ኤርትራን ህዝባን፡ ዝነበሩ፡ ዘለዉን ዝቕጽሉን እዮም። ህግደፍን በሓቲ ምምሕዳሩን ግና ሎሚ ዘለዉ፣ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ ሓለፍቲ እዮም። ናይ ነባሪ ህዝብን ሃገርን ናይ ሓላፊ መንግስታዊ ምምሕዳርን ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለምና’ውን ዘሎ ዘየቋርጽ መስርሕ እዩ። እዚ ዝምድና ናይ ህዝቢ ነባርነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣይኮነንዶ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ካብ ቀደሙ ጠላም፡ ህዝቦም ብልቦናን ቅንዕናን ዘመሓደሩ መንግስታት እውን ዘይርሳዕ ኣውንታዊ ዝናን ተመኩሮን ደኣ ይገድፉ እምበር፡ ነበርቲ ከምዘይኮኑ ዘረድእ እዩ።
ብሰንኪ ግጉይ ምምሕዳሮም፡ ካብ ህዝቦም ዝተነጸሉ፡ ኣገዲዶምን ኣርዒዶምን ክገዝኡ እንተዘይኮይኖም፡ ህዝቢ ኣዕጊቦም ከመሓድሩ ዘይተዓደሉ መንግስታት፡ ነብሶም ንምድሓንን ብስም ህዝባዊ ወገናውነት፡ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑን ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ጉጅለ ህግደፍ ካብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምውራድ፡ ዘስመዖ መዝሙር “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ድማ ናይዚ ኣብነት እዩ። ጨቆንቲ እንታይነቶም ንምሕባእ ንክጥዕሞም፡ ንሳቶም ብዛዕባቲ ህዝቢ ከምቲ ዝደልይዎ ክዛረቡ እምበር፡ ህዝቢ ብዛዕባኦም ክዛረብ ኣይፈቕድሉን እዮም። ናይ ህግደፍ ብዘይካተን መሳርሒኡ መድያታት፡ ብሕታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ምዕጻውን ጋዜጠኛታተን ምእሳርን ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓቂ ክሒዱ ማዕረ ኤርትራን ህዝብን ነባሪ መሲሉ ንምቕራብ ዝፈጥሮ ምድንጋራት ብዙሕ እዩ። “ኤርትራ ህግደፍ ከም ዘምጸኣን ኣብዘይህላወኡ፣ ህልውና ከም ዘየብላ” ኣምሲልካ ንምስኣላ ዝግበር ጻዕሪ፡ ካብቲ ሓደገኛ ምህዞታቱ ሓደ እዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ተግባሩ ንምንኣድ “ኣንታ ንበረልና” ብዝብል ዜማ ክስነ እንከሎ ከኣ ንብዙሓት ዘገርም እዩ። በዚ ግጉይን ዘይንቡርን ኣረዳድኣ ዝዓወኑ ወገናት ከኣ፡ “ንህግደፍ ምቅዋም ከም ንኤርትራ ምቅዋም፡ ንህግደፍ ምድጋፍ ከኣ ከም ንድሕነትን ህልውናን ኤርትራ ምጥባቕ” ዝብል ተረድኦ የሕድሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንህግደፍ ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝቃወሙን ንምውጋዱ ዝቃለሱን ወገናት “ሃገሮም ዝኸሓዱ” ዝብል ዘይምልከቶም ኮር ተገልበጥ፡ ስም ክዋሃቦም እንከሎ ድማ ዘተዓዛዝብ እዩ። እዞም ብዛዕባ ዝምድና ህዝብን ህግደፍን ግጉይ ኣረዳድኣ ዘኮማስዑ ወገናት፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ስርዓት ፈሊኻ ምርዳእ ዝሰኣኑ፡ ወይ ድማ እናፈለጡ ኩለንተናኦም ንህግደፍ ኣረኪቦም ዕርቃኖም ዝወጹ እዮም። እቲ ሓቂ ግና፡ እቶም ንህግደፍ ዘምልኹ እዮም ንህዝቦምን ሃገሮምን ጠሊሞም ግዳይቲ መላኺ ጉጅለ ኮይኖም ዘለዉ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፈታውን ጸላእን ዘይክሕዶ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት፡ “ህዝብን ሃገርን ምስ ህግደፍን ሓደ እዮም” ዘብል ዘይኮነ ብኣንጻሩ እዩ። ህዝቢ ምስ መንግስቲ ሓደ ኣይኮነን ዝብል ተረድኦ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን፡ ኣብቶም ሕቶ ህዝቦም ብዝግባእ ዝመለሱ መንግስታት እውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህዝብን ሃገርን ነበርቲ እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም” ዝብል መደምደምታ ኣድማሳዊ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ኣብ ኤርትራ በጺሑ እቲ ስነመጐት ክቕየር እሞ፡ ህግደፍ ማዕረ ህዝቢ ነባሪ ክኸውን ምሕላም ግና፡ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ዝሓስቦ ኣይኮነን።
