ቦታ ኣኼባዶ ኣጀንዳኡ

2015-12-10 07:44:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 3602 times

“እስኪ ተራኺብና ንላዘብ ምኽሪ ምእንቲ ክርከብ” ዝብል ምስላ ቀዳሞት፡ ተራኺብካ እሂን ምሂን ምብህሃል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትን ዛዕባታትን፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብሓባር ኮይንካ ክትሰርሕ እንከለኻ ኣብ እተልዕሎም ዛዕባታት ፍልልያት ክህልወካ ውሁብ እዩ። እንተኾነእዚፍልልያት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብቲ እትሰማማዓሉ ኣትኪልካ ብሓባር ምንባርን ምጉዓዝን ዘይክኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንገሊኡ ፍልልያት ኣብ መስርሕ ከተወግዶ፡ ነቲ ከተወግዶ ዘይከኣልካ ድማ ከተምሓድሮ ስለ ዝከኣል። ፍልልያት ምምሕዳር ማለት፡ እቲ ቅኑዕ እቲ ናትካ ጥራይ ከም ዘይኮነ ተኣሚንካ፡ ንስኻ ዋላ ንዓኻ ቅኑዕ ኮይኑ ተዘይተሰመዓካ ነቶም ቅኑዕ ኢሎም ዝኣምንዎ ስለ እተኽብረሎም፡ እቶም ካለኦት ወገናት እውን ከምኡ ኣብቲ ናትካ ቅኑዕ ተመሳሳሊ መርገጽ ስለ ዝሕዙ እዩ።

እዚ ኣቐዲሙ ኣብ መእተዊ ዝጠቐሰ ኣበሃህላ ኣበው ከም ዘመልክቶ፡ ኣኼባ ዘይተወገነ ጉዳያት ዝውገነሉ፡ ነቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐርብ ዝተፈላለየ መማረጽታት ኣቀራሪብካ ማእከላይ ዘሰማምዕ ናይ ሓባር ፖሊሲ እትቐርጸሉ እዩ። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ፡ ምሉእ ብምሉእ ግጉይ ወይ ምሉእብምሉእ ቅኑዕ ዝበሃል ኣመራጺ ስለ ዘየለ፡ ካብቲ በብኩርናዑ ዝቐርብ መማረጽታት እቲ ቀቅንዑ ወሲድካ እዩ ናይ ሓባር ማእከላይ መሰማምዒ ፖሊሲ ዝቕረጽ። ኣብ ከምዚ መስርሕ ካብ ዝረአ ድኽመታት ሓደ፡ ንናትካ መማረጺ ምሉእብምሉእ ከም ቅቡል ወሲድካ ናይቲ ምሳኻ ዝላዘብ መወዳድርትኻ ኣካል መማረጺ ድማ ምሉእብምሉእ ግጉይ ኢልካ ክትነጽጎ ዝግበር ሃቐነ እዩ።

ሓደ ኣኼባ ክውደብ እንከሎ ክንጸሩ ካብ ዝግበኦም ብዙሓት ረቛሕታት፡ ቦታ ኣኼባ፡ ግዜ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባን ኣብቲ ኣኼባ ተዘሪብሉ ክዕወት ዝድለ ዛዕባን ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ናይዞም ረቛሒታት ምንጻር ናይቲ ኣኼባ ንምስራዕ ዘንቀደ ኣካል ሓላፍነት እዩ። እቲ ዘንቀደ ኣካል እዞም ዝተጠቕሱ ናይ ኣኼባ ረቛሕቲ ብዝምልከት ክውስን እንከሎ ዝርእዮ መለክዕታት ክህልዉዎ ባህርያዊ እዩ። እዚ ናቱ መምዘንታት ኣብ ዝተወሰነ ክፋሉ ምስ ግምታት ናይቶም ዝዕደሙ ተሳተፍቲ ዘይቃዶ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ እቶም ተዓደምቲ ምስ ኩሉ ትዕዝብቶም ንመደባት ናይቲ ዓዳሚ ክምእዘዝዎ ናይ ግድነት እዩ። ስለምታይ ንሓደ ጉዳይ ብናትካ ስምዒት ጥራይ ዘይኮነ ብዓይኒ ናይቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ምርኣዩ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ ቅረባ እዋን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝዝትይ ክልተ ኣኼባታት ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመንን ኣብ ናይሮቢ ኬንያን ተኻይዱ። ናይዚ ክልተ ኣኼባታት ኣጀንዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን መዋጸኦታቱን ዘትከለ ኮይኑ፡ ዓደምቱ፡ ተሳተፍቱ ኮነ ዝተኻየደሉ ቦታን ግዜን ግና በበይኑ እዩ። ብዛዕባዚ ኣኼባታት፡ ቅድሚ ምክያዱ ኮነ ድሕሪ ምግባኡ በቶም ኣብቲ መድረኽ ዝወዓሉ ኮነ በቶም ዘይወዓሉ ክዝረበሉ ውሁብ ነይሩ። ይዝረበሉ ድማ ኣሎ። ዋላ’ኳ ሓደ ኣካል ብዛዕባ ከምዚ ዝቐነየ ኣኼባታት ክዛረብ እንከሎ ነየናይ ሸነኹ መዚዙ የጉልሕ ናቱ ምርጫ እንተኾነ፡ ከም ሓፈሻዊ ኣረዳደኣ ኣብቲ ተክኒካዊ ሸነኻት ዘይኮነስ ኣብቲ መሰረታዊ ዛዕባ ዝያዳ ኣድህቦ ክግበር ኢኻ እትጽበ። ንኣብነት ኣብዚ ዝቐነየ ኣኼባ እቲ ኣጀንዳን ውጽኢቱን ክሳብ ክንደይ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ፍታሕ ዘድልዮ ቅድሚት ዝስራዕ ጸገም ይዛመድን ኣይዛመድን እዩ ክዝረበሉ ዝግበኦ ነይሩ ንምባል ዝኣክል እዩ።

