ንዝኽሪ ናይቲ ሓርበኛ

2015-12-17 08:30:49 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP Editorial Read 2494 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ፡ ዝነበረ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብ17 ታሕሳስ 2005 ብሃንደበት ካብ ዝስዋእ፡ እነሆ 10 ዓመቱ መሊኡ። ስዩም ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ኩለንተኡ ንኤርትራን ህዝባን ዝተወፈየ ንግዜኡን ዓቕሙን ብግቡእ ንረብሓ ህዝቡ ዘውዓለ ነይሩ። ስዩም እንተላይ ዓሰርተ ዓመት ሕሱም ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ፡ ኣብ ኩሉ መሪር ናይ ቃልሲ መድረኻትን ኣገባባትን ተፈቲኑ ጽንዓቱ ዘመስከረ ሃገራዊ ሓርበኛ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፎ ናይ ቃልሲ ምዕራፋት “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምስላ ዘዘውትር ኣብ መትከላዊ እምነቱ ዘይዋገ ጽኑዕን ክብሎ ዝደሊ ካብ ምባል ንድሕሪት ዘይብል ተባዕ ምንባሩ ኩሎም ብቐረባ ዝፈልጥዎ መቓልስቱ ዝምስክርሉ መለለይኡ ነይሩ። ስዩም ናይ ህዝቢ ሓያልነትን ወሳንነትን ዝኣምን፡ ውዳበ ሓይሊ ምዃኑ ተቐቢሉ ዝጽዕት ስለ ዝነበረ፡ ብፍላይ ናይቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኣቦመንበር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብዘርኣዮ ህዝባዊ ሓልዮት “ስዩም ሓረስታይ” ዝብል ቅጽል ዝረኸበ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት’ቲ መጻኢት ኤርትራ፡ ክብራን ልኡላውነታን ዓቂባ ንክትረጋገጽ ዝነበሮ ዓሚቝ እምንቶ፡ እሞ እዚ ጽንዓትዚ ብደረጃ ውድባት እውን ከሎ ጌና ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ዲክታቶርነት’ውን ክጅመር ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ምውናን ነጻ ውሳነን ርኢቶን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ጽኑዓት ኤርትራውያን ባእታታት ሓደ ነይሩ። ንሓደጋ ተንበርካኽነት ክገልጽ እንከሎ፡ ‘’ሎሚ ብጉምብሐጉምብሕ እንተኼድና ጽባሕ ከኣ ብበጠበጥ ክንከይድ ኢና’’ ዝብሎ ዝነበረ ከኣ ካልእ ናይ ጽንዓቱ መርኣያ እዩ። ስዩም ሓድነት ሓይሊ እዩ ኢሉ ብልዑል ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ስማዊ ዘይኮነስ፡ ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣስሪሑ ዘድምዕን ግብራዊ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንክፍጠር ጻዕሪ ዝገበረ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ባእታ እዩ ነይሩ። መጻኢ ዝምድና ኤርትራ ዕጹው ወይ ጸቢብ ዘይኮነስ፡ ሰፊሕ ኣብ ዝዝርጋሐኡ፡ ግና ድማ ኣብ ምክብባርን ኣብ ሕድሕድ ኢድ ዘይምትእትታውን ዝሰረተ ንክኸውን ብጽኑዕ ዝኣምን’ውን ነይሩ።

እዚ ዓቕሙን ተወፋይነቱን ኣብ ውድቡ ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ መላእ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ቦታ ዝነበሮ ስዩም፡ ብዙሕ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕማማት እንዳሃለዎ እዩ ቅድሚ 10 ዓመታት ብሃንደበታዊ ሕማም ተሰዊኡ። ስዩም ከምቲ ዝተገልጸ ንውልቁ ከይሰሰዐ፡ ግዜኡ ብግቡእ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘውዓለ ስለ ዝነበረ፡ ዘጣዕሶ ከም ዘይገደፈ ፍሉጥ እዩ። ንዓና ዝገድፈልና ሓላፍነትን ሕድርን ግና ብዙሕ እዩ። ንሕና እውን “ዋላ’ኳ ብኣካል ተተፈለኻና ብዕላማ ግና ምሳና ኢኻ ዘለኻ እሞ፡ ቃልካ ኣይከነዕብርን ኢና ቅሰን” ኢልና ኢና ኣፋኒናዮ። ኣብዚ ድሕሪ መስዋእቱ ዝሓለፈ ክንዲ ሓደ ሲሶ ናይቲ ብረታዊ ቃልስና ዝወሰዶ ግዜ ካብቲ ሕድርታቱ ክንደይ ተግቢርና? ከኣ ኣብዚ ናይ ዝኽሩ ኣጋጣሚ ኮይና ነብስና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ። ከነፋንዎ እንከለና ቃል ዝኣቶና ንሕና ናይ ሽዑ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ናይ ሎሚ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣባላት ጥራይ ዘይኮና፡ መላእ ደንበ ተቓውሞን ደላይ ፍትሒ ኤርትራውን ምንባርና ኣይርሳዕን። ስዩም ምስ ተሰወአ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝተራእየ ስንባደን ሕራነን ዝተዓዘቡ ወገናት “ስዩም ሓረስታይስ ምስተሰወአ እምበር መሊሱ ገኒኑ” ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ስዩም ሓመድ ናይዛ ኩለንተናኡ ዝኸፈለላ ኤርትራ ብዘይምልባሱ “ ስዩም ዘይቅበረላ ኤርትራስ ኣይኤርትራናን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ኣደነቕቱ ምንባሮም እውን ተኸታቲልና ኢና። እዚ ናይታ ዋጋ ዝኸፈልካላ ሃገር ኤርትራ፡ ካልእ ጸጋታት ምርካብ ተሪፉስ ምስተሰዋእካ ሓመዳ ናይ ምትርኣስ መሰል ዘይምርካብ፡ ኣብ ስዩም ከይተደረተ ካለኦት ሓርበኛታት እውን ኣብ ፈቐዶ ዝተዓቑቡለን ሃገራት ይቕበሩ ኣለዉ።

እዚ ሓርበኛ ጀሚሩ ክንምለኦ ካብ ዝገደፈልና ሕድርታት ሓደ፡ ብሓፈሻ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣብ መትከል ፍልልያዊ ሓድነት ኣሚንካ ሓቢርካ ዘስርሕ ኩነታት ናይ ምፍጣር ዕማም ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ድማ ምርግጋጽ ፍጹማዊ ሓድነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ነይሩ። እዚ ክልቲኡ ሰልፍታት ሰሚሩ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ስም ካብ ዝሕዝ ድሮ 5 ዓመታት ኮይንዎ ኣሎ። በዚ ዓወት ስዩም ከም ዝቐስን ርግጸኛታት ኢና። እቲ በዚ ሰልፊዚ ኣቢልካ ሓያል ዓቕሚ ፈጢርካ ብቑዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ምዃን መስርሕ ከኣ ቀጻሊ ኣሎ። እቲ ሰፊሕ ጽላል ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ’ውን ህያው ኣሎ። ኣብዚ እውን ከምቲ ዝድለ’ኳ ተዘይሰለጠናስ ቃል ስዩም ከየዕበርና ብዘይምሕላል ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ንመጻኢ እውን ካብዚ ወጻኢ ካልእ መማረጺ ስለ ዘየብልና ክንቅጽሎ ኢና። እንተኾነ እዚ ዕማም ብናይ ኩልና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ድምር ጻዕርን ተወፋይነት እምበር በይንና ኣብ መፈጸምታ ነብጸሖ ስለ ዘይኮነ፡ ካብዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ፡ ናብ ኩሎም እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ተኸኣኢልካን ተኸባቢርካን፡ ኣብቲ ዘሰማመዓካ ብሓባር ናይ ምስራሕ መጸዋዕታና ነሕድስ። ድሕሪ መስዋእቲ ስዩም ኣብ ዘካየድናዮም ጉባአታትና እውን ካብዚ መስመርዚ ፈልከት ከምዘይንብል ኣረጋጊጽና ኢና። ንመጻኢ’ውን ከምኡ።

ሎሚ ዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ስዩም ንዝክር ኣሎና። ኣብዚ ዝኽሩ ብዛዕባ ዝሓለፎ ምዕራፋት ቃልስን ቅያታቱን ክንዝክርን ከነዘንቱን ናይ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ኣጋጣሚ ግና እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕታና ከምቲ ከነፋንዎ እንከለና “ቅሰን ዝጀመርካዮ ኣብ መወዳእታ ከነብጸሕ ኢና” ዝበልናዮ፡ ሕጂኸ ኣብቲ ቃልናዶ ጸኒዒና ኣለና ወይስ ኣይፋልናን? ዝብል ሕቶ ኢና ክንምልስ ዝግበኣና። መልስና “እወ ሕጂ’ውን ኣብ ቃልና ኣለና” ከም ዝኾነ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ተግባርና ዝምስክሮ እዩ። ብመሰረት እዚ ቃል ናብ ተግባር ክንሰግር እንከለና ዝያዳ ቅልጣፈን ተወፋይነትን ከም ዝሓተና ከኣ ቃል ስዩም ጥራይ ዘይኮነ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን እውን የገድደና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ነዚ ኣጋጣሚ “ስዩም ብኣካል እምበር ብሕልናስ ኣይተፈላለናን” ብዝብል ዘይዓመምናዮ ዕማም ንምዕማም ከም መንጠሪ ክንጥቀመሉ ዝግበኣና።

ስዩም ኩለንተናኡ ንህዝብን ሃገርን ዘወፈየን ኣብቲ መስርሕ ነብሱ ከብቅዕ ዝጽዕትን ነይሩ ክንብል እንከለና፡ ከምኡ ንክገብር ናቱ ተባዕ ውሳነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቤተሰቡ ደገፍ’ውን ቀሊል ከም ዘይነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ሳላዚ ናይ ቤተሰቡ ምድግጋፍ ድማ ስዩም ዝባኑ ቀሊዑ ተቓሊሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እነሆ ደቁ እውን ዓብዮም ሓላፍነት ተረኪቦም፡ ሎሚ ነቲ ዝያዳ ንዓኣቶም ንሃገሩ ዝተወፈየ ሓርበኛ ኣቦኦም ኣብ ዝዝክርሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ብዝገድፈሎም ነገራዊ ውርሻ ዘይኮነስ፡ በቲ ዘውረሶም ቅያን ሓርበኝነትን ከም ዝሕበኑ ድማ ንጹር እዩ። ስለቲ ተቓሊሱ ንከቃልሰና ዝኸፈልዎ ዋጋ ድማ ነመስግኖም።

17 ታሕሳስ 2015

Last modified on Thursday, 17 December 2015 09:46