ህዝቢ ኤርትራ፥ ድሕሪ ናጽነቱ ምጒንጻፍ እውን፥ እቲ ጭቆናን ግፍዕን ካብ ዘይፍለዮ እነሆ 25 ዓመት ኣቚጺሩ። ይኹን እምበር ነዚ ግፍዒ እዚ ካብ ወዲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ክርከብ እዩ ዝብል ሕልና ወይ ሓሳብ ኣይነበሮን። ህዝብና እቲ ቀንዲ ቀዳማይ ዕላማኡ ዝነበረ ሸቶኡ ስለ ዝሃረመ፡ ነታ ብደምሙ ዝረኸባ መሬት ተመሊሱ ከጥፍኣ ስለዘይደሊ፥ ክሳብ ዝሓልፈሉ ኩሉ ክኢሉ ኣጽቂጡ ኣሎ።
ልክዕ እዩ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ዝዓይነቱ ሕብረተሰብ ኣይኮነን። ሓደ ዓይነት ሕብረተሰብ ኣይኹን እምበር ሓንቲ ሃገር መጸውዒት ስሙ ግና ኣላቶ፥ ንሳ ከኣ ኤርትራ ትበሃል ሃገር እያ። እዛ ሃገር እዚኣ እያ ንሱር መሰረቱ ኣተኣሳሲራ ከም ሓደ ሕበረተሰብ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣተሓባቢራ ክነብረላ ዘኽእል ባይታ ክትከውን ታሪኽን ቅያን ሰሪሑ ልኡላውነታ ዘውሓሰ።
ኩልና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣባላት ከምዘይኮና ብሩህ ካብ ኮነ፥ እምበኣር፡ ነታ ሃገር ሓደ ዝዓይነቱ ሕበረተሰብ ሰለዘይኮንና ክንጨራርማ ህርዲግ እንተበልና ዘይከውን እዩ። ከመይሲ ኣብ ጉንቦ ኢድና ዘለዋ ኣጻብዕ ናይ ነንበይነን ኣስማት ሒዘን እየን ኣብ ሓንቲ ጉንዲ ናይ ኢድና ጸኒዐን ብሓባር ኢድ ዝብል ስም ወሲደን ብሓባር ዝሰርሓ ዘለዋ። ሓሙሽተኤን ኣጻብዕ ናይ ሓንቲ ኢድና በበይንናባ ኢለን እንተዝኾና መጀመርያ ተፈልየን ኣበይ እየን ክለግባ፥ ካልኣይ ነጥቢ እቲ ሓቢረን ዘፍርይኦ ስራሕከ በየን ኣቢለን እየን ተሰማሚዔን ክፍጽምኦ።
ናይ ሕብረተሰብና ብዙሕነት ከኣ ልክዕ ከምዘን ኣጻብዕትና ኣብ ሓደ ኢድ ለጊበን ዘለዋ ክምሰል ዝኽእል እዩ። ሓደ ዘይዓነቱ ሕብረተሰብከ ሰላምን ፍቕርን ስኒትን ምጽውዋርን ኣለዎዶ ኢልና ምስ እንሓትት ርሑቕ ከይከድና ናይ ህዝቢ ሶማል ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ህዝቢ ሶማል ሓደ ዝዓሌቱ ሓደ ዝሃይማኖቱ ሓደ ዝቋንቁኡ፥ ሓደ ዝባህሉ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ነንሓድሕዱ ድልዱል ምትእስሳር ዘይብሉ ነንሓድሕዱ ዝናቘት ኩይኑ ኣሎ።
ይኹን እምበር ነዚ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት ወይ ብብሄር ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ብምርጫኻ ትኣትዎ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ሓደ ኣብ ትውልዲ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ስልጣኔን ምዕብልናን ዝተመርኰሰ እዩ ክኽውን። እዚ ብናይ ስልጣነን ምዕብልናን ዝመጽእ፥ ብናይ ገዛእ ርእስና ድርኺት ተደሪኽናን ብስምዒትና እውን ተዋሒጥና ናይዚ ክፍሊ እዚ ኣባል እየ ምባል ምስቲ ትዋሰኦን እትህቦ እወንታዊ ኣስተዋጽኦን ተደማሚሩ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ኣባሉ ዲኻ ኣይኮነካን ተመስክር። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣባልነት ብዓሌት ወይ ኣውራጃ ወይ ብሄር እንተኾይኑ ናይ ደምን ትውልዲ ሓረግን ስለዝኾነ ዝውስኖ ኣብዚ ፈጺምካ ቦታ ከምዘይብልካ ርዱእ እዩ።
እቲ በብዓይነቱን ዝተፈላለየን ሕብረተሰብ እምበኣር ኩለንተናኡ ኣብ ምዕባለን ስልጣነን ክሓስብ ከሎ ነታ ንሱ ዝኣባላ ሕብረትሰብ ወይ ብሄር ወይ ዓሌት ወይ ኣውራጃ ጥራሕ ዝሓስብ ኮይኑ ሓደገኛ ውጽኢት እዩ ክህልዎ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ እቲ ድርቅና፥ ኣንነትን ስሰዐን ባይታ ዝምድመደሉ ስለዝኾነ፥ ነቲ ኣነ ይፈልጥ፥ ኣነ ዝበልክዎ ይኹን፥ ኣነ ዝሓንጸጽክዎ ይተግበር፥ ብዘይካይ ካልእ የልቦን ናብ ዝብል ጸቢብ ፍትወተ ነፍስኻ፡ ብሄርካ፡ ሃይማኖትካን ቀቢላኻን ቀዳምንት ክትህብ እዩ ዝደፋፍኣካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ዝቕይደካ ሕጊ ስለዘይብልካ ዝደለኻዮ ንዝኾነ ይኹን ካብ ቃሕታኻ ተበጊስካ ትስጉም። ንኹሉ ብሓባር ዘርብሕን ዝጠቅምን ሓሳብ ድማ ኣብ ኣእምሮኻ ኣይቅልቀልን። ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ከኣ፥ ነቲ ሽግርካ ብሓባር ናይ ፍታሕን መንፈስ ሃሲሱ፥ ንብሄረይ ጥራይ ሒዘ እየ ኣብ ዝደልዮ ክበጽሕ ዝኽእል ኣብ ዝብል ጽበት ትጥሕል እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቲ ብሓባር ካበይ ነቒልና ናበይ ክንበጽሕ ዝብል ኣምር ብምዕቡልን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባን ነጺግና ብናይ ሃይማኖት ወይ ከኣ ብሄር ወይ እውን ኣውራጃ ኣቢልና ብናይ ገዛእ ርእስና ስምዒት ተመሪሕና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና።
እንታይ ደኣ እዩ ንደቂ ሰባት ዘሰማምዖም ጉዳይ። ደቂ ሰባት ኣብ ሓድሕድ ዝገብርዎ ደጋዊ ርክባት በቲ ካብ ውሽጦም ዝነቅል ኣተሓሳስባ እዩ ዝውሰን። እዚ ደጋውን ውሽጣውን ተግባራዊ ምትእስሳር እዚ ከኣ እዩ እንተስ ክፈላለዩ እንተስ ክሳነዩ ዝገዝኦም። ኣብዚ ከኣ መስርሕ ሓሳብን ተግባርን ሓባራዊ ወይ እውን በይናዊ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ኣብ መንጎ ብሰላም ናይ ምንባርን ንሓባራዊ ረብሓ ዘቋመትን ኣብ መንጎ ብህውከትን ፈላለዪን ተነጺልካ ምንባርን ዘሎ ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ንሓባራዊ ዝጠመተ ናይ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍልልይ ብዘየገድስ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ፍቕርን፥ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝጠመተ እዩ። እዚ ነቲ ኣተሓሳስባናን ተረድኦናን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ በሰላም ምንባርን ብዓመጽ ከስዕብ ዝኽእል ጉዳያት ብግቡእ ምልላይ ማለት እዩ። እዚ ማለት ቋንቋኻ፥ ሃይማኖትካ፥ ኣውራጃኻ ወይ ብሄርካ ክሓድ ማለት ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ካብ ውሽጥኻ ነቒሉ ዝብገስ ኣተሓሳስባ ንስኻን ካልኦትን ብሓባር ዘናብረኩም ጉዳያት ንምሕሳብን ንምትግባርን ዝሕግዙ ይቕረ ምባልን ሕድገታት ምግባርን ማለት እዩ።
ኩሉ ወዲሰብ ናይ ነንበይኑ ድሌት፡ ሃንቀውታን ትጽቢትን ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ነዚ ድሌታት እዚ ግን በዘን ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ምስ ዝግዛእ ኩሉ እቲ ድሌታቱን ጦብላሕታትቱን ከሳለጥ ይኽእል። እዚ ከኣ ንኹሉ ሓቈፍን ኣሳታፍን ኮይኑ፥ ንኹሉ ዝተፈላለየ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ካልእን ተቐቢሉ ብዘይኣፈላላይ ዘኽብርን ዘተኣናግድን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር ድማ መሰል ደቂ ሰባት፥ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ ሕግን ምኽባርን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ሃይማኖት፡ ብሄርን ኣውራጃን ኣብ ሕብረተሰብ ከፋፋሊ ጽልዋ እንተሃልይዎ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ውሽጣዊ ድሌት፡ ተበግሶን ዕግበትን ክህሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ግዴታዊ ተግባር ክኸውን ይግባእ።
ሽማግለ ዞባ እው ሰዲህኤ ካብ ዕለት 11 ነሓሰ ክሳብ 30 ታሕሳስ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ዘካየዶም ንጥፈታት ሓፈሻዊ ገምጋም ኣካይዱ። ኣብዚ ገምጋሞም ብመሰረት ሒዘምዎ ዝነበሩ መደባት ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ከም ዘለለዩ፡ ኣብቲ መሪሕነት ዞባ ሓላፊ ዜና ሓው ጐይተኣኦም መብራህቱ ሓቢሩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ብኣኦመንበር መሪሕነት እቲ ዞባ ኢሳቕ ወልደማርያም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ውን ዓሚቕ ገምጋም ኣካይዱ።
ካብዚ ብምቕጻል እቲ ርክብ፡ ንምንቅስቃሳትን መደባትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዞባ እውሮጳ ብትኹረትን ብምስትውዓልን መዚኑን ገምጊሙን። እቲ ኣኼባ ስርዓት ህግደፍ ነቅነቅ ዝበል ዘሎ ስርዓት ብምዃኑ ክሳብ ክንድዚ ነዊሕ ዕድመ ክህልዎ ኣይምተገበኤን ኢሉ። ነንሕድሕዶም ከም ዓሳ ዝበላልዑ፡ ብብልሹዉናን ትምክሕትን ዝተላዕጠጡ ህዝቢ ክመርሑን ሃገር ከልምዑን ዓቅሚ ዝሰኣኑ ኣብ ሽፍትነት ዝተዋፈሩ ኣብ ሕግን ሓቅን ዘይኣምኑ ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ዘለዉ ምዃኖም እቲ ዞባዊ መሪሕነት ከም ዝመዘነ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። መራሕቲ ህግደፍ ብትብዓትን ትወፋይነትን ተቃሊስካ ከም ዝሰዓሩ ጥርጥር ከም ዘይብሉ ከኣ እቲ መሪሕነት ዞባ ተገንዚቡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህግደፋውያን ንኹለን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያንን፡ ነዓና ክትመስላ ኣለክን ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ላዕልን ታሕትን የብሉወን ከም ዘለዉ ኣብቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ተመልኪቱ። ትእዛዛት ኣካላ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ ከኣ እዚ ዝስዕብ ምጥቃስ ይከኣል።
1. ኩለን ማሕበራትን ኣብያተ- ክርስትያናትን ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ተቐይደን
ጥሙር ማሕበር ከቑማ።
2. ጸብጻብ ብዝሒ ኣባላተንን ወርሓዊ ኣኼባታትን ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፍራንክፉርት
ከቕርባ።
3. ገንዘባዊ ጸብጻባተን ከቕርባ።
4. ነብሲ ወከፍ ማሕበርን ቤተ ክርስትያንን ኣብ ዓመት ካብ 100 ክሳብ 300 ኢዩሮ (Euro) ብመንገዲ ማእከላይ
ቤት ጽሕፈት ማሕበረ-ኮም ፍራንክፉርት ናብ ህግደፍ ከረክባ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ዞባዊ መሪሕነት ሓፈሻዊ ሚዛኑ እንቢሩ። በቲ ሚዛኑ መሰረት፡ ካብቲ ምንጽጻግን ዘይምክብባርን ዝነበረ ናይ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራውያን ተኣሪሙ፡ ኣብ ምክብባርን ምትሕልላይን ተሳጋጊሩ ኣብ ጽቡቅ ሃዋሁው ተበጺሑ ከም ዘሎ መዚኑ።
ካብዚ ዝተጠቕሰ ክውንነት ተበጊሶም ኣባላት ሽማግለ ዞባኤውሮጳ ሰደህኤ ኣብ ናይ 23 ታሕሳስ 2016 ስሩዕ ኣኼቦኦም “ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጸላኢና ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ይቅናዕ” ዝብል ጨርሖ ኣምሪሖም ምስ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ሓይሊታት ኤርትራውያን ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ሓቢሮም ክሰርሑ ተዳሊዮም ኣለዉ ኢሎም።
መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ፡ ብዛዕባ’ቲ ንሕስያ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ግዜ ቀውዒ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ግፋ’ውን ተዛራሪቡ። ዉጺኢት ግፋ ስርዓት ህግደፍ ቡዙሓት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ካብ ዝፈትዉዎም ወለዶም፡ ዓዶምን ሃገሮምን ተባሪሮም ኣሰር ቀዳሞት ኣሕዋቶም ተኸቲሎም ናብ ኢትዮጱያን ሱዳንን ኣትዮም ሕሱም ናብራ ስደት ይነብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም። እቶም ክንደይ ሽግርን መከራን ሓሊፎም በሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያትን ኤርትራውያን ብሰሪ ሕማቅ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ንኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ እንተኾነ’ውን ኣይስራሕ ኣይትምህርቲ ካብ መጻኢ ዕድላቶም ተማዛቢሎም ከም ዘለው ንኹሎም ደለይቲ ጽቡቅ ኤርትራውያን ሕቡእን ስዉርን ኣይኮነን። ነዚ ሃገራዊ ክሳራ ተገንዚቦም ሽማግለ ዞባ እውሮጳ ሰደህኤ ብዛዕባ መንእሰያትን ኤርትራ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ወሲዶም ኣብ 2017 መጽናዕቲ ከካይዱ ተሳማሚዖም። ኣብ መወዳእታ ኣኼቦኦም ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ 2017 መደብ ዕዮኦም ተሊሞም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣለዉ ከም ዘለዉ እቲ ካብ ሓው ጐይተኦም መብራሕቱ ዝረኸብናዮ ዜን ገሊጹ።
ሓድሽ ዓመት 2017 ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ከቢሩ።
Written by ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሰሜን አመሪካ
ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ከተማ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ተኣኪቦም ን2017 ዓ.ም.ፈ፣ ተስፋ ዝመልኦን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን ክዀነሎም ብሓድሽ መንፈስ ክቕበሉ ብሓባር ኣኽቢሮሞ ሓዲሮም። እቲ በዓል ብሓልዮት ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበር “በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። እቲ ሰፊሕ ኣዳራሽ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብተሳተፍቲ፣ መብዝሕትኦም መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መሊኡ ኣምስዩ።
ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከምዝተኸታተልናዮ፡ ምሉእ ዓለም ንሓድሽ ዓመት ምስ ፖለቲኮ ማሕበረ-ቍጠባዊን ባህሉን ኣዛሚዱ ዝሓለፈ ዓመት ዓጽዩ ንሓድሽ ዓመት ሓድሽ መደባት ሰሪዑ ዝኣትዎ እዩ። ነቲ ህሞት እቲ ድማ ብናይ ደስ-ደስ ውራያትን ሳዕስዒትን እዩ ዘሕልፎ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብወናማት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ንዝተፈላለየ ባህላዊ ጸወታታት ኤርትራ እናበራረዩ ከስዕስዑና ሓዲሮም። መደብ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ፣ ስኒት፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስን ሓድነትን ዝሰፈኖ ሃዋህው ኰይኑ እዩ ተዛዚሙ።
ሓድሽ ዓመት፣ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብድሆታትን ዓወታትን ገምጊምካ ብምዕጻው፣ ብሓድሽ ምድላዋት ንናይ መጻኢ ብድሆታትን ጸጋታትን፣ ካብ ዝሓለፈ ዝሐሸን ዝበለጸን ውጽኢት ንምዕዋት እትዕጠቐሉ እዋን እዩ። ናይ ዝሓለፉ ዘየዐውቱ ውጥናት፣ ልምድታትን ጥዕና ዘይህቡ ወልፍታትን ኣመላትን ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝጕሓፍሉን ብኣዎንