ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስዊስን ሓለፍቲ ማሕበራዊ ሰልፍን ዕዉት ርክብ ኣካይዱ
Written by ብሓላፊ ባህልን-ልምድን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለብፍትዊ ክፍለ
ብዕለት19/11/14: ብሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው ወልደኢየሱስ ዓማር: ዝምራሕ ልኡኽ ሰልፊ: ምስ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ናይ ሃገረ ስዊስን ምስ ወጻኢ ምኒስትሪ መንግስቲ ስዊስን ብምርኻብ: ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራን ስቅያትን ጸገማትን ህዝብናን ገሊጹ፣ መዘክራት ከኣ ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣመሓላሊፉ። ካልኦት ኣባላት እቲ ልኡኽ ሰዲህኤ:ሓው ፍትዊ ክፍለ: ሓላፊ ዜናን-ባህሊን ዞባ ኤውሮጳን: ኣቦ-ወንበር ጨንፈር ስዊስ ሓው ተስፋጋብር ገብረን ነይሮም።
እዚ ርክባት እዚ ናይ ንግሆ ምስ ዓለምለኻዊ ሰክረታሪያት ናይ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ስዊስ ክኸውን ከሎ፣ናይ ዕድመ ኣጋባብ እውን ብወግዒ ብኣኦም ኢዩ ተኻናዊኑ። ኣርእስቱ: ህሉው ኩነታት ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሽግራት ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ክኣ ጉዳይ ስደኛታት ንምምያጥ ነይሩ። ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክርብ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢዩ ተኻይዱ።
ናይ ምልላያት ስነ-ስሪዓት ድሕሪ ምክያድ ኸም መእተዊን ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም እና ኣመስገንኩ ፖለቲካዊ ኹነታት ኤርትራ ኣሰካፊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሰንኪ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ስርዓት፣ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ጸገማት ስለ ዘሎ፣ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ናብ ስደት የምርሕ ምህላዉ እንሪኦን እንግንዘቦን ዘለና እዩ። ምስክሩ ክኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ንኹሉ ዓለም ዘሰንበደ ህልቀት ኤርትራዊያን ዝዚከር ኮይኑ፣ብዘይ ምቁራጽ ናብ ሲዊስን ኻሊኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ዑቕባ ዝሓቱ ስቕ ኢልካ ዝስገር ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ሰሪትናዮ ዝጸናሕና ዝምድና ንምድልዳልን ሓቢርና ፍታሕ ንምርካብ ሃሰስ ንምባል ኢልና ዓዲምናኩም። ዕድመና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም ደጊመእናኣመስገንኩ ብኣኽብሮት እትህቡናሓበረታ ይጽበ ብምባል ዘረብኡ ደምደመ።
ሓው ወልደእየሱስ ዓማር ንዝተገብረልና ዕድመ ድሕሪ ምምስጋን፣ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ኸም እትካታተልዎ ንፈልጥ: ኣድንቖትና እውን ወሰን የብሉን፣እዚ ኽኣ እቲ ዲሞክራሲያዊ ራኢን: ተሓላቕነት ማሕበራዊ ፍትሕን: ካልእ ሽግራት ደቂ ሰባትን ንምፍታሕ ዝቃለስ ዕላማ ሰልፍኹምን ሰልፍናን ዝጠምረና ስለ ዝኾነ ኣብ ሓደ ጽላላት፣ ናይ ዲሞክራሲያውያን ውድባቲን ሰልፍታትን ፣ኸምኡ ሶሻሊስት ፓርትታት ብሓደ ኾይና ንዋሳእ ምህላውና ንባዕሉ ሓደ ምስክር እዩ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ በቢግዚኡ ብወገና ምስ ሓለፍትን ኣካየድትን ዲሞክራስያዊያን ውድባት ብምርኻብ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ሓቤሬታ ብኣካል ብምርኻብ ይኹን ብመዘክራትን መጽሔታትን እንገብሮ ዕለታዊ ስርሓት ንዝምድነታትና ክብ ከብሎ ይርከብ።
ከም እትፈልጥዎ: እቲ ውልቀ-መላኺ ዝዝውሮ ስርዓተ ኣስመራ: ኣብ ልዕሊ ህዝብና እዚ ዘይብሃል ገበናት ፈጺሙን: ክፍጽምን ይርከብ። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ፣ማሕበራዊ፣ ቑጠባዊ ቕልውላዋት: ወዲ ሰብ ክጾሮ ዘይከኣል ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ህዝብና ብዘይ ድልየቱ ንስደት ከምርሕ ዝርኤ ዘሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ውሽጢ ሃገር ጀሚሩ ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ይርኤ ኣሎ። ኣብ ሲናይ ስጋብ ኣካላት ወይ መሓውር ጠቢሕካ መሸጣ ብዝተወደቡ በድውናውያን ሓኻይም እውን ዝትሓባበርዎም ንሰብገረሞ ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎን። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽካዮ ህልቀት ላምፐዱዛ ፣እሱን ኻልእ ኣብ ማዕክናት ዘየቃልሕውዎ ጥፍኣት ህዝብና ብዙሕ እዩ። ኣብ ግብጽን የመንን ኣብ ጅቡትን እስራኤልን ሰሜን ኣፍሪቃን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሕማቕ ሃለዋት ይርክበ። ብሓፈሻ ከኣ በታ ንግህሰታት መሰል ወዲ ሰብ ክትምርምር እተወከለት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን በቲ ኣብ ቀረባ ወርሓት ዝቖመ መርመራሪ ኮሚሽንን ዝቐረበ ሰነዳት ነቲ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ።
ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ 300,000 ዘይውሑድ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሎዉ። ዝኣክል ዓለማዊ ቈላሕታ ክግበረሎም ካብ እንጒስጒስ ሓያለይ ዓመታት ኰይኑ። መብዝሕትኦም መንእሰያትን ዝኣክል ትምህርቲ ዘይቀሰሙን ኢዮም። ነዚኦም ኣብቲ ዝረከቡሉ ቦታ ዕድል ትምህርቲ ኣካዳመዊን ተክኒካዊን ሲጋብ ዕድል-ስኮላርሺፕ ምሃብ ንህንጸት መጻኢት ኤርትራ እውን ሓጋዚ ምኾነ።
ነዚ ዓበይቲ መደባት ዝሽፍን ገንዘብ ካብቲ ንስርዓት ህግደፍ ከይውሃብ ብሓያለይ መንግስታት ተቛሪጹ ዘሎ ተክኒካዊ ሓገዛት ክመጽእ ይኽእል ወይ ኣለዎ ንብል። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክወሃብ ዝነበሮ ተክኒካዊ ሓገዛት ስርዓት ህግደፍ መሰላት ወዲ ሰብ ስለዘየኽብር ተባሂሉ ኢዩ ተቛሪጹ። ነቶም ብዕድል ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሰገሩ ኤርትራውያን ካብቲ እተቛረጸ ተክኒካዊ ሓገዛት ክበጽሖም እንተዝግበር ቊሩብ ፍትሓዊ ምኾነ። ነዚ ጒዳይዚ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራት ስዊስ ክደፍኣሉ ትጽቢት ንገብር።
ብዓቢኡ ከኣ ንጸማት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ሕቶ ኣብ ፍሉይ መጋባእያ ናይቲ ክልተና እንርከቦ ገስጋሲ ምሕዝነት ክልዓልን ክዝረበሉን ይግባእ። ሰልፍኹም ምስ ናይ ኢጣልያን ጀርመንን ሽወደን ካልኦት ሓው ሰልፍታት ኰይኑ ነዚ ጒዳይዚ ተበግሲ ወሲዱ ክደፍኣሉ ንጠልብ።
ብዛዕባ ኤርትራዊያን ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ክኣ ኣብ ስዊስ በጺሖም ዘለዉ ዑቕበኛታት እውን እንተኾነ ኸምቲ ኣብ ሰነድ ተገሊጹ ዘሎ: ካብ ንእስነቶም ሒዞም ዝቐመስዎ ትምህርቲ ብዘይካ ጐነጽን ጽልእን ካልእ ኣይኮነን። እቲ መንእሰይ ትሕዝቶቱን ኣፍልጦኡን ኣዚዩ ትሑት ስለ ዝኾነ: ንርእሱ ምሉእ ሰብ ክኸውን: ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ከኣ ጠቓሚ ዜጋ ኰይኑ ክነብር ብዙሕ ሓገዝ ዘድልዮ ኢዩ። ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ ኣኻሊ ኣካዳምያውን ተክኒካውን ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ክግበር ኣለዎ ንብል። ነዚ ንምስላጥ ከም ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ስዊስ ምትሕብባር ክግበር ይጥለብ። ናይ ሓባር ዕማም ስራሕ እተካይድ ሽማግለ ካብ ኤርትራዊ ኮሚኒቲን ምምሕዳራት ከተማን ምልቲ-ኩልትራል ትካላት ወጻእተኛታትን ቈይማ ነቲ ዘሎጸገማት ክትርእዮን ክትፈትሖን ዘይከኣል ኣይኮነን።
ብምቕጻል: ብዛዕባ እዚ ኣብ ሃገር ስዊስ ዘሎ ጸገማት ክገልጹ ንሓው ፍትዊን ሓው ተስፋጋቢር ዕድል ተዋሂብዎም።
ሓው ፍትዊ ከምቲ ሓው ወልደእየሱስ ዝገለጾ መንእሰያትና ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ጀሚሮም ካብ ስድሮኦም ተፈልዮም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት: ትምህርቲ ብጉቡእ ኸተማልእ ዘይካኣል: ማሕበራዊ ሂወት፣ ስነፍልጠታዊ ትምህርቲ ኽትቀስምን ከተማዕብልን ዝሕረመካ ናብራ ዘሕለፉ፣ ብዘይካ ጸገም ሲቭላዊሂወት እንታይ ምዃኑ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይተዋስኡ ፣ ተምክሮ ስነጥበብ ዝጎደሎም ስለዝኾኑ እዩ ሰነድ ሰልፍና ኣብ ትምህርቲን ናይ ስራሕ ልምምድ ብጻዕቂ ጥራይ ዘይኮነስ ሓንቲ ኮሚሽን ኣድ ሆክ ክትህሉ ዝጠልብ።