ህግደፍ በብግዜኡ ዝፈጥሮም መድረኻት ኣለውዎ። መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቲ መድረኻት እዩ። እዚ መድረኽ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለ ዝኾነ፡ ብትሕዝቶኡ ኤርትራዊ መድረኽ እዩ። ህግደፍ ግና ኣቕጣጫኡ ኣስሒቱ ህግደፋዊ ፖለቲካውን ገንዘባውን ረብሓ ናብ ዝሓፍሰሉን መንነቱ ዘመላኻዓሉን ኩርናዕ እዩ ዝወስዶ። እቲ ኣብ ምድላዉ ዝፈስስ ጉልበትን ገንዘብን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ገበነኛ ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ እዩ። እንተ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብምጽብባቕ ግናይ ምስሊ ህግደፍ ዝምለስ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብቲ በዓላት ዝሳተፉ፡ እቶም ምእማኑ ክሳብ ዘጸግም ዝቖጻጸዩን ብዘይጭበጥ ተስፋ ዝዓብዱን ዘገርሙ እዮም። እቲ ዕብዳኖም ምስቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝበሃል ዝመሳሰል ብፖለቲካዊ ሕሳብ ዘይተሰነየ ዕንደራ እዩ።
ኤርትራውያን ናጽነት፡ ዋጋ መስዋእቶም ስለ ዝኾነ፡ ክዝክርዎ ግቡእ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝኽሪ ኣብቲ ህግደፍ ዝተኽሎ ጓይላ ዝትግበር ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ግና ብገለ ዘይተረድኡ ወይ ተረዲኦም ክንሶም ዘይተረድኡ መሲሎም ክቐርቡ ዝወሰኑ፡ “ናብ ጓይላ ህግደፍ ዘይምኻድ ከም ንሃገርን ህዝብን ምኽሓድ” ገይሮም ዝርድእዎ ምዃኖም እዩ። ገለ ንህግደፍ ክቃወሙ ዝጸንሑ ሓሳቦም ምስቀየሩ ጓይላ ናይቲ ጉጅለ ስለ ዘድመቑ፡ “ናብ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተመልሱ” ዝብል መደዓዓሲ ቅጽል ይወሃቦም።
መገሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ናብ ቻይና፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ሃገራትን፡ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከም ዝውዕል ኣምሲልካ ምቕራብ ካልእ ሓድሽ መደንዘዚ ኣጋጣሚታት እዩ። እዚ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ካብ ዘይምርዳእን ኣብ ሃገሩ ዘየድመዐ ጉጅለ ኣብ መገሻ ከድምዕ ካብ ምጽባይን ዝነቅል እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምሕላው ኩሉ መሰላት፡ ብድምጹ ዘደይቦ ብድምጹ ዘውርዶ መራሕነት……..ወዘተ ምውናን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ድማ ብቓልሲ እምበር፣ ኣጋጣሚታት ፈጢርካ ካብ ዝትከል ጓይላ ዝሕፈስ ወይ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሸቐጥ ኣይኮነን።
እቲ ካልእ ህግደፍ ኣበሳኡ ንምሕባእን ስምዒት ግሩሃት ንምስላብን ዝጥቀመሉ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላም ናይዚ ዞባ እያ” ዝብል ሸፈጥ እዩ። ነዚ ንምግናን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ቅድሚ ምማቱ “ኣብ ዓላም ዘተኣማምን ሰላም ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ጥራይ እያ” ብምባሉ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ንሰላም ብመንጽር ድምጺ ጥይት ብምስማዕን ዘይምስማዕን ጥራይ፡ ካብ ምምዛን ዝነቅል ዘይዕቱብ ኣረዳድኣ እዩ። እንተ ግደ ሓቂ፡ እቲ ካልእ ኣበሳ ገዲፍካ፡ “ደቃ ኣብ ዘይጉዳዮም ውግእ ኣትዮም ዝውዱኡላን ብዓለም ደረጃ ብወራርን ገበንን ዝኽሰሱላን፡ መንእሰያታ ገሊኦም ሃጽ ኢሎም ዝስደዱላ ገሊኦም ድማ ካብ መንግስታዊ ግፋ ንኽሃድሙ ምስ ኣህባይ ኣብ በዓትታት ዝሰፍሩላ፡ ኣባላት ሓደ ስድራ ቤት ምትእምማን ስኢኖም፡ ናይ ልቦም ዘይዘራረቡላ” ኤርትራስ ኣብ ሰላም ኣላ ምባል፡ ነብስኻ ምዕሻው እዩ። ደሓር ናይ ካልኦት ሰላም ክትዘርግ እንከለኻ፡ “እቲ ሓደ ንዓኣቶም እቲ ሓደ ድማ ንዓኻ ክልተ ጐዳጉዲ ኩዓት” ደይኮነን ዝበሃል። ወዮ “እንተ ክትድቕስ ጐረቤትካይ ይደቅስ” ዝበሃል ተረካብ ዘረባ ወለድናኸ ተረሲዑ ማለት ድዩ። ስለዚ “ህዝቢ ኤርትራን ህግድፍን ሓደ ኣይኮኑን” ካብ በልና፡ ካብቲ ህግደፍ ንህልውናኡ ክብል ዝኹዕቶ ህጉም ንጠንቀቕ ጥራሕ ዘይክነ ዕድመኡ ከነሕጽሮ እዩ ዝግበኣና።
