ርኢቶታትና ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትና

2019-03-03 20:40:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2661 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻትን ኣዛራቢ ዛዕባ ነይሩ። ነቲ ዝምድና ደግፍቲ ህግዲፍ ከም “ማይ ጸባን” ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኣንጻር’ዚ ዝተሰለፍና ወገናት ድማ ከም “ከብድን ሕቘን” ንምስሎ ነይርና። ኣብዚ እዋንዚ ግና በቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ካብ ቅድም ሓደገኛነት ህግዲፍ ዝተርድኡ ሓይልታት ብዘካይድዎ ቃልሲ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህግዲፍ ብተግባሩ ኣበሳኡ ሓቢኡ ዝኸደሉ ግዜ ስለ ዘብቀዐ፡ ርክብ ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን “ናይ ከብድን ሕቖን ዝምድና እዩ” ዝብል ርኢቶ እነሆ ኣዝዩ ሰሲኑ ብዝኸድካዮ ኩርናዕ ዝስማዕ ድምጺ ኮይኑ ኣሎ። ህግዲፍ እውን ከም ልማዱ ሓቀኛ መንነቱ ሓቢኡ ዝኸደሉ ዕድል ጸቢብዎን ኣጀንዳ ቀይርካ ናይ ምህውታት ብልሓቱ ምስራሕ ኣብይዎን፡ ኣብ ጐልጐል ዝወገሖ ዝብኢ ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ህግደፍ ካብቲ ቅድም ዝተገመቶ ዝያዳ እዩ ኣብ ግጉይ ኣቕጣጫ ተሰሊፉ ዘሎ። ቅድም ፖለቲካዊ መንነት ጉጅለ ህግዲፍ ብጸረ ዲሞክራሲ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጥሕሰት ልዕልና ሕግን እዩ ዝግለጽ ነይሩ። ሎሚ ከኣ እዚ ባህርያቱ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ እታ ኮንደኾን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተሳንዮ ትበሃል ዝነበረት ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ’ውን ሓጢጡ ክድርብያ ይገማገም ስለ ዘሎ፡ ምስ ህዝቢ ዘዛረብ ቋንቋ ናብ ዘይብሉ ንጹልነት ዘቕንዕ ዘሎ ይመስል። ምናልባት ነቲ ቅድም ህግዲፍ ከምስል፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝያዳ ኩሉ ተሓላቒ ልኡላውነት መሲሉ ዝቐርቦ ዝነበረ እንዳዘከሩ “ኢዶእ እዝስ ኣይውዕሎን ግዲ” እንዳበሉ ነቲ ዝስማዕን ዝድህሰስን  ሓቂ ምእማን ዝሰኣኑ ኤርትራዊ ወገናት ኣይሰኣኑን። ምእማኑ እንተጽገሞም እውን እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። በቲ ኮነ በዚ ግና ኣብ መስርሕ ኣይከውንን ኢልካ ዝገምትካዮ ከም ዝኸውን ክርድኡ ይግበኦም። ምኽንያቱ እቲ ምልክታት ምላቑያታት ዘይኮነስ፡ ኢሳይያስ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዑ፥ “ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ክመርሓና ወኪለዮ እየ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን በበይኑ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ብዝብሉ ዘየማትኡ ምሉእ ሓሳባት ዝዳሕደሖ ስለ ዝኾነ። ዝተፈላለየ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ንዓኣቶም ብዝሰማማዕ “ምድማር” ብዝብልዎ ቅኒቶም፡ ክምድሩ እንከለዉ ናይ ኢሳይያስን ደገፍቲ ዓራቱን ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምዃን ከኣ መራጐዲ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። እዚ “ስቕ ዝበልና ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ብዝብል ኣረጊት ውርጽጽና ዝስገር ኣይኮነን።

