ኤርትራ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶም  ዝተፈላለዩ መልክዓት ኣለዉዋ። ብመንጽር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጠኣ እትውንኖም ጐላጉል፡ ጐቦታት፡ ኣፍላጋትን እምባታትን ንብዙሕነታ ካብ ዘማዕርጉ እዮም። ብሳላዚ  ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን  ውህብቶታትን ድማ ብዜጋታታ ከም ኣደ እትፍቶ፡ ብዝተፈላለየ ብወጻእተኛታት ከኣ ኣዝያ እትበሃግ፡ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተዓጥቀት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት  ሃገር እያ።

ካብ ሓፈሻዊ መግለጺ ኣደዃኹና ኤርትራ፡ ደጋ፡ ወይነደጋንን ቆላን ዝጥቀሱ እዮም።  ከም ውጽኢት ናይዚ በብዓይነቱ ኣቀማምጠኣ ድማኣ ዝተፈላለዩ፡ ኣግራብ ዝበቑሉላ፡ እንስሳ ዝራብሑላ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕተ ምድርን  ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እትውንን እያ። ሳላዚ መሳጥን ሃብታምን ተውህቡኣ፡ ብዘይካቲ ንምንባሩ ዘብህግ ኩነታት ኣየራ፡ ንሕርሻዊ፡ ንግዳዊ፡ ቱሪዝምን ካልእ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትን ትሃራፊት  እያ። ኣቀማምጣኣ ምስ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸገኣ ተደሚሩ ብዝፈጥሮ ምቅይያራት፡ ከምቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ዝረአ ኣብ ዓመት፡  ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይን ጽድያን ዝበሃሉ ነናቶም ክሊማዊ መግለጺ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ባህልላውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ዝንጸባረቐሎም ክፍልታት ዓመት  ኣለዉዋ። 

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታታ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡላ፡ በበዓይነቱ ባህላዊ፡ ስነጥበባውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዝዝውተሩላ፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝንጸባረቑላ፡ ብዙሕነት ዝማዕረገት  እያ። ብዛዕባ ብዙሕነት ኤርትራ ክለዓል እንከሎ፡ “ከበሳን መታሕትን” ኢልካ ምግላጻ ልሙድ እዩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ጀኦግራፍያዊ ክፋላት ሃገርና ነፍሲ ወከፎም ነቶም መግለጺ ብዙሕነት ህዝባ ዝኾኑ ዛዕባታት ኣብ ምንጽብራቕ ነናቶም ብጽሒት  ኣለዎም። ውህደት ናይዞም ክልተ ክፋላት ክሳብ ክንደይ ሓድነታ ከም ዘደልድል ንምቅላሕ ከኣ “ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፡ ንውዲት ጸላኢ ኣይንሃቦ ዋጋ” እናተባህለ ተደሪፉላ እዩ።

 መብዛሕትኡ ነባሪ መታሕት ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኮይኑ፡  መጓሰ ዘዘውትርን ክኸውን እንከሎ፡  ብኣንጻሩ  ኣብ ከበሳ ዝነብር መብዛሕትኡ ኣብ ክርስትና  ዝኣምን ናይ ቀዋሚ ሕርሻ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ ኢልካ ምጥቃሶም ይከኣል። ቋንቋ፡ ባህልን ካለኦት ብዙሕነትን ድማ ከምኡ ከከም ከባብኡ ዝዝውትውርሉ   ላዛን ኣገባብን ኣለዎም። እዚ መርኣያ ብዙሕነት፡ ህዝቢ ዝፈላሊ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ጽንዓትን  ዓቕምን  ፈጢሩ ዘቀራርብን ዘሳንን እዩ። እዚ ንይምሰል ዝጸሓፍን ዝዝረብን ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኮሮ ቃልስና ምስጢር ዓውትና ምዃኑ ዘመስከረ  እዩ።

 ምስጢር ዓወት ኤርትራውያን ምክእኣሉን ምጽውዋሩን ምዃኑ ዝተረድኡ ጸላእትና ካብ ቀደም ጀሚሮም ቃልስና ንምድኻም፡ ካብቶም መግለጺ ብዙሕነና ዝኾኑ ዛዕባታት እናመዘዙ ክፈላልዩና ፈቲኖም፡ እንተኾነ ኣይተዓወቱን። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ህግደፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሙ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ስምዒታት እናጻሕተረ ካብ  ምክፍፋልና ዓዲ ከምዘይውዕል ንከታተሎን ንቃለሶን ዘለና  እዩ።

