ኣየንኡ ይእመን፡ እቲ ዝበሃል ወይ ዝረአ?

2016-03-18 20:34:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3018 times

ርእሰ-ዓንቀጽ

“እዝኒ’ውን ትእመን እሞ ግና ኣይከም ዓይንን” ክበሃል ንሰምዕ ኢና። እነሆ ከኣ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ሒዝና ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ካብ ዝበሃልን ካብ ዝረአን ሓደሓደ ነጥብታት ክንጠቅስ ተገዲድና ኣለና። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጠሩ ጸገማትን ቅልውላዋትን፡ ብዙሓትን ንኹሉ መዳያት ህይወት ዝትንክፉን እዮም። ምድኻም ትምህርትን ዋሕዚ ናብ ስደትን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ዝጸላለዉን ኣብ ቀጻልነት ኤርትራ ዘስግኡን ጸገማት እዮም።

ኩነታት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ኣብቲ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ምህላዉ ኣብኡ ተመሃሮን መምሃራንን ዝጸንሑ ካብ ሰብ ሰሚዖም ዘይኮነስ ርእዮምን ባዕላቶም ተዋሲኦምን ዝምስክርዎ እዩ። ካብቲ ጠንቅታቱ ድማ፡ ተመሃሮ ካብ ወለዶም ርሒቖም ክመሃሩ ምግዳዶም፡ ትምህርታዊ ምምሕዳር ኣብ ኢድ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ምውዳቑ፡ ከንብቡን ከጽንዑን ግዜ ዘይህብ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ዋሕዲ ትምርታዊ መሳርሕን መምሃራንን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዘየብላ 7 ውሱናት ኮለጃት ጥራይ ኣብ ዘለዉዋ ሃገር ክብደት ዝወሃቦ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ምሁር ክፈሪ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኖርወይ ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ “ናይ ብቕዓት ኣፍልጦ ሂባ” ተባሂሉ ክውረ ሰሚዕና። እዚ ንበሃልቱ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕን ንየዋሃት ሰማዕቱ ዘዳህልልን እዩ።

ብኲራት ስሩዕ ትምህርት፥ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ናብ ባርነት ዝዛዘወ ዘይክፈሎ ናይ ጉልበት ምዝመዛ፡  ምስኣን ውሕስነት ህይወት፡ ግህሰት ኩሉ መሰላት፡ ብኩራት ደሞክራሲያዊ ጸጋታት ኣብ ጠንቂ ስደት ብኣብነት ካብ ዝጥቀሱ እዮም። እቲ ኣብ መዳይ ቁጠባን ማሕበራዊ ውሕስነትን ዘጋጥም’ሞ ንስደት ዝድርኽ ምኽንያታት ተወሲኽናዮ ከኣ እቲ ዝርዝር ምኽንያታት ንስደት ነዊሕ እዩ።

 እነሆ ከኣ ጉዳይ መዋጽኦ ዘይተረኽቦ ስደትን ከም ሳዕቤኑ ህልቀት ብዙሓት ኤርትራውያን ኣጨናቒ ኮይኑ ኣሎ። ናይዚ ስደት ኤርትራውያን ጠንቂ ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ፡ ጌና ሕጂ’ውን ኣዛራብነቱ ኣይለቐቐን ዘሎ። ነቶም ሰሚዖም ዘውርዩ ዘይኮነስ ነቶም ናይቲ ጠንቂ ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ግና ብሩህ እዩ። ሰሚዖም ዘይኮነስ ርእዮም ስለ ዝምስክሩ።

ነዚ ዝረአ ጸገማት ጓሲኻ፡ ኣብ ዝስማዕ ጥራይ  ተመርኲስካ፡ ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ቁጠባዊ ኮይኑ ዝሓሸ መነባብሮ ኣብ ምድላይ ዝተመርኮሰ’ዩ ክትብል ምድንዳን፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ንሱ ብዘጋገዮም ኣካላት እውን ይቀላቐል እዩ። ነዚ ብዝመሳሰል ኣብ ሓደ እዋን ብመንግስቲ ዴንማርክ ተቐላቒሉ ዝነበረ ወስታ ከም ናይዚ ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። እንተኾነ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣብ ክንዲ በቲ ዝረአ በቲ ዝስማዕ ናይ ምምዛኑ ጉዳይ ዝእርም ኣካይዳ እንዳሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኤውሮጳ ፓርላማ ንኤርትራ ዝምልከት ዘመሓላለፎ ታሪኻዊ ውሳነታት ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቶም ንኩነታት ኤርትራ በቲ ዝረአ ዘይኮነስ በቲ ዝስማዕ እሞ ድማ ቀንዲ ምንጩ ኣቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝኾነ ዓይኒ ከይርእይዎ ብዘይምቁራጽ ስምዕታና ከነቕርብ ይግበኣና።

ህልውናን ቀጻልነትን ሓንቲ ሃገር ኣብ ህልውና ህዝባ እዩ ዝምርኮስ። ብዘይህዝቢ ብዛዕባ ሃገር ምሕሳብ ኣይከኣልን እዩ። ህዝባ ዝገደፋ ሃገር ካብ ምብራስን ምብዳምን ካልእ ዝጽበያ ዕድል የለን። ምእንቲ እዚ ከኣ እዩ እዚ ዝረአ ዘሎ ቀጥዒ ዘየብሉ፡ ብዙሓት ወገናት ፍልሰት ዝብልዎ ዘለዉ ስደት ዘሰክፍና። ሃገር ምስዚ ዘለናዮ ዓለማዊ ናይ ውድድር ኩነታት ኣብ ጐደና ምዕባለ ክትስጉም ክትክእል ቅርቡን ሓላይን ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሁር ዓቕሚ’ውን የድልያ’ዩ። ምኽንያቱ ኩነታት ኣብ ምቕያርን ዘበናዊ ምዕባለ ኣብ ምምጻእን ብሓፈሻ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ምሁርን ክኢላን ወሳኒ ብጽሒት ስለዘለዎ። ምሁራት ዘየብላ ወይ ምሁራታ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ዕንቅፋት ገዲፈምዋ ዝተሰዱ ሃገር ግና ኣይኮነንዶ ክትስልጥን ክትቅጽ’ውን ንጋዳ እዩ ዝኸውን። ካብዚ ነቒልና ኢና ከኣ ከምቲ ናይ ስደት፡ ውድቀት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ’ው ዘሻቕለና ዘሎ። ስለዚ ንኩነታት ሃገርና ኣብዞም ዝጠቐስናዮም ዛዕባታት፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብቲ ዝረአ ዘይኮነስ ካብቲ ዝስማዕ እንዳነቐሉን ናቶም ዋኒን ቅድሚት እንዳሰርዑን ዝህብዎ ግጉይ ሚዛናት ግቡእ መልክዑ ኣብ ምትሓዝ ክንጽዕት ይግበኣና ንብል።

Last modified on Friday, 18 March 2016 21:41