ግዜ እንከለና፡ ግዜ ኣይንጸበ

2019-02-08 19:31:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2806 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ውረድ ደይብ ዝበዝሖ፡ ናይ ክብ ለጠቕ ጉዕዞ ምዃኑ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ክብ ለጠቕ ዝፍጠር፡ ዋላኳ እቲ ወጽዓ ሓንሳብ ምስ ጀመረ ብዘይምምሕያሽ ቀጻሊ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ናይቲ ኣንጻርዚ ወጽዓ ዝካየድ ቃልሲ ብግቡእ ዘይምምሕዳሩ እዩ። ብዘይካዚ ኣካይዳ ህግደፍ ምስቲ ሓቀኛ መንነቱ ከይፍለጥ ዘካይዶ ኣተሓባባእ፡ ህዝቢ ብዛዕባቲ ወጽዓ ሓደ ዓይነት ግንዛበ ንክሕዝ ዝሓተቶ ጻዕርን ግዜን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብዚ እዋንዚ ግና በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ ክዋሰኣሉ ዝጸንሐ መድረኽ እንዳጸበበ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ኣካል ዝዋሰኣሉ ደንበ መመሊሱ እንዳሃብተመ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና።

ብዙሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ዝመረጾ መንገዲ ናይ ደሓን ከምዘይኮነ ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ብተግባር ኣንጻርዚ ወጽዓዚ ዝገጥም ግና ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ውሑድ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ክሃሲ ዝጸንሐ ግና ዋሕዱ ዘይኮነ ዘይስጡም ኣካይድኡ እዩ። እቲ ወጽዓ ህግደፍ እንዳተረደአ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን እንዳ ወረደ፡ ኣግሂዱ ኣንጻርቲ ወጽዓ ዘይቃለስ ወገን ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ስቕታ ቀንዲ መግለጺ ከኣ ኣብ ውሱን ናብ ህግደፍ ኣይበጽሕን እዩ እትብሎ ክሊ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ እንዳማረርካ ብግሉጽ ግና እምነትካ ምሕባእ ካብቲ ከጋጥም ዝጸንሐ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ እቲ ነቲ ስርዓት ብግሉጽ ዝቃወምን ዝድግፍን ውሑድ ኮይኑ፡ እቲ ስቕታ ዝመረጸ እሞ ከም ዝረገአ ማይ ክምሰል ዝጸንሐ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ይበዝሕ እንዳተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ።

ብዙሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ወጽዓን በደልን እንዳረኣዮን እንዳሰምዖን ኣግሂዱ ናይ ዘይምቅላሱ ምስጢር ምርዳእ ኣጸጋምን ሕቶ ዘልዕልን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ከምቲ ኩልና እንርደኦ በቲ ሓደ ወገን ንህዝብን ሃገርን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ሓላፊ ስርዓት ህግደፍ ኣጣቢቕካ ምርኣይን ነቲ ስርዓት ምትንካፍ ማለት ንህዝብን ሃገርን ምጉዳእ ጌርካ ምውሳድ ሓደ ካብቲ ጠንቅታት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ምናልባት እውን ህግደፍ ግዜ እንተተዋሂብዎ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናይ ጭቆና ኣእዳዉ ክእርንብ ይኽእል እዩ ዝብል ዘይትግበር ተስፋ እውን ካልእ ምኽንያት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምናልባት ንህግደፍ ምትንካፍ ካብዚ ዘለናዮ ናብ ካልእ ዝኸፈአ ኩነታት ከይወስደና ዝብል ስግኣት እውን ዕድመ ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ጠንቂ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነዚ ናይ ህዝብና ኣብ ዘይግዜኡን ዘይቦታኡን ዝሓደረ ሓልዮት ሻቕሎትን መዝሚዙ እንዳፈራርሐ በቲ ዝጀመሮ ወጽዓ ቀጺሉ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ዝኸፈአ ሓደገኛነት ዓሪጉ።

