ሓቂ ደኣ ተደፊና ዘይትድፈን!

2016-03-24 19:40:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2929 times

ርእሰ ዓንቀጽ

ምምሕዳር መላኺ ስርዓት ኢሳያስ እቲ ሕገ-ኣልቦ ኣካይድኡ ዝዋጽኦ መሲልዎ፡  ብዛዕባ ህላወ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓዞም  ጂቡታውያን፥ “ኣሉ ቀጣን ምሩኻት የብለይን” እናበለ፥ ንሓያሎይ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም ጸኒሑ። እቲ ስርዓት ነቲ ዝዓበየሉ  ምትላል  ሎሚ እውን ዘዋጽኦ መሲልዎ፡  ነቲ ብመንግስቲ ቐጠር ክግበር ዝጸነሐ ምንጎኝነት እውን እንተኾነ፡ “ዝኣሰርኩዎም የብለይን” እናበለ ዘቕርቦ ዝነበረ ዕባራ ምኽያት ኣብ መወዳእትኡስ እነሆ ተቐሊዑ።

በቲ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሃገረ ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣል ሳኒ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣርባዕተ ጂቡታውያን ምሩኻት ውግእ ካብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ኢሳይያስ ናጻ ተለቒቖም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ናይ  ሃገራት ወሽመጥ ምትሕብባር ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ዶክተር ዓብደለጢፍ ኣል ዛያን፡ ዋና ጸሓፊ  ሕቡራት መንግስታት  ክቡር ባንኪ ሙንን ካለኦት ኣካላትን ብመንግስቲ ቐጠር ንዝተገብረ ጻዕሪ፥ ምፍታሕ ናይቶም ዲታቶር ኢሳይያስ “ዝኣሰርክዎም የብለይን” ክብሎም ዝጸነሐ ጂቡታውያን ምኽንያት ብምግባር ሞጎሶም ገሊጾም።

እዚ ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ፡ ፖለቲካውን ቊጠባውን ምሕዝነት ናይ ሽድሽተ ሃገራት ዓረብ ኮይኑ፡  ብግንቦት 1981 ኣብ ሱዑዲ ዓረብ እዩ ተመስሪቱ። እተን ነዚ ምሕዝነት’ዚ ዝመስረታ ሃገራት  ከኣ ሱዑዲ ዓረብ፥ ሕብረት ዓረብ ኢማራት፥ ቐጠር፥ ባሕረይን፥ ዖማንን ኲወትን እየን።

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከምቲ ነቶም ምስኡ ተጋዲሎም፥ ህይወቶም ንህዝቦምን  ሃገሮምን ዘወፈዩ፡ ኣብ ጎዳጒዲ ኣእትዩ ዘማስኖም ዘሎ፡ ከምኡ እውን ኣብ ጂቡቲ ብሰንኪ ጻሕታሪ ፖሊሲኡ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያንከ መጻኢ ዕድሎም እንታይ ከክኸውን እዩ? እቶም ኣብ ኤርትራ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝኣሰሮም፡ ገሊኦም ብህይወቶም ዘለዉ ገሊኦም ከኣ ዝሞቱ እዮም። ነቶም ዝሞቱ ኣይኣሰርክዎምን ኢሉ’ኳ ክኽሕድ እንተደለየ፡ ነቶም ብህይወቶም ዘለዉ ከኣ ገበኑ ንክሓብእ ዘውጽኦም ኣይመስለናን። ስርዓት ኤርትራ ፍትሓዊ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ነዞም ተገዲዱ ዝፈትሖም ንክፈትሕ መንጎኛ እውን ኣይመድለዮን። ኮይኑ ግን ነቲ “ፍትሓውነት” ዝብል ኣምር ኣንጊሁ ዝተሓረሞ ስለዝኾነ፥ በዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ዘሎ ሓያል ጸቕጢ ተገዲዱ ነቶም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቱ ብህይወቶም ዘለዉን፥ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂቡቲ ዝማስኑ ዘለዉ ኤርትራውያንን ሓዊስካ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቑ ተስፋ ደኾን ይህልዎም ይኸውን?

እዚ  ብመንግስቲ ቐጠር ዝተበገሰ መንጎኝነት፥ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ደቂ ጅቡቲ ጥራይ ዲዩ ወይስ እንተላይ ነቶም ኣብ ጂቡቱ ተኣሲሮም ዘለዉ 19 ኤርትራውያን ወተሃደራት እዩ ነይሩ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን። ብባህሪያት ዲክታቶር ኢሳያስ ክግመገም እንከሎ ግና፡ ጉዳይ’ቶም ኣብ ጂቡቱ ዝተኣስሩ ዜጋታት ክዛረበሎም ይትረፍ ኣይናተይን እዮም ከይብል’ውን የስግእ እዩ። በቲ ይኹን በዚ ግና እቲ መንጎኝነት ንኽልቲኡ ሸነኽ ክኸውን መተገበአ። ንሓደ ሸነኽ ጥራሕ እንተኾይኑ ግና ዘራይ እምበር ናይ መንጎኝነት ባህሪ ውን የብሉን ክበሃል ይከኣል። ስለዚ መንግስቲ ቐጠር ትኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፡ ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማስኑ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዚ እሱራት ናይ ምፍታሕ ጻዕሮምን ተጽዕኖኦምን ዝያዳ ከዛይዱ ይግባእ ንብል።

Last modified on Thursday, 24 March 2016 20:48