ጉጅለ ህግደፍን ዘርባዕብዑን!

2016-06-06 09:10:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3381 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ላግጺ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ምናልባት ውሱን ግዜ እምበር ቀጻሊ ዕድመ ክህልዎ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ከተዕሽዎ ኣይከኣልን። ብመንጽር እዚ፡ ሎሚ ህዝብና ነቲ ኣብ ግዜ በዅሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ውሽጡን ዕምቆቱን ከይፈለጠ ከም ዘለዎ ዝኣምኖን ዝቕበሎን ዝነበረ “ለሚን ለሚነየ..” ብዘርእስቱ ሙዚቃዊ ድራማ ተመሲጡ ንምስሉይ ቃላት ናይ ሎሚ መራሕቲ ህግደፍ ሎሚ “ሽዑስ ሓቂ መሲሉና ተዓሺና ኣሻዲናዮም። ኩሉ መሰላትና ገፊፎም ምስ ዘይመባእስትና ከኣ ኣባኢሶሙና” ይብሎም ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ በቲ ሓደ ገጹ ናይ ጣዕሳ ምልክት እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብህግደፍ ከምዘይዕሾ ዘመልክት።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዘዝረገጾ ፖለቲካዊ መሬት ይሃምም ከም ዘሎ ስለ ዝተረደአ፡ ካብቲ ዝጽበዮ ጋህሲ ንምድሓን ዘርባዕባዕ ይብል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ኣብ 2 ጉንበት 2016 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ “ጋዜጣዊ መግለጺ” እታ ትማሊ ትማሊ ዝሕጭጨላ ዝነበረ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነቲ ንዓኡ ዘቃልዕ ጸብጻባ በቲ ዘውጸኣቶ መደብ መሰረት 8 ሰነ 2016 ከይትዝርግሖ ተማሕጺኑ። ምሕጽንታ ህዝቢ ዘይስቆሮ ህግደፍ ክምሕጸን እንከሎ ከኣ የገርም። እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ፍልፍል ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን እዮም ኢሉ ነቲ መስርሕ ከነኣእሶ ፈቲኑ። እዚ ዝብል ዘሎ ነታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክትዕዘብ እንዳኸለአ ምዃኑ ንኣበሃህላኡ ጉዳም ይገብሮ። ነቲ “ዝወዓለ ይንገር፡ ዝሰሓተንከ ይምከር” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ከኣ፡ እቶም ናይ ግህሰቱ ግዳይ ምስ ኮኑ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ መንእስያት ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ተመስከሩስ ያኢ ገሪምዎ። ንሱ ዝደሊ ዘሎ እታ ኮሚሽን ባዕሉ ጽሒፉ ዝሃባ “እዚ እዩ ጸብጻበይ” ኢላ ከተቃልሓሉን ከተጣቐዓሉን እዩ ዝመስል።

“መኒኻ ተበልዎስ መን እየ ይብል” እዚ ኣበሃህላ ሓደ ኣካል ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ክኣቱ እንከሎ ዝበሃሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እታ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ቅድሚ ናብቲ ዝምልከቶ ዘቖማ ኣካል ምቕራባ እቲ ጸብጻባ “ሃየ መርቐለይ” ኢላ ክትህቦ ከም ዝሃርፍ’ውን ኣንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ሕልና ንስርዒታዊ ኣሰራርሓ ዘይተገንዘበ፡ በቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ዘዘውትሮ ናይ “ገባርን ሓዳግን” መንፈስ ዝተጸልወ ሃርገፍገፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ንኣሰራርሓ እታ መርማሪት ኣካል መሰረታዊ፡ ፍትሓውነት፡ ርትዓውነት፡ ሞያዊ ክእለትን ውህደትን ዝጐደሎ እዩ ክብሎ ይደናደን። ዘገርም እዩ እዚ ጉጅለ ነቲ ገደብ ዘየብሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኢደወነናውን ትምክሕታውን ኣሰራርሕኡ ኣቐሚጡስ ክወራዘ። ምስዚ ኣተሓሒዝካ ክረአ ዝግበኦ መስደመም ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ እታ መርማሪት ኮሚሽን ንርኢቶ ናይቶም መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ስለያ መርበቡ ተጸፍዮም “መርማሪት ኮሚሽን ርትዓዊት ኣይኮነትን፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ውሱናት ሓለፍቱን ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል … ወዘተ” ክብሉ ዝውዕሉ ዘይተቐበለት ኢሉ ይኸሳ። ኮታ ኩሉዚ ናይ ህግደፍ ዘርባዕባዕን ዓዘፍዘፍን ተደሚሩ “ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረተይ ክሸጦን ክልውጦን ግደፉፍኒ” ኣብ ዝብል ዙርያ ዝጠቓለል እዩ። እቲ ዘይዛመድ ኣዛሚዱ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ዘይምርካቡ ከተሓሕዞ ምፍታኑ ከኣ ካልእ ናይ ዘርባዕብዑ ምልክቱ እዩ።

ካልእ ዘስደምም ጉድይ ይቀላቐል ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ እቶም ንናይ ስልጣን ቀጻልነቱ ደገፍ ከድልዮ እንከሎ “ተሰሊፍኩም ነዚ ደግፉ”፡ ምቅዋም ከድልዮ እንከሎ ድማ “ተሰሊፍኩም ነዚ ተቓወሙ” ክብሎም ዝጸንሐ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጽሮም እንዳነከየ ሚዛኖም ድማ እንዳፈኾሰ፡ ስለ ዝኸደ፡ እነሆ ኣብ ካልእ ሃንደፍደፍ ምእታው ጀሚሩ። ዘገርም እዩ። ናይቲ ጉጅለ ናይ ማሕበረኮም ሓለፍቲ፡ ኤርትራዊ ገጽ ምስ ከለኦም፡ መንግስቶም ንዝቃወሙ፡ እሞ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ኣኪቦም፡ “ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ንውሳነ ማዕቀብን ዝቃወም ድምጺ ፈሪሙልና” ይብሉ ኣለዉ ። እዚ ተግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ሕጂ’ውን ምምርማር ኣየድልዮን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ይቖርጽ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ግዳም ኣካላት ኢድ ኣእታውነት ይዕድሙ ከም ዘለዉ’ውን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሕና እቶም ኣንጻሩ ተሰሊፍና ዘለና፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዓወንወን ወጺኡ ዳግማይ ትንፋስ ከይሰኩዕ ቃልስና ከነሕይል ይግበኣና።

Last modified on Monday, 06 June 2016 11:22