ኣብ ተመኩሮና ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ዝኣመሰሉን ንምምዝማዝ ከብ ዝተራእዩ ፈተነታት፡ ኣብ ግዜ ደርጊ “ምንቅስቓስ መታሕት/ቆላማ” ዝበሃል ዝነበረ ፈተነን በዓል ሱልጣን ዓሊ ሚራሕ ዝኣልምዎ ዝነበሩ ውዲታትን ንኣብነት ዝጥቀስ’ዩ። ንከበሳነት መዝሚዝካ ዝህቀን ሸርሕታት’ውን ነይሩ እዩ ። ብመንጽር’ዚ ንናይ ጸላእቲ ውዲት ክትስዕር ምብቃዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ኣብቶም ምእንቲ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምን ቀጻሊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ናይ ለውጢ ወገናት እውን ኣብ ውሽጦም ነቲ ብዙሕነት ኣከኣኢልካን ተጸዋዊርካን ናይ ሓባር ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ብደሆ ክበቕዕዎ ይግበኦም።

እዚ ምርግጋጽ እንተዘይተኻኢሉ ግና እቲ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ዝተመዝገበ ነጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብ ልዕሊ ጸረ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ህግደፍ ምድጋሙ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ምግንዛብ የድሊ። በዚ መስረት ኢና ከኣ “ሎሚኸ ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሕነትና ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ክንበቅዕ ዝግበኣና። ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናብ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዘድህብ ፍልልያትን ዘይምክብባርን፡ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ  ዓቕምን መልክዕን ዝኸውን ኣብ  ሓደጋ ዘውድቐና ንከይከውን ቅድሚት ሰሪዕካ ክትቃለሰሉ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ሓድነትና ኮነ ሓባራዊ ወፍርና መሰረታዊ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ስለ ዝኾነ።

ቅድም ሓይልታት መግዛእቲ፡ ሎሚ ድማ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸላእቲ እምበር ናይ ውሱን ኤርትራዊ ኣካል ፈተውቲ ናይቲ ካልእ ከኣ ጸላእቲ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ናይ ህግደፍ ጸላኢ፡ ሃይማኖቱ፡ ኣውራጃኡን ባህሉን ብዘየገድስ እቲ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ዝሕለቕ ህዝባውን ብዙሕነታውን ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ብዘይካ ጉጅላዊ ረብሓኡን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ንሃይማኖት፡ ኣውራጃን ንካልእ ብዙሕነትን ኣይሕለቕን እዩ። ብዓብይኡኮ ህግደፍ ከም መግለጺ ንጭካነኡ እዩ “ኣፍሪቃዊ ሰሜን ኮርያዊ” ዝተባህለ። ስለዚ ህግደፍ ንምስዓር፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣብ ብዝሑነት ኤርትራን ኣተሓሕዛኡን ወሓለን ሓላፍነታውን ክኸውን  ወሳኒ እዩ።

ናይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዕዉታት ተመኩሮታት’ውን ከም ዘመስክርዎ፡ እቶም ኣብ ቃልሲ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ኣብ ሓደ መዓልቲ  ክብገሱን ቁጽሮም ክበዝሕን ልሙድ ኣይኮነን። ስለዚ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተበገሱ ኣተሓሳስባ ሓቛፍን ክፉትን ክሳብ ዝኾነ፡ ካለኦት ሰብ ዋኒን ኣብቲ ዛዕባቲ ተረድኦ ክሓድሮም እንከሎ ዝስዕብዎ እዩ። እቶም ጀመርቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባኦም ከፊቶም ዓደምቲ እምበር፡ ነጸግቲ  ክኾኑ ሃናጺ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መስርሕ ኩሉ ብዙሕነት ዝሳተፈሉ ምሉእነትን ሓቛፍነትን ክህሉ መሰረታውን ኣገዳስን እዩ። እንተኾነ እዚ ብናይ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር፡ ኣብ ሓደ ጸሓይ ብኣዋጅ እንተዘይተረጋገጸ እትብሎ ኣይኮነን። ንሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ መሰረታዊ መምዘኒኡ ተሳተፍቱ ካበይን ናይ መንን እዮም ዘይኮነ፡  ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባ እዩ። 