ሓው ተስፋጋብር ብወገኑ እዚ ውልቐ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ነቦታት ኣዴታት ኸይተረፈ ስጋብ 70 ዕድመ ዘለዎም ኣጽዋር ብምዕዳል ኣብ ክተት: ኣብ ራዕድን ናብራኻ ከተማላኣሉዘይትኽእል ጸልማት ናብራን ኢዩ ዘንብር ዘሎ፣ ንወለዲ ዝገብሮ ከይኣኽሎ ንደቆም ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና ሸሚምዎም ይርከብ። ኣብዚ ደሞክራሲያዊ ሃገራትምስ በጽሔ ኸም ባህሊ ይኹን ሲቭላዊ ናብራ ንዑዑ ኹሉ ሓዲሽ ብምዃኑ ሰፍ ዘይብል ጸገማት የጓንፎ። ስለዚ እታ ናይ ሓባር ሽማግለ እተባህለት ተድሊ ጥራይ ዘይኮነስ እሱ እዩ እቲ ቅኑሕ መፍትሒ ጸገማት ክሕብርን ከምጽእን ዝኽእል ብምባል ደሚዲሙ።
ወከልቲ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራስን ወጻኢ ምኒስትርን ነቲ ዝቐረበ ገለጻታትን መዘከክራትን ናብ ዝምልከቶም ከመሓላልፍዎን መልሲ ክህቡን ምዃኖም ቃል ኣትዮም።
ብፍላይ ወኪል ማሕበራዊ ሰልፊ ስዊስ: ምስ ካልኦት መሓዙት ሰልፍታት ብምዃኑ ንጒዳይ ኤርትራ ኣቓልቦ ካብ ምሃብ ክሰንፍ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ።
ከምኡውን ኣብ ሃገር ስዊስ ንዘለዉ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብደረጃ ሰልፎም ምስ ማሕበረ ኮማት ርክብ ክካየድን ክስርሓሉን ምዃኑ ገሊጹ። ቀጻሊ ርክብ ምስ ወከልቲ ሰዲህኤ ኮነ ምስታ ቈይማ ኣላ ተባሂላ እተገሓበረቶ ናይ ኲሎም ኤርትራውያን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክራኸብ ኣድላይ ኣድራሻታት ተዋሂብዎ።
ከምቲ እተጠቕሰ: ናይ ድሕሪ ቐትሪ ርክብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ምኒስትሪ ስዊስ ኢዩ ነይሩ። ሰፊሕን ጡሉቕን ልዝብ ከኣ ተኻይዱ። እቲ ርክብ ምስ መንግስቲ ስዊስ ንሳልሳይ ጊዜ ምንባሩ እውን ብኹሉ ሸነኻት ተገሊጹ። ኣብ ሕሉፍ ኣኼባታት ብሰዲህኤ ንዝቐረበ ጠለባት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኢና ተባሂሉ ምንባሩን ግን ኣብ ግብሪ ከምዘተዋዕለ ተጠቒሱ።
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረቦ ክልተ መዘክራት ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ዘትኮረ ኢዩ ነይሩ:-
- ኣድላይነት ፍሉይ መደባት ዝሓዘ ፕሮጀክት ኣካደሚያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ንስደተኛታት ኣብ መዕስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያ፤
- ንቡር ርክብ ኣህዛብን ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክርከብ ኣብ ዝምልከቶ መንግስታት ጽዑቕ ጸቕጢ ምክያድ፣
- ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ ቀያድን ናይ መወድእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ምስ እትቕበል ከኣ : ስርዓት ህግደፍ ምስምስ ከም ዝስእን ክግበር ከም ዝከኣል፣
- ብሸነኽ ሰልፊ ሶሻል-ዲሞራት ከኣ ብጒዳይ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ መጋባእያ ገስጋሲ ምሕዝነት ሰሚናር ክካየድ።
- ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ካብ 25,000 ዘይውሑድ ሓደስቲ ኤርትርውያን ስደተኛታት: ምስ ማሕበረ-ኮማቶምን ናይ ከባቢ ምምሕዳራትን ትካላትን ብምትሕብባር ዘድልዮም ናይ ትምህርትን ተክኒካዊ ስልጠናን ናይ ስራሕ ምርካብ ሓገዛትን ክግበረሎም።
ብሓላፊ ባህልን-ልምድን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ክፍለ
ኣርዓዶም በርሀ
ሃገርና ኤርትራ እዚ ሕጂ ዘላቶ ኩነታት “ክልተሻብ ተራእያ” ኣብ ዘብላ ደረጃ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ክርህዋ እንከሎ ዝርህወና ክጨንቃ እንከሎ ድማ ዘቐንዝወና ደቃ፡ ንማንም ደላይ ጽቡቕ ፍጡር ብሩህ እዩ። ዝኾነት ሃገር ካብ ካለኦት ሃገራት ተፈልያ እትጥመተሉ መለለይ ኣለዋ። ሃገራት ከከም ኩነታቱ፡ ብቑጠባዊ ዕቤተን፡ ብዝሓቖፈኦ ተፈጥሮኣዊ ሃብተን፡ ብዘለወን ንግዳዊ ምቹእነት፡ ብህዝባውነት ወይ ብጸረ ህዝብነት ዝምረሓሉ ስርዓት፡ ብዘለወን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ወይ እውን ብታሪኻዊ ኣገዳስነተን ይበሃጋ። ሃገርና ኤርትራ እውን ብዙሕ ብፍሉይ ዓይኒ እትበሃገሉ መምዘንታት’ኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ቀንዲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዝያዳ ሚእቲ ዓመታት ክትልለየሉስ ዝጸንሐት ምእንቲ ነጻነትን ሉኣላውነትን ሃገሩ ሰፍ ዘይብል ነዊሕዎ ቃልሲ መሪርዎ ክምህ ብዘይብል ጽንዓት ህዝባ እያ ክትነኣድ ጸኒሓ። እንተኾነ ምስዚ ምዕሩግን ሕቡንን መምዘኒኣ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። እነሆ ድማ ሎሚ “ካብ ከርሳ ብዝተወልደ ሕሱም ገዛኢ ኣብ ዘየናሕሲ መግዛእታዊ ኣርዑት ሓጺን እትነብር ሃገር” እንዳተባህለት ኣብ ኣደባባያትን መገባእያታትን ዓለም ትግለጽ ኣላ።
ጉጅለ ህገደፍ ግና ብኣንጻር’ቲ ዝረአ ክውንነት ከምቲ “ጠሪጣስ ተትሓንከለይከ” ዝበሃል ምስላ ወለድና፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ፡ ኩለመዳያዊ ዕንወት ከይኣኽሎ፡ ኣብ ጉዳይ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ሕቶ ክቐርቦ እንከሎ “ሃገር ኢናኮ ንሃንጽ ዘለና” ብዝብል ከሽካዕልልን ክሕጭጭን ንሰምዖ ኣለና። ነዚ ሰሚዖም መዓንጣኦም ዝሓርር ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ኩልና እንከታተሎ ዘለና እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግና ብትዕቢትን ትምክሕትን ተሰንጢቑ ንብዙሓት መንእሰያት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኮሊፉ ካብ ቤተሰቦም ፈልዩ፡ መጀመርታኡን መወዳእትኡን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕላምኡ እውን ኣብ ዘይፍለጥ መዝማዚ ናይ ጉልበት ስራሕ ጸሚድዎም ኣሎ። ነዚ እዩ ድማ እቲ ጉጅለ ህግደፍ “ንኤርትራ ንሃንጻ ኣለና” ኢሉ መኸወሊ ክፋኡ ክገበሮን ክንየተሉን ዝፍትን ዘሎ። ርግጽ እዩ መንእሰያት እምኒ ክፍንቅሉ፡ ዕንጸይቲ ክፍልፁ፡ ጐዳጉዲ ክኹዕቱ፡ ሓጽብታትን መንገድታትን ክሰርሑን ክጽግኑን ሓሓሊፍና ብናይ ጉጅለ ህግደፍ ተለቪዥን እንዕዘቦ እዩ። እቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ዕድሜኦምን ርሃጾምን እሞ ድማ ኣብ ጥሙይ ከብዶምን ዕሩቕ ዝባኖምን ዘባኽንዎ ዘለዉ ናይ ባርነት ግዜ፡ ንምህናጽ ኣባይትን ምልማዕ ሕርሻዊ መስኖን ናይቶም “ህዝበይን ሃገረይን ድሕሪ ከብደይ” ኢሎም ዝበልዕሉ ጻሕሊ ዝሰብሩ ሒደት ጠላማት ኣዘዝቲ ምዃኑ ድማ ዝያዳ የሕዝን።
እቲ ጉጅለ ህግደፍ ምጽራግ መንገድን ምስራሕ ሓጽብታትን ዝብሎ ከምቲ ዝፍክሮ ዘነይት ኣይኮነን። ምናልባት ኣብኡታት ኣድሚዑ እንተዝኸውንከ፡ንኤርትራ ይሃንጻ ኣሎ መተባህለ ማለት ድዩ። ንሕናኸ ንምስራሕ መንገድን ምዕቋር ማይን ካብቲ ህልዊ ኩነታት ህዝብና ቆንጪልና፡ ከም ዘተኣማምን ምህናጽ ሃገር ጌርና መወሰድናዮ ማለት ድዩ። ሓቂ እዩ ዝተወሰና ዝተዓረያ መንገድታት፡ ሓጽብታትን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ህንጻታትን ኣብ ኤርትራ ተሰሪሐን ይኾና። እተን ህንጻታት ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰባት ዝዘናግዑለን ሆተላትን፡ ዓቕሚ ንዘለዎም ውሱናት ኣካላት እንዳካረዩ ዶላር ዝሓፍሱለን ቪላታት ኣለዋ። ኣብ ከባቢ ሰንበል ዝርከብ እንዳ ኮርያ ዝበሃል፡ምስ መነባብሮን ስእነት መጽለልን ህዝብና ዝምድና ዘየብሉ ህንጻታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ምናልባት ምስቲ ጉጅለ ተመሻኺኖም ንእሽቶ ገዛ ስለ ዝሰርሑ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዘይዓጦም ቁንጣሮ ወገናት እውን ኣይሰኣኑን። እዚ እውን ምስ ምህናጽ ሃገር ይጽብጸብ ይኸውን። እዚ ከምቲ “ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን” ዝበሃል ማለት እዩ።
