ዝምድና ህዝብን መንግስትን፡ ኤርትራኸ! “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ፡” ዲና ክንብሎ ወይስ “ክቑነና ከይደንስ ተነጽየን መጻ”

2019-02-21 08:41:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2410 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መንጎ ሃገራት ጽልእን ቅርሕንትን ክፍጠር እንከሎ፡ እቲ ጠንቂ መንግስታት እምበር ህዝብታት ኣይኮኑን። ግደ ህዝቢ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ኣብ ምፍጣር ከኣ ከከም ባህርን ኣገባብ ምምሕዳርን ናይቶም መንግስታት ይፈላለ። ብህዝቢ፡ ካብ ህዝብን ንህዝብን ብዝምርሑን ግደ ህዝብን መንግስትን ብሕጊ ኣብ ዝተነጸረሉን መንግስታት፡ ግደን፡ ተሰማዕነትን ወሳንነትን ህዝቢ ከም ዝዓዝዝ ብሩህ እዩ። ብኣንጻሩ ብፈቓድ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዘይመጹ፡ ግደ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ኣብ ዘየብሉ፡ ዕድመ ስልጣኖም ኣብ ዘቐድሙ፡ ከም ናይ ሃገርና ኤርትራ ዝኣመሰሉ ጨቆንቲ ምምሕዳራት፡ ህዝቢ “እዚ እዩ ዝሕሸኒ” ዝብሎ መንገዲ ክመርጽን፡ መንግስቲ መንገዲ ሰላም ንክሕዝ ተጽዕኖ ንክፈጥርን ዘለዎ ዕድልን ጽልዋን ኣዝዩ ትሑት እዩ። ምናልባት እውን ኣይክእልን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ፤ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ሓርፋፍ ጥራይ ዘይኮነ ምትእምማን ዘየብሉ  ኩርኳሕ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዝምድና ዝፈጠሮ ሃጓፍ ከኣ ሰፊሕ እዩ። እዚ ሰፊሕ ሃጓፍ ተመሊኡ ጥዑይ ዝምድና ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንክፍጠር፡  ክፍትሑ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ከም ዘለዉ፡ ወርትግ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዝዛረብሉ ጥራይ ዘይኮነ ዝቃለስሉ ዘለዉ ዛዕባ እዩ። ህግዲፍ ነቲ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ብህዝቢ ንህዝቢ ካብ ህዝቢ ዝቐውምን ዝሰርሕን መንግስቲ ይመስረት፡ ልኡላውነታና ኣብ ዋጋዕዳጋ ኣይውረድ ዝብሉ፡ መሰረታዊ ጉዳያት እቲ ሕጂ ዘሎ ሃጓፍ ንክውገድ ክትግበሩ ዝግበኦም እዮም። ብመንጽር ባህርኡን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡን፡  እዚ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ህላወ ህግዲፍ ተተግቢሩ እዚ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ሃጓፍ ክፍታሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘኣይከኣል’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዙርያ “መሰረታዊ መሰልናን ልኡላዊ ክብርናን ብቓልስና” ዝብል ቴማ ዝዓስል ዘሎ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም እምበር፡ ህግዲፍ ኣድላይነት ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝህነጽ ጥዑይ ዝምድናን ምትእምማን  እንዳ ነጸገ፡ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰርሕ ምድንዳኑ እዩ። እዚ ኣብዚ ለንቅነ ንዕዘቦ ዘለና  ካብ 60 ንላዕሊ ኣባላት ዘለዉዎ ኤርትራዊ ጉጅለ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ  ከኣ፡ ናይዚ “ናትካ ኣቐሚጥካ ደገ-ደገ ምርኣይ” ኣብነት እዩ። ህግዲፍ ከምዚ ዓይነት ናብ ደገ ምህዳም ዝመርጸሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐርበሉ ባህርን ሞራልን እንዳረሓቖ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዩ። እቲ ካልእ ሜልኡ ድማ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ምትሕስሳብን ምትሕታትን ዝምርኮስ ዘይኮነ፡ ኣብ ምፍርራሕ ከም ዘድህብ ምግባሩ እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ፊት-ንፊት ንህግዲፍ ዘይሓቶ፡ ሕቶ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ሕቶ ዝኽተል ሳዕቤን ስለ ዘስግኦ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ህዝብና  ምስ ህግዲፍ ፊት ንፊት ዝፋጠጠሉ ናጻ መድረኽ’ኳ እንትዘይረኸበ፡ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ልቡ መሊኡ ምትንፋስ ከም ዝጀመረ ብዙሓት ንኩነታት ኤርትራ ዝተዓዘቡ ዝምስክርዎ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ምትንፋስ ጽባሕ ንህግዲፍ ሒዝዎ ናብ ዝዕዘር ዘይምሕር ህቦቡላ ከም ዝምዕብል ፍሉጥ እዩ።

