መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ 49 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ርክብ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ንክሳተፉ ከም ዝዓደሙ፡ ፍልይቲ ተሓጋጋዚት ናይቶም ፕረሲደንትን ብሄራዊ ጸጥታን ኣማኻሪት ርክብ መራሕቲ ኣሜሪን ኣፍሪቃን ዳና ባንክስ ሓቢረን። እቲ ርክብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ካብ ዕለት ቲ13 ክሳብ 15 ከም ዝካየደ እውን እተን ኣሜሪካዊት ላዕለወይቲ በዓል መዚ ጠቒሰን።
ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ርክብ፡ ተሳተፍቲ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ናይ ኣየር ለውጥን ሓለዋ ጥዕናን ወሲኾም፡ ብዛዕባ ሰፋሕቲ ዓለማውን ክልተኣውን ዛዕባታት ከም ዝመያየጡ እተን ኣሜሪካዊት ኣፍሊጠን። በቲ ናይተን ኣሜሪካዊት ሓበሬታ መሰረት፡ እዚ ርክብ ዝያዳ ኣብ እስትራተጂ ኣሜርካ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራን ኣገዳስነት ምፍታሕ ብደሆታተንን ዘድህብ ክኸውን እዩ።
ብዘይካዚ ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ንግዲ ኣብ መንጎ መንእሰያት መራሕቲ ምይይጥ ከም ዝካየድ፡ ምክትል ተሓጋግዚ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ ሮበርት ስኮት ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ከኣ እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ፕረሲደንት ባይደን ዘሕልፍዋ ክትከውን እያ። ኣብ መወዳእታ ወይዘሮ ዳና ባንክስ እቲ ርክብ ንግደ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ምሃብን ብደረጃ ዓለም ኮነ ዞባ ቀዳምነታታ ናይ ምንጻርን ዓላማ ኣለዎ ኢለን።
ካብቶም ተዓዲሞም ክንሶም ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ኮነ ኣብ ዞባ ዘለዎም ሕማቕን ጸረ ህዝብን ተግባራት ክተርፉ እዮም ዝበሃሉ መራሕቲ ቀዳማይ ዝስራዕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ኦሊሰጎ ኣቦሳንጆ ካብ መቐለ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዕም፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ብ24 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝበጽሑን፡ በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም መሰረት “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ይግባእ” ከም ዝበሉን ድምጺ ወያነ-ትግራይ ሓቢራ። በቲ ካብ ድምጺ ወያነ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ዕላማ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመስርሕ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምሕጋዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብወገኖም፡ ነቲ ዝተኸተመ ስምምዓት ብዝምልከት ኣብ ናይ ህዝብን ሰራዊትን መድረኻት ምርድዳእ ይግበር ከምዘሎን፡ ኣብ መዲያታት እውን ነቲ ስምምዓት ቆላሕታ ብምሃብ መግለጽታት ይወሃበሉ ከምዘሎን ገሊጸምሎም። ኣብ ትግራይ በዂረን ዝጸንሓ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፡ ናብ ንቡር ክምለሳ እየን ብዝብል ተስፋ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ እውን ዶ/ር ደብረጼን ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ገሊጸምሎም።
ዶ/ር ደብረጼን ኣተሓሒዞም ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጌና ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ንጹሃት ዜጋታት ግፍዒ የውርድን ነቲ መስርሕ ሰላም ዘሪጉ ናብ ውግእ ክመልሶ ይጽዕር ከምዘሎን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ካብቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዛተዩ ሓደ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኖም መስርሕ ትግባረ ውዑል ሰላም ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ወከልቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሽረ ከም ዝራኸቡ ምግላጾም ድምጺ ወያነ ጠቒሳ።
Dimtsi Harnnet Kassel ድምጺ ሓርነት ካስል 24.11.2022