ነዓይ ምስራሕ መንገዲ ከም ናይ ልምዓት መርኣያ ዘዕግበኒ፡ ብሳላ እቲ መንገዲ ኣብ መነባብሮ ናይቲ ህዝቢ ነጸብራቑ ክርእይ እንከለኹ ጥራይ እዩ። መንገዲ ተሰሪሑ ከብቲ ዘዒማሉ ወይ ቆልዑት ኩዕሶ ዝጻወትሉ እንተኾይኑ ግና በየናይ ምለክዒ እዩ እሞ ምስ ምህናጽ ሃገር ክጽብጸብ። ነዓይ ምስራሕ ሓጽቢ ከም መርኣያ ህንጻ ሃገር ኮይኑ ዘዕግበኒ፡ ህዝቢ በዚ ሓጽቢ ዝዓቖሮ ማይ ስረሓት መስኖ ኣካይዱ ብዝረኽቦ ፍርያት ቅድም ንገዛእ ርእሱ ተዓንጊሉ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዕዳጋ ከውርድ እንከሎ እዩ። ናብ ሸዊት ዕፉን፡ ጉዕ በርበረ፡ ኮሚደረን ድንሽን ዘይሽረፍ ዝኣገለ ማይ መርኣይ ህንጸት ሃገር ኮይኑ ክጥቀስ ኣሽካዕላ ጥራይ እዩ። ነዓይ ምህናጽ ገዛውቲ ከም ናይ ምልማዕን ምህናጽን ሃገር ኮይኑ ዝርደኣኒ፡ ህዝቢ ብሳላቲ ዝስራሕ ህንጻታት ቅድም ናይ መጽለሊ ሕቶኡ ክፍተሓሉ እንከሎ፡ ወይ ድማ ብሳላቲ ዝስራሕ ህንጻታት ሕክምናውን ትምህርታውን ጸገማቱ ክፍታሕ እንከሎ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ምህናጽ ሃገር ይካየድ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል እቲ ጉልበቱ ኣፍሲሲ ዝሃንጽ ዘሎ ህዝቢ ዕላማ ናይቲ ድኻሙ ተረዲእዎ ክወፍር እንከሎ እዩ። ዕላማ ረሃጹ ከይተረደኦ ብኣፈሙዝ እንዳተሓለወ ዘካይዶ ስርሕ ግና ጉልበቱ ጥራይ ዘኮነስ ሕልናኡ’ውን ዝምዝምዞ እዩ። ስለምንታይ እቲ ኣርሒቑ ዘማዕድዎ ምህናጽ ሃገር ዘይኮነስ ናይ ቀረባ ጻማ ረሃጹ እውን ይረክብ ስለ ዘየለ። ከይዛረብ ኣፉ ተለጒም ብውሽጡ ግና ክራገም ዝውዕ ህዝቢ ዘፍስሶ ረሃጽ እምበኣር ናይ ምዝመዛ እምበር ናይ ምህናጽ ሃገር ዋጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብኣስገዳድ እሞ ድማ ናይቲ ህዝቢ ድሌትን ቀዳምነታትን ብዘየጋናዘበ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝኾነ መዳይ ሃኒጸ ምባል ግና ከቶ ዕንወት እምበር ህንጸት ኣኮነን። በቲ ካልእ መልክዑ ሓደ ስርዓት ደሞክራሲያውን ሃናጽ ሃገርን እዩ ክበሃል ከማለኦ ዝገኦም ረቛሒታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቲ ቀንዲ መእሰሪኡስ ናይ ህዝቢ መነባብሮ ከመሓይሽ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። ንናይ ህዝቢ መነባብሮ ቅድሚት ከይሰረዐ ዝጐዓዝ መስርሕ ግና ዝኾነ ስም ይወሃቦ ደሞክራሲያዊ፡ ሰላማዊ ወይ ልምዓታዊ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ጉዳይ ንምሕጻሩ ደሞክራሲያዊ ብዘይኮነ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ክትዓኑ እንተዘይኮይኑ ክትህነጽ ኣይትኽእልን እያ ኢልካ ምጥቕላል እቲ ዝሓሸ እዩ። ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ንመንግስቲ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ዝለዓለ እጃም ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ከተባብዕ፡ ነቶም ዝርካቦም ብጽፍሮም ኣብ ምልማዕ ሃገር ክኣትዉ ፈቲኖም ዝነበሩ ዜጋታት ምስምሳት ብምፍጣር ፈቓዳቶም እንዳመንዘዓ ሃገር ናይ ምህናጽ ሓላፍነቶም ምስ መንዘዖም ዕረ እንዳተኦኣሞም ሃገራት እንዳማቶም ይሃንጹ ከም ዘለዉ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሎሚ ዓለም ናብ ሓንቲ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ንጹልን ብሕትዉን መንገዲ ምምራጹ ካልእ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምህናጽ ሃገር ዘይኮነስ ኣብ ምዕናዋ ከም ዘሎ ዘረድእ መርኣያኡ እዩ።
ሎሚ ኤርትራ መንእሰያታ ክመሃርሉ ዝግበኦም ዕድመ ኣብ ዕላምኡ ዘይፈልጥዎ፡ ናይ ጉልበት ስራሕ የጥፍእዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ ከም ኣማራጺ ዝወስድዎ ዘለዉ ከዓ ሃገር ገዲፍካ ምስዳድ እዩ። ስለዚ ንመጻኢ ዘማዕዱ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ዝወነነ ተካኢ ሓይሊ ኣብ ኤርትራ ይጠፍእ ኣሎ። ብናተይ እምነት ሃገር ብሰባት እሞ ድማ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ምቕያር ዓቕሚ ብዝውንኑ እያ እትህነጽ። ሎሚ ጉልበት በይኑ ኣይኮነንዶ ሃገር ናይ ብሕቲ ቤተሰብ እውን ክሃንጽ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ውሱናት መንገዲታት ርኢና ሃገር ትህነጽ ኣላ ዘይኮና ክንብል ዝግበኣና ናይታ ሃገር ናይ ጽባሕ ተስፋ መንእሰይ ዘርሞዘርሞ ይጠፍእ ስለ ዘሎ ሃገር ትዓኑ ኣላ እንተ ኢልና ኢና ወድዓውያን እንኸውን። እቲ ዕንወት ኣብ ናይ መንእሰያት ዘይምምሃር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ፡ ኣብ ምኽባር እምነት፡ ኣብ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ እንተላይ ብብኩራት ስኒት ዜጋታት ዝንጸባረቕ ዘሎ ምዃኑ እውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ኣብ ኤርትራ ንቕድሚት ዘማዕዱ ናይ ሓባር ሃናጺ ኣተሓሳስባ ዘይምህላዉ ካልእ ነቲ እንፈርሆ ግና ብምፍራህ ጥራይ ጠጠወ ከነብሎ ዘይንኽእል ዕንወት ሃገር ዘመላኽት እዩ። ሕብስቲ፡ ላምባ፡ ዝስተማይ፡ መጐዓዝያ፡ መብራህቲ፡ ዋላ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ ክትረብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታት ኮይንካ “ሃገር ትህነጽ እያ ዘላ” ምባል ምውርዛይ ምዃኑ ዘይርዳእ ኤርትራዊ እንተሃልዩ ገለ ኣበር ኣለዎ ማለት እዩ። ዝተባህለ እንተተባህለ እቲ ሓቂ ባዕሉ ክዛረብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ዋላ ዕረ ይጥዓመና ጉዕዞ ሃገርና ንድሕሪት እዩ ዘሎ። ንድሕሪት ዝምለስ ድማ ‘ይዓኑ ኣሎ’ እምንበር “ይህነጽ ኣሎ” ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉዕዞ ናብ ዕንወት ክሓብኦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ከም መህደሚ ክጥቀሞ ዝደሊ፡ ናብቲ ቅድሚ 24 ዓመት ዝነበረ ኩነታት ተመሊሱ ኣብቲ “ነዛ ሃገር እኮ ኣብ ጥራዩ ካዛና ኢኣ ተረኪብናያ” ዝብል ኣረጊት መህደሚ እዩ ክሕባእ ዝፍትን። እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ዘካይዶ ቃለመጠይቓት “ሰኣን ጸዓት ስሚንቶ ስኢና” ዝበለና እሞ ኣይንረስዕ። ኢሳይያስ ምዝራቡ ኣሕኒኽዎ እንተዘይኮይኑ ፋብሪካ ስሚንቶ ትራይ ዘይኮነት፡ እተን ኣብ ግዜ ግዝኣት ኢጣልያ ዝተሰርሓ ፋብሪካታት ሎሚ ኩለን ተዓጽየን እየን። እዚ እንዳረኣኻስ “ሃገር ትህነጽ እያ ዘላ” ክትበሃል። እስኪ ነዚ ምስ ከባቢና ነወዳድሮ፡ ገለን ሓድሽ ፋብሪካታት ክምስርት ፈንጠርጠር ክብልን ናብ ህንጸት ሃገር ከመዓዱን፡ ኣባና ድማ ዝነበራና ናባዪ ስኢነን ክዕጸዋ’ሞ ናይ ዕንወት ጋህሲ ኣፉ ከፊቱ ክጽበየና።
ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ነብሱ ዝፈቱ፡ ኣብ ውሱን ክሊ ዘኹድድ በሓቲ፡ ሃገር ክሃንጽ ኣይክእልን’ዩ። ስለምንታይ ብዘይ ተሳትፎ ህዝብን ዝተጸንዐ ትልምን ሃገር ክትሃንጽ ስለ ዘይከኣል። ነቲ ህዝቢ ኣብ ልምዓት ከተሳትፎ ድማ ብመጀመርያ ከም ቀንዲ ናይ ልምዓት ባእታ ንቃለ ዓለም ዘይኮነስ ሕገመንግታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ናይቲ ብህንጸት ሃገር ኣቢሉ ዝሕፈስ ጸጋ ቀንዲ ዋናን ተጠቃምን ምዃኑ ከተረጋግጸሉ ይግባእ። ኣብ ከም’ዚ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይቲ ህዝቢ ጉልበት እንዳበሃግካ፡ ናይቲ ድኻም ውጽኢት ግና ናብ ቆፎኻ እንዳ ወተፍካ ግና ሃገር ኣይትህነጽን እያ። ንኣዕናዊ ተንኮላትካ ብናይ ሓሶት “ብመግቢ ነብስና ክንክእል ኢና” ጭረሖ ክትሓብእ ከዓ ኣይከኣልን እዩ።
እምበኣር ስርዓት ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ ብሰንኩ ዝበኾረ ብቐንዱ ሃገር ናይ ምድሓንን ምህናጽን ሓላፍነት ክትስከም ድልዊ ምዃን ከም ዘድሊ ብዓንተቦ ምስትውዓል ከድልየና እዩ።ነዚ ክንበቅዕ ድማ ከምቲ ፈላጣት “እቲ ለባም ካብ ጸላኢኡ’ውን ይመሃር እዩ” ዝብልዎ፡ ናይ ህግደፍ ናይ ፍሽለት ተመኩሮ ምድህሳስ ከድልየና እዩ። ነዚ ረዚን ሓላፍነት’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሰደህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቁጠባዊ መዳይ “ ኣብ እዋን ምስግጋር ህዝብና ብቍጠባ ከይህሰ ንውሽጣዊ ዝጸንሐ ዓቕምታት ቀጻልነት ክረክብ ምእሙእ ኵነታት ምፍጣር። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነጋዶ ብዝተሓተ ቐረጽ ክነግዱ ኣተባባዒ ሃዋህው ምኽፋት። ምስ ጐረባብትን ዓለምን እናተረዳዳእካ’ውን ሕማቕ ኵነታት ንኸየጋጥም ኩሉ ጻዕርታት ምግባር።” ዝብል ሓደራ ሰፊሩ ኣሎ።
21 ሕዳር 2014
Eritreans 'fleeing conscription drive' for Ethiopia - UNHCR
Written by BBC - Africa News
Eritrea's army fought a border with Ethiopia more than a decade agoA renewed conscription drive in Eritrea has led to a sharp increase in the number of youths fleeing to neighbouring Ethiopia, a UN refugee agency spokeswoman has told the BBC.
