መልእኽትና ናብ ህዝቢ ኤርትራ

2018-09-25 08:06:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3383 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተፈጥረ ጸገማት ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጸገምዚ ንምውጻእ ኣብ ክንዲ ኣንጻርቲ ናይዚ ጸገማት ጠንቂ ዝኾነ ሓይሊ ንምውጋድ ዝቃለስ፥ ካብቲ ጸገምን ቃልስን ምርሓቕ ስለ ዝመረጸ፣ እቲ ናይቲ ጸገም ጠንቂ ጉጅለ መመሊሱ ክሻድንን ጸገም ኣብ ልዕሊ ጸገም ክድርዕን ዕድል ይረክብ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣዝዩ ኣዛራቢ ዘሎ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ብወገን ዛላንበሳን ራማን ምኽፋቱ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ በዚ ዝረአ ዘሎ ደረጃ ንክኽፈት ደልዩ ዝተፈልጠ የለን። ክሳብ መዓስ ከምዚ ኢሉ ከም ዝቕጽልን ናይቶም በዚ ኣገባብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ድሮ ኣደዳ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ጸገማት ምዃን ጀሚሮም ዘለዉ ኤርትራውያን መጻኢ ዕድልን ሕጋውነትንከ ከመይ ክኸውን እዩ ዝፍለጥ የለን። እቶም ጌና ካብ ህግደፍ ዘይቀበጹ ወገናት ብዛዕባዚ መብርሂ ንክህብ ይጽበይዎ እዮም። እንተኾነ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ኩነታት ከም ዝሕብሮ፣ ህግደፍ እቲ ህዝቢ ብስምዒት፣ መውደቒኡ ከይፈለጠ ክፈልስ እሞ እታ ሃገር ጥራያ ክትተርፍ ድሌቱ ምዃኑ ካብዚ ዝዓቢ ምስክርነት የለን።

እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ውዑይ ፍልሰትን ናይ ቅድሚ ሕጂ ስደትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለዎ ጽልኢ ዘመልክት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ንህግደፍ ዝጸልኣሉ ምኽንያት እውን ኣይኮነንዶ ንዓና ኤርትራውያን ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት የርእዮ ብዘሎ ምቅርራብ ክሽፍኖ ንዝደሊ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት ብምቅላዕ፣ ላዕለዎት ኮሚሽነራት ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰልን ሕቡራት ሃገራት ዘውጽእዎ ንህግደፍ “ጌና ብዙሕ ይተርፈካ ኣሎ” ዝሕመረቱ መልእኽቲ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ምናልባት ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዚ ቀጥዒ ብዘየብሉ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ፍልሰት መንግስታዊ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ክዛረብን መፍትሒ ከቕርብን ዝጽበ ወገን እንተልዩ ይጋገ ኣሎ ኢና እንብል። ምኽንያቱ ህግደፍ ህዝቢ ዓዲ ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ክጠፍኣሉ እሞ ውሑዳት ሒዙ በይኑ ክብሕታ ሕልሙ ስለ ዝኾነ። ህዝቢ ኤርትራ ጥዒምዎስ ዝያዳ ጥዑም ስለ ዝደለየ እዩ ሃገር ዝገድፍ ዘሎ ዝብል እምነት የብልናን። ናይቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ጠንቂ፣ ማእሰርቲ፣ ግዱድ ውትህድርና፣ ስእነት ስራሕ ኮታ ብሓፈሻ ብኩራት ልዕልና ሕግን ኣብ ሃገሩ ናይ ምንባር ውሕስነት ምስኣንን ምዃኑ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እውን እንብሎ እቲ ክኸውን ዝግበኦ ቀጻልን መሰረታውን መፍትሒ ንምምጻእ፣ ካብቲ ጸገም ምህዳም ዘይኮነ ነቲ ጠንቁ ምውጋድ እዩ። እዚ ጠንቂ ናይቲ ጸገም ዝኾነ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ክሳብ ዘሎ ወትሩ ክንስደድ፣ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ከኣ ሃገርና ሰባ ገዲፍዋ ክትባድም ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ድሕሪኡ ዝመጽእ ድማ ናይታ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝመጸት ሃገር ዳግማይ ኣብ ሓደጋ ምእታው እዩ። ምኽንያቱ ህዝብን ሃገርን ሓደ ብዘይካቲ ሓደ ህልውና ስለ ዘየብሎም።

ስደት ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዝተሓላለኸ መዋእል ካብ ቀደም እውን ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ስደት መሰረታዊ ፍታሕ ከም ዘየምጽእ ከኣ ካባና ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን። ስደት ዘይውሑስን ዘይተሓስበሉን ክኸውን እንከሎ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንሕና ተዘክሮ ላፓዱዛ እንፈልጥ ኣይንዝንገዖን ኢና። እቲ ዘሕዝንን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቐናን ከኣ ካብዚ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮ ክንመሃር ዘይምኽኣልና እዩ። ምናልባት በዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፍልሰት ኣቢልና ንህግደፍ ነሕርቖ ወይ ንቐጽዖ ዘለና ከይመስለና። እቲ ኩነታት ብኣንጻሩ እዩ። ህግደፍ ህዝቢ ክጠፍኣሉ እሞ ኣብ ጽምዋ ክነብር እዩ ዝደሊ። ስለዚ “ኪድን ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድን ግበሮ” ዝብል እኩይ ሜላ እዩ ዝኽተል ዘሎ። ክንቀጽዖ እንተኮይና ብውሽጥን ብወጻእን ቀርቂርና ተቓሊስና ከነወግዶ እንከለና ጥራይ እዩ። እዚ ኩነታት ነቶም ዝስደዱ ዘለዉ፣ ህጻናት፣ ኣባጽሕን ብዕድመ ዝደፍኡን ብፍላይ ከኣ ምስ ብዙሓት ደቀን ይስደዳ ንዘለዋ ኣደታት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ ተገዲሱ ክሓስበሉን መፍትሒ ክረኽበሉን ዝግባእ’ዩ። ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መደበር ስደተኛታት መጻኢ ዕድሉ እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠሉ ግዜ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናይ ዝንቀሳቐሱ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ይኾኑ ኣለዉ። ቀደም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከነሰጋግረኩም “ክንድዚ ክፈሉ” እዩ ዝበሃል ነይሩ። ሎሚ ድማ እዞም ኣብ ከምዚ ተዋፊሮም ዝነበሩ ወገናት ካብ ኢትዮጵያን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ከነመዝግበኩም “ክንድዚ ብር/ናቕፋ ክፈሉ” ዝብል ካልእ መልክዕ ሒዞም ይቀላቐሉ ኣለዉ’ሞ ምጥንቃቕ ዘድልዮ እዩ።

እዚ ቀጥዒ ዘየብሉ ዋሕዚ ኤርትራውያን፣ መልእኽቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበረሉ ዲክታቶር ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ዕዮ ገዝኡ ዘይሰርሐ በሰሮን ብህዝቢ ኤርትራ ዝተጸልአን መራሒ ምዃኑ ንክርዳእ ዘኽእሎ እዩ። ምኽንያቱ ስደት፣ ህዝቢ መንግስቱ ክጸልእ እንከሎ ካብ ዝወስዶም ስጉምትታት ሓደ ብምዃኑ። እዚ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነዚ እንዳፈለጠ ዝኣተዎ ምዃኑ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ክሳብ ክንደይ ብህዝቡ ምስ ዝተጸልአ መራሒ ይመሓዘው ምህላዉ ዘዘኻኽሮ ተረኽቦ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ቀንዲ በዓል ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እሞ፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ፍልሰት ንኤርትራ ናብ ሰብ ኣልቦ ክመርሓ ምዃኑ ክርዳእን ካብዚ ንምድሓን መንገዲ ክጸርግን ምዝኽኻር መልእኽትና እዩ።

Last modified on Tuesday, 25 September 2018 10:21