ዕዳጋ ዝተሓረሞ ኤርትራዊ ሓረስታይ

2016-11-18 19:29:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2862 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኣብ ህግደፍ ዘይተነግረ እምበር፡ ዘይተገብረ የለን” ዝብል ምስላ ብዛዕባ ህግደፍ ክንጽሕፍ እንከለና ክንጠቕሶ ንግደድ ኢና። ምኽንያቱ ገላጺ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ኣብዚ ዘመንዚ ክትሰምዖ እውን ዘደንጹ ብስርዓት ህግደፍ ዝወጸ ሕጊ ከም ዘሎ ብናይ ዜና ማዕከናት ክግለጽ ጸኒሑ። ካብ ኤርትራ ዝመጹ ሓረስቶት እውን ኣረጋጊጸምዎ እዮም። መሰረታዊ ጭብጢ ናይቲ መምርሒ “ዝኾነ ሓረስታይ ዘራእቱ ቅድሚ ምሕፋሱ ብሽማግለ ከገምት ይግደድ። ደሓር በቲ ግምት መሰረት ንሱ ዝጥቀመሉ 10 ኩንታል ጥራይ ኣትሪፉ እቲ ዝተረፈ ናይ ምውጋይ መሰል ኣብ ዘየብሉ ዕዳጋ ናብ መንግስቲ ብሕሳብ 600 ናቕፋ የረክብ” ዝብል እዩ። ኣብ ዓይነት እኽሊ ፍልልይ ኣሎ ድዩ የለን ኣይተነጸረን። እንተልዩ’ውን ዝንኪ እምበር ዝውስኽ ከም ዘይከውን ፍሉጥ እዩ። እዚ ምስ’ቲ ብዓለም ደረጃ ኣዝዩ ዝፍንፈንን ዝኹነን ዘሎ 2% ዝዛመድ ይመስል።

ሓረስታይ ኤርትራ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብዓለም ከይፍለጥ እሞ ሓጋዚ ከይረክብ ስለ ዝተዓብዓበ ብዙሕ ኣውያቱ ዘይተሰምዐ ሳዕቤናት ዘሕለፈሉ ኣካሒዳ ዘውጽእ ተስፋ ዝህብ እቶት ኣብ ዝጽበየሉ ህግደፍ ኣንበጣ መሲሉ ክመጾ እንከሎ  ክሳብ ክንደይ ከም ዝድንጽዎ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እንተኾነ ሓደ ተረኽቦ ሓድሽ ኮይኑ ክመጽእ እንከሎ ከዛርብ ደኣ ናይ ግድን ኮይኑ እምበር፡ ሓረስታይ ኤርትራስ ብናይ ህግደፍ ዓመጽን በደልን ላድዩ እዩ።

ነዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ግምት ዘካይዳ ሽማግለታት ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ብህግደፍ እየን ክቖማ። ህግደፍ እዘን ሽማግለታት ምእንቲ ብዙሕ እኽሊ ክእክብ ዘብቀዖ ግምታት ክብ ከብላሉ ክደሊ እዩ። ምእንቲ እዚ እሙናቱ ከዋፍር እዩ። እንተ’ቲ ሓረስታይ ንጉጅለ ህግደፍ ሓቀኛ ግምቱ ብሰናይ ድሌቱ ክህብ ዘበት’ዩ። ኣብዚ ናይ ሕልኽልኽ ግዜ እቲ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ሳዕሪሩ ዘሎ ጉቦን ብላዕን፡ ናብቲ ዝግመት፡ ቁሚጦ፡ ኩልስስቲ፡ ንዕርትን ጉንሕን ክወርድ ምዃኑ ከኣ ርዱእ እዩ።

እዚ ኣብዚ ደሓን እቶት ክሕፈሰሉ ትጽቢት ዝተነብረሉን ማእቶት ናይ ምእምራር ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ-ሰብ “ሓርኢ ተመን” ዝኾነሉን ቀውዒ ብህግደፍ ንወጻኢታት ናይቲ ሓረስታይ’ኳ ብዘይትክእ ግዱድ ዋጋ ገዚኡ ክኽዝኖ መዲብዎ ዘሎ እኽሊ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሓረስታይ እተን ብገዛእ ንብረቱ “እዚኣን ጥራይ ይኣኽላኻ” ተባሂለን ዝተተኹባሉ ንቐለብ፡ ንውራይ፡ ንንግደትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ማሕበራዊ ግደታን ሻሕሻሕ ኣቢሉ ምስ ወደአን፡ እንደጋና ብገዛእ እቶቱ ኣብ ሓምለ ሰነ ብሰለስተ ኣርባዕተ ዕጽፊ እሞ ኣብ ድኳን ሕድሪ መስርዕ ኣትሒዙ፡ ክሸጠሉ ከም ዝመደበ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ዘረጋገጾ እዩ።

መንግስቲ ህዝቡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዋሕዲ መግቢ ከጋጥሞ እንከሎ፡ ዓቕሚ እንተልይዎ ካብ ዓቕሙ፡ ዓቕሚ ተወሓዶ ድማ፡ ካብ ሕብረሰብ ዓለም ሓገዝ ሓቲቱ መግቢ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኢና እንርዳእ። ኣብ ተመኩሮ ህግደፍ ግና፡ ደርቂ ኣጋጢሙ እቶት ውሒዱ ህዝቢ ብጥሜት ክጥቃዕ እንከሎ፡ ወይ ዓቕሚ ሃልይዎ፡ ኣይሕግዝን ወይ ድማ ሕብረተሰብ ዓለም ለጋስ ኢዱ ንክዝርሕ ኣይጽውዕን።  ኣብ ክንድኡ ምስምሳት ብምፍጣር ድምጹ ይሓብእን ኣፍደገ ሓገዝ ይዓጹን። ከምዚ ናይ ሎሚ ዘበን ደሓን እቶት ክርከብ እንከሎ ድማ፡ ከምዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሰፍኢ ሒዙ ኣብ ዓውዲ የቃሉ። ስለዚ ኤርትራዊ ሓረስታይ “ክሳብ መዓስ ከምዚ ኢልካ?” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ግዚ ከም ዝበጸሐ ከስተብህል ናይ ግድን ግድን እዩ፡

እዚ ኣብ እንግደዓ ሓረስታይ ኤርትራ ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እንተላይ እቲ ምእንቲ ህዝቢ እየ ኢሉ ብረት ዓጢቑ ዘሎ ሓይልን ንሕና ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ሓይሊ ተቓውሞን እውን፡ ከምቲ ንህግደፍ ኣብ መዳያት ደሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ቅኑዕ ምምሕዳር፡ ኣብ ስደትን ሳዕቤናቱን ነቃለዖ ዘለና፡ ኣብዚ ኣብ ልዕሊ ሓረስታይና ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ቁስሉ ከሕዊ ተስፋ ዝገበረሉ ግዜ ዝወርዶ ዘሎ በደል እውን ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ ምቅላዕ ወፈራ ከነካይድ ይግበኣና። ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ 2% መደባቱ ካብ ምንቃፍን ምኹናን ሓሊፉ ፈጺሙ ይስረዝ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝምህዝ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ’ውን ክንደግሞ ኣለና።

Last modified on Friday, 18 November 2016 20:34