More than 6,000 Eritreans had claimed asylum in Ethiopia in the past 37 days, double the rate seen in previous months, Karin de Gruijl said.
There has also been a rise in the number of Eritreans reaching Italy.
Eritrea says conscription is needed because of tension with Ethiopia.
About 100,000 people died in the 1998-2000 border war between the two countries.
Eritrea became independent after breaking away from Ethiopia.
The refugees, most of whom were between 18 and 24 years old, reported an "intensification" of efforts to conscript them into the army, Ms De Gruijl told the BBC's Newsday programme.
"We know that officially national services are for about four and a half years but quite often they're open-ended," she said.
"This intensification of recruitment has sparked fear among young people in this age group who don't want to have this perspective of not knowing how long they will have to serve."
ክሓተክን ስምዓኒ ሃማደአ በጃኽን
እዚ ኩሉ ሸበድበድ እንታይ‘ከ ደሊኽን
መርዓ ጓልክን‘ድዩ መርዓ ወድኽን
መርዓ ትቋጸራ ሓዘን ናይ ደቅኽን
ቍሩብ ዘይትሓስባ ንህዝብኽን
መመሊሱ ዝቕጽል ጌጋኽን።
ዘርእና ጠፊኡ ንሳተን ይዘላ
ለይቲ ምስ መዓልቲ ምስ ተኸላ ጓይላ
ጥዕና ዘየብለን ኩለን ዝዘንበላ
ኢሳያስ ክነብር ዝምህለላ
ዕድመ እንተደፊአን ዝጽለላ
ኢሳያስ ዘየብላ ሃገርስ ትጥፋእ ዝብላ።
እገርመኒ ከመይ ከም ዝተፈጥራ
ባሩኳ ተሰዂዐን ከይሓፈራ
ኣብ ቲቪ ክወጻ ዘዕገርግራ
ምእንቲ ክኾና ሕሉፋት ኤርትራ
ጽቡቕ ኣሎ ዝብላ ንመከራ
ጐበዝ ተሳኢኑ ንሬሳ ዝቐብራ
ሓሶት ይጭርሓ ከይሓፈራ።
ዘይኣኽለን ጓይላ ምስ ጸወታ
ሓጎስን ሓዘንን ብእልልታ
ወላዲት ትነብር ብሃንቀውታ
ካብ ዘለዋ ይበዝሓ ዝሞታ
ኣካ ተሳቐየት ቅድሚ ሞታ
ጐበዝ ተሳኢኑ መቓብር ዝዂዕታ
ሃገር መንእሰይ ጸኒታ
ቆልዓኣ ሓንጊራ ናብ ስደታ
ነዚ ድማ ይህባሉ ኣሉታ።
እዘን ጽሉላት ከመይ የሽበድብዳ
መርዓ ጓል‘ድዩ መርዓ ወዲ ዝኸዳ
ወርቂ ተለቂሓ ናብ ክሳዳ
ሒና በዊኣ ኣብ እግራ ኣብ ኢዳ
ወርቂ ሚዶ ኣብ ርእሳ ሰጒዳ
ምሓፈረት እንተዘይዓቢዳ
ዝሞተ እንተሞተ እንታይ ግዳ
ኣብ ቲቪ ክትወጽእ ኣሽበድቢዳ።
ኣለዋና ቀደም ዝገስገሳ
በቲ ስቓይ ህዝበን ዘይደቀሳ
ኣብ ግብረሰናይ ዝሕወሳ
ንሃገረን ብዙሕ ዝግደሳ
ነቲ ሕማቕ ተግባር ዘይምጒሳ
ኣብ ቅርሕንቲ ኢደን ዘይሓወሳ
ብሕማቕ ተግባር ዘይክሰሳ
ኣእምሮአን ብቑዕ ዘይፈዀሳ
ባህሊ ኣዴታተን ዝወረሳ።
እተን መጣቓዕቲ ተውሳኺተን
ገንዘበን ሓንጐለን ተዘሚተን
መብዛሕትአን ኣእሙሮአን ስሒተን
ብእኡ ትምሕል እታ ጥዕይተን
ክንደይ ዓመት ብእኦም ተጓቲተን
ውድብና ዝብላኦ ንመንግስተን
ዘብዘብ ዝብላ ነጸላ ጓቲተን
እንታይ‘ከ ትጽበ ካባታተን
ኣምላኽ የድሕነና ካብቲ ናተን
ኣባዛር ዘድልየን ዘጻውተን።
አረ ክነግረክን ብሓጺሩ
ሓለቓኽን ስራሕ ተቐጺሩ
ኣስመራ ገዲፉ በረኻ ሰፊሩ
ኣብ ገርገራ ቴንዳኡ ገቲሩ
መሃንድስ ክኸውን ተቐጺሩ
በይኑ‘ድዩ ግዒዙ ምስ ሓዳሩ
ገዓቱ ክበልዕ ከም ሃገሩ
ጐበዝ ተሳኢኑ እንታይ ክገብሩ
ኤርትራዊ ዕድል እንተጌሩ
ስግር ተዝብለልና ብኣ ጌሩ
ኣብ ተንቤን ክነብር ንሓዋሩ።
ክንድሽሕ ገ/ዝጊ
Eritrean Tv Demtsi Hezbi Nov 23,2014
‘’ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ’’ ጽማቝ ናይቲ ብሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ዝቐረበ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ
Written by ምምሕዳር ፓል ሓርነት
ብዕለት 15-11-2015 ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ ኣባል ኤምዲሰመ ኣብ መስኮት ሓርነት ብዛዕባ ‘’ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ’’ ዝብል ኣርእስቲ ሕዙ፣ ነቲ ብዛዕባ እዚ እነልዕሎ ዘሎና ኣርእስቲ በዘን ውሑዳት ሰዓታት ኣብዚ መስኮት እዚ ተረኺበ ክገልጽን ኣብ ምሉእ ምርድዳእ ክንበጽሕን ዘድሃበ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ መባእታዊ ፍልጠት ክንውንን ዕለት ብዕለት ክንዛተየሉ ስለዘሎና ነታ ብውልቀ መላኺ ትግዛእ ዘላ ሃገርና ጽባሕ እንኽተሎ ናይ ህዝባዊ ስርዓት ክንቅርበሉ ዝኣመተ እዩ።
ዲሞክራሲ እትብል ቃል ካብ ቋንቋ ግርኽ ዝመንጨወ ኮይኑ ትሩሙ ድማ ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸውን ከሎ ደቂ-ሰባት ብሓባር ክነብሩ ካብ ዝጀመሩ ክጥቀሙላ ዝፈተኑን ጌና እውን ዝፍትኑ ዘለዉ፡ ማለት ኣብ መስርሕ ናይ ምትርጓሙ ዝርከቡን ዝተፈኣለየ መግለጽን ብሽም ዲሞክራሲ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣገጋባብ ምምሕዳር ወይ ስልጣን ምጭባጥ ርኢናን ንሕና ኣውን ከም ህዝቢ ናብኡ ንምብጻሕ እንቃለስ ዘሎና እና።
ስለዚ ብዙሓት ፍላስፋታት ብዛዕባ ዲሞክራሲ ጽሒፎም ጌና ይጽሕፉን ይማጎቱን ይዛተዩን ሓሳብ ንሓሳብ የነጽጽሩን ኣለዉ። ክቕጽሉ እውን እዮም። ንሕና እውን ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ዘለና ፍልጠት ዝተመዓራረየዶ እዩ? ንዝብል ሕቶ መልሱ እሱ ነይሩ እንተዝኸውን ከምዚ ዘለናዮ መልክዕ ኣይምሃሎናን ዝብል እዩ ዝስዕብ። ምስክርነቱ ከኣ ሓቢርካ ዘይምስራሕን ኣብ ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ዘይምብቃዕና ዝሕብር ምልክት እዩ። እምበኣርከስ እስከ ብዛዕባ ዲሞክራስን የዕንዱን ክንዛተ ንፈትን። ከም ኣርእስቲ ኣብ ክልተ ክመቕሎ ክፍትን እየ። ይብል ሓው ተስፋኣለም።
1) ዲሞክራሲ እንታይ እዩ ዝብል ሎሚ ከቕርቦ እየ።
2) እቲ ካልኣይ ድማ ኣየኖት እዮም የዕኑድ ዲሞክራሲ ዝብል ከኣ ኣብ ዝመጽእ ከቕርቦ ክፍትን እየ።
እምበኣርከስ ሎሚ እቲ መሰረታዊ ዲሞክራሲ እንታይ እዩ? ዝብል ብሕጽር ዝበለ ንምምላስ ከም ኣርእስቲ ሰፊሕን ካብ ጥንቲ ዝመጸን ጌና እውን ዓለምና በቢወገኑ እትጥቀመሉ ዘላ ስለዝኾነ ከምቲ ኣቕዲመ ዝጠቐስክዎ በብዓይነቱ መጻሕፍቲ ዝተጻሕፈን ጌና እውን ዝጸሓፍ ስለዘሎ ካብ ዘተ ናብ ዘተ ዝሰጋገር ዘይነጽፍ ስነሓሳብ ዝውሕዝ ስለዝኾነ ንሕና ሎሚ ምሸት ክንትንክፎ ድኣምበር መዕለቢ ክንገብረሉ ዘይከኣል እዩ። ይኹን እምበር ብወገነይ ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ ንዓና ዘሪኢ ወይ ዘድህብ ምእንቲ ክንኣቱ ‘’ዲሞክራሲዊ ለውጢ’’ ንብል። ትሕዝትኡ እንታይ እዩ? ዲሞክራሲ ማለት ከምቲ ዝብልናዮ ስልጣን ናይ ህዝቢ ካብ ኮነ መንስግስቲ ብህዝቢ ዝቖመ ማለትና እዩ። መንግስቲ ክበሃል ከሎ ግን ኣብ ዓለምና ብዙሕ ዓይነት መንግስታት ነይሮምን ኣለዉን ንምጥቃስ፡ ንግስነት፡ ኣውቶክራሲ ስልጣን ብሓደ ሰብ ዝውነን ውልቀ መላኺ፣ ፕሉቶክራሲያዊ (Plutocracy) ሃብታማት ዝጸልውዎ ዝትከል ስርዓት (Theocracy)ካብ ሰብ ንላዕሊ ዝመጽእ ተባሂሉ ሃይማኖታዊ መንግስቲ ንኣብነት ኣብ ኢራን ዘሎ መንግስቲ ከም ንጉሳን ብእግዚኣኣብሄር ዝተመርጽኩ ዝብሉ ዝነብሩ ከም ንጉስ ሃይለስላሴ …ወዘተ። ኣሪስቶክራክሲ -መኳንንቲ ካብ ወለዶ ንወለዶ ዘውርስዎ መንግስቲ ።
ኦሊጋርኪ ብሒደት ወይ ነኣሽቱ ጉጅለ ስልጣን ዝሕዙሉ ዓይነት መንግስቲ፣ ወይ ከኣ ውሑዳት ምሁራት ኢና ዝብሉ ናይ ፈሊጥ መንግስቲ እዝኦምን ከምኡ ውን ኣልኦት ዓይነት ስልጣን ንምሓዝ ዝመሃዝ በብዓይነቱ ክንሰሚ ምኸኣልና፡ ግንከ እቲ ንዓና ዘድልየና ዘሎ ወይ ኣትኵርና ክንዛተየሉ እንደሊ ኣንጻር እዞም ዝጠቕስክዎም ስርዓታት ዲሞክራሲያዊ ስልጣን ወይ ከኣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኮይኑ፣ ካብኡ ተቐቢልካ ናብ ዋንኡ ምምላስ ዝብል እዩ።