ኣብዚ እዋንዚ ግና ህግደፍ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ፡ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል እነሆ ብዙሓት ካብቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብቶም ሴፎም መሊሖም ክድግፍዎን ክድብልሉን   ዝጸሑ ከይተረፉ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ “ሕጅስ ብህዝቢ ምሽክዕላልን ከቢድ ዋጋ ብዝተኸፍሎ ልኡላውነት ሃገር ምጥላዕን ይኣክል” ዝብል ቃሎም ከስምዑን ናይ ለውጢ ዝርዝር ጠለባቶም ከቕርቡን ጀሚሮም ኣለዉ። “ቅዋም ይተግበር፡  ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ  ይገበረሉ፡ ምምልካት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ብዘይወዓል ሕደር ይተግበር፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ውዕላትን ስምምዓትን ንህዝቢ ይተሓበር“ ዝብሉ ከኣ ካብቲ ጠለባት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዚ ዘመልክቶ ከኣ፡ ዕግበት ኣብ ሓደ ጉዳይ ኩልኻ ኣብ ሓደ ግዜ እትበጽሖ ዘይኮነስ፡ ግዜኡ ሓልዩ መምስ በሰለ ዘረጋገጽ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ኣሰላልፋና እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እቲ ሓደ ይመርሕ እቲ ካልእ ከኣ ይስዕብ። እቲ መስርሕ ከኣ ክሳብ ዓወት ይቕጽል። ስለዚ እቲ ኣብቲ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝጸንሐ፡ ነዚ ሕጂ ንደንበ ህግደፍ ዝርሕርሕ ዘሎ ኣካል ኣእዳዉ ዘርጊሑ ናይ ምቕባሉ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ናብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝጽንበር ዘሎ ወገን ከኣ ነቲ ተነጺፉ ዘሎ ናይ ቃልሲ ባይታ ኣንጻር ህግደፍ ግቡእ ኣፍልጦ ሂብካ ዝያዳ ናይ ምብራኹ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ምንባብን ሓቢርካ ምውፋርን ኣብ ሓጺር ግዜ ዕድመ ህግደፍ ከምዘሓጽር ርዱእ እዩ። እዚ ኣገባብ ምኽታል እዩ ከኣ ነቲ ወትሩ ካብ ምፍልላይና ክዕንገል ዝጸንሐ ህግደፍ ዕድል ዝኸልኦ።

ወጽዓ ህግደፍ ከም ናይ ኩሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ወጻዕቲ፡ ሓደ እዋን ከምዘብቅዕ ፍሉጥ እዩ። “መዓስ?” ዝብል ግና ብናትና ናይቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝውሰን እዩ። ህግደፍ ትልኽ ዝብል ዘሎ ክነብር ኢሉ ዘይኮነስ ዕድመ ንምንዋሕ እዩ። ንሕና እንቃለስ ዘለና እውን ህግደፍ ምውዳቑ ከምዘይተርፍ እናተረዳእና፡ ውድቀቱ ንምቅልጣፍ እዩ። ስለዚ ዕድመ ህግደፍ ብናቱ ሕሳብ ዘይኮነ፡ ብናትና ብርታዐ እዩ ክውሰን ዝግበኦ። ዕድመ ህግደፍ እንተነወሐ ብናቱ ብርታዐን ውዲትን ዘይኮነ፡ ኣብ ናትና ድኽመት ዝምርኮስ እዩ። ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ዝረኸብናዮ ዕድላት ብግቡእ ብዘይምጥቃምና ዘይምኽኑይ ግዜ ከም ዝበላዕና ክንእመን ይግበኣና። ንመጻኢ ከኣ ካብኡ ክንመሃር ናይ ግድን እዩ። ሓደ ጉዳይ ስለ ዝደለኻዮ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። በሲሉ ዝውደኣሉ ግቡእ ግዜ የድልዮ። ግቡእ ግዜ ዘይምሃብ ከምቲ “ተሃዊኸን ይደፍአኦሞ ተመሊሰን ይኣርይኦ” ዝበሃል ዘኽፍሎ ዋጋ ስለ ዝህልዎ። ብኣንጻሩ ብጉልባብ “ግቡእ ግዜ ምሃብ” ዘይተደላይ ምድንጓያት ምፍጣር ከኣ ናቱ ሓደጋ ከምዘለዎ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና እንመሃሮ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ዘይተደላይ ምድንጓያት ንዘይምፍጣር “ግዜ እንከለና፡ ግዜ ኣይንጸበ” እንብል።

Last modified on Friday, 08 February 2019 20:35