ዝኽርን ክብረን ንሰማእታትና

2015-06-19 09:27:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2978 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መዳያት ፖለቲካን ዲፕሎማስን ኣንጻር ዝተፈላለዩ ሰንሰለታዊ መግዛእታዊ ሓይልታት ከካይዶ ዝጸንሐ ቃልሲ ብ1961 ብረታዊ ቃልሱ ጀሚሩ። መግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ኮነ ድሕሪ ዝመጸ ስርዓት ደርግ ሰውራ ኤርትራ ካብ ኣጀማምራኡ ስለ ዘስገኦም፡ “ዓሳ ከተጥፍእ ማይ ኣንጽፍ” ወይ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ብዝብል ኣጽናቲ ፖሊሲ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ እንስሳን ኣባይትን ብዓብይኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰፋሕቲ ናይ ምጽናት ወፈራታት ኣካይዶም እዮም። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ግፍዒ ከሎ ጌና ይጽበዮን ዋጋ ክኸፍለሉ ዝተዳለወሉን ስለ ዝነበረ፡ ዝያዳ ደኣ ተሳሕለን ሰሰነን እምበር ንድሕሪት ኣይበለን። ድሕሪ መሪርን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ከዓ ናጻነቱ ጨቢጡ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መስዋእትነት ዝኽፈለላ ምንባራ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ሰብደራት፡ ወክድባ፡ ሕርጊጎ፡ ገለብ፡ ኣቝርደትን ሽዕብን ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ፍጻመታት ግና ብፍሉይ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኣብ ኣስመራን ካለኦት ከተማታት ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻኢን ብስልኪ ዝተሓንቁ፡ ብግቡእ ዘይተቐብሩ ወይ መቓብሮም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ድማ ኣዲኦም ትቑጸሮም ኢልካ ዝሕለፉ እዮም። ሰማእታትና ክንብል እንከለና እምበኣር ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣብ ድሎ ከይትዕሎ ኣንጻር ጸላኢ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድቦምን ዝተሰውእሉ ቦታትን ኣገባብን ጾታኦምን ብዘየገድስ ንናጻነትን ራህዋን ኤርትራ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ማለትና ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኤርትራውያን ሰማእታት በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ህይወቶም ዝኸፈልሉ ዕላማ፡ ነጻ ኤርትራ ኣውሒስካ፡ ባንዴራ ንምስቃል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ራህዋ፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቅሳነትን ልምዓትን ዝሳዕረረላ ኩሉ ዓይነት መሰላት ዘውሓሰት ልኡላዊት ሃገር ምርግጋጽ’ውን እዩ ነይሩ። ኤርትራውያን ሰማእታት ነዚ ድርብ ዕማም ማለት ምርግጋጽ ነጻነትን ምህናጽ ህዝባ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ካብ ንግሆኡ ዕላመኦም እዩ ነይሩ። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ጭረሖኦም ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ጥራይ ከይተደረተ፡ ናይ ድሕሪ ነጻነት ሓላፍነቶም እውን ዘማዕዱ እዩ ነይሩ። “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝብል መዝሙር ነዚ ዘመልክት እዩ። ብተግባር ግና እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሶም ምእንቲ ናጻነት ክዕወት እንከሎ እቲ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልሶም ምህናጽ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ግና ብሰንኪ ጥልመት ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ ተኾሊፉስ እነሆ ካልእ መስዋእትነት ዝሓትት ኮይኑ ቀሪቡ። እቶም ሕድሮም ከይጥለም ተላብዮም ዝሓለፉ ሰማእታት ግና መስዋእቶም ክቡር እዩ። እቲ ዋጋ መስዋእቶም ዝኾነ ናጽነት ከዓ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ንምምላእ ኣገዳሲ መንጠሪ ስለ ዝኾነ እንሕልዎን እንሕበነሉን እምበር እንጠዓሰሉ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ከም ኩሉ ተበላጺ ተግባራቱ፡ ብስም ሰማእታት ገንዘብ ይእክብ፡ ብስሞም ቦታ መቓብር ይስይም፡ ብስሞም ኣእዋም ይተክል፡ ብስሞም ሽምዓ የብርህ፡ ብስሞም 20 ሰነ ይዝክር፡ ብስሞም ከዓ ስምዒት ወለዲ ሰማእታት ንምስላብ ናይ ሓዘን ዜማታት የዝይም። እዚ ከምስልን ከተዓሻሹን ዝብሎን ዝገብሮን ኮይኑ፡ ብተግባር ግና ፍርቂ ኣካላቶም ንዘወፈዩ፡ ስኩላን ይርሽን፡ ንነጻነት ዋጋ ናይ ዝኸፈሉ ዜጋታት ረይሳ ኣይኮነንዶ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክቕበር ኣብ ኤርትራ ከይኣቱ ይነፍግ። ኣብ ሕድሕድ ስዉኣት ፍልልይ ፈጢሩ ንገለ ወገናት ብቑንጣሮ ደበስ የዕሹ ንናይ ገሊኦም መስዋእቲ ድማ ኣሉ ቀጣን ኣይፈልጦን ኢሉ ይኽሕድ። ብዓብይኡ ድማ ነቲ ስዉኣት ዋጋ ዝኸፈልሉ ካብ ነጻነት ፈሊኻ ዘይርአ፡ ምርግጋጽ ሰላም፡ ልምዓት፡ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክሒዱ፡ “ኣብ ኤርትራ ገዛእቲ እምበር መግዛእቲ ኣይተወገደን” ብዘብል መልክዑ፡ ካብ ግዜ መግዛእቲ ብዘይፍለ መልክዑ ወጽዓ የንግስ ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ንሰማእታት ምኽሓድን ክብሮም ምንእኣስን ድማ የለን።