ዓይነት መንግስቲ ብብዝሒ ዝዝረበሉ ኣብ ግሪኽ ዝተጀመረ እዩ ዝበሃል፣ ግን ኣብኡ እዃ ብንጹር ይጀመር እምበር ብቕድሚኡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለማት እውን ይፍተን ምንባሩ ይሕበር እዩ። ንኣብነት ኣብ ሜዞፖታምያ ዝነቐለ ተባሂሉ ይዝረብ እዩ። ይኹን እምበር ከም መወከሲ ኣብ ግሪኻዊት ከተማ ኣተነ ከተማዊ ምምሕዳር ኣብ ኣደባባይ፣ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ተኣኪቦም ይዛተዩን ይማጉቱን ደሓር ኣብ ውሳኔ ይበጽሑን፣ ነዚ ውሳኔ ዘመሓድሩ ይመረጹ። እዚ እውን ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ይበሃል እምበር ዘይምሉእ እዩ ነይሩ።
ካልእ ቀጥታዊ ዝበሃል ብረፈረንዱም ህዝባዊ ውከሳ ኣብ ኣገደስቲ መሰረታውያን እርእስቲ ዝኾኑሉ ኩሉ ዜጋ ዝሳተፈሉ ማለት ህዝባዊ ወኸሳ ዝሓልፉ ኣለዉ። ንኣብነት ከም ቅዋም ክተጽድቕ ከለኻ ወይ ኣብ ቅዋም ዘሎ ሕጊ ደምሲስካ ካልእ ክተስፍር ምስ ዝድለ ንዝቢ ተወኪስካ ተቐባልነቱ ተረጋግጽ። ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘይቀጥታዊ ሓደ ዲሞክራሲኣዊ መንግስቲ ዝቐውም ብዘይቀጥታዊ ወይ ብውክልና እኻ ባይቶ ተቕውም። ካብኡ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ይመጽእ። ናይ ፈራዲ ኣካል ግን ናቱ ኣገባብ ኣመራርጻ ኣለዎ።ርእሰ ምምሕዳር ስለዘለዎ እዚ ኮይኑ ዲሞክራሲ ወይ መንግስቲ ኣብ ዲሞክራሲ 1.ብሓጋጊ 2. ፈጻሚ ኣካል (መንግስቲ) 3. ፈራዲ ኣካላት ዝቐውም እዩ።
እዚ ዓይነት ኣጋባብ ኣሰራርሓ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ካብ ክፍለ ዘመናት እናማዕበለ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ክንካፈሎ ህርድግ እንብለሉ ዘሎና ምዃኑ እዩ።
ኣብዚ ክዝክሮ ዝደሊ እቶም ዓይነት መንግስቲ ኣቐዲመ ዝጠቅስክዎም እናወደቑን እናጠፍኡን ክኸዱ ከለዉ (ስርዓት ኢሳያስ እውን ካብ ሱሩ ተበንቍሩ ከም ዝጠፍእ እናዘከርና) ዲሞክራሲያዊ መንግስታት ግን እናበዝሓን እናጠጠዓን እየን ዝመጻ ዘለዋ። ኣብ ዲሞክራሲያዊ መንግስታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣቋውማ ዘለዎም ኣለዉ። ንምጥቃስ ዝኣክል ፡ ረፑብሊካዊ መንግስቲ ህዝባዊ ብሓጺሩ ህዝቢ ዝማእክሉ ማለት እዩ።
ከምኡ እውን ንማለቱ ንጉሳዊ መንግስቲ ተባሂሉ ግን ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝቕበልን ናብ ህዝቢ ዝመልስን ብቅዋም ዝመሓደሩ መንግስታት እውን ኣለዉ። ከም ሃገር እንግሊዝ ፣በልጁም፣ ሉክስምበርግ፣ ስፐይን ወዘተ…፤ካልኦት ጨናፍር ወይ መልክዓት እውን ኣለዉ ክኾኑ ይኽእሉ ተባሂሉ ዝጸሓፍ ከምኡ ዝትንተን ዓይነት ዲሞክራሲያዊ መንግስታትን ውን ኣለዉ። ንምጥቃሱ ዝኣክል፣ ሊበራል ዲሞክራሲ፣ ስሾል ዲሞክራሲ፣ ኣናርኪ ዲሞክራሲ፣ ስርዓተ ኣልቦ ወይ እትገብሮ ስለ ትፈልጥ ኣዛዝን ተኣዛዝን ዘይብሉ ኩሉ ብዘይ ጎደል ግቡእካ ምፍጻም ኢሎም ዝትርጉምዎ ኣለዉ፤ ክምኡ እውን ሕንፍሽ ፍሽ ሓላፍ ዘላፍ ዘተኣታቱ ጎዳኢ ዓይነት እውን ዝብልዎ ኣለዉ። እዚ ግን ዘካትዓና ዘይኮነስ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊ መንስቲ ብዙሕ ከምዝዝተየሉን ዝጸሓፍን ንምትንባህን ንምፍላጡን እለ ዘልዕሎ እዩ። ሓንቲ ብዝሐ ውድባት መንግስቲ ተባሂሉ ዝቐውም ከም ኮንሰንሰስ ዲሞክራሲ ሓብራዊ ስምምዕ ዝጥቀማሉ ኣገባብ መስርሕ ኮይኑ ሓደ እንተ ደኣ ተጻሪሩ ውሳኔ ከምዘይሓልፍ ወይ ዕድል ናይ ቨቶ ተቓውሞ እተቑመሉ እዩ። እዚ ኩሉ ጫለዳታት ዝምጽኡ ከብ ምምናው ስርዓተ ዲሞክራሲ ወይ ድኽመት ኣሰራርሓ እሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኣብዚ ምዕቡል ሃገራት ዝዛተዩሉን ዝንየቱሉን ንምጥቃስ ካብ ኮነ ንሕና ወይ ንዓና እቲ ናይ ሓቂ ዘድልየና ክንጥቀም እንተደኣ ኮይና ክንፈልጥን ባዕልና ክንውስንን ምእንቲ ድልየትና ክነማልእን፡ ምሉእ ሓላፍነትን እኹል ፍልጠትን ምዕሩይን ብቕዓት ኣብ ምህናጽ ዲሞክራሲ ክህልወና ይግባእ።
ረብሓ ዲሞክራሲ ተቐባልነትን ኣብ ዘየድሊ ነጻግነትን ዝጠቅም ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ተኣማንነትን፡ ተቖጻጻርነት ተወክሳነትን ኮታ ዲሞክራሲያዊ ሚዚናት ዘለዎ እሩም ኣሰራርሓ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝምዕብል እወንታዊ ኣሰራርሓ ክንመሃሮን ክንዛተየሉ ዝግበኣና ሰፊሕን ዓብን እዩ።
ነዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝቃወሙ ወይ ንዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዘነኣሱ ዘይቅርጥው ዝሑል ስርሑ ነዊሕ ግዜ ዘቃጽልን ንምዕባሌ ዝገትእ ቅልጡፍ ውሳኔ ዘይወስድ ከም ናይ ንግስነት ወይ ውልቀ መላኽነት ዝብሉን ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ምልኪ ክጥቀምን ተረርቲ ውሳኔታት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ክወስድ ዝደፋፍኡ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ክመጽእ ስለዝኽእል ህዝብታት ቁሩባትን ትኩራትን ፍልጠቶም ላዕሊ ክኸውን እዩ ዝጥለብ። ሕጂ ተመሊስና ኣብ ደምበ ፍትሒ እንተርእና ብዙሓት ውድባት ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ፣ ሲቪላዊ ማሕበራት፣ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ፣ መራኸቢ ብዙሃን፣ ምህላወን ቂር ዘብል እዩ። በዚ ፍልልያት እዚ ናይ ኣወዳድባና እውን ብዙሕ ስኽፍታት ስለነሕድር እዚ እንታይ ኣድለየ ኣብ ዘብል ብዙሕ ክትዓት ነቐፈታታት ክወርድ ትሰምዕ እኻ።
እዚ ስክፍታትት ከምዘለዎ ሃልዩ እቲ ምብዛሕ ዘይኮነስ ዲሞክራስን ዲሞክራሲያውነትን ተረዲእና ናይ ሓባር ስራሕ ከንተኣታቱ ምስ እንጅምር ኣብ ስራሕ ዝነቐለ ምትእምማን ተፈላሊኻ ዝነበርካ ኣብ ሓደ ምምጻእን ቅድም ብልፍንቲን፣ናይ ሓባር ስራሕን ናብ ሓደ ውድብ ምብጻሕ ፣ዝተረፈ ኣብ ሓደ ጽላል ኮንካ ካብ ሒጂ ጀሚርካ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ምስ ተጀመረ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ክንሃንጻ እንደሊ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ስጡም ምቅርራብ ነተኣታቱ። ስለዚ ትርጉም ዲሞክራሲ ምፍላጥ ዓንድታቱ ኣነጺርካ ምርኣይን ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እቲ ምብዛሕ ዘይኮነስ እቲ ሽግር ተወዲብካ እንታይ ትገብር ምስ ከማኻ ተወዲቦም ዝለዉ ብኸመይ ተዛቲኻ ብእንካን ሃባን ናይ ሓባር ስርሓን ሓደ ንኽሉ ዘጽልል ጽላል ኣብ ምህናጽ ትዋሳእ ካብ ኮነ እቲ ድሌት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክትከይድ ስለዘለካ ንዲሞክራሲ ምፍላጡን ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ልዑል ተሳታፍነት ይህልወካ ማለት እዩ።
ካብዚ እቲ ትሕዝቶ ሰሚናር ሰፊሕ ብምንባሩ ግዜ ስለ ዝበልዐ ኣድሚናት ንዝለዓል ሕቶታት ኣብ ዝመጽእ ግዜ ምስቲ ካልኣይ ክፋል ተተሓሒዙ ክሕተት ብዝብል ንካልእ መዓልቲ ተሰጋጊሩ። ኣብ ክንዲ ሕታቶት ድማ ተወሳኽን ርእይቶታትን ተኣትወ፣ እሞ ዕድል ንገዛ ተዋህበ። ካብቲ ገዛ ዝወርድ ዝነበረ ድማ እዚ ብሓቂ መሃርን ትምህርቲ ሓዘል ምንባሩ እናመስከሩ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓውደ መጽናዕቲ ክቕጽል ተላብዮም። ምስናይዚ ኣገዳስን ጠቃምን ርእይቶታት ነቲ ኣብ ኤርትራ ክህነጽ ዘለዎ ዲሞክራሲ ኣብ ባህልና ዝተመርኮሰ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንሃንጽ ምእንቲ ባህልታትና ናይ ኣቦታት ተመኩሮ ሃገርናን ብዘይካ እዚ ገባቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ ውልቀ መላኽነት ዋላ ብግዜ ገዛእቲ ሕግታት እንዳ ኣባ ከም ዝነበረና ሕጋዊ ቅዋም ኣብ ፈደረሽን በቲ ሽዑ ዝነበረ ባይቶ ዝጸደቐ ይስርሓሉ ከም ዝነበረ ብምዝርዛር እንተ ደኣ ሓቢርና፣ ነዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሱሩ ቦንቍርና ኣውጺእናዮ ብምቅርራብና፡ ባህልታትና ብምምርኳስን ንዓና ዝኸውን ቅዋም ክንሃንጽ ከም እንኽእል ዝብል ርእይቶታት ይፈስስ ነበረ።
በዚ መልክዕ ወይ ኣጋባብ ኣብ ሰዓቱን መደቡን፣ፓል ሓርነት፣ንዝመጽእ ቆጸራ ብምሃብን ንኹሉ ተሳታፋይ ብፍላይ ከኣ ንኹቡር ጋሻ ብምምስጋን ደምደመ።
ምምሕዳር ፓል ሓርነት
