“እየ” ምባልን ከምኡ ክትከውን ዘይምብቃዕን

2017-07-29 22:25:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3845 times

ሰባት ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ንገዛእ ርእሶም ከላልዩ እንከለዉ “ከምዚ እየ” ክብሉ ልሙድ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምልላይ ተግባር ምስ ዕድመ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ደረጃ ሓላፍነት፡ መርገጺኻ ኣብ ሓደ ጉዳይ … ወዘተ ዘጋጥም እዩ። እቲ እንታይነትካ ንምግላጽ “ከምዚ እየ” እትብሎ፡ ብርግጽ ከምኡ ዲኻ ኣይኮንካን ንምውሳን ብዓሚቕ ምርግጋጽን ምርኣይን ዘድልዮ’እምበር ስለ ዝበልካዮ ጥራይ ከም ቅቡል ክውሰደልካ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ “ከምዚ እየ” ምባልን ከምኡ ክትከውን ምብቃዕን ፍልልይ ስለ ዘጋጥም። ነቲ “እየ እምበር” ዝብል ስለ ዝተባህለ ጥራይ ብተግባር ከየጥለልካ ምቕባል ከኣ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።

ነቲ “ከምዚ እየ” ዝብል ንምርግጋጽ፥ እቲ መዕቀንታት ከከም ደረጃኦም ብዙሓት እዮም። ንዕድመ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዓይነትን ደረጃን ስራሕ ዝምልከት መረጋገጺ ሰነድ ዝወሃብ ከኣ ካብዚ ኣገዳስነት ብምንቃል እዩ። ብዛዕባ ሓደ “እየ” እትብሎ  ሰነዳዊ መረጋገጺ ምሓዝ ሓደ ስጉምቲ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ግና ነቲ ሰነዳዊ መረጋገጺ ብተግባር ክተሰንዮ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ንኣብነት ናይ ሓደ ኩባንያ፡ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ምዃንካ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት ምሓዝ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንድን መሰረታውን ግና “እየ” ክትብል ዘብቅዕ እዞም ኣካሎም’የ እትብሎም ውዳበታት ወይ ኩባንያታት ዝመሓደርሉ ሕግታትን ናይ ኣሰራርሓ ስርዓትን ከተኽብር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ውዳበታት እትጽበዮ መሰል ኣሎ። ናይቲ መሰላት ጸጋ ተጠቃሚ ክትከውን ግና ናይቲ “ኣካሉ’የ” እትብሎን መሰልካ እትሓቶን ኣካል መትከላት ከተኽብር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኻልኦት ከይድፈር እውን ክትሕልው ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ በቲ ሕግታትን ስነስርዓትን ዘይምእዙዝ ክንስኻ “ከምዚ ዓይነት መሰል ጐዲሉኒ” እንተበልካ ኪኖ “ጭጉራፍስ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ተበዲለን መሰለይ ተነፊገን ኢልካ፡ ኣውያት ምስማዕን “ዓገብ በሉለይ” ምባልን ነውሪ ኣይኮነን። እንተኾነ ናትካ ጥሕሰታት ሓቢእካ ሓቂ ዝመስል ዕምቡረ ፈጢርካ ክስማዕ እየ ምባል መወዳእትኡ ፍሽለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣውያትካ ዝሰመዐ፡ ምእንቲ ፍትሓዊ ብይን ክህብን ርትዓዊ መርገጽ ክሕዝን ንድሕሪት ተመሊሱ ነቲ ክትሓብኦ እትፍትን ኣበርካ ከጻሪ ግድን ስለ ዝኾነ። ነዚ ዘንጊዕካ “ኣነ ነንዝበልኩዎ ከይመመዩ ከም ሓቂ ክወስዱለይ እዮም” ኢልካ ምግማት ግና ጌጋ እዩ። ደጊም “ካብ ጸጊበን ዝዕንድራስ፡ ክዕንድራ ርእየን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ዝበሃል ምስላ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ባይታ ኣይሰርሕን እዩ።
ስለዚ ሓደ ትካል ወይ ውድብ ዝምረሓሉ ኩለ-መዳያዊ ሕጉን ኣሰራርሓኡን እንዳ ጠሓስካን ኣጸለምካን   “ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣካሉ እየ”  ምባል፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘሎና ዘመናዊ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ባህልና እውን ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ መብዛሕትኡ ቁሸታትና፡ ነቲ ሃገር እትምረሓሉ ሓፈሻዊ ሕግታት ብዘይጻረር፡ ህዝቢ ዝመሓደረሎም ሕግታትን ስድብታትን (ሕጊ ደቂ ዓዲ) ኣለዉ። እዞም ስድብታት ዘተኩሩሎም ዛዕባታት፡ መርዓን ሓዘንን፡ ዘርዓ፡ ኣተዓዳድላ ጢሳ፡ ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ኣቀባብላ ጋሻን ዝኣመሰሉ እዮም። እዚ ስድቢ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ዓዲ ክቕየደሉ ዝግበኦ ዓንቀጻትን ንጥሕሰታቱ ዝምጥን መቕጻዕትን ኣለዎ። ሓደ ኣካል ነዚ ሕግታት እንዳጠሓሰን ነዚ ሕጊ ክተግብሩ ብደቂ ዓዲ ቆጽሊ ዝወደቖም ፈጸምቲ ሽማግለታት እንዳነጸገን “ወዲ ዓዲ እገለ እየ” እንተበለ፡ እቶም ነቲ ሕጊ ዘኽብሩ ደቂ ዓዲ ዝረኽብዎ መሰል ኣይረክብን እዩ። “ወዲ ዓዲ እገለ እየ” እንተበለ እውን ሰማዒ እዝኒ ኣይረክብን። ምኽንያቱ ቀሊል እዩ። ከምቲ “እየ” ዝብሎ ክኸውን ስለ ዘይበቐዐ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ደቂ ዓዲ ዝጽበዮ ጥቕሚ ምኽላእ ጥራይ ኣይኮነን። ስድቢ ዓዲ ስለ ዝጠሓሰ መቕጻዕትን ውግዘትን እውን ይጽበዮ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ሃብታም’የ፡ ክኢላ’የ፡ ወዲ እገለ‘የ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ትዕቢት ስምዒታት ከቶ ልዕሊ ስድቢ ዓዲ ኣይስርዑን እዮም።

እቲ ከምኡ ዘይኮነ ክነሱ ከምዚ እየ፡ ዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ክነቅል ይኽእል። ገለን ሰኣን ፍላጥ ጽቡቕ ዘሎ እንዳመሰሎ። ገለን ድማ እንዳፈለጠ ብትዕቢት ተሰንዲሑ፡ ሓቀኛ ድሌቱ ሓቢኡ፡ ንብዓት ሓርገጽ እንዳነበዐ ከዕሹ ዝደሊ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ነቲ ሰኣን ፍላጥ፡ ዘይበቕዖ ክነሱ “እየ” ንዝብል፡ ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ንክምለስ ምሕጋዙን ናብቲ ንቡር መንገዲ ንክምለስ ግዜ ምሃቡን ናይቲ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ሓደገኛ ሳዕቤን ከተርእዮን ንቡር እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ፈሊሑ ዝገረረሉን ኣጸቡቑ ዝርድኦን ኣሰራርሓ ጓዕጺጹን ባዕሉ ንዘጽደቖ ሕግታት ጥሒሱን “ግድን ኣነ ዝበልኩዎ ተዘይኮነ” ንዝብል ግና ከምቲ “ፈሊጡ ንዝደቀሰስ ሓራሚ ነይንቕንቖ” ዝበሃል ኮነ ኢሉ ስለ ዘጽቀጠ፡ ዘየድሊ ግዜን ጉልበትን ከየባኸንካ ሕጋውን ስርዒታውን መእረምታ ምግባር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ ንመልክዕ ዘይኮነ ንከምዚ ዓይነት ኩነታት መዕገሲ እዩ ዝወጽእ። ከምቲ “ዓይኒ ከዳዕ ነባዕ” ዝበሃል መርዛም ኣጀንዳኣኡ ሓቢኡ ብዘስመዖ ቁዝማን ዘብለጭልጭ ሓረጋትን ዘይምድንጋር ከኣ መሰረታዊ እዩ። ኣብዚ ንርከብሉ ዘለና እዋን ዳርጋ ኩልና ብሕግን ስነስርዓትን ዘይምኻድ ዘምጽኦ መዘዝ ከቢድ ምዃኑ ነቃልሕን ንሰብኽን ኢና።  እቶም ጎደና ዓወት ንኸይንስሕት ብሕጊ ተቐይድና ክንጎዓዝ እንበቅዕከ ክንደይ ኢና ግና ኣዘራራቢ እዩ። ሎሚ ናይ “ከምዚ እየ “ ምባል ዘይኮነ፡ ክምቲ “እየ” እትብሎ ክትከውን ናይ ምብቃዕ መድረኽ እዩ::

Last modified on Sunday, 30 July 2017 00:33