|
ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝመደብዎ ኣኼባ ኣብ ከተምአን ክካየድ ከምዘይደልያ ሆላንዳዊት ከንቲባ ገሊጸን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ ምስሊ
ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA ከካይድዊ ዝመደብዎ ኣኼባታት ክቕጽል ከምዘይደልያ፡ ከንቲባ ከተማ ራይስዊክ ሃገረ ሆላንድ ሁሪ ሳሂን ምግላጸን፡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ዜና ደሃይ/DEHAI NEWS ኣፍሊጣ። እተን ከንቲባ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባታት ክካየድ ዘይፈቕዳ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስት ህግደፍን ተቓወምትን ብዝተራእየ እሞ ብዓወት ተቓወምቲ ዝተደምደመ ምትሕንናቕ ብምስትውዓል እየን።
ናይተን ከንቲባ ወሃቢ ቃል ብወገኑ ነቲ ኣብ ሆላንድ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ምትሕንናቕ ንምግታእ ኣኼባ ብምስራዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ በተደጋጋሚ ዕግርግር ዝፍጠረሉ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA ክሳብ ምዕጻው ምኻድ ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ካብዚ ሓሊፉ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ንምቁጽጻር ምእንቲ ክትዕሞ፡ ነቲ ኣዳራሽ ክውንኖ ከም ዝደሊ እውን ብተወሳኺ ኣስፊሩ። ወዲ 83 ዓመት ዋና እቲ ኣዳራሽ ግና እቲ 27 ዓመታት ክግልገለሉ ዝጸንሐ ኣዳራሽ ካብ ኢዱ ክወጽእ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ።
ኣብ 28 ጉንበት 2023 መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ምዕራብ ሆላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ራይስዊክ፡ ዘዳለዎ መደብ ንምብታን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ብዘርኣይዎ መኸተ ዕግርግር ምስ ሓየለ፡ ፖሊስ ናይታ ሃገር ሄሊኮፕተር ክሳብ ምጥቃም በጺሑ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ኤምባሲ ኤርትራ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተዳለወሉ ኣኼባ ብውሳነ ከንቲባ እታ ከተማ ምስተሰረዘ፡ ካልእ ምርጫ ክረክብኳ ላዕልን ታሕትን እንተበለ፡ ሓንሳብ “ሓደገኛ እዩ” ተባሂሉ ስለ ዝተሰረዘ፡ ምምሕዳርን ፖሊስን ናይታ ከተማ ዝኾነይኹ ክገብሩ ኣይፈቐድሎምን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብዛ ከተማ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዳራሽ ዝመደቦ ኣኼባ ከም ዝፈሸለ ዝዝከር እዩ። እዚ ኩነታት እምበኣር፡ መርኣያ ተዓዋትነት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ።
ኣብ ኤርትራን ትግራይን ብ4 ሰነ 2023 ከባቢ ሰዓት ሸውዓተን ርብዕን ናይ ንግሆ፡ ትሑት ዝዓቕሙ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ነዚ ዝከታተል ዓለም ለኻዊ ትካል ኣፍሊጡ። ናይቲ ምቅጥቃጥ መሬት ዓቕሚ 4.7 ሬክተር ስኬል ኮይኑ፡ ዘጋጠመሉ ቦታ ድማ ካብ ከተማ ኣስመራ ንወገን ደቡባዊ ምብቕራ 136 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ እዩ። እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዕምቆቱ 10 ኪሎሜተር ጥራይ ምንባሩን ከምዚ ዓይነት ዕምቆት ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት እምብዛ ሓደገኛ ዘይምዃኑ ተሓቢሩ።
