ሓድሽ ዓመት ምስ ተስፋን ስግኣትን

2019-02-05 09:42:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2563 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓድሽ ዓመት 2019 ካብ እንቕበል ድሮ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ። እዛ ተረኪብናያ ዘለና ሓዳስ ዓመት ምስተን ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ክትወዳደር እንከላ ንዓና ንኤርትራውያን ተስፋታትን ስግኣታትን ዝሓቖፈት እያ። እቲ ተስፋታት ካብ ዝግለጸሉ ምኽንያታት ሓደ ህግደፍ ናይ ንለውጢ ማዕጾ መመሊሱ ንምዕጻው ዝጥቀመሉ ዝነበረ መሕብእታት ዝተቓለዓሉ ምዃኑ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ዝኾነ እንተኾነ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ካብ ሓቂ ምህዳምን መንገዲ ከይወጽእ ዝወሰነ ስለ ዝኾነ ካልእ ምስምስ ክፈጥር ከም ዝተዓጥቀ ምልክታት ይረአ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣካል ናይቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ስግኣታት እዩ።

ካብ ቀደሙ እውን ህግደፍ ለውጢ ክጻረር እንከሎ፡ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኰነተ ኣይውግእ ኣይሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኮነ እገዳ፡ ምኽኑይ ከምዘይነበረ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነታት ምህላዉ ክጸልወካ እምበር ዘቤታዊ ስራሕካ ከይትሰርሕ ከምዘይዕንቅፍ ብናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኢሳይያስ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከም ምኽንያት ብምውሳድ ዘቤታዊ ዕዮኡ ከቋርጽ እንከሎ ኣብ ከም ናቱ ኩነታት ዝነበረት ኢትዮጵያ ግና ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቓን ኣተግቢራን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5ተ ዓመታት ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ጸኒሓ እያ። ኢሳይያስ እውን ብመሰረቱ ካብ ሕገ-መንግስታውን ዲሞክራስያውን መስርሕ ስለ ዝሸፈተ እንተዘይኮኑ፡ ከምኡ ዘይገብረሉ ቅቡል ምኽንያት ኣይነበሮን ሕጂ’ውን የብሉን።

ቃልስና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልኡላውነት ኤርትራ ውሑስ ኮይኑ፡ ምእንቲ ምትካል ሕገ-መንግስታውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክንቃለስ ጸኒሕና። ምውሓስ ልኡላውነትና ቀንዲ መሰረት ናይቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ እውን ብእዉጅ ከነቃልሕ ጸኒሕና። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኢሳይያስ ሕጂኸ ካብ ለውጢ ንምህዳም እንታይ ምኽንያት ኮን የምጽእ ክበሃል ምስ ጸንሐ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዛዕባ ዘየድመዐስ፡ ደገ-ድገ እናመዓደወ፡ ጉዳይ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝያዳ ኤርትራዊ ዛዕባ ከም ዘገድሶ ኮይኑ ክቐርብ ይደናደን ኣሎ። እዚ ከኣ ካልእ ናይ ስግኣት ምልከት እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዘየድመዐስ ኣብ ዞባውን ከባብያውን ጉዳይ ከድምዕ እዩ ማለት ግና ዘበት እዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ካብቲ ዝጸናሕናዮ ናይ ቃልሲ ብርኪ ተመሊስና፡ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዳግማይ ናይ ምድልዳል ቀዳማይ ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እነሆ። እቶም ኢሳይያስ ሓቀኛ እምነቱ ሓቢኡ ብግዝያውነት ይኣትዎ ብዝነበረ ናይ ልኡላውነት ቀንዲ ተሓላቕነት ተኣሚኖም ዝነበሩ ወገናት ሎሚ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ ስግኣትን ምድንጋርን ወዲቖም ኣለዉ። እቶም ካብ ቀደም ናይ ኢሳይያስ ናይ ሃገርነት ተሓላቒ መሲልካ ምቕራብ ዘይተዋሕጠልና ግና፡ እዚ ሓድሽ ቀልባዕብዑ ኣስደሚሙና እምበር ሓድሽ ኣይኮነናን። ኣይበልናንዶ ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከኣ ንርከብ። ቅድሚ 6ተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኢሳይያስ ንናይ ኢትዮጵያ መራሒ ንሓንሳብ ከም ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ንሓንሳብ ድማ ከም መራሒ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣደባባያት ኣፍልጦ ክህቦ እነኮሎ፡ ኣይኮነንዶ ንደገፍቱ ነቶም ካብ ቀደም እውን ቀንዲ ጉዳዩ ኤርትራዊ ዛዕባ ከምዘይነበረ ንግምት ዝነበርና እውን ደንጽዩና እዩ። ሕጂ እሞ ከኣ በዚ ዝሻደነ መራሒ ኢትዮጵያ፡  ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ መስመር ባቡር ዝዝርገሓሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ምስ ሓገዝቲ ዓው ኢሉ ክዛረብ ምስ ሰማዕናዮ ናይ ኢሳይያስ ክድዓት ተጋሂዱ እዩ። እዚ ስግኣት ኮይኑ ብዙሓት ናይቲ ኢሳይያስ ዘይብቕዑነቱ ንምጉልባብ ዝጥቀመሉ ህድማ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ከይተረፉ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ብውሽጦም ዘይኮነስ ዓው ኢሎም ዓገብ ክብሉ ምጅማሮም ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ።