EPDP Delegation Discusses Eritrean Problems in Bern with Swiss Social Democrats & Foreign Ministry
Written by EPDP Information OfficeEPDP Information Office
A delegation of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) on Tuesday, 19 November 2014, held extensive discussions with senior officials of the Swiss Social Democratic Party and with the Swiss Federal Ministry for Foreign Affairs.
The EPDP delegation availed itself in Bern upon a formal invitation from the Swiss capital to exchange notes with concerned organs of the Swiss Social Democratic Party as well as for updating the Swiss Federal authorities on the ever worsening situation in Eritrea.
Consisting of EPDP’s head for foreign relations, Mr. Woldeyesus Ammar, and Swiss branch leadership members Messrs. Tesfagaber Ghebre and Fitwi Kifle, the Eritrean delegation raised many hot issues that it wished to be addressed by Switzerland in close cooperation with other countries and multi-lateral organizations. The delegation also submitted memoranda: one to the SP/PS president, Mr. Christian Levrat, and in the afternoon meeting at the Foreign Ministry, to the Swiss Foreign Minister and current President of the country, Mr. Didier Burkhalter.
The meeting in the morning hours was conducted with the International Secretariat of Switzerland’s second largest party, well known by its acronyms of SP in the German and Romansh speaking cantons (Socialdemokratische Partei) and PS (Parti Socialiste; Partito Socialista) in the French and Italian speaking cantons.
In the first meeting, the EPDP delegation urged the SP/PS leadership to push the Federal Swiss Government to make active and effective involvement in helping Eritrea and its people to come out of the critical situation they are in. The Swiss party was also asked to initiate a wider discussion of the problem in Eritrea as well as the general situation in the Greater Horn of Africa region at a special meeting of the Progressive Alliance, of which both SP/PS and EPDP are members, with the aim of addressing the ongoing ‘failed state’ phenomenon.
General issues considered at both the meetings with the SP/PS and, in the afternoon session, with the Foreign Ministry included discussion on the ever worsening situation inside Eritrea; areas on which pressure should be exerted; and what joint regional and international measures could taken to improve the lot of the Eritrean refugees in the Horn of Africa region and those already in Switzerland. In particular, the EPDP delegation earnestly requested that the recently formed coordination body of Eritrean political and civil society groups in Switzerland be approached for consultation and joint work to help young Eritreans in Switzerland who have no adequate education background to fit to the new environment they are in.
Excerpts from the memorandum to the Swiss Federal Ministry for Foreign Affairs can summarize the gist of the issued proposed for action at the level of Switzerland.
1. Exerting Pressure on the Asmara regime
- Assist in organizing international pressure on the dictatorial regime to end the limitless “national service” it started two decades ago;
- Allow ICRC as well as the UN Commission of Inquiry and the UN Human Rights Rapporteur for Eritrea to visit the over 300 prisons in the country where inmates are kept for many years without recourse to a court of law;
2. Normalization of relations between Eritrea and Ethiopia
- The excuse given as a stumbling block for better relations is the border problem. Both countries can, and must be advised, to show readiness for compromise.
- In particular, there is a need of pressurizing Ethiopia through different means to accept the final and binding decision of the arbitration boundary commission
3. Active support for Eritrean refugees in the Horn, and in Switzerland
- Initiate a special package project for academic and vocational education in East Sudan and North Ethiopia partly using technical development resources that several countries suspended from Eritrea due to the human rights condition there. Switzerland can lead this initiative.
- The tens of thousands of Eritreans in Switzerland are young and without proper education. Giving special attention for their education and skill building would make them better citizens upon their possible return to Eritrea.
4. Assist in bringing about a positive change in Eritrea
- The best option that could be taken by fraternal parties and governments is bringing about change in the system of governance in Eritrea where the majority of the population is opposed to the existing repressive regime.
- One way of doing it is through empowering Eritrean non-state actors (mainly by reaching the civil society and political movements in diaspora) through active support for capacity building.