በቲ ሓበሬታ መሰረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝነቕለሉ ማእከላይ ቦታ ዝበሃል፡ ነፍሲ ወከፈን 300 ኪሎ ሜተር እየን ዝርሕቃ። ካብ ክልቴን ሃገራት ናብዚ ማእከል ዝቐረበት ንወገን ምብራቓዊ ሰሜን 55 ኪሎሜተር ዝርሕቀታ ከተማ ዓዲ ግራት ምዃና ተሓቢሩ። ብተመሳሳሊ ካብዚ ማእከል ናይቲ ምንቅጥቃጥ ዝበሃል ቦታ፡ መንደፈራ 122፡ መቐለ 124 ከረን 207፡ ኣክሱም 134፡ ከምኡ ድማ ምጽዋዕ 127 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ይርከባ። ብዛዕባዚ ምንቅጥቃጥ ተሰሚዕዎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጸብጻብ ዘቕረቡ ክልተ ሰባት ኮይኖም፡ ንሳቶም ድማ ካብ ከተማ መቐለ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ድሕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሑት ሓይሊ ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሓየለ ከም ዝኽተል ዝግመት እዩ። እንተኾነ ንከምዚ ኣብ ከባቢ ኤርትራን ትግራይ ዘጋጠመ ተኸቲሉ ዝሓየለ ናይ ምምጻእ ዕድሉ 94% ዘሰክፍ ከምዘይኮነ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ኤርትራን ትግራይን ካብ 9 ጥሪ 2023 ኣትሒዙ ከጋጥም ካብ ዝጸንሐ ምንቅጥቃጥ መሬት እዚ ናይ 4 ሰነ 2023 ዝሓየለ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ከኣ ኣብዚ ከባቢና ሸውዓተ 4.7ን ካብኡ ንላዕልን ዝሓይሎም ምንቅጥቃጣት መሬት ተመዝጊቦም።
ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝህሉ ዝምድና ብቐንዱ ከም ናይ ጎረባብቲ ርክብ ብዲፕሎማስያዊ መለክዒታት ዝመሓደር ምቅርራብ እዩ። ናይ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዝምድና ኣብ ልዕሊቲ ጀኦግራፍያዊ ቅርበቱ፡ ብናይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ መውስቦ፡ ንግድን ታሪኽን ተመሳሳልነት ዝተደረዐ ምዃኑ እሙን እዩ። እዞም ዘመሳስልዎ ነጥብታት፡ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግዜ ጽቡቕን ሕማቕን ንክተሓጋገዝ ዝድርኹ ምዃኖም ብግብሪ ክርአ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝምድና ብመንጽር ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝተፈላለዩ ሓጐጽጐጻት ዝተሰነየ እምበር ልሙጽ ጉዕዞ ኣይነበረን። ምስቲ ሓጐጽጐጽ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ምስ ኩሉቲ ኣሉታዊ ገጹ፡ ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ዘይተኣማመንሉኳ እተሃለወ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብሓባር ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ብሓባር ተቓሊሶም ምዕዋቶም ዘይከሓድ እዩ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚዚ ደሙ ዘይነቐጸ ውግእ 2020፡ ካብ ዕስራ ዓመታት ዝያዳ ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ከም ዝተዓቖቡን፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ከም ዝተማህሩን መርኣያ ጥቡቕ ኣውንታዊ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ለጋስን ሰናይን ኣቀባብላ ጐረቤት በቲ መስርሕ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ደጋጊሞም ዝመስከርዎ እዩ። ምስዚ ግና ንዝምድናኦም ብኣሉታ ዝጸለዉ፡ ከምቲ እቶም ነቲ ውግእ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ኣካላት ከይተረፉ “ትቲርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ወገናት ሰፍ ዘይብል ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ዘውረደ ውግኣት፡ 1998-2000ን 2020-2022ን ኣካይዶም እዮም።