ከምቲ ወለድና “ውሕጅ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስድ” ዝብልዎ፡ ኣይከውንን እዩ ክንብሎ ዝጸናሕና ናብ ምዃን ገጹ ይምዕብል ኣሎ። ንሕና ኣብ ቦታና ኮይና ኣይከውንን ክንብል እንከለና ኢሳይያስ ግና ከምዘተግብሮ ንግምት። እስከ ብዛዕባ ኢሳይያስ ክንሓስብ እንከለና ኣብቲ ጠላም ቦታኡ ኮይና ንሕሰብ። ኢሳይያስ ህዝብን ሃገርን ለኪምካ ኣብ ምጥፋእ እምበር ኣብ ምድሓን ከምዘየለ ክንእመን ይግበኣና። እስኪ ነስተብል ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ደጊም ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናተን ሃገራዊት ሰራዊት ኮነ ኣንበሳድራት ኣየድልየንን እዩ ኢሎም ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ክዛረቡ እንከለዉ ብወገንቲ ንኤርትራ እመርሕ ኣለኹ እናበለ ዝመጻደቕ ኣካል ድምጺ ዘይምስምዑ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ስሚዕካ ስቕ ምባል ነቲ ዝተባህለ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። እዚ ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ስግኣትን ክሕደትን እዩ። ኣብዚ እውን ብዙሓት ንህግደፍ ዝከላኸልሉ ዝነበሩ ወገናት “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ብዝብል ብወግዒ ክቃወሙ ምጅማሮም ምስቲ ተስፋ ዝውሰድ እዩ። ብዝኾነ ደጊም ኩነታት ህግደፍ ዓይኒ ኣፍጢጡ እንዳረኣናዮ፡ ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ባዕልና ንዛረበላ ኢሳይያስ ክዛረበላ ንጽበየሉ ምኽንያት የለን። ኢሳይያስ ሎሚ ወይ ብዛዕባ ኤርትራ ኣይዛረብን እዩ፡ እንተተዛሪቡ’ውን ንጥፍኣታ እምበር ንልምዓታ ዝእምት ኣይክኸውንን እዩ።

ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይቲ መንግስቲ እየ ኢሉ ጀሚሩ ናብ ውልቀ-ሰብ ወሪዱ ዘሎ ዲክታቶር ኣይኮነትን። ሎሚ ኢሳይያስ ሓደ ጽሉል ሰብ እምበር ዲክታቶር ዝብል ስያመ ኣይበቕዖን እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ሓቅነት እውን ኣለዎም። ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዓለማዊ ናይ ዕቤት ደረጃ ኤርትራ በይና ተነጺላ ክትነብር እያ ማለት ወድዓዊ ኣይኮነን። ምስ መን ትዛመድ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰሉ መዳያትን መስርሕን ዝብል ግና ብሓደ ውሑስ ጥዕና ዘየብሉ ውልቀ-መላኺ ዘይኮነ ብህዝባ ዝለዓል እዩ። ኤርትራን ህዝባን ነዚ ክበቕዑ ከኣ ቅድሚ ኩሉ ከም ሃገርን ህዝብን ዓዲ ሕግን ስርዓት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ክኾኑ ክበቕዑ ዘይስገር ቅድመ-ኩነት እዩ። በዚ መስርሕዚ ዘይሓለፈ ዝምድና ግና ንኤርትራን ህዝባን ዘዘኽትሞም እምበር ዘርበሓኦም ኣይኮነን። እዚ ሓቂዚ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝተረጋገጸን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክንከፍል ዘግደደናን እዩ። ግጉይ መንገዲ ከይንደግም ከኣ ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

ሓደ ሓደ ኣንጻር መሰል ርእሰ-ውሳነ ኤርትራ ተሰሊፎም ዝተሳዕሩ፡ ሎሚ ኣካይዳ ኢሳይያስ መዝሚዞም “ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት 30 ዓመታት ኣብ ዝወሰደ ደማዊ ቃልሲ፡ ኣእላፍ መንእሰያት ከፊላ ክነሳ፡ ነጻነት ከምዘየዋጽኣ ኣሚና እነሆ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ” ክብሉ እንከለዉ ኣቶ ኢሳይያስ ናይ እወ ወይ ኣይፋል ድምጺ’ኳ ኣየስመዐን። ነዚ ስቕታኡ በቲ ኣበሃህላ እዞም ወገናት ከም ዝተኣመነ ገይሮም ዝወስድዎ  ብዙሓት እዮም። ሓቃቶም ከኣ ምኽንያቱ ከምቲ “ዋና ገዛ እንተዘየእውዩ፡ ጐረቤት ኣይረድእን’ዩ” ዝበህል ዋና እየ በሃላይ ንዝረዓመሉ ጥልመት እንታይ ክብልዎ። ስለዚ ኣንጻርዚ ስግኣትዚ ንሕና ሎሚ ዝያዳ ዝሓለፈ ግዝያት ክንዛረበሉን ናብ ተስፋ ክንቅይሮን ንጥለብ ኣሎና።

 

Last modified on Tuesday, 05 February 2019 11:00