ስለዚ ብፍላይ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ወሳንን ተሃዋስን ናይ ቃልሲ ዕቤት፡ ብዙሕነትና ስግኣትና ዘይኮነ፡ ዓቕምናን መልክዕና ምዃኑ ተቐቢልና  ኣብ መትከል ምጽውዋርን ምክእኣልን  ጸኒዕና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ የብልናን።  

ሓድሽ ጳጳስ ካተሊካዊት መንበረ ቫቲካን ለዮ መበል 14፡ ምእንቲ ሓቂ ስለ ዝተሓለቑ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም  ንዘለዉ ጋዜጠኛታት ዘለዎም  ደገፍ፡ ንመጀመርያ ግዜ  ዝገበርዎ ሰፊሕ ኣኼባ  ከም ዝገለጹን ንክፍትሑ ከም ዝጸውዑን  ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እቶም ጳጳስ ኣተሓሒዞም  ጋዜጠኛታት ምእንቲ ቅኑዕ ስነምግባር ብዝኸፍልዎ ዋጋ ከም ዝሳቐዩ ሕብረተሰብ ክርደኣሎም ከም ዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

 ኣብ ርእሲዚ ሓሳብካ ንናይ ምግላጽ ነጻነት ግቡእ ሓለዋ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ መዲያ  ነቲ “ክቡር ህያብ”  ዝበልዎ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ብግቡእ ከኽብርዎን ክዕቅብዎን ይግበኦም  ከም ዝበሉ’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብዚ  ብደረጃ ዓለም 361 ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ዝተገልጸሉ ጸብጻብ ዓመተ-2024 ፡ እቶም ጳጳስ መዲያ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ከፋፈልቲ ምውጋንን ንጸቢብነትን ጽልእን ዕድል ምሃብን፡ ምስ ሓቂ ንክስለፉ  ጸዊዖም። ኣብቲ ኣብ  ጳውል ኣብ ዝበሃል ፍሉይ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ኣኼባ፡  መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ርክባት ቆላሕታ ክህብዎ ዝግበኦም ንመሰረታዊ ሓቂ ኮይኑ፡ “እምቢ ንናይ  ውግእ ቃላት” ክብሉ ይግባእ’ውን ኢሎም።

ኣብቲ ርክባት በይንኻ ዓው ኢልካ ንምዝራብ ዘይኮነ፡ ናይቶም ድምጺ ዘየብሎም ቃላት ምስማዕን ስምዒቶም ምርዳእን ክኸውን ከም ዝግበኦ ንጋዜጠኛታት መልእኽቲ ኣመሓላልሊፎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኢንተልጀንስ (Artificial Intelligence) ዘለዎም ስኽፍታ ብምጥቃስ፡ ብሓላፍነትን ጥንቃቐን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሮም፡ ጋዜጠኛታት ድማ እዚ ሓድሽ ምህዞ ንረብሓ ማሕበረሰብ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ከረጋግጹ ይግበኦም ምባሎም እቲ ጸብጻብ ቢቢሲ ጠቒሱ።

እዞም ብትውልዶም ኣሜሪካዊ ዝኾኑ ሓድሽ መራሒ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ጳጳስ ሌዮ መበል 14 ብ8 ጉንበት 2025 እዮም ተመሪጾም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሬድዮ ኤፍኤም ላዕለዋይ ሪፖርተር ዝነበረ  ከም ዝተኣስረ፡ “ራድዮ ታማዙጅ” ዝተባህለት ምንጪ ሓቢራ። እዚ ማንያንግ ማዮም ዝተባህለ፡  ሬድዮ ሪፖርተር “ሬድዮ ኤፍኤም ሚራያ” ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር፡  ከባቢያዊ ምምሕዳር ሩምበ፡ ማቦር ኣብ ዝተባህለ መራኸቢ ዘየብሉ ፍሉይ ቦታ ከም ዝተኣስረ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ማእሰርቲ “ናይ ደቡብ ሱዳን ሓይልታት ህዝባዊ ምክልኻል (SSPDF)” ብዝተባህለ ዝተዓጥቀ ኣሃዱ ከም ዝተፈጸመ  ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።

ሬድዮ ጋዜጠኛ ማንያንግ ማዮም፡  ድሕሪ ማእሰርቱ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈልጠ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ኣባላት ቤተሰቡን ሓቢሮም።  መርበብ ሱዳን ቱሪቦን ብወገና፡ ናይቲ ጋዜጠኛ ማእሰርቲ ምስቲ ዘመሓላልፎ መደባት ኣስተምህሮ ምትእስሳር ኣለዎ ድዩ የብሉን ከምዘይተረጋገጸ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብቲ ከባቢ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ መቆጻጸሪ ዓንቀጻት ኣቚሞም፡ ካሜራታት፡ ኮምፒተራት፡ ተለፎናትን ዝኣመሰሉ ክቡራት  ንብረትን እናራሰዩ ብዙሓት  ሰባት ከም ዝኣስሩ ኣፍሊጦም።

እዚ ተኣሲሩ ዘሎ ጋዜጠኛ ቅድሚ ኣብ ሬድዮ ኤፍኤም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምቑጻሩ፡ ኣብ መንግስታዊ ሬድዮ ሱዳን ኣባል ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጋዜጣዊ ተግባራት ዝነጥፍ ዝነበረ እዩ። ሓደ ናይ ቀረባ ዘመዱ ብወገኑ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ጋዜጠኛ ስድራ ክሓትት ናብ ትውልዲ ዓዱ ምስከደ ተኣሲሩ ምስ ተሰምዐ፡ ብተለፎን ደሃዩ ንምፍላጥ ዝተገበሮ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ንሚድያታት ሓቢሩ። ናይዚ ጋዜጠኛ ሬድዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃኑ ብፍሉይ ብማዕከናት ዜና ይዝረበሉ ኣሎ እምበር፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ጋዜጣኛታት ዘለዎም ኣረኣእያ ኣሉታዊ ብምዃኑ  ግዳይ ይገብርዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ክፍጽሙ እንከለዉ ንዘቃልዕዎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሲቪል ማሕበራትን ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ስለያ ከም ዝኸስዎምን ኣንጻር ነጻነት መዲያን ሓሳብካ ምግላጽን  ኩሉ ዕንቅፋት ከም ዝፈጥሩ’እውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ።

Saturday, 10 May 2025 18:08

Dimtsi Harnnet Sweden 10.05.2025

Written by

ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበላ ደቡብ ሱዳናውያን

ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ፡ ናብ ዝኸፈአ ከይሰጋገር ዘስግእ ግርጭታት ዝምልከት ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ግደ ንክህልወን፡ ኣብ መስርሕ መንግስትዊ ውሳነ ተሳተፎ ንክህልወን ከም ዝሓተታ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ናይታ ሃገር ኣባል ሓጋጊ ኣካል ዝኾነት ቪኪ ኒያኑት ማዊየን ከም ዝገለጸቶ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተመጣጠነ ተሳትፎ ኣደዳ  ዝተፈላለዩ ግዳያት ንክኾና የድደን ኣሎ ኢላ። እቲ ተንጽሎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መስርሕ ውሳነ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ውግእ በይኖም መደባት ክሕንጽጹ ከም ዘኽእሎም’ውን ጠቒሳ። ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን ውግኣት ብሰንኪ ዘይተገዳስነት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝለዓሉ ስለ ዝኣምና፡ ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ይቃለሳ ከም ዘለዋ’ውን እታ ኣባል ሓጋጊ ኣካል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ደቂ ኣንስትዮ መዳያት ሕግን ፖሊሲን ኣፈጻጽማኦም ከምቲ ዝደልየኦ ንክኾነለን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ውሳነ ንክሳተፋ  ጸዊዓ።

እዚ መጸዋዕታ ዝቐረበ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ሰራዊት ህዝባዊ ምክልኻል ዝበሃል ሓይልን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ዝተባህለ ዑጡቕ ኣካልን ወጥሪ ይዛይድ ኣብ ዘለሉ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ነጠፍቲ ፖለቲካ ናይታ ሃገር ብወገኖም ኣብ ከምዚ ኣጸጋሚ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ህጻናት ሒዘን ውሑስ መዕቆቢ ንምርካብ ከም ዝንገላተዓ ሓቢሮም። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሰምን መከራን ንምውጻእ ከኣ እተን ደቂ ኣንስትዮ  ብደረጃ ኣህጉር ከይተረፈ ምእንቲ ኩለመዳያዊ ተሳትፎአን መሰልን ክንቀሳቐኣቅ ከም ዝግደዳ ተሓቢሮም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሕክምናዊ ዳይረክተር ናይታ ሃገር ዶር ፓል ቾይ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ኒልን ካልኦት ከባብታትን ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒኑ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዘይፈልጥዎ ኣደዳ በደል ይኾኑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ። ቀጺሉ ከኣ ስለምንታይ እዮም እቶም ወተሃደራት ኣብ ክንዲ ዝተዓጥቀ ጸላኢኦም ንሲቪል ዒላማ ዝገብሩ? ክብል ከም ዝሓተተ እቲ ዜና ጠቒሱ።