ኣብ ትግራይ፡ ብ2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ክልል ሓይልን ውግእ ምስ ተኸፍተ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕደሮ ሻቕሎት ከቢድ ነይሩ። ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ዕድል ዘለዎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ ናይ ኣረአእያ ምምስቓል ከም ዘጋጠመ፡ ጋና ክሳብ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ክስተት እዩ። እዚ ምስሕሓብ ኣብቲ ኣንጻር ጭቆና ህግደፍ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን እውን ክረኣ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ምንጽጻግን መፍቶ ህግደፍ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ካብ ምፍልላይ ናይቶም ንምውጋዱ ዝቃለሱ ሓይልታት እምበር፡ ካብ ምቅርራቦምን ሓድነቶምን ዘይዕንገል ስለ ዝኾነ። እዚ ምትፍናን ንናይ ለውጢ ሓይልታት ከም ዘዳኸም ርኡይ ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ዘይምልከቶ ውግእ ትግራይ ምእታው፡ ኤርትራውያን ነቲ ኩነታት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእይዎን ብኣተሓሳስባ ንክዋጠጡን ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓደ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ጐረባብቲ ምዕባለታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምጽልላው ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ኣብ መጻኢ ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ ዝምድና፡ ኣብ ኣተዓቓቕናኡን ኣተገባብራኡን፡ ድሕሪ ውዓል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ፍልልያት የረኢ’ሎ። ኣብ ሓደ ጉዳይ ፍልልያት ምንጽብራቕ ንቡር ኮይኑ፡ ኣብዚ እቲ ቀንዲ ክስገር ዘይግበኦ፡ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ምስ ኩሉቲ ዘለዎም ብዙሕ ተመሳሳልነት፡ ኣብ ሃሃገሮም ዝነብሩ ክልተ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኖም እዩ። እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ዜጋታት ምዃኖም ዘመልክት ቀይሕ መስመር እንተ ተጋሂሱ ግና፡ ክሳብ ክንደይ ጸገምን ምትሕልላኽን ከም ዘኸትል ኣሉታዊ ምልክቱ ይረአ ስለ ዘሎ፡ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ክስገር ዘይግበኦ መስመር እናዓቀብና መንፈስ ኢድ ኣእታውነትን ምግዳድን ብምግዳብ፡ ተሓጋጊዝና ሰላምናን ዕቤትናን ነውሕስ ምባል ግና ቅቡልን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ዝምድናን እዩ። ንናይ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘሊልካ ምእታው ዝተቓወምናሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብዘይካቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ዘስዓቦ ኣሉታዊ ስንብራት፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክህልወና ዝግበኦ መንፈስ ምትሕግጋዝን ተኸባቢርካ ምንባርን ኣጸልሚቱ፡ ሕዱር ጽልእን ቅርሕንትን ዝዘርእ ኣዕናዊ ተግባር ስለ ዝኾነ እዩ።
ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት፡ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ህልውናና ከም ልኡላዊ ሃገርን ህዝብን ብኣና ዝወሓስ ምዃኑ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትው ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ብናትና ፈቓድ ብናይቲ ካልእ ወገን ቅሩብነት፡ ኣብቲ ዝጐድለና ደገፍ ስለ ዘየድልየና ማዕጾና ንዕጸው ማለት ኣይኮነን። ህልውና ትግራይ ይኹን ካለኦት ጐረባብትና እውን ከምቲ ናትና ባዕላቶም ዘውሕስዎ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኤርትራውያን ህልውናና ከም ህዝብን ሃገርን ብናይ ካለኦት ኢድ ኣእታውነት ከም ዝውሰን ጌርካ ምርድኡ፡ ብሓጺሩ ሓድነትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ኣብ ናይ ካለኦት ህልውና፡ እንተ ገደደ ብደረጃ ደጋፊ እሞ ድማ ብፈቓድ ናይቲ በዓል ቤት እምበር፡ ወሳኒ እጃም ከምዘየብልና፡ ካብ ሃላሊ ፖሊሲ ህግደፍን ንዕዘቦ ዘለና ሳዕቤኑን ተመኩሮ ምቕሳም ኣገዳሲ እዩ።
ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ምምስሳላት ምኽንያት ፡ ዝምድናና ምስ ትግራይ ዝያዳ ከም ዝዓዝዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ሚዛናዊ ኣተሓሕዛ ጉርብትና እንተ ተሳሒቱ ግና ናይ ምትሕልላኽ ሓደጋ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝነጥፉ ዝተወሰኑ ተጋሩ፡ ናብ ገለ ኤርትራውያን “ደጊም ንስኻትኩም ጉዳይኩም ግበሩ፡ ንሕናውን ጉዳይና ክንገብር፡ ምትሕግጋዝና ግና ህያው ይኹን” ዝብል መልእኽቲ የመሓላለፍ ምህላዎም ብጽሞና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።
እቲ ካልእ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ መጻኢ ዝምድናታት ክንሓስብ እንከለና፡ ዘይወገናዮ መሰረታዊ ዘቤታዊ ዕዮ ገዛ ኣለና። ሎሚ እቲ ብዛዕባኡን መጻኢ ዝምድናታቱን ንዛረብ ዘለና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳዩ ብናጻ ክውስን ኣብ ዘይክእለሉ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ እዩ ዘሎ። ቅድሚ “ብኸመይን ምስመንን እዛመድ” ምሕሳቡ፡ “ብኸመይ ህልውናይ ኣረጋጊጸ፡ በዂሩኒ ዘሎ መሰረታዊ መሰላተይ ይመልስ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ከም ዘቐድም ውሁብ እዩ። ስለዚ ህዝብና ኣብ ጉዳዩ ኣብ ውሑስ መድረኽ ብናጻ ኣብ ዝውስነሉ ደረጃ ናይ ምብጻሕ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ኣብ ዘይተማለኣሉ፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን፡ ርኢቶ ካብ ምቕራብ ሓሊፍካ ኣብ ዘይህላወኡ ክትውስነሉ ምህቃን ጸገም ዘለዎ ኣተሓሕዛ እዩ።
ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣልማማ ይእሰሩ ኣለዉ ኢሉ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ግዳያት ዝበጽሖ ጥርዓናት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣማኢት ኤርትራውያ ስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባ ብኣልማማ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ምምስካሩ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ሓቢራ። እዞም ስደተኛታት ምዃኖም ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዘይከኣሉ ዝተባህሉ ኤርትራውያን፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ከተማታት እዮም ዝእሰሩ ዘለዉ።
እቲ ኮሚስዮን ብ2 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ማእሰርቲ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ መእዘዚ ወረቐት ይካየድ ምህላዎም ጠቒሱ፡ እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀርቡ እውን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ናብቲ ተኣሲረምሉ ዘለዉ ቦታታ በጺሑ፡ ክሳብ ዓሰርተ መዓልታት ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ።