20 ሰነ ከም መዓልቲ ሰማእታት ንመጀመርያ ግዜ ክትዝከር እንከላ ብዲክታቶር ኢሳይያስ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን” ዝብል ቃል ዝተቃለሓላ እያ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ለበዋ ስዉኣት ብወግዒ ኣብ ኣደባባይ ዝተካሕደሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ። እቲ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዛዕባዚ ብዝምልከት ዝመጸ ምዕባለታት ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ኣንዳገደደ ዝኸይድ እምበር ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ገለገለ ወገናት እዚ ዕለት ብጉጅለ ህግደፍ መዓልቲ ስዉኣት ንክኸውን ስለ ዝተወሰነ ምዝካሩ ከም ነቲ ጉጅለ ክብሪ ወይ ዋጋ ምሃብ ገይሮም ይወስድዎ ይኾኑ። እቲ ሓቁ ግና ከምቲ ህግደፍ ንሓንሳብ ብዝነበሮ ውድብ ንሓንሳብ ድማ ብዝተሰውኣሉ ኣገባብ እንዳተመርኮሰ ዝገብሮ ሌላን ጉሌላን ዘይኮነ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ሰማእታት ናይቲ ተሰሊፈምሉ ዝነበሩ ውድብ ስዉኣት ወይ ካልእ ትካል ጥራይ ዘይኮኑስ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፍሉ ክቡር ዋጋ ስለ ዝኾኑ ኩልና ክንዝክሮም ዝግበኣና ጀጋኑና እዮም።

ኣብ ድሮ እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ብደረጃ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጸንዐ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ ሰነድ ወጺኡ ኣሎ። ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ዋሽንግተንን ጀነቭን እቲ ወጺኡ ዘሎ መጽናዕቲ ብናይ ተግባር ስጉምቲ ክስነ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ይዳለዉ ኣለዉ። ኣብዚ መድረኻት ተሳቲፍካ ቃልካ ምስማዕ ከዓ ሓደ መርኣያ ንሰማእታት ክብሪ ናይ ምሃብ እዩ እሞ ተሳቲፍና ቃልና ነስመዓሉ ዕለት ክኸውን ይግበኦ። ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራ እንሰምዖ ዜናታት፡ ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ቀረባት ውሒዱ፡ ከቢሩ ወይ ጠፊኡ፡ እገለ ዝበሃል ተኣሲሩ ሃለዋቱ ጠፊኡ፡ ክንድ’ዚ ሰባት ኣብ ዶብ ተቐቲሎም፡ ክንድዚ መንእሰያት ኣብ ሊቢያ ብኣይሲስ ተሓሪዶም ወይ ተረሽኖም፡ ብዓይብያኡ ድማ ክንድዚ ቆልዓ ሰበይትን ነፍሰ ጾራትን ዘለዉዎም ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ሃሊቖም ዝብሉን ዝኣመሰሉን እዮም። ወያ ህግደፍ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ዝብላ ዝነበረ ኤርትራ ኸዓ ወዮ ሲንጋፖር ናይ ምዃን ዓቕማን ዕድላን ብሰንኪ ህግደፍ መኺኑ፡ ብሶርያ ጥራይ ተመሪሓ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝደተኛታት እተፍሪ ሃገር ተባሂላ ኣላ። እዚ ድማ ውጽኢት ቃል ሰማእታትና ዘይምኽባር እዩ። ነዚ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንዝኾነ ሰብኣዊ ፍጡር ክሰምዖ ዘስገድግድ ሃለዋት ቀይርካ ራህዋ ምምጻእ ከዓ መግለጺ ምኽባር ቃል ሰማእታትና እዩ እሞ ንምትግባሩ ንቃለስ። ምኽባር ቃል ሰማእታት ነቲ ዝከሓዶም ጉጅለ ህግደፍ ዝግደፍ ዘይኮነስ፡ ንዓና ንደለይቲ ለውጢ ዝምልከተና ዕዳ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ክብርን ዝኽርን ንኤርትራውያን ሰማእታት

19 ሰነ 2015

Last modified on Friday, 19 June 2015 11:29