ምስሊ ሓደ ኣካል ካብቲ ዋና ዝያዳ ነቶም ዝዕዘብዎ ከም ዝረኣዮም ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ “ዓርክኻ መስትያትካ እዩ” ዝበሃል። ብሓፈሻ ኩሎም መንግስታት ብፍላይ ከኣ መንግስታትን ህዝብታትን ጐረባብትና ሃገራት፡ ንምስሊ ምምሕዳር ህግደፍ ብግቡእ ይፈልጥዎ እዮም። ኣብቲ ምንጽብራቑ ግና ነቲ ሓቀኛ ምስሉ ከም ዘለዎ ዘይኮነ ምስ ነናቶም ሃገራዊ ረብሓ ከም ዘዋድድዎ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዋላ ሃገራዊ ረብሓኦም የቐድሙ ንምምሕዳር ዲክታቶር ኢሳይያስ ዝንእድ የለን። ዘመኻንይሉ ወገናት ግና ኣይሰኣኑን። ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እንከሎ፡ ፈረስ፡ ገመል፡ ዋልታ፡ ቡንን ጋብን፡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ክገይሽ እንከሎ ከኣ መዳልያን ወርቅን ዝስለም ብመንጽር እዚ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልቡ ክወቅዕ ዝተዓዘብናዮ እቲ ዲክታቶር ግና ናይ ብሓቂ ገይሩ ዝወሰዶ እዩ ዝመስል።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ናብ መቐለ፡ ናብተን ናይ ኢህወደግ ኣባል ውድባት ማእከላት ዝኾነ ከተማታት ዝበጽሕ ዘሎ፡ ኣባላቱ ብጸቢብ መዕቀኒ ህግዲፍ ዝተመርጹ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ “ህዝባዊ ዲፕሎማሲ” ዝብል ዕማም ክወሃቦ እንከሎ ንዓና ኣዝዩ ይገርመና። ንኢትዮጵያውያን እውን ከም ዝገረሞምን ካብ ጉዳይካ ናይ ምህዳም ጉርሒ ምዃኑን ኣይሰሓትዎን። ባህርዳር ካብተን ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሸንዳሕ-ዳሕ ክብለለን ዝቐነ ከተማታት ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ኣብቲ በዓል በረኸት መንግስተኣብ ዝተዓደምሉ ኣዳራሽ ተሳታፊ ኣዝዩ ቁንጣሮ ምዃኑ ከዛርብ ዝቐነየ እዩ። በቲ ይበሃል በዚ ከኣ መልሲ እዩ። መልሲ ብመልሱ ከኣ “ቅድም ምስ ህዝብኹም ዘለኩም ዝምድና ዘይተሕውዩ” ዝብል መልሲዩ። ናይቲ ካልእ ከተማታት ተመኩሮ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ስለዚ ህግደፍ ምስሉ ከጸባብቐሉ ዝሓሰቦ መደብ መሊሱ ስለ ዝደወኖ ኢና “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዲና ክንብሎ ወይስ “ክቑነና ከይደን ተነጽየን ይምለሳ” ዝበልናዮ።

እቲ ካልእ ኣብዚ ክለዓል ዝግበኦ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክዕወትን ባህልና ክምዕብልን ዓብይ ኣበርክቶ ዝነበሮም ነባራት ክኢላታት፡ ኣብ ሃገሮም ድምጺ ህዝቦም ኮይኖም ብሕም ዘይበሉ፡ ኣብዚ ካብኣቶም ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ ምስሊ ህግዲፍ ናይ ምጽብባቕ ፍሹል ፈተነ ምእታዎም እዩ። ትማሊ ነብሶም ክኢሎም ዝቖሙሉ ስብእና ኣስኢኑ፡ ንኢትዮጵያ ጽረፉ እንተተባህሉ ዝጸርፉ፡ ንኢትዮጵያ ንኣዱ እንተተባህሉ ዝንእዱ፡ ንሓንሳብ ከረባት እንዳኣሰረ ንሓንሳብ ድማ ወተሃደራዊ ድቪዛ ዝኸድኖም ክኾኑ ምርኣይ የሕዝን። እንተ ኣብቲ ሓቀኛ ኣድላይነት ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ደገፍቱ እምበር ተቓወምቱ ኣይኮናን።

Last modified on Thursday, 21 February 2019 10:05