ነቶም እሱራት ከም ዝተነግሮም፡ እቲ ኣእሲርዎም ዝተባህለ ገበን ብዘይፈቓድ ወረቐት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎምን ኣብኡ ስረሓት ከካይዱ ምፍታኖምን እዩ። ካብቶም እሱራት ብዘይካቶም ወረቐት ዘየብሎም ወረቐት ሃልይዎምስ ዘይተሓደሰ ዝሓዙ እውን ኣለዉዎም። እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ናይቶም ስደተኛታት ምንቅስቓሶም ዝግድብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስን ጉዳዮም ቀጻሊ መፍትሒ ከይረክብ ዝዕንቅፍን ምዃኑ ናይቲ ኮሚሽን መገለጺ ኣረዲኡ።
.እቲ ኮሚስዮን ተኸታቲሉ ከም ዘረጋገጾ፡ መሕዳስ መንነት ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምትሕብባር፡ ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ትመለስትን ኢትዮጵያ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ዝትግበር እዩ። ጠንቂ ምእሳር ናይዞም ኤርትራውያን ከኣ ናይዞም ክልተ ኣካላት ስራሕ ብስሩዕ ዘይምቕጻሉ ምዃኑ ተጸብጺቡ።
Eritrean Orthodox churches throughout Europe instructed to make payments
Written by Martin Plaut
|
More...
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ መፍትሒ ዝበሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣቕሪቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት
እቲ ብሙሳ ፋቂ መሓመት ዝምራሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጉዳይ ሱዳን ኣሳታፊ ብዝኾነ ኣገባብ ክፍተሓሉ ዘኽእል ዝበሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ከም ዘቕረበ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ብ1 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝተገልጸ፡ መሓመድ ኢል ሓሰን ለባት ወሃቢ ቃል ናይቲ ሕብረት፡ እቲ ኮሚሽን ብ31 ጉንበት 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብዘቕረብዎ ጸብጻብ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ብዛዓባ’ቲ ንጉዳይ ሱዳን መፍትሒ ንክኸውን ቀሪቡ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ዓሚቕ ምይይጥ ከም ዝተኻየደ’ውን ተፈሊጡ።
ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ መሃመት፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ መስርሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ስትራተጂ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣሳታፊ ዝኾነ መድረኽ ፈጢርካ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ወተሓደራዊ ሲቪላውን ፖለቲካውን ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ዝካየደሉ መድረኽ ምፍጣር ምዃኑ ኣረዲኦም። ኣተሓሒዞም ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ፡ ንኹሎም ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን እንተላይ ንናይ ጁባ ውዕል ፈረምቲ ዘተባብዕ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሒዝዎ ዘሎ ስትራተጂ፡ ንሱዳን ናብ ሲቪላዊ ህይወት ንምምላስ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዳግማይ ንምህናጽ፡ ናይቲ ህዝቢ ህጹጽ ድሌት ፈሊኻ ንምርዳእን ብዝያዳ ድማ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕራባን ከም ዝሕግዝ ተጠቒሱ። ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሱዳናውያን ልዕሊ ኩሉ ጉዳዮም ባዕላቶም ክውንኑ ይግበኦም ኢሎም።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ንሱዳን ዘዋጽኣ፡ ብዘይ ናይ ስነ-ሓሳብን ካልእ ፍልልያትን ሓቢርካ ምብርካት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ፡ ብፍላይ ድማ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኢጋድን ዝኣመሰሉ ኣካላት፡ ነቲ መስርሕ “ኣነ እንተዘይመራሕኩዎ” ከይበሉ ክድግፉ ይግበኦም ኢሉ።
