ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ከይንበሃል!

2016-06-14 06:29:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3258 times
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸነሐን ዘሎን ወጽዓ ብብዝሑ ኮነ ብክብደቱ ብዙሕን ዓሚቕን ምዃኑ ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ወጽዓ ምስ ግህሰት መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝተሓሓዝ እዩ። እዚ በደላት ንምውጋድ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውድባቱን ኣብ ርእሲ እቲ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ናይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ማሕበራትን ሓገዝን ምትሕብባር ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ ገበናቱ ሓቢኡ በቲ ጻዕርን ቃልስን ክሕጭጭን ክወራዘን ጸኒሑ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ግህሰታት ገንፊሉ ምስ ወጸ ግና ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኤርትራ ገጹ ከመዓዱ ናይ ግድን ኮይኑ። ንጉጅለ ህግደፍ ከኣ ካብ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኢዱ ከልዕል ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ኣቕሪብሉ። ናይቲ ጉጅለ ናይ “ዝገሃስኩዎ መሰል የለን” ክሕደት ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ከጻሪ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ብሰንኪ ኣብያ ናይቲ ጉጅለ ኣይተዓወተን። እንተኾነ እቲ ኮሚሽን በዚ ናይ ህግደፍ “ኣሉ ቀጣን” ከይተዓግተ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ንምጽራይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣቚሙ ክሰርሕ ጸኒሑስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይቲ መርማሪ ኮሚሽን ውጽኢት ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ። ነዚ ጸብጻብ መሰረት ብምግባር ነቲ ጉጅለ ክንድቲ ግብሩ ኣብ ዝቐጽዕ ውሳነ ክብጻሕ ከኣ ትጽቢት ኣሎ።

ነቲ እቲ ኮሚሽን ዘቕረቦ ምርመራዊ ጸብጻብ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ሚዛን ክህብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ናይ ኩሎም ወገናት ምላሽ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ወዮ “ኣሉ” ክብልን፡ ነቲ ርኡይ ሓቂ ምስ ክተሓሓዙ ዘይግበኦም ጉዳያት እንዳተሓሓዘ ካብቲ ኮሚሽን ክሃድም ስለ ዝጸንሕ፡ ሕጂ ነቲ ጸብጻብ “ኣይቅበሎን እየ” እንተበለ ዘገርም ኣይኮነን። ከምኡ ከኣ ይብል ኣሎ። እንተኾነ ሎሚ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝለመዶ ንክሃድም ገፊሕ መንገዲ ዝኸፍተሉ ኣይመስልን። ኩሉ ግዜ ብህዝቢ ክትሕጭጭ ምንባር ስለ ዘይከኣል። ብኣንጻሩ ዝተፈላለዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከቐንዝዎም ዝጸንሐ ወገናት፡ ነቲ ጸብጻብ ደጊፎም ኣብ ዝረአ ናይ መወዳእታ ፍረ ንክበጽሕ ዘለዎም ተስፋን ደገፍን ይገልጹ ኣለዉ።

ንሕና እቶም ካብ መጀመርታኡ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት መሰረታዊ መሰላት፡ ከሎ ጌና እንተዘይተገቲኡ ሓደጋኡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ከቢድ ከም ዝኸውን ከነተንብህን፡ እቲ ኮሚሽን ምስ ቆመ’ውን ዓቕምና ዝፈቕዶ ክንተሓባበርን ዝጸናሕና፡ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ከም እንድግፍ ርዱእ እዩ። ካባና ዝድለ ግና ነቲ ጸብጻብ ኣብ ምድጋፍ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ግቡእ መስርሑ ተኸቲሉ፡ በቲ ሓደ ወገን ክብሪ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገርና ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ከም ዝስረት ብዝሕግዝ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቶም መሰል ህዝብና ክግህሱ ዝጸንሑ ወገናት ናይ ኢዶም ብዝህብ ኣገባብ ክዛዘም ቀጻሊ ጻዕሪ ክንገብር ናይ ግድን እዩ። እዚ ዕማም ከምቲ ዝተገልጸ ንብዙሓት ወገናት ዝምልከት’ኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን እዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ  ዘይኤርትራውያን ወገናት ካብ ሰብእውነት ተበጊሶም ክሳብ ክንድዚ በጃ ህዝብና ክስለፉን፡ ኣብዚ ጉዳይና ላዕልን ታሕትን ክብሉን እንከለዉ፡ ንሕና ዛሕቲልና፡ “ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ከይንበሃል ሓደራ።

ኣብ ኣተሓሕዛ እዚ ጉዳይ ብግቡእ ክረአ ዝግበኦ ቁምነገር፡ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ገበኑ ክሓብእ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግስሩጥ ምምሕዳሩ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጸሊም ደበና ከም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ሃገር ዝዓለመ ኣምሲሉ ዘቕርቦ ዘሎ እኩይ ምህዞ እዩ። እዚ ጸብጻብ ብንጹር ነቲ ኣካላት ናይቲ ሓላፊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸምዎ ገበናት እዩ ዘቃልዕ። እቲ መቕጻዕቲ እውን ኣብ ልዕሊኦም እምበር ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይከውን ክንርዳእ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ህልውና ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝፈጸሞ ገበን ክቕጻዕ እንከሎ ዘይኮነስ፡ እቲ ጉጅለ በዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ እንተቐጺሉ ምዃኑ ክንግንዘብ ከድልየና እዩ።

ንግብራውነት ናይዚ ጸብጻብ ክንድግፍን ክንሰርሕን ቅድሚ ኩሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዕላዊ ኣፍልጦን ደገፍን ክንህቦ ይግበኣና። ካብቲ ነዚ ከነንጸባርቐሉ እንኽእል ኣገባብ ሓደ ድማ እዚ ኣብ 23 ሰነ 2016 ክካየድ ተሰሪዑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቫን ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እዩ’ሞ ብግቡእ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ሓደ ኣካል ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ስለ ዝወስዶ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ክደፍኣሉ እዩ።

Last modified on Tuesday, 14 June 2016 08:37