-

ብክብሮም ግሬነት
ሓወይን ኣነን ሓንቲ ቋንቛ ኣደ ንዛረብ ። ንሳ ከኣ ትግራይት ትብሃል ።ከም ኩሎም ተዛረብቲ ትግራይት ከኣ ወለድና ዘጽንሑልና ባህሊ ስለ ዝዀነ ከኣ ንኾርዓሉን ንንየተሉን ጸኒሕናን ኣሎናን ። ካብ ኣባሃህላ ህግደፍ እንፍለየሉ ነገር እንተሎ ኩሉ ትግራይት ዝዛረብ ትግሬ ማለት ከምዘይኮነ ከኣ ንኣምን። ምክንያቱ ኩሉ እንግሊዘኛ ዝዛረብ እንግሊዛዊ ማለት ስለ ዘይኮነ። ብተወሳኺ ሓወይን ኣነን ካልኦት ሰባት ይኹኑ ወይ እውን መንግስታዊ ትካላት ብዘይ ፍቓድና እንታውነትና ክውስኑልና ኣይንፍቅድን። ንዝዀነ ሕብረተሰብ ብሐይሊ እንታውነት ክዕድል ዝኽእል ሰልጣን ዘለዎ ሓይሊ የለን እልና ስለንኣምን። ኣብ ኤርትራ ካብ ዙላን ኣፍታን ጅሚርካ ክሳብ ቓሮራን እምኒሓጀርን እዚ ኩሉ መታሕት ኣውራጃ ሰንሒት ሓዊስካ ዳርጋ ዝበዝሕ ትግራይት ክሰምዕን ክዛረብን ከም ዝክእል እቶም ኣብቲ ሰውራ እተሳተፉ ምስክርነት ክህቡ ይክእሉ እዮም ።
ኣቦታትና ሓንቲ እምነት ከምዝነበረቶም ተሰኒዱ ዝጸንሓና ይኹን ብኣፋዊ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዘርከብናሉ ሓቀኛ ዛንታ ኣሎና። ኣብ ከባቢ 18 ክፍለ ዘመን ጅሚሩ ግን ገለ ካብ ወለድና በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸም ዝነብረ ተደጋጋሚ ወራራት መሳፍንቲ ኢትዮጵያ፡ ጽላል ይዀነና ዝበልዎ ስርዓት ግብጻውያን ብወገን ሱዳን ስለ እተቀልቀለ እምነቶም ክቕይሩ ድፊኢት ኮይኑዎም እዩ። እዚ ይኹን እምበር እቶም ዝተረፉ ነቶም እምነቶም ዝቐየሩ ኣሕዋቶም ምርጭኦም ስለ ዝዀነ መሰሎም ከይትንከፍ ብሕውንትን ፍቅሪን እናተላዘቡ ሓወይን ኣነን እውን ኣርኪብናሎም ።
ብዝዀነ እዚ ዝጸንሔ ባህሊ ናይ ፍቅሪን ሕውነትን መግዛእቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ካብ ጣልያን ነጻ ኣብ ዘውጸኣሉ ካብ 1941 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክልቲኡ እምነታት ጽልእን ፍርሕን ዘይምትእምማን ክዘርእ ተራእዩ ። ካብዚ እተላዕለ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ሓድ ሓደ ናይ ህይወት ምሕላፍ ፍጻሜታት ተራእዮም እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ ከምቲ ኣብ ካበሳ ዝምስረቱ ዝነበሩ ሰልፊታት ኣብ ከረን እውን ናይ ኣመንቲ ምስልምና ሰልፊ ራቢጣ ኤልእስላሚያ ዝብል እውን ተመስሪቱ እዩ ። እዚ ሰልፊ እዚ ግን ናይ ሽርክነትን ምድልዳል ጸጋታት ሃገር እንተ ዘይኮይኑ ንኤርትራ ብሃይማኖታዊ ሕጊ ከምሓድር ከምዘይነቀለ ታሪኽ ይምህረና ። እዚ ሓቂ እዚ ዝገልጽ እዚ ሎሚ ቅነ ኣብ መርበብ ዓዋተ ተሰቂሉ ዘሎ ናይቶም ክልተ ኣመንቲ ሃይማኖታት ስእሊ ይገልጾ እዩ ።እዞም ሕጂ ዘለዉ ውድባት ግን እምነቶም ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምትካል ከም ዝኮነ ካብ ኩሉ መግለጺታቶም ንላዕሊ መረዳእታ ምንዳይ ኣየድልን ። እዚ ማለት ናይ ሃይማኖታዊ ኣድዮሎጂ ሓይልታት እዮም ። ብተውሳኺ ሓወይን ኣነን ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ስርዓት ክምስረት እናተቓለስና እንከሎና ፣እቲ ክንምስርቶ እንደሊ ስርዓተ መንግስቲ ግን ንክልተና ብሓባር ከምቲ ናይ ወለድና ብሰላምን ፍቅሪን ከንብረና ከምዘክእል ውሕስነት የብልናን ።
ኣነ ሊበራል ደሞክራሲ ንኤርትራ ሃገርና ዝሓሸ ስርዓት እዩ ክብል እንከሎኩ ፣ ንክልቲኣ እምነታት ብማዕረ ስሪዑ እቲ ዝግባኣ ክብርን መስልን ከውሕስ ዝክእል ምዃኑ ስለ ዝኣምን እየ። ብተወሳኪ ኩሎም ዜጋታት ብዘይ ኣፋላይ ብዋሕስና ዘለዎ ተሳተፍቲ ጸጋታት እዚ ሃገር ንምዃን ዝዕድም ኣሳታፉ ስርዓት ስለ ዝኮነ ። ሓወይ ከኣ ክገርመኩም እዛ ድሞክራሲ እትብል ቓል ብፍጹም ክሰምዓ ከምዘይደሊ ኣይሓብኣለይን ። ንሱ ክጥቀመሎም ዝደሊ እስማት ፍጥሒ ፤ ልምዓት ፣ሕውነት ፣ ዝኣመሰላ ቃላት እንተ ዘይኮይኑ ጠንቀስ እሉ ደሞክራሲ እትብል ቓል ክጥቀም ኣይደልን ። ብወገነይ ክግምት እንከሎኩ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ዝፈለሰት ቓልዶ ኮይናቶ ? ወይ ከኣ ኣብቲ ንሱ ዝኣምና እምነት ቅብልቲ ዘይምዃና ዲዩ ? ብዝኮነ ዝገበርና እንተ ገበርና ሓወይን ኣነን ፍልልይና ክነጽብብ እሞ ኣብ ሓደ ናይ ልፍንቲ መኣዲ ክንሳተፍ ኣይከኣልና ። ምክንያቱ ከኣ ክንተኣማመን ኣይከኣልና ። እዚ ናይ ክልተና ዘይምትእምማን ብግዜኣ ክፍታሕ ናይ ኩሉኩም ሓገዝ ከድልየና እዩ።
ሓወይ ቅድሚ ጉዳይ ሃገር ውልቓዊ እምነቱ ብምቅዳም ኤርትራ ብንሱ ዝኣምኖ ስነ-ሓሳብ ከመሓድር ቆሪጹ ዝተላዕለ ምኳኑ ደጋጊሙ ክእምነኒ ይፍትን እዩ ። ኣነ ግን ኣብ ኩሉ ፖለትካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጽላታት ሃገርና ብፍትሓዊ ኣጋባብ ሓወይ መሰሉ ክሕሉወሉ ምዃኑ ንዘቅረብኩሉ መብጸዓ ነጺጉዎ ። ምክንያቱ ፣ ኣንጻር መለኮታዊ ተልእኮኡ ምዃኑ ኣብ ግምት ከምዘይኣቱ ብዘይ ስክፍታ ገለጹለይ። ብድሕሪ እዚ ናይ ሓወይ ናይ ቀርባ ርሑቅን መደባት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ መጻኢ መደበይ እንታይ ከከውን ኣሎዎ እናበልኩ ኣብ ሓሳብ ኣትየ እንከሎኩ ምስ ሓወይ ተፋላሊና ።
ዝከበርኩም ተኸታተልቲ ሓርነት ዶት ኮም፡ ካብ ሓወይ ተፈልየ ንገዛይ እናተጓዝኩ ከምዚ ናይ ሓወይን ናተይን ሰኩላርን ሃይማኖታውን ፍልልያት ብልፍንቲ ክፍታሕ ዝክእል እንተኮይኑ ክሕጉዙና ዝክእሉ ኣብ ከባቢና ይኩን ኣብ ዓለም ከም ኣብነት ተወሲዶም ክንጥቀመሎም እንክእል ፍጻሜታት እንተ እሊዮም ተባሂሉ ዝገበርኩዎ ዳህሳስ ንጨና ዝኮውን ሓበሬታ ኣይረከብኩን ።
እምበኣርከስ እቲ ዝምድና ናይ ሓወይን ናተይን ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጥቅሰ ካብ ኮነ ብኸመይ ደኣ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ኩዳ ብዘይ ስብራ ክንወጽእ ንክእል ዝብል ሕቶ ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ዝምልከት ይኽውን ። ብወገነይ ካብ ክልቲኡ እምነታት ኣብ ቅድሚ ግምባር ደው ክብሉ ዝክእሉ ሓርበኛታት ተሳኢኖም ኣለው እየ ዝብል ። እዚ ናይ ኣውራጃታት ውደባ ዓጀውጅው ናይ ዝጠፈሹ መዘናግዒ እዩ ። እቲ ቀንዲ ማሕለኻ ኣብ ዓወት ከይንብጽሕ ዓሪዱና ዘሎ እዚ ናይ ሓወይን ናተይን ኣተሓሳስባ እዩ ። እዞም ኩሉ ግዜ ውግሔ ጽብሔ ዝፍጠሩ ዘሎው ውድባት ቅውም ነገር ክሰርሑ እልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ሪሳይክሊን እዮም ዝገብሩ ዘለዉ ።
ኣብ መወዳእታ
ኣብ መርበብ ዓዋተ ካብ ዘበርክቱ ኤርትራውያን ብመሓመድ ኣሕመድ ዝብሃል እተጻሕፈት ኣገዳሲት ጽሕፍቲ ኣላ ። ብመጠኑ እቲ ፍርሒ ናይ ሃይማኖታዊ ሕጊ ከምዘሎ ግን ከኣ እቶም በሃልቱ ናይ ምትግባሩ ዓቅሚ ከምዝሓጽሮም ይጠቅስ ። ብዝዀነ እቲ ናይ ሊባኖን ሚዛን እምነታት ንጥቅሚ ሓደ ወገን እናዘምበየ ይኸይድ ምህላውን ኣብ ኤርትራ እውን ክርኤ ከም ዝክእል ይሕበር‘። እዚ ሓበሬታ እዚ ከም መጠንቀቅታ ክውስድ ይክኣል። ብሓፈሻ ግን እዚ ሰብ እዚ ካብቶም ዝሓሹ ናይ እምነታት ተጻዋርነት ይኹን ምክእኣል ስነ ሓሳብ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ ።
ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፍውሱ። መድሓኒትና ኣብ ኢድና እንከሎ ኮለል ኣይንበል ።
ክብሪ ንስዉኣትና !