Thursday, 08 May 2025 20:19

Dimtsi Harnnet Kassel 08.05.2025

Written by

ወያነ ጌም ኦቨር >ተኾሊፍና> ጽምዶ!

ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም፡ በብግዜኡ ዝምስርቶ ኢደ-ወነናውን ዘይህዝባውን ዝምድናታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃላሊ ዝምድናታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ናይ ምንባር  ሕሳብ ጥራ ዝነቅል’ዩ። ህግደፍ ካብ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሃድመሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነዚ ፍኑው ኣካይዳኡ ንምትግባር እዩ። ብሰንኪቲ ዘካየዶ ዘይግሉጽ ዝምድናታት ከኣ ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ጓና ክኾነሉ ዝጸንሐ እዩ።

ህግደፍ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ክጸምዶ ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ-ብትን” ዝምድናታት ኣርሑቑ ዘይርኢ ምንባሩ ርኡይ እዩ። ተመኩሮ ዝምድናኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ደረጃታቱ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክ’ዚ ዘይቅርዑይ ርክባት ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ኩሉ’ቲ  ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይሓላፍነታዊ ዝምድናታት መንቀሊኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐን ዘሎን ጥልመታትን በለጽን ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድናታት ህግደፍን ኣፈራርሳኡን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። እዚ ዘይርጡብ ዝምድና በቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናቶም ግደ ዝነበሮም ውድባት ህግሓኤን ህወሓትን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝጅምር እዩ። በብግዜኡ ክመሓዘዉን ክበኣሱን ከም ዝጸንሑ ክልቲኦም ከም ኣካል ታሪኾም ዘዘንትውዎ ኮይኑ፡ ናይቲ ዝበኣስሉ ዝነበሩ መድረኻት ተሓታቲ መን ምንባሩ ግና ወትሩ ዝካሰስሉ እዩ። ካብቲ ናይ ዝምድናኦም  ዘይቅዱስ ምዕራፍ  ሓደ፡ ሓቢሮም ኣንጻር’ታ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኤርትራ ዓብይ ግደ ዝነበራ ተሓኤ ውግእ ከፊቶም  ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኸምሉ ጭካነ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመዝጊቡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ልዕልና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮ መንግስቲ ኢህውደግን ዝምድና ነይሩ እዩ። “እቲ ዝምድና ብወገን ኤርትራ በየናይ ትካላዊ ኣካል ተመስሪቱ?፡ ዕላምኡ እንታይ ነይሩ? ንህዝቢ ዝነብሮ ጠቓምነትከ ክሳብ ክንደይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሱን። ህግደፍ ነቲ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ተጠቒሙ ጉጅላዊ ካዝናኡ ይመልእ ከም ዝነበረ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ክሳብ “ንዶባት ትርጉም ናብ ዘየብሉ ብርኪ ከነብጸሖ ኢና” ዝበለሉ ግዜ’ውን ነይሩ እዩ።

 ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘይግሉጽን ዘይህዝባውን ዝምድና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽትል፡ ሰማዒ’ኳ እንተዘይረኸቡ ብዓንተብኡ ዘጠንቀቑ ኣርሒቖም ዝርእዩ ኤርትራዊ ውድባት ነይሮም እዮም። ነቲ ብግብሪ ዝተራእየ ስለ ዘተንብሁ፡ “ናይ  ህዝብታት ሕውነት ዘይፈትዉ” እናተባህሉ ዝተጸርፉ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ግና ሰማዒ ዘይረኸቡ ዝገመትዎ ከኣ፡ እቲ ዝምድና ፈሪሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከቢድ ዕንወት ብዘኸተለ  ወእግ ተሰንዩ ተኸሲቱ።