ደጊም ደገፍቲ ኢሳይያስ እንተኾነ ኣይውዕልዎን፡ ካብዚ ሓሊፎም ንኣበሃህላ ኢሳይያስ ካብቲ ቀጥታዊ ትርጉሙ ወጻኢ ተርጒሞም ከመላኽዕዎ እንተፈተኑ ሰማዒ ኣይክረኽቡን እዮም። እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደ ምርጫ ከኣ ምስ ህዝብኻ ወጊንካ ዋጋ ብዙሓት ሰማእታት ዝኾነት ሃገር ኣብ ናይ ምድሓን መስርዕ ምስላፍ ጥራይ እዩ። ሎሚ በብኹርንዑ፡ ንተንኮላትን ክድዓትን ኢሳይያስ ዝተረደአን ብዓንተቦኡ ክዕጸፍ ከም ዝግበኦ ዝጠልብን ደሃያት ክደሃይ ምስማዕ ኣብ ኤርትራውያን ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ናይቶም በብኹርናዑ ዝጋብኡ ዘለዉ ሰሚናራት፡ ዓውደ-መጽናዕትታት፡ ኣኼባታትን ሰልፍታትን መንፈስ ነዚ ዘመልክት እዩ። እዚ እንፈት’ዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝካየድ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ብሓቂ ኣገዳስን ቀያርን ዝኸውን ግና ኣብ ሓደ ናይ ለውጢ ማዕበል ክስለፍን ብእኡ ክሕንበብን እንከሎዉ ጥራይ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ኣካቢ ጽላል ምምጻእ ኣብ መስርሕ ለውጢ ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ተመኩሮና የርእየና ኣሎ። ንሕና ከም ናይ ለውጢ ሓይሊ ዋሕስና ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ምሓዝና ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ዝተበተነ ግና ሓደ ዝመንቀሊኡን ሽቶኡን ኣተሓሳስባ ኣብ ሓደ ትካላዊ ጽላል ከነሰልፎ ምስ እንበቅዕ ጥራይ እዩ።

ንኩነታትና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝሕንበብ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣመዛዚኖም፡ ኣብ ጉዕዞና ምድንጓያት ነርኢ ከም ዘለና ከመልክቱልና ንዕዘብ ኢና። ሚዛኖም ሓቅነት ኣለዎ። እንተኾነ ኣብ ሓደ ጽላል ምጽማድ ከምቲ ወሳንነቱ ዘኽፍሎ ዋጋ ብኹሉ መልክዕ ቀሊል ከምዘይኮነ ግና ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። ኣብዚ ሓደ ክዓዝዝ ዘለዎ ኣብ ናይቲ ተግባር ክብደት ተሓቢእና ግዜ ብምብላዕ ወጽዓ ህዝብና ንክናዋሕ ጠንቂ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ብሓባር ምስላፍ ብናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ቅሩብነት ዝዕመም እምበር ናብ ሓደ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ወይ ካልእ ውዳበ ብሓላፍነት ዝድረብ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክኸውን እንደልዮ ንምግሃድ ጻዕርና ከካብ ገዛእ ርእስና ክጅምር ናይ ግድን እዩ።  ውልቃዊ ኣበርክቶኻ ዘንጊዕካ፡ ናብ መሪሕነት ምምጥጣር፡ ናይ ውድብካ ወይ ሰልፍኻ ግደ ዘንጊዕካ ኣጻብዕትኻ ናብ ካለኦት ውድባት ምቁማት’ውን ጽጹይ ኣካይዳ ኣይኮነን።

ኣብ ሕድሕድ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ፍልልያት ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ከኣ’ሞ ካብ ሓደ ውዳበ ንላዕሊ ኣይመኾናን። ኣብዚ እቲ ፍልልያትና ብዓይኒ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ርኢና ከነወግዶ ክንበቅዕ መተገብአ። ፍልልይና መሰረታዊ ኮይኑ፡ እዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ከኣ ነቲ ንፈላለየሉ ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚ ክንስጉም ይግበኣና። እዚ እንተዘይ ሓሚቕና ወይ እንተዘይጸቢብና ዝከኣል እዩ። ነዚ ከነብቅዕ ንፍልላያት ኣመሓዲርና ኣብቲ ዘሰማምዓና ክነትክል ሓላፍነትና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ፍልልያትና እንወዳደረሉ እምበር እንጻለኣሉ ክኸውን ከምዘይብሉ ክንርዳእ ይግበኣና። ሎሚ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ መህደሚ ኣብ ዘየብሉ መጻብቦ ተቓሊዑ እዩ። እዚ ሓድሽ ኩነታት ከኣ ካብቲ ዝነበርናዮ ዝያዳ ክንነቅሕን ከንበራበርን ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ናይ ምክእኣልን ምጽውዋርን ሓላፍነትና ከኣ ማዕረዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክብ ክብል ይግበኦ። እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ሓላፍነታት፡ ርኢቶታትና ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ቁጽሪ ሓደ ምዃኑ ንገንዘብ። ነዚ ሓልፍነትዚ ጓሲናዮ እንሓልፈሉ መንገዲ ሓቢርካ ምዕዋት ከምዘየለ ከኣ ንረዳእ።

Last modified on Sunday, 03 March 2019 21:44