ንቦታ ኣኼባ ንቕድሚት ኣምጺእካ፡ “ስለምንታይ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ተኻይዱ?” ዝብል ሕቶ ኣዋዲድካ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታታት ክካየድ ኣይነበሮን ናብ ዝብል መደምደምታ ንክትበጽሕ ሰፋሕቲ ቀልብኻ ዘይስሕቡ ተንታናት ምቕራብ ኣይመድለየን። ነዞም ከምኡ ዝብሉ ወገናት “ስለምንታከ እቲ ኣኼባታት ኣብቲ ውደብቱ ዝመረጽዎ ቦታታት ዘይካየድ?” ኢልካ ክትሓቶም እንከለኻ ምላሾም እንታይ መኾነ እንድዒ። ምኽንያት ተባሂሉ ዝጥቀስን ምቕባሉ ዘጸግምን ነጥብታት ኣሎ። ንኣብነት ምስ ጸጥታዊ ኣተኣማንነት ናይሮቢ ከተተሓሕዞ ምፍታን። ገለ ካብቶም ከምኡ ዝብሉ ወገናት ካብ ተራ ኣባላት ክሳብ ዝለዓሉ ኣባላት መሪሕነታቶም ኣብቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝዕንድረሉ ሱዳን ዘለዉዎም ምዃኖም ክትዕዘብ እንከለኻ እቲ ምኽንያት መሸፈኒ እምበር እቲ ቀንዲ ንሱ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ኣየጸግምን እዩ።

ብሓፈሻ ኣብቲ ነዊሕ ኤርትራዊ መስርሕ ፖለቲካ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እዩ ተዘትይሉ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዝተፈላለየ ኩርነዓት ኣፍሪቃን። ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሒደት ዓመታት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ደብረዘይቲ፡ ኣቃቂ፡ ኣዋሳ፡ መቐለ፡ ጐንደር፡ ዓዲ ግራትን ሽረን ደረጃታቶም ዝተፈላለየ ኮይኑ ኤርትራዊ ጉዳይ ክዝተየሎም ዝጸንሑ ቦታት እዮም። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸነሐ፡ ዘሎን ንመጻኢ ዝህሉን እስትራተጅያዊ ዝምድናን ምጽልላውን ክሳብ ክንደይ ዓሚቕ ምዃኑ ሓደ ንሓደ ዘይምህሮ ኩልና ንፈልጦ እዩ። እዚ ከም ዘለዎ እንከሎ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ንኤርትራዊ ጉዳይ ዝምልከት ኣኼባታት ምክያዱ ንተደላይነት ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መቃለሲ ቦታን ንኣበርክቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምትሕግጋዝ ምስ ውድባት ኤርትራን ይፍሕቆ እዩ ዝብል ኣረዳድኣ እንተልዩ፡ ቅኑዕ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ ናይሮቢ ዝወደበ መድረኽ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ንህልዊ ሽግር ኤርትራ ዝምልከት ኣኼባታት ኣካይዱ’ዩ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንቃልስና ዘለዋ ደገፍ ዘርኢ እዩ። ሕጂ ኣብ ናይሮቢ ኣኼባ ምግባርና ድማ ካልእ ደጋፊት ሃገር ምርካብና ዘርኢ እዩ” ዝበልዎ ግምት ዘይወሃቦ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከም ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ብመሬት ኣብ ዘይትዳወበና ሃገር ኬንያ ምእካብና ኣይዕውትን እዩ ብዝብል ዝቐረብ ርኢቶ ኣዝዩ ስንኩፍ እዩ።

ብርኢቶና “እቶት ኣይካብ ቦታን ካብ ባይቶ” ከም ዝበሃል፡ ጉዳይና ክንፈትሕ ናይ ምኽኣልን ዘይምኽእል ምስጢር፡ ኣብ ኣደራሻት ፍራንክፈርት፡ ናይሮቢ ወይ ኣዲስ ኣበባ ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ምስጢር ኣበየናይ ኣዳራሽ ንተኣከብ ካባና ኣብ ዘይፍለይ ኣብ ኣተሓሳስባና እዩ ዘሎ። ምናልባት ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ስለ ዝተኣከብና ጥራይ ክንዕወት ኢና ዝብል ኣረዳደኣ ዘለዎም ወገናት እንተልዮም እውን ግጉይ እዩ። ስለዚ ብዛዕባቲ ክንሰማማዓሉ ዘይከኣልና ጉዳያት ክንሓስብ እንከሎና ኣብ ክንዲ ንንግዜን ቦታን ኣኼባ ወይ ብዝሒ ተሳተፍቲ ተሓታቲ እንገብር፡ ነቲ ድኽመት ናብ ውሽጥና መሊስና ብጽሞና ሓሲብና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክንገብር ተንተብዕ እዩ ዝሓይሽ። እዚ ኣኼባ እዚ ተዓዊቱዶ ኣይተዓወተን መዕቀኒኡ፡ እቲ ኣቐዲሙ በቲ ኣኼባ ዝሰረዐ ኣካል ዝተቐመጠ ሸቶ’ምብር በብስምዒትካ ብዝወሃብ ሚዛን ኣይኮነን።

ኣብ ፍራንክፈርት ኮነ ናይሮቢ ዝተኣከቡ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ኣብቲ ጐተት ክብል ዝጸነሓ ደንበ ተቓውሞና ዝጸንሑ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም እምበር፡ ካብ ባኮ ዝወጹ ሓደስቲ ማይ ዘይጠዓሙ ፖለቲከኛታት ኣይኮኑን። እዞም ኣካላት ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ከምቲ ዝድለ ዘይተዓወተ ደንበ ተቓውሞ ክዋስኡ ዝጸንሑ ኣብ ኣውንታ ኮነ ኣሉታት ነናቶም ኣበርክቶ ዘለዎም እዮም። ምስ እዚ ኩሉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ዘይተዓወቱ ንመጻኢ’ውን ኣይዕወቱን እዮም ዝብል ጽልሙት መደምደምታ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ምዕዋት ብሓጐጽገጽ ሓሊፍካ፡ ካብቲ ሓጐጽጎጽ እንዳተምሃርካ ዝብጻሕ እምበር ብኣቋራጭ ዝርከብ ህያብ ኣይኮነን።

ማእከልና ቦታ ኣኼባ ዘይኮነስ ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዓት ገይርና ክንመዝን እንከለና፡ ካብ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ናይሮቢ ንሓድነትን ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ምሕላው፤ ኵሎም ደለይቲ ለውጥን ዲሞክራስን ሓባራዊ ዕላማ ንኽህልዎን ምጽዓር፤ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ብቅዋማዊ ስርዓት ምትካእ፤ህዱእን ሰላማውን ናይ ምስግጋር መድረኽ ክውን ንምግባር ዘድሊ ምድላዋት ምግባር፤ .. ወዘተ” ዝብሉ መሰማምዒ ነጥብታት ኢና ንረክብ። ውጽኢት ኣኼባ ፍራንክፈርት ክንድህስስ እንከለና ድማ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ።ሰላምዊ መፍትሒ ንምርካብ ምቅላስ።ሕጋዊ መሰጋገሪ መስርሕን ግዝኣተ ሕግን ንምርግጋጽ ዝምልከት ዳህሳስ ምክያድ። መንግስትን ሃይማኖትን ምፍላይ፡ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከም ዘረጋግጽ ምግባር ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዘትከለ ዝምድና ምምዕባል። ዓረብን ትግርኛን ከም ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ምቕባልን፡ ናይ ኩሉ ቋንቋታት ኤርትራ ማዕርነት ምሕላውንብዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዘይምእኩል ፖለቲካዊ ስርዓት ምስምማዕ። ወዘተ” ዝብሉ ሓሳባት ንረክብ። ኣብዞም ነጥብታት እዚኣቶም ደጋፊ ድዩ ተጻራሪ ሓሳብ ምሃብ እንተኾይኑ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። እንህቦ ሓሳብ ግና ዘዝተበጽሐ ስምምዕ ንድሕሪት ኣብ ምምላስ ዘይኮነስ ዝሓሸ ንምምዕዳው ዝዓለመ ክኸውን ይግበኦ። እቲ ንዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ንምቅላዕ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆላ በለት ኣድጊ” ኢልና እንምስሎ፡ ከይምሰለና ከኣ ክንሓስብ ይግበኣና።

9 ታሕሳስ 2015

Last modified on Thursday, 10 December 2015 08:52