ድሕሪኡ’ውን ህግደፍ በቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ብዘይምምሃርን ብዘይስኽፍታን፡ ነቲ ክቐርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ብምንጻግ  በቲ ኢደ-ወነናዊ መንገዱ ምቕጻል ንከኽእሎ፡  ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ክጉሕፎ ድሕር ኣይበለን። ንዓመታት ኣድብዩ ምስ ጸንሐ ከኣ፡ “ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግብር ቃል ኣትዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ 2018 ናብ ሓድሽ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ናብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንምእታው፡ ብክልቲኦም ወገናት “ኣየናይ መንግስታዊ ትካል’ዩ ወሲንዎ? ሎሚኸ ረብሓ ህዝብን ቀጻልነት ናይቲ ስምምዕን ተሓሲብሉ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣይኮነንዶ ሽዑ፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይተመለሱን።

 እቲ ሓድሽ ስምምዕ’ውን፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ስምዒታውን ብምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዘይምምሃሩ፡ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይህልዎ፡ ናይ ብዙሓት ተረድኦ ነይሩ። “እዞም ብኣተሓሳስባን ብዝኽተልዎ ፖሊሲን ዘይሰማምዑ መራሕቲ እንታይ ንምርግጋጽ እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ?  ዝብል መሰረታዊ ሕቶ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን በተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረ እዩ።

ህግደፍ ምስ ብልጽግና ምዝማዱ ምስ ኣወጀ፡ ነዊሕ ከይጸንሓ ኣብቲ ምግማቱ ዘጸግም ጉድኣት ዘኸተለ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ።  ኣብዚ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ብወገን ኤርትራ “ኣየናይ ትካላዊ ኣካል’ዩ  ሓላፍነት ወሲዱ ናብቲ ውግእ ንምእታው ወሲኑ?” ዝብል ሕቶ፡ ብብዙሓት ዝተላዕለ ኮይኑ፡ መልሱ  ከም ናይቲ  ዝቐደመ ሕቶታት “ኢሳያስን ጉጅለኡን” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ መልሲ ኣይነበረን። ድሕሪ ውግእ ትግራይ  “ተኾሊፍና” ዝበለ’ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእን ኣሉታዊ ውጽኢቱን፡ ካብ ካልእ ሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ህግደፍ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይነበረን። ብመሰረቱ’ውን ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይምራሕ ስርዓት፡ “ፓርላማ እንታይ ኢሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትከ  እንታይ ደጊሙ?” ኢልካ ክትሓትት  ዝሕሰብ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን። እቲ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ  ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይ ዘውረዶ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ብብዙሕ ዘሳቕቕ መልከዓት ዝግለጽ ምንባሩ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ዝመስከርሉ  እዩ። ብወገን ኣካላት ህግደፍ’ውን ኣብ ዙርያኡ ዘይተነዝሐ ናይ ጽልኢ መርዚ ኣይነብበረን።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ’ውን  ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሞ ኣሉታውን ዘይሓላፍነታውን ተግባሩ ከይተማህረ፡  ምስ ክልል ትግራይ “ጽምዶ” ዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ናብ ምፍጣር ትንዕምንዕ የርኢ’ሎ። ወዮ ኣብ ንቡር ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ካብ ሓጋጊ ወይ ፈጻሚ ኣካልን  ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላትን እትጽበዮ ውሳነ፡ ብሓደ ስም ዲክተረር  ኢሳያስ ጸሪሑ፡ መራሕ መንግስተይ ልኢኹኒ እንዳበለ ዝግዕርን፡ ተራ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ሰባኺ ባእታ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ  ጋዜጠኛታት ናብ ኤርትራ ንክኣትዉ ተፈቒድሎም፡ ደጊም ትግራይ ብ360 ዲግሪ ኣይክትዕጾንያ፡ ከም ምስ ህዝቢ ሱዳን ዝገበርናዮ ምስ ህዝቢ ትግራይ ተኻፊልና ክንበልዕ ኢና፡” ዝብል፡ ኣብ ተጋሩ ዘማጉት ዘሎ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ተሰሚዑ። ነዚ መልእኽቲ ክሳብ “ወደባት ኤርትራ ንትግራይ ክኽፈት’ዩ”  ዝብል ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። እዚ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ንሓላፍነት ፈደራል መንግስቲ ዘንጊዕካ፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ጽምዶ፡ ነቲ “ንኢትዮጵያ ክትገዝኣ እንትኮይንካ ፋሕፋሕ ከነብላ ኣለካ” ዝብል ዓመጸኛ ብሂል መራሕቲ ህግደፍ ዘንጸባርቕ’ውን ይመስል።  