Written by Dimtsi Harnnetመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ንምጅማር ምድላዋቱ ከም ዘጻፈፈ ናይቲ መንገዲ ኣየር ዋና ፈጻሚ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም። እቶም ዋና ኣፈጻሚ ከም ዝጠቐስዎ ናይቲ መንገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ምጅማር፡ ረዲአት ቀልጢፉ ክበጽሕ ወሳኒ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ጠቒሶም። ቅድሚ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ምጅማሩን ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ትግራይ ብዙሕ ዕለታዊ ብረራታት ከም ዝነበረ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ናይቲ መንገዲ ኣየር ኣዘኻኺሮም።
ንስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተኸቲሉ ዝካየድ ምጅማር በረራ ናብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ንጥፈታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እውን ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለን ሽረን ኣገልግሎት ክህቡ ኣብ ዝኽእልሉ ደረጃ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ናይ ኣኽሱም ግና በቲ ውግእ ስለ ዝተጐድአ ጌና ጽገና ከም ዘድልዮ እቶም ዋና ኣፈጻሚ ኣብቲ ሓበሬታኦም ተቒሶም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ በቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ከም ዝተተባብዑ ገሊጸምሎም። ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ብፍላይ ድማ ኣብ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ረዲአትን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ቀልጢፉ ንክስራሕ፡ ከም ዘተሓሳሰብዎም ካብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዞባና፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ተሃዋሲ እዩ። ናይ ዓለምና ሓያላት ኣብ ኩለ-መዳያዊ ውድድሮም ካብ ዝብህግዎም ዞባታት ሓደ ብምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ብሰንኪ ታህዋሲ ባህርያት ናይዚ ዞባ ኣብኡ ዝርክባ ሃገራት ህውከት፡ ዕግርግርን ሻቕሎትን ከምዘይፍለየን ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። ብፍላይ ኤርትራ ኣካልዚ ዞባ ብምዃና ዝሓለፈቶ ላዕልን ታሕትን ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ተመኩሮኣን መስካሪ እዩ። ሎሚ እውን ካቡኡ ኣይወጸትን። መሰረታዊ ትርጉም ቃልስና ቅድም ኮነ ሎሚ ግዳይ ናይዚ ፖለቲካዊ ሕልኽልኻት ካብ ምዃን ወጺእካ ኣብ ህዱእ ዞባ ብጸጋኻ እትጥቀመሉ ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር እዩ።
እቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ክንከባለል ዝጸንሐን ላዕልን ታሕትን ዘይተፈልዮን፡ ፖለቲካዊ ጉዕዞና ገዲፍካ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ተርእዮታት ጥራይኳ እንተዳህሰስና ሃገርና ክሳብ ክንደይ ብዞባዊ ምዕባለ ከም እትጽሎ ምርዳእ ኣየጸግምን። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይ ቆላሕታኡ ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ዞባዊ ጉዳያት ኣብ ምትሕልላኽ ዘተኩር ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ጌና ግዳይ ኣሉታዊ ዞባዊ ጽልዋ ካብ ምዃን ኣይወጸትን። ህግደፍ በብግዜኡ ብዘይርትዓዊ ምኽንያታት ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ ኢዱ እናሰደደ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክኣጉዶ ዝጸንሐ ሓዊ ነዚ ዘመልክት እዩ። እቲ ጉጅለ ዘይዛመድ ዛዕባታት እንዳዛመደ ንህዝብና ወትሩ ምስ ምዕራባዊ ዓለም ከባእሶ ዝኣልሞ ተንኮላት ኣካልዚ እዩ። ህግደፍ ድሕሪ ብ2018 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ዝምድና ምእታዉ ከኣ ኣሉታዊ ዞባዊ ጽልዋኡ ወሲኹ። እቲ ዘተባብዕ ግና ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ዝኣመሰሉ ናይ ኣረኣእያ ስንክልና ዘለዎም ወገናት ከምቲ ዝተጸበዮ ገጽ ዝሃቦ ዞባዊ ሓይሊ የለን።
ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብርተሰብ ዓለም ደዊኑን ንህዝባ ጠሊሙን፡ ዞባዊ ህውከት ክፈጥር እንከሎ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ናይ ዓቕምና ውሱንነትን ናይ ምጽውዋር ዓቕልና ድሩትነትን ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ “ሰብ ጉዳይ ኢና” ክንብል ጸኒሕና ኢና። ሎሚ እውን እቲ ዘዛርብ ብመንጽርዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ምዕባለ፡ ኣድማዕነትና ትሑት ምዃኑ እዩ እምበር፡ ኣብቲ መድረኽስ ኣለና። ኣድማዕነትና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር ምቅላስ ጥራይ ምዃኑ ብኣተሓሳስባ ተገንዚብና ናብ ተግባር ምስጋርና ኣብ ግዜኡ “ተዓዘብቲ ዘይኮና ሰብ ጉዳይ ምዃና” ብግብሪ ዘርኣናሉ ነይሩ። ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)ን ካለኦት በብግዜኡ ክፍጠሩ ዝጸንሑ ጽምዶታትን ልፍንትታትን ከም ኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ክንድቲ ምምስራቶም ከድምዑ ዘይምኽኣሎም ድማ ክንሓዝነሎምን ክንጠዓሰሎምን ዘይኮነ፡ ክንመሃረሎም ዝግበና እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ ናትና ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ምቅላስ ከኣ እንዳሓየለን እንዳሰጠመን ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፡ ብኣንጻሩ ምርሕሓቕና ኣገራሚ እዩ።
ብ2018 ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ክሕቆን ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ተኸቲሉ፡ ሓድሽ መልክዕ ምስ ሓዘ፡ ብዙሓት ምዕባለታት ተራእዮም። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ ዝያዳ ኣግዲድዎን ሓድሽ ናይ ውግእን ስግኣትን መልክዕ ኣትሒዝዎን። ነቲ ኣብ ደንብ ተቓውሞ ኤርትራ መሰረት ሒዙ ዝነበረ፡ ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣንጻር ህግደፍ ብሓባር ናይ ምስላፍ ኣንፈት ዘይትስፉው መልክዕ ኣትሒዝዎ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ደማዊ ውግእ ኣኸቲሉ። ኣብቲ ዝተረፈ ክልላት እታ ሃገር ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሕቑፊ ሓደ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ተኸኣኢሉ ክጐዓዝን መሰረታት ልምዓት ክዝርግሕን ጀሚሩ ዝነበረ ኣካላት፡ ናብ ሓደገኛ ምብትታንን ሕድሕድ ምጉናጽን መሊስዎ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ጸገም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ናብ ዞባዊ ሓደጋ ይምዕብል ከም ዘሎ ኣፍካ መሊእካ እትዛረበሉ እዩ።
እዚ ዞባዊ ሓደጋ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ንክዓርግ፡ ብግሁድ ይኹን ብስዉር ካብ ቀረባ ይኹን ካብ ርሑቕ፡ ዝዋስእሉ ብዙሓት እዮም። ህግደፍ ከኣ ቅድሚት ዝስራዕ ተዋሳኣይ እዩ። እዚ ሎሚ ንሕና እንምስክሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኢትዮጵያውያን ኣትየሞ ዘለዉ ጸገም ብውግእ ከምዘይውዳእ ተገንዚቦም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ናይ ሰላም ስምምዕ ምፍርራሞም፡ ኣብ ምትግባሩ ህግደፍ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ መዘራረቢ ብዙሓት ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ኣግሂድካ ክዝረበሉ ዘለዎ ህግደፍ ዝሓላለኾ ዞባዊ ጸገም እዩ።
እቶም ንህግደፍን ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ኣብ ምውጋድ ቀዳሞት ተሰለፍቲ ክንከውን ዝግበኣና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ኣካላት፡ ናይ ተሰማዕነትና ድሩትነት ብዘየገድስ፡ ምስቲ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ኮይና፡ “ተዓዘብቲ ዘይኮና፡ ሰብ ጉዳይ ኢና” ዝብል ድምጺ፡ ኣብዚ ዝሕቆን ዘሎ ዞባና ከነቃልሕ ይግበኣና። ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ሓላፍነትናን ኣብ ጉዳይና ናጻ ናይ ምውሳን መሰልናን ዘንጊዕና፡ “እገለ ምስዚኦም እዩ፡ እገለባ ምስቲኦም እዩ” እንዳበልና፡ ተለጠፍቲ ናይ በበይኖም፡ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ኣካላት ከይኮና፡ ቁመናና ኣደልዲልና ክንረግጸሉ ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ መድረኽ ኣለና።
ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ዲሞክራስያዊ መትከል ብዙሕነት ተቐቢልካ፡ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ቀዳምነትካ ኣነጺርካ፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ዘሰማምዓካ ኣተሓሳስባ ኣትኪልካ፡ ዝተበታተነ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ምቅላስ፡ ካብቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝግበኦም ነቲ ሓደ ዘርብሕ ነቲ ካልእ ከኣ ዘኽስር ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ሓባር ዓወት ዘብጽሕ እዩ። ካብቲ ብዙሕ ብሓባር ናይ ምቅላስ ምስጢራትና፡ በይንኻ ከተተግብሮ ዘይከኣልካ ሓቢርካ ከተዕውቶ ምኽኣል እዩ። ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ፡ “መተካእታ ዘይብሉ ግደታን መዋጸኦን እምበር ምርጫ ኣይኮነን” እንብል ከኣ ካብዚ መሰረታዊ እምንቶዚ ብምንቃል እዩ።
ብሓባር ምቅላስን ውድባዊ ኮነ ሰልፋዊ ዓቕምኻ ምሕያልን ዝመጋገቡ እምበር ዝጻረሩ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ኣብ ሰልፍኻ ወይ ውድብካ ዝደለብካዮ ዓቕሚ እዩ ነቲ ናይ ሓባር መድረኽካ ዘሕይሎ። ብሓባር ተቓሊስካ ንምዕዋት ውዳበታትካ ከተፍርስ ናይ ግድን ኣይኮነን። ውዳበታትና ዓቂብና ነቲ ሓቢርና ከነዐውቶ ንኽእል ኢና ኢልና ዝጀመርናዮ ተበግሶ፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ዘይኮኑ መፈላለይ ዛዕባታት፡ ኣብ ጉዕዞኡ ሰንከልከላት ዘጋጥሞ ዘሎ ንድሕሪት ከይምለስ ሓቢርካን ዓቲብካን ምቅላስ ኢዩ። ከምቲ በብግዜኡ እንጭረሖ ሓድሽ ህይወት ብምስራጽ ኣብቲ በዓል ህግደፍ ዝዘርግዎ ዘለዉ ዞባዊ መጻወቲ ሜዳ “ዕዉታት ሰብ ጉዳይ’ምበር ተዓዘብቲ ከምዘይኮንና” ከነርኢ ብቃልን ግብርን ቅሩብነትና ነሕድስ።
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተኣስሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንምፍታሕን ዝተነፍገ ናጽነታት ንምምላስን ዘየቋርጽ ቃልሲ ክካየድ ይጽውዕ
Written by ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራEritrean Political Forces Urge Non-Stop Struggle For Religious and Other Denied Liberties
Written by Eritrean Political Forcesالقوى السياسيةاإلرتريةتدعوإلىمواصلةالنضال من أجل الحريات الدينية وكافة الحريات املسلوبة في بالدنا
Written by القوى السياسيةاإلرتريةኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ከየውጸአት፡ ካብ ኣሜሪካ እትረኽቦ ሓለፋ የለን ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ትረኽቦ ዝነበረት ሓገዝ ቁጠባዊ ልምዓት ንክቕጽል፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ትግራይ ዝበጸሓቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከም ዝግበኣ ኣሚሪካዊት ላዕለወይቲ ሓላፊት ኣፍሊጠን።
እተን ከምዚ ዝበለ መግለጺ ዝሃባ ሓላፊት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሞለ ፊ እየን። ንሰን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ብዛዕባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ መብርሂ ክህባ እንከለዋ፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተሓቲተን መልሲ ኣብ ዝሃባሉ እየን። ኣብቲ መልሰን ኢትዮጵያ በቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ሃገራ ከተውጽእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ተሰማሚዓቶ ዘላ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሃገራ ከተውጽእ ይግበኣ ኢለን።
ብመሰረት ናይተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት መግለጺ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኡ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝነበሮ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ናይ ልምዓት መደባትን ክቕጽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ። ብፍላይ ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ትባሂሉ ዝወጸ ኣጎዋ ዝበሃል፡ ፍርያት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ክቐርብ ዝፈቅድ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ዝነበራ ሓለፋ ዳግማይ ክወሃባ፡ ብባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ዝወሃባ ሓገዝ ክቕጽልን እንተኾይኑ፡ ኣብ ግብራውነት ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝምርኮስ እተን ኣሜሪካዊት ዲፕሎማት ሞለ ፊ ኣፍሊጠን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ካብ ትግራይ ናይ ምውጻእ ኣብያ፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ወሃብ ቃል ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት “ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ፍሉይ ሓይልን መሊሻን ኣምሓራ ካብ ትግራይ ዝወጹ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ድሕሪ ምፍተሖም እዩ” ዝብል መግለጺ ምሃቦም ኣብ ልዕልቲ ስምምዕ ተጽዕኖ ፈጢሩ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።
\
ባህግና bahgna 97፣ ሰሙናዊ ዜናታትን፣ ዞባዊ ሓደጘኛነት ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 20.11.2022
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ኣብታ ብሕታዊት መንግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ይስሃቅ መሓሪ ከም ዝተኣስረ፡ ሬድዮ-ኤረና ብ19 ሕዳር 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ሓቢራ። ይስሃቕ ማሓሪ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ካብ ግዱድ ውትህድርና ዝተሓብአ ወዱ ስለ ዘየረከበ ምዃኑ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ።
እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ መሓሪ ዝተሓብኣሉ ምኽንያት፡ ከምቲ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ግድዱ ውትህድርናን ተሳትፎ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያን ብምቅዋም ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። ብሰንክዚ ቤተሰብ ይስሃቅ መሓሪ ካብ መንበሪ ገዝኦም ክወጹ ተገዲዶም ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ካብ ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ደቅኹም ናብ ውትህድርና ኣየረከብኩምን ብዝብል፡ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ይእሰሩ፡ መንበሪ ኣባይቶም ይዕጾውን ንብረቶም ይውረስን ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ምስሊ ካብ ቢቢሲ ናይቲ በቲ ባርዕ ዝዓነወ
ኣብ ሱዳን: ተጋሩ ዝተዓቖብሉ መደበር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብ15 ሕዳር 2022 ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ዝደተኛታት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ ቢቢሲ/BBC ንናይቲ መደበር ምክትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ኣብቲ መደበር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመን ብፍላይ ብ8 ጥሪ 2022 ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ 67 ህዝያዊ መጽለሊ ኣባይቲ ዓንዮም 175 ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ባርዕ ካብቲ መደበር ብፍሉይ መጸውዒኡ “ቁጽሪ-3” ኣብ ዝተባህለ ኩርናዕ ብዘጋጠመ 51 ብቴንዳን ዕንጸይትን ዝተስርሑ ኣባይቲ ዓንዮም 130 ሰባት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ እቲ ዜና ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝነደደ ኣባይቲ ዝነበረ ሰነዳት፡ ክዳውንትን ካልእ ንብረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነደደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቲ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይቲ መደበር ስደተኛታት መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ እንታይ ከም ዝኾነ ይጻረ ከም ዘሎ ተቒሱ፡ ናይቲ ግዝያዊ ኣባይቲ ኣቀማምጣ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ምኽንያት ናይቲ ባርዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቱ፡ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ከም ዝተላዕለ ኣፍሊጡ። ነብርቲ እቲ መደበር ንመስርሒ ገዘ ኢሎም ዝእክብዎ ሳዕረን ንበምሰሊ መግቢ ዝቕርብዎ ዕንጸይትን ነቲ ባርዕ ከም ዘጋድድዎ’ውን ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።
ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብ28 ለካቲት 2022 ብዝተኻየደ ምምዝጋብ መሰረት፡ 19, 189 ስደተኛታት ከም ዘለዉን፡ ድሕሪዚ ሓድሽ ባርዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓደስቲ መጽለሊ ቴንዳታት ይተክል ከም ዘሎን ካብቲ ካብ ቢቢሲ/BBC ዝተረኽበ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ከም’ቲ ዓሳ ካብ ማይ ወጺኡ ክነብር ዘይክእል፡ ህግደፍ’ውን ብዘይ ህወከትን ዓመጽን ክነብር ዘይክእል ጉጅለ እዩ። ኩነታት ሰላም ክኸውን እንከሎ ዓቕሉ ስለ ዝጸቦ፡ ህውከት ክዘርእን ዘራጊ መኻይዲ ከናድን እዩ ዝሃልኽ። ኣብቲ ናይ ”ኣጻልኡና” ወፈራኡ፡ ሰላማውን ናይቶም ንህውከት ዝዕድሞም ሓላይን ተገዳስን መሲሉ እዩ ዝቐርብ። ዋላ ግዝያዊ ይኹን እምበር፡ ኣብ በበይኑ ግዜ በዚ ዘታለሎም ወገናት ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ግዳይ ምትላሉ ካብ ምዃን ዘይተናገፈ ዘይኢዱ ዝረኸበ እዩ። እንተኾነ ምትላል ቀጻሊ ዕምሪ ስለ ዘየብሉ፡ ዝፈሸሉ ውዲታት ህግደፍ ብዙሓት እዮም። ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ ህግደፍ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሰልፊ ብልጽግናን ፈጢርዎ ዝጸንሐ ናይ ህውከትን ውዲትን ጽምዶ እውን ከምቲ ካልእ ውዲታት ዝበለዐ ምስ በለዐ ዘይተርፍ ፍሽለት ዘንጸላልዎ ዘሎ ይመስል።
ከምቲ “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፡ ዕሩቓትከ ንሳቶም ደኣ ትሑዛት” ዝበሃል፡ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ናበይ ከይከደኒ ብዝብል፡ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዘሎ ዞባዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ናብ ምብካል ካብ ዝዋፈር ነዊሕ ግዜ ኮይንዎ ኣሎ። ኣንጻር ሓደ ጽልኢ ይጽሕትር ናብኡ መኻይዲ ዝኾኖ ንምርካብ ድማ በቲ ናይ “ኣጻልኡና” ባህሪኡ መጣፍእቲ ንምርካብ ዳምዳም ይብል። እቲ ዝኣጐዶ ሓዊ መስርሑ ወዲኡ ክጠፍእ ምስ ጀመረ ከኣ፡ ካልእ ሓዊ የሳውር። ኣብዚ ዕንክሊል ንኣጀንዳ ኤርትራ ሓንሳብ ምስ ራሕረሖ ኣይዝክሮን። ከምኡ እንዳበለ ከኣ ካብቲ መንገዲ ጥፍኣት ከይወጸ የኹድድ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ መቃድሾ ምስ ኣልሸባብ ብምድንጋጽ ክሳብ ኢትዮጵያ ኢዱ ብምስዳዱ ዞባዊ ስግኣት ኮይኑ ተባሂሉ፡ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተወሲንዎ ነይሩ። እነሆ ድማ ሎሚ ምስቲ ሓድሽ መራሒ ሶማሊያ ተዓራሪኹ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሕማስ ምእንቲ ክጥዕሞ “ኣንጻር ኣልሸባብ ምሳኻ ሓቢረ ክስለፍ እየ” ዝብል ማይ ዘይጠዓመ ወግዒ ጀሚሩ። ምናልባት እውን ብኡ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኣሜሪካን ዘሎ ምቅርራብ መዝሚዙ፡ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን ናይ ምዕራይ ዘይሰምር ተስፋ ይህልዎ ይኸውን።
ህግደፍ ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ብዝብል ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ውግእ ኣውጁ። ንብልጽግና ድማ ኣካል ናይቲ ዘይቅዱስ “ኣጻልኡና” ፖሊሲኡ ንክኸውን ብዝተፈላለዩ ሜላታት ኣረሳሲኑን መንገዱ ኣስሒቱን ኣብቲ ውግእ ጠቢስዎ። ብልጽግና ንዝተወሰነ ግዜ ከማኻኒ ድሕሪ ምጽናሕ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኢዱ ንከእቱ ኣፍደገ ከም ዝኸፈተሉ ተኣሚኑ። ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቐ ይወስደካ” ዝበሃል ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኣዕናዊ ውግእ ኣትዩ መዛረቢ ዓለም ምስኮነን እቲ ጸገም ብውግእ ከምዘይውዳእ ምስ ተረደአን፡ ዕርክነት ምስ ህግደፍ ዘስዓበሉ መዘዝ ከስተብህል ዝጀመረ ይመስል። ድሕሪ ክንደይ ቁጽይጽይ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ስሙ ደኣ ኣይጠቐስ እምበር፡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ይውጻእ ኢሉ ስለ ዝኣመነ “ምፍታሕ ከበድቲ ብረት ሓይልታት ትግራይ ዝትግበር፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መከላኸሊ ሓይሊ፡ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኩሎም ዕጡቓትን ምስወጹ እዩ ዝትግበር” ኢሉ ከቲሙ። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተባሂሉ ዘሎ ብዘይውልውል ህግደፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንህግደፍ ዝቐጽዕ ስምምዕ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ክብል እዩ ክድግፎ ዝግበኦ።
ሎሚ ተግባር ህግደፍ ንኤርትራ፡ ትግራይን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባዊ ርግኣት እውን ሓደገኛ ምዃኑ ተነጺሩ እዩ። ብሓፈሻ ምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ፡ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል፡ ሰነተራትን ዲፕሎማትን ኣሜሪካ መዓልታዊ ብዝበሃል ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣጐዝጒዞም ንህግደፍ ዝግስጽን ዘጠንቅቕን መግለጽታት የውጽኡ ኣለዉ። ብልጽግና እውን ጉዕዞ ምስ ህግደፍ ዘየዋጽእ ምዃኑ ተገንዚቡ ብረቂቕ ጥበብ “ሕማቕ ሰላምን ጽቡቕ ውግእን የለን” ብዝብል፡ ካብቲ ህውከተኛ መንገዲ ህግደፍ ኢዱ ይስሕብ ከም ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ግና ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ስለ ዝበጸሐ፡ ኩነታቱ መዚኑ ካልእ ዝሓሸ መንገዲ ደሓን ክቕይስ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ ብልጽግናን ገለ ሎሚ ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ዝጀመሩ ናይቲ ውግእ ኣስነቕትን ኣዕጠቕትን ኣካላትን ኮይኑ ዝኣጐዶ ውግእ ንድሕሪት ንከይምለስ፡ ነቲ ንዓኡ ብዘግለለ ግና ውጽኢቱ ሕርሕራይ ገይሩ ዘላትሞ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ ምዕንቃፍ ንድሕሪት ከምዘይብል ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ እንተዘይተዓዊትሉ ድማ “ሕጂኸ ምስ መን፡ ኣንጻር መንከ? ዝብል ሕቶ ከም ዝምህዝ ርዱእ እዩ። ድሮኳ ናይ ቀደም መሓዙቱ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት፡ በዓል ጉንበት-7ን ግንባር ሓርበኛታትን ዝኣረገ መዛግብቲ ብምግንጻል፡ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ኣምሓራን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ትግራይ (ደምሕት)ን “ምስውስው ክብል ጀሚሩ” ይበሃል። ዕድሚኡ እንተዘይሓጺሩ ድማ እቲ መከራ ከም ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ሰላማ ብሰንኪ ህግደፍን ንሱ ዘታልሎምን ናይ ምዝራጉ ዕድል ክፉት እዩ።
ኣብ ከባቢና፡ ምጅማር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000ን ምኽታም ውዕል ኣልጀርስን፡ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት “ኣይውግእ ኣይሰላም”፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ዝመርሖ ምምሕዳር ህግደፍን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምድና ምፍጣሩን ካላኦት ዓበይቲ ናይ መቐይሮ መድረኻትን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይተጠቕመሎምን። እነሆ ሎሚ ድማ ህግደፍ ብዝለዐለ ደረጃ ዝተዋሰኣሉ፡ ንዓለም ዘስደመመ ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ቅድሚኡኳ ሓያል ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ብደሆ ዝጽበዮ እንተኾነ፡ ብሰላም ናይ ምፍታሕ ኣቕጣጫ ናብ ዝሓዘሉ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ። ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ነቶም ሓደስቲ መድረኻት ህግደፍ እዩ ኣርዑት መግዛእቱ ከም መደልደሊ ክጥቀመሎም ጸኒሑ። ሎሚኸ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ህግደፍ ድዩ ከም መንጠሪ ናብ ካልእ መልክዕ ጭቆና ክጥቀመሉ? ወይስ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኢና፡ ካብ ዝደቀስናዮ ተበራቢርና፡ ካብ ዝተረሓሓቕናዮ ተቐራሪብና፡ ኣብ ገዛእ ጉዳይና መሪሕ ግደ ክንጻወት ከም ዝግበና ተረዲናን ናይ ሓባር ቀዳምነትና ኣነጺርናን ነዚ መድረኽ ናብ ረብሓ ህዝብና ከነውዕሎ? ብጽሞና ንሕሰበሉ። እዚ ምስዘይንገብር ግና፡ እቲ ናብ ካለኦት ኣጻብዕትኻ ምቕሳር፣ ናባና’ውን ከም ዝምለስ ንገንዘብ።