“ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ከይንበሃል

2018-09-15 09:34:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2864 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ስልጣን ዕድመኡ ሕማቕ ተግባራቱ ካብ ዝተዓቀነሉ መምዘንታት ሓደ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝጸንሖ ዘራጊ ዝምድና እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ምስ ኩለን ገረባብቲ ኤርትራ ተሰሓሒቡ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ውግእ እትዩ። ክልተ ግዜ ዝተዋግአን እውን ነይረን። ናይዚ ኩሉ ውግኣትን ምስሕሓባትን ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኩነታት ዝርኢ፡ ነቲ ውሽጣዊ ዓቢጡ ደገደገ ንምምዕዳው ንክጥዕሞ ህግደፍ ዝሃንደሶ ተንኮል እዩ ነይሩ። እሞ ከምቲ ዝደለዮዶ ንውሽጣዊ ኩነታት ህዝብና ክሓብኦ ክኢሉ ወይስ ኣይፋሉን ምልክታቱ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይረአ ኣሎ።

ብዙሓት ወገናት ነቲ ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ ዝገብሮ ምትኹታዃት ካብቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘውርዶ ዘሎ በደላት ዝተፈልየ ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም። ነቲ ንሱ በደሉ ንክሓብእ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ፈላሊኻ ምርኣይ ዘየኽእል ስጡኡም ሓድነት ከምዘለዎም ኣምሲሉ ዘቕርበሎም ርዒሞም “ናብራ ህዝቡ ዝነብር መራሒ” ዝብልዎ’ውን ነይሮም። ኣብ መንጎ ወጻዕን ተወጻዕንስ ከመይ ገይሩ እዩ ከምዚ ዓይነት ሕሉፍ ፍቕሪ ዝህሉ ኢሎም ምግንዛብ ዝተሰእኖም’ውን ነይሮም።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ቀረባ ወርሓት ነቲ ቀንዲ ኣበሩ ዝሓብኣሉ መሲልዎ፡ ካብቲ ንጉዳይ ህዝብና ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ኣቕጣጫ ብነዊሕ ሃዲሙ፡ ምስ ጐረባብቲ ደላይ ሰናይ መሲልካ ናይ ምቕራብ ሃንደበታዊ ማዕበል ኣልዒሉ። ነቶም መቐየሪ ዘየብሎም ክልተ ሰባቱ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ልቦም ክሳብ ዝጠፎም ናብ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ጅቡቲ፡ ሱዕድያን ኢማራትን ከጉይዮም ጸኒሑ። መወዳእቱ ከመይ ይኸውን ሓቢርና እንርእዮ ኮይኑ፡ በዚ ተግባሩ ልቢ ናይ ዝተወሰኑ መራሕቲ ጐርባብቲ ሃገራት እውን ሰሊቡ’ዩ። ገሊኦም ናብቲ ብሰንኪ ዘይጥዑይ ዲፕሎማሲያዊ ኣተሓሕዛኡ ገዲፍዎ ዝነበረ ኢጋድ ክመልስዎ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ምሒር ከሻህርትዎ በብዓይነቱ መረሳሰኒ ናይ ናእዳ ሳጓታት ኣውጼምሉስ እቲ ብ2009 ዝተወሰኖ ማዕቀብ ክለዓለሉ ከክንዳኡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከጠርዑ እውን ተዓዚብና። ምናልባት ደኣ ነቲ ቀንዲ ኢሳይያስ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ ከይከውን እምበር፡ ናይቶም ውጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ ህዝቦም ገይሮም ዘይወስዱ ግና ድማ ምእንቲ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ዝሰብኩ ኣካላት ጉዳይ ኣዛራቢ እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ በዚ ተግባሩ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣየዕሸወን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ክቕየር ምስ ጀመረ “ደጊም ኩሉ ተወዲኡ ሰላም ኮይኑ እዩ” ዝብል ናይ ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃ ዘረባታት ክስማዕ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ብሳላቲ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ከካይድዎ ዝጸንሑን ዘይካይድዎ ዘለዉን ናይ ምቅላዕ ተግባር ኢሳይያስ ከምቲ ዝሓሰቦ ከምዘይኮነሉ ምልክታት ክንርኢ ጀሚርና ኣለና። “እዋእ ሎሚ ደኣ ከምዛ ናይ ኢትዮጵያ ክገብር እዩ እምበር” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዘራርባ መልእኽቱ ቀሊል ኣይኮነን።

ዓበይቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽናት ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኢሳይያስ ብሓፈሻ ምስ ጐርባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ዝምድና ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ፈተነታት እንተቐጺሉ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ዝግበኦ ዜቤታዊ ኩለመዳያዊ ለውጢ መበገሲ ክኸውን እንተዘይኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ ንሱ ከምዘይኮነ ክነግርዎ ጀሚሮም ኣለዉ። በቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ውሽጡ ደፊኑ ምስ ጐረባብቲ ጀሚርዎ ዘሎ ውሱን ስጉምትታት ተነይቱ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዘየብሉ ምስሊ ሒዙ ቀረቡ፡ ብዛዕባ ምልዓል እገዳን ካልእ ተቐባልነትን ክሓስብ ከምዘይብሉ ክንገሮ ጀሚሩ ኣሎ። ወዮም ደፋፊንዎም ክኸይድ ዝደሊ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምቁራጽ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ስግኣትን ክቱር ምቁጽጻርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምውጋድ፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ምትካል…. ወዘተ ዝብሉ ሓረጋት ብኤርትራዊ ልሳን ጥራይ ዘይኮነ በቶም ክተዓረቖም ጉንብሕ ጥልዕ ዝብለሎም ዘሎ ኣሜሪካውያን ናይ ዲፕሎማሲ ፈላጣት እውን ይለዓሉ ኣለዉ።

እቲ ናይ ኢሳይያስ ገበናት በቲ ምስ ጐረባብቲ ዝገብሮ ዝርጋ ጥራይ ዝምዘን ዘይኮነ፡ ብዝያዳ ብመንጽር’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆና ክኸውን ይግበኦ፡ ንብሎ ዝነበርና ሎሚ ሰማዒ እዝኒ ምርካቡ ነቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ። ነቲ ንሕና ኤርትራውን ባዕልና ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ግና ክሳብ ሕጂ ዘይበቓዕናዮ ዝትክእ ግና ኣይኮነን። ስለዚ በዚ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝቀላቐል ዘሎ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ዝቐጽዕ ሓሳባት ተተባቢዕና፡ በበይንና ዘይኮነ ብሓባር፡ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮና ተማሂርና ቃልስና ንቕድሚት ክንደፍእ ሎሚ’ውን ናትና ዕዳ እዩ። ሎሚ’ውን ኣብ ጉዳይና ቦታ ተዓዘብቲ ሒዝና ክንስገር እንተኮይና ግና “ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ክንበሃል ኢና።

Last modified on Saturday, 15 September 2018 11:40