እቶም “ንጽምዶ” ዝዕደሙ ዘለዉ፡ ነቲ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንካልእ ህዝቢ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ተደጋጋሚ መልእኽትና ከመይ ይርድእዎ ንዓኣቶም ዝምልከት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ሰናይ ዝምድናታት ተቓውሞ ከምዘይህልዎ ርዱእ’ዩ። ግና ድማ ብጉልባብ ዝምድና፡ ልኡላውነት ክጠሓስ እንከሎን ኣብ ጉዳይ ካልኦት  ኢድ ምእታውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ዝግንዘብ ህዝቢ እዩ። ልኡላውነትካ ምዕቃብ ካብ ምኽባር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ፈሊኻ ከምዘይርአ ህዝብና ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብምትካልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምኽታልን እዩ እሞ፡ ምእንታኡ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ክሳብ ዓወት  ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።

ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ደብዳብ ግብረ መልሲ መግለጺ እናሃበሉ

ኣብ ፖርትሱዳን ብ6 ጉንበት 2025 ብዝተኻየደ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብሰንኪ ኣብቲ ቀንዲ ትካል ብዝወረደ ጉድኣት ሓይሊ መብራህቲ ከምዘቋረጸ ቢቢሲ ሓቢራ። ናይ ሱዳን ትካል ሓይሊ መብራህቲ ብወገኑ  እቲ ምቁራጽ መብራህቲ ከም ዘጋጠም ኣረጋግጹ፡ ነቲ ተግባር ኣካልቲ ኣንጻር ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ክካየድ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ወፈራ እዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ’ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን በቲ ተግባር ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (RSF) ኣትሪሩ ክኸስስ እንከሎ፡ ነቲ ናይ ድሮን ደብዳብ ብወገዒ ሓላፍነት ዝወደሉ ኣካል የለን። ኣብቲ ብዘይካ ኣብ ሓይሊ መብራህቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መደበር መዋህለሊ ነዳዲ፡ ሆቴላትን ካለኦት ቦታትትን መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ እታ ወደባዊት ከተማ ብቀጻሊ ተኹሲ ከም ዝተናወጸት’ውን ተሓቢሩ።

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ድሕሪቲ  መጥቃዕቲ በቲ ዝተፈጥረ ሓያል ትክን ነበልባል ተሰንዩ ኣብ ዘሃቦ ናይ ግብረ መልሲ መግለጺ፡ ህዝቢ ሱዳን ናይ ግድን ክዕወት እዩ ኢሉ። ቀጺሉ ከኣ ነቲ ብመተሃላልኽቱ መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይልን ደገፍቱን ክንስዕሮም ክብል ጠቒሱ። ንመግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ተኸቲሉ ከኣ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤመረትስ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ከም ዝቛረጸ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ሱዳን በቲ ቅድሚዚ ናይ ፖርት ሱዳንደብዳብ፡  ኣብ ከባቢ ከሰላን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘራኽብ ዶባትን፡ ሞረወ፡ ዳንጎላ፡ ኣል ዳባህን ኣትባራ ብዝተኻየደ ኣብ መደበራት ሓይሊ መብራህቲ ዘተኮረ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ክኸሶ  እንከሎ፡ ብዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ እውን ደገፍ ክረኽበሉ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት በቲ ሓደ ወገን፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ከም ዝተዓወተ ክጥቀስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘሎ ኣሰላልፋ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ግብጽን ኤርትራን ምስ ኣልቡርሃን፡ ሕቡራት ኤመረት፡ ኢትዮጵያን ቻድን ድማ ምስ ሕመቲ ምህላዎም እናነነጸረ ዝተራእየሉ  እዩ።

ኣብ ሱዳን ካብ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ብዘሎ ውግእ፡ ኣስታት 20 ሺሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 15 ሚልዮን ዝኾኑ ከኣ ከም ዝተመዛበሉ ብዝተፈላለያ መዲያታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

Page 12 of 610