ክብሮም ግረነት
More...
ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ማሕበራት ኣብ ኦስሎ ናይ ሓባር ዜተ ኣካዪደን
Written by Norway - EPDP Information Service
ኣባላት ጽላል ኤርትራውያን ሓይልታት ንለውጢ ኣብ ኖርወይ ዝኾና ኣብ ከተማ ኦስሎን ከባቢኣን ዝርከባ 4 ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ብመንገዲ መራሕተን ብዕለት 16. 11. 2014 ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ተራኺበን ናይ ምውህሃድ ዜተ ኣካዪደን:: እዘን መቃልስቲ ኣሕዋት ዝኾና ኣርባዕተ ማሕበራት ኣብዚ ፈላሚ ዝኺነ ናይ ዜተ መድረኽ ብቀዳምነት ንሕሉፍ ጉዕዞ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ክርነዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብኹሉ መዳያቱ ገምጊመን:: ኣብቲ ናይ ዜተ ገምጋሞም ብሓደ ወገን፣ ኩሉ ንጡፍ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ማሕበር ኮነ ውልቀሰብ ዓቕሙ ከበርክትን ብዓቅሙ ክውፈን ከምዝጸንሐን፣ ከም ውጺኢቱ እውን ኣብ ሜዳ ደለይቲ ፍትሒ ዘይነዓቕ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከምዝተመዝገበ ክግምግሙ ከለዉ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ብኩራት ሓድነትን ዝተወሃሃደ ኣድማዒ ናይ ሓባር ስረሓትን ንዕድመ ቃልሲ ከምዘናወሐ፣ ንዓቅምታት ተቃለስቲ ከምዘዳኸመ፣ ንተሳታፍነት ህዝቢውን ከምዘውሓደ ኣስሚሮምሉ::
መራሕቲ እዞም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኣርባዕተ ማሕበራት ቀጺሎም ንብድሕሪ ሕጅኸ እሞ ጉዕዞ ቃልስና ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ሰፊሕ ግዜ ሂቦም ተመያዪጦም:: ምምሓው ውልቀ መላኺ ዝኾነ ስርዓት ህግዲፍን ምምስራት ሓቀኛ ዝኾነ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓትን ብሓድነትን ብምውህሃድን እዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምእማን፣ ንብድሕሪ ሕጂ ብመሰረት ዕላማታት ናይቲ ጽላል ስረሓቶምን መደባቶምን ከወሃህዱን፣ ናይ ሓበር ቃልሲ ከካይዱን ተሰማሚዖም:: ነዚ ስምምዕዚ ክውን ንምግባር ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ብኽለተ ኣባላት እትውክል 8 ዝኣባላታ ሽማገለ ሓላፍነት ወሲዳ:: እቶም ማራሕቲ 4 ማሕበራት ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ዕለትን ኣጀንዳን ድሕሪ ምጽዳቕ፣ ፈላማይ ናይ ዜተን ምውህሃድን ኣኼባኦም ብዓወት ዛዚሞም::
እቶም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዝወሰዶ ተበግሶ ናብዚ ናይ ዜተ ኣኼባ ዝተረኽባን ኣባላት ናይቲ ዜተን ስምምዕን ዝኾንና ማሕበራት፣ 1. በርገሳዊ ማሕበር ሕብረት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፣ 2. ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያ ንድሕነት ሃገር ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን፣ 3. ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን እዮም::
ዓወት ንዲምክራስያዊ ቃልሲ
EPDP Editorial - Eritreans Stand Tall with the Commission of Inquiry (COI)
Written by EPDP Editorial BoardThere is a light at the end of the tunnel. Eritrean people are on the path to defeating the wrong; they are on the way to achieving justice. Yes, because of the relentless fight by many brave Eritreans in the corridors of the UN and other international venues, finally the international community heard our voices and concerns, and this time they heard us right. In June of this year, the United Nations Human Rights Council established a Commission of Inquiry (COI) on Eritrea to investigate the crimes being committed against Eritrean citizens by the PFDJ regime, pursuant to or as established in the “Rome Statue of the International Criminal Court.” The “Rome Statue” is a treaty that established the International Criminal Court (ICC), which has the power to indict and convict groups/individuals/head of states believed to have committed crimes against humanity. Eritrea is a signatory to the Rome Statue of the International Criminal Court.
For the justice loving Eritrean people, the establishment of the COI is one step in our struggle towards establishing constitutional system, which among other things will enshrine both the protection and respect of human rights of Eritrean citizens in post PFDJ Eritrea. Not only is it a positive development in the struggle against the PFDJ regime, but also it opens a new front that would enable Eritrean Diaspora opposition to garner international support.
Without delving into the legal aspect of the COI, it should be realized that this investigation of crime against humanity is not an easy endeavor. But first is first: we must expose the human rights violation denialists of the PFDJ, with their continued deception and double talk, and the rest of their conspiracy theorists who believe human rights violations and abuses in Eritrea are simply western ploys to undermine Eritrea or to effect regime change in Eritrea. These are the PFDJ elites who have utterly failed on their intellectual and moral duty to defend the truth; intellectuals who failed to serve their own people with honesty and fidelity. And we know these PFDJ enablers will continue to sabotage any and all efforts that they think will bring justice and democracy to Eritrea. And this is the greatest crimes they are committing on their own citizens. Therefore, this is one front we must challenge during the investigation of the COI.
Second, it is clear that the formation of the COI is a big blow to the body politics of the PFDJ regime. And the opposition must capitalize on it, and that it should view the COI as a boost that will potentially help Eritrean people in their struggle to uproot dictatorship on one hand and an opportunity for the opposition to recast itself in the eyes of the Eritrean people on the other. One might even say we are halfway through to put the rope around the neck of the dictator and his cohorts, but this only becomes reality if we work more effectively and jointly than ever, and meticulously chart out a strategy on how to assist the COI.
Third, believing in its usual political ploy, which is making and remaking of falsehoods, PFDJwill continue to raise the national security, foreign enemies...etc in an effort to thwart the work of the COI even though we know the core problem of the country lies with the dictator. In the Diaspora, it will instruct its rogue elites to campaign and attack the COI as a threat to Eritrea. Inside the country, we will see PFDJ’s TV station and networks feeding a carefully crafted lies to the public about the COI. The aim is simply to cement a message that PFDJ believes resonates with the Eritrean people, and that is to show that the COI is against Eritrea’s sovereignty and independence, which we know is false. But the PFDJ will push on twisting facts in order to survive. Not only is PFDJ going to distort facts and plunge itself in its usual gross misrepresentation, but also it will brand all its victims as well as those who witnessed its crimes as criminals and money-grubbing souls in order to shift the debate, muzzle the innocent, and in the process stifle the work of the COI. But time is different now because the center of gravity in Eritrea is shifting to the opposition. PFDJ may not see it but the legitimacy once it had commanded is on the path of extinction.
EPDP strongly values the weight and contribution of the COI. But in the end, it is up to the opposition to make the job of the COI successful. Hence, our primary function must be to encourage victims and witnesses to come forward and testify in front of the COI. All said, however, the opposition must recognize the fear of victims and the possible reprisal against their family members back home by the PFDJ as a result of their testimony. This is the main element that the opposition in general and those Eritreans working closely with the COI in particular should address. Nevertheless, we must push that the victims have the duty to testify because it was during exercising their rights and their freedoms as citizens that they became victims of injustice like hundreds and thousands of Eritreans, and that they were imprisoned and tortured, and that they were forced to leave their country. For them, testifying would be the most historic national duty they have ever done to the country of 5 million people who are dying under the yoke of an absolute tyranny. Not testifying is not an option. The victims and witnesses know more than anybody else that Issais is not only a dictator, but a mad man and he needs to be stopped before he turns Eritrea into an uninhabitable and barren land. Again the point is that, the opposition must tighten its belt in assisting the COI. Meaning now is the time to act, and that we in the opposition must bear the onus of demonstrating the knowledge and responsibility of networking and assisting the COI in its tasks for which it is mandated to carry out – holding Issais regime accountable on the crimes it committed against the Eritrean people – that is crime against humanity. This is not the time to duck our heads.
Eritreans Stand Tall with the Commission of Inquiry (COI)
Written by EPDP Editorial BoardEPDP Editorial
There is a light at the end of the tunnel. Eritrean people are on the path to defeating the wrong; they are on the way to achieving justice. Yes, because of the relentless fight by many brave Eritreans in the corridors of the UN and other international venues, finally the international community heard our voices and concerns, and this time they heard us right. In June of this year, the United Nations Human Rights Council established a Commission of Inquiry (COI) on Eritrea to investigate the crimes being committed against Eritrean citizens by the PFDJ regime, pursuant to or as established in the “Rome Statue of the International Criminal Court.” The “Rome Statue” is a treaty that established the International Criminal Court (ICC), which has the power to indict and convict groups/individuals/head of states believed to have committed crimes against humanity. Eritrea is a signatory to the Rome Statue of the International Criminal Court.