እቲ መስርሕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ኣብ ምፍታሕ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ብዛዕባ ሕገመንግስታዊ ምስግጋርን ምምስራት ቀዋሚ መንግስት እውን ከተኩር ከም ዝግበኦ ዝእምት ሓሳብ እውን ቀሪቡ።
ክሳብ ሕጂ ሱዳናውያን ኣብ ምዝታይን ንዝተወሰነ መዓልታት ዝጸንሕ ንሰብኣዊ ጉዳያት ዝምልከት ተኹሲ ጠጠው ኣብ ምባል ተጸሚዶም ዘለዉ መንግስታት ኣመሪካን ሳዑዲ ዓረብያን ኮይኖም፡ እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ውግእ ተጠው ከብሉ ከምዘይከኣሉ ዝፍለጥ እዩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ሩሲያ፡ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያን ጅቡትን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ30 ጉንበት 2023 ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት ብጽሖት ናብ ሩሲያ ከምርሕ እንከሎ፡ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ድማ፡ ካብ 31 ጉንበት ክሳብ 6 ሰነ 2023 ዝጸንሕ መገሻ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ከካይድ እዩ።
ናይ ኢሳያስ መገሻ ናብ ሩሲያ ዕላማ ብዘይካ በተን ንሱ ዝውንነን ናይ ዜና ማዕከናት ናይ ሩሲያ መራሒ ቭላድሚር ፑቲን ብዝገበረሉ ዕድመ ምዃኑ ምጥቃሰን፡ ዝተፈልጠ የለን። መገሻኡ ካብቲ ናይ ቻይና ዘይፍለይን ምስ ዞባዊ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እምበር፡ ምስ ኤርትራዊ ዋኒን ዝዛመድ ከምዘይከውን ከኣ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ጅቡቲ፡ ኣሜርካዊ ኮማንደር ኣፍሪቃን ውሁድ ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከበሉ ዓውደ መጽናዕቲ ጸጥታዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳተፍ እዩ። ናይቲ ሓይሊ ዕማም ተግብራት ንዝፍጠር ቅልውላው መልሲ ኣብ ምሃብን ጸጥታዊ ስግኣት ኣብ ምምካትን ዝሰርሕ እዩ። ብዘይካዚ ምስ ሰብ መዚ ጅቡትን ከም መራሕቲ ኢጋድ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ኣካላትን ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ከም ዝዘራረብ ተገሊጹ።
ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ ናይቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምስ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ ክዘራረብ እዩ። ከምኡ እውን ብዛዕባ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ተሓታትነት፡ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምስንባትን ምጥያስን ናይቶም ዕጥቂ ዝፈትሑ ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ ከም ዝዘራረብ እቲ ንመገሽኡ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ ሓቢሩ።
መገሻ ኢሳያስ ናብ ሩሲያ ኮነ፡ ምብጻሕ ኣምበሳደር ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያን ናብ ጅቡትን ኣብ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዘተኩር ተጻራሪ ወፍሪ እዩ ይመስል።



