙት ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን፡ ከምቲ፥ “ጽቡቕ ሓድነታዊ ስጉምቲ ወሲድኩም” ዝበልኩምና ኣብ ምትግባሩ’ውን እጃምኩም ከተልዕሉ ትግሁ። ሎሚ ካብ “ከምዚ ክግበርን ክኸውንን ይግበኦ” ሓሊፍና ኣብ “ከምዚ ክገብር ይግበኣኒ” ክንጽመድ መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ንምንጽጻግ ኣወጊድና ኣብ ምምልላእ ካብ ምጽማድ ሓሊፍና ካልእ መዋጸኦ የብልናን።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና፡ መተንፈሲ ስኢኑ ኣስናኑ ዝሕርቅመሉ ዘሎ ኩነታት፡ መሰረቱ ሓያልነት መላኽን ጸቢብን ኣካይዳ ህግዲፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓብይኡ ናይ ህዝብና ኣብ ርኢሱኡ ድማ ናይቲ ዝተወደበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘይምብቃዕ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ኣብዚ ድኽመትና እንተዘይተኣማሚና ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕድልና ውሑስ ኣይኮነን። ንጸገምና ኣብ ክንዲ ካባኻ ንክርሕቐልካ ካብቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ኩርናዕ ምሽንጓጉ፡ ኩልና ሰብ ብጽሒት ምዃና ብምእማን፡ ዓትዒትና ሒዝና ክንገጥሞ ይግበኣና።

በዚ ኮነ በቲ፡ 3ይን ሕድነታውን ጉባአና ተዓዊቱ ኣሎ። እቲ ዓወት ናይ ብሓቅን ቀጻልን ንክኸውን ግና እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። እቲ መንገዲ ሒዝናዮ ኣለና። እቲ ጉዕዞ ከኣ ይጽበየና ኣሎ። ከምቲ ሓደ ፈልሲ ኣብቲ እትደልዮ ከባብያዊ ኩነታት ኣየር  ምህዳእ ወይ ፍረ ኣብ ምሃብ፡ ምእንቲ ከበርክት ክንክን ዘድልዮ፡ መስርሕ ሓድነት እውን ከምኡ ሓለዋን ኮስኳስን የድልዮ እዩ። ንሕና ነዚ ተዓጢቕናሉ ኣለና። ካልኦት ነዚ ሓድነትና ከም ሞዴል ወሲድኩም፡ ምሳና ኮነ ምስ ካልእ ዝምእመኣኩም ወገን ክትሰርሕሉ ከኣ ኣፍደገ ከፊትና ኣለና እሞ “እነሀ ፈርስ፡ እነሀ ናይ ሓድነት ሜዳ” ንብል።

Last modified on Tuesday, 06 August 2019 23:03