ሕጊ ዘየኽብር ኣኽባር ሕጊ

2016-11-29 15:58:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4255 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

ወለድና ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ናቱ ኣቐሚጡ ብዛዕባ ካኦት ዝወራዘ ኣካል ክገጥሞም እንከሎ “ዘይሓፍር ድሙ ገብረማርያም ስሙ” ኢሎም ክምስሉ ትዝ ይብለና። ሓደ ሓደ ግዜ እውን ኣይፈልጡንን እዮም ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ኣዕሽዩ ንካኦት ከዕሹ ንዝፍትን  ኣካል  “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ክበሃ ንሰምዕ ኢና። እዚ ኣበሃህላታት ንዝርደኦ ኣዝዩ መሳጢ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎ እዩ።

ጸረ ህዝቢ እንታይነት ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝግለጸሉ መርኣያታት እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ፡ ኣብ ስራሕ ዝዋዓለ ሕገ-መንግስቲ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ቅዋም ህዝባዊ ስርዓታት ምስቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ዘተኣሳስሮም ብፈቓድ ህዝቢ ዝጸድቕ ናይ ቃል ኪዳን ሰነድ እዩ። ህዝቢ መንግስታት ብግቡእ ይመርሕዎ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝቆጸጸረሉ መሳርሒ እዚ ቅዋም እዩ። ህዝቢ ብዘይቅዋም ዝመርሕዎ ስርዓታት፡ ዝቆጻጸረሉ መንገዲ የብሉን። እዚ ካብ ኮነ እቶም ስርዓታት ዝኸድዎ መንገዲ ኢደ-ወነናዊ እዩ። ሳዕቤን ኢደ-ወነናውነት እንታይ ምዃኡ ከኣ ካባና ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝርደኦ ኣካል የለን።

ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ናይ ኩሉ ሰቪላዊ ኮነ ገበናዊ ሕግታት መበገሲ ወይ መወከሲ እዩ። እዞም ሕግታት እዚኣቶም ምስቲ ሕገ መንግስቲ ብዘሳኒ ኣገባብ እዮም ዝቕረጹ። ብሰናይ ፈቓድ ህዝቢ ዝጸደቐ  ቅዋም መሰረት ከይገበረ ዝቕረጽ ሲቪላዊ ኮነ ገበናዊ ወይ ንግዳዊ ሕጊ ግና ካብቲ እቲ ዓመጸኛ ኣካል በብግዜኡ ዘውጸኦም ፍሉያት መጨቆኒ ኣዋጃትን  ድንጋገታትን ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ቅዋማዊ መወከሲ ኣብ ዘየብሉ ዘውጸኦም ኮነ ዘመሓይሾም ናይ ህዝቢ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ዘይብሎም ሕግታትን ኣዋጃትን ናይ ዓመጸኛ ኣካይዳኡ ኣብነት እዮም።

ኣብ ኤርትራ ብ1997 ዝጸደቐ ኣዛራቢ ሕገ መንግስቲ ነይሩ። ኣዛራቢ ካብ ኰነሉ  ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ መስርሕ ኣፈጻጽምኡ ዝነበር ሕጽረታት እኳ ይኹን እምበር፡  ጉጅለ ህግደፍ ግና ነዚ ኣብ ህልውናኡ ዝጸደቕው ቅዋም እውን ከተግብር  ኣይተበዐን። እዚ ዘይምትብዑ  መምዘኒ ዘይህዝባውነቱ ምንባሩን ምዃኑን ዘዳዲ ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሕብረተሰብ ዓለም፡ እቲ ቅዋም ምስ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእል ሕጽረታ “እስኪ ብተግባር ይፈተን” ብዝብል ይቐርቦ ንዝነበረ  ተጽዕኖ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ፡ ከይሓፈረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ብዘንጸባርቕ መልክዑ “እቲ ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ከይተተግበረ ኣሪጉ ሞይቱ እዩ። ሕጂ ሓዲሽ ቅዋም ንምንዳፍ ንሰርሕ ኣለና” ዝብል ሕጫጨ ብወግዒ ገሊጹ። እነሆ ከኣ ከምኡ ካብ ዝብል’ኳ 3 ዓመታት ሓሊፉ። ደሃይ ሓድሽ ንድፊ ከኣ የለን። እዚ ዘመልክቶ እቲ ጉጅለ ንመጻኢ እውን ብዛዕባ ቅዋም ዘይዓጦ ምዃኑ እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መእተዊና ጠቒስናዮ ዘለና ምስላታት ኣንበብቲ “መሲልኩም እንታይ ኣምጻእኩም” ከም እትብሉ ፍሉጥ እዩ። ንሕና እውን ብዘይምኽንያት ኣይኮናን ነዚ ምስላታት ጠቒስናዮ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ስርዓት ህግደፍ “ሚኒስትሪ ፍትሒ” ብዛዕባ ምምሕያሽ ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት  ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ገለ ናይቲ ስርዓት መዳመቕቲ መርበባት ሓበሬታን ክጽሕፉ ተዓዚብና። እዚ በቲ ሓደ ወገን ምሕጫጭ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ከምቲ “መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ”  ዝበሃል፡ ኤርትራዊ ተኸሲሱ ቀሪቡ፡ ኣንጻር ክሱ ባዕሉ ድዩ ጠበቓ ኣቚሙ ክከለኸለሉ ዘኽእል መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዘይብሉ፡ ወረ ኣበይ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ብቤተሰቡ ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት  እዩ ብዛዕባዚ ሕግታት ዝጸሓፍን ዝዝረብን ዘሎ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ሕግታት’ዚ ዝምርኮሰሉ ብህዝቢ ዝጸድቐ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ዘየብሉ፡ ኣብ ፍሉይ ድሌትን ጠቕምን እቲ  ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ጥራይ ተንጠልጢሉ ዝቕረጽን ዝመሓየሽን ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓንጸጸ ሕጊ እንተ ተሓንጸጸ፡ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ፍትሒ ከም ዘየብሉ፡ ከካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኩሮ ዝርደኦ እዩ። ቤተሰቡ ብዘይፈልጥዎ ገበን ምስተኣስሩ ኣበይ ከም ዝተኣስሩን ኣብቲ ዝተኣስርዎ ቦታ ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ብዙሕ እዩ። ቤተሰቡ ብጉጅለ ህግደፍ ምስተኣስሩ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብዘይፍርድን ስርዓትን ኣባላት ጸጥታ እቲ ስርዓት፡ ምስ መነውዎ ዝተፈትሕዎ ኤርትራዊ ብዙሕ እዩ። ንዓቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሑ ውላዱ ብናቶም ምርጫ ካብ መቑሕ ህግደፍ ምስ ኣምለጡ፡ 50 ሺሕ ናቕፋን ካብኡ ንላዕልን ክኸፍል ዝተገደደ ኤርትራዊ ስድራ ቤት ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ እቲ ጉጅለ “ከምዚ ሕግዚ ሓንጸጽኩ ወይ ኣመሓየሽኩ” እንተበለስ ናይ ኣየናይ ኤርትራዊ ልቢ እዩ ክረስርስ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዘሎ፡ ስምዒት ሰባት ልዕሊ ሕጊ ዝቕመጠሉ ኩነታት ከይተዳህለለ፡ ነዚ ቀይሩ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕጊ ልዕሊ ድሌት ሰባት ዝስረዓሉ ኩነታት ንምፍጣር ቃልሱ ክቕጽል ናይ ግድን’ዩ ንብል!

Last modified on Tuesday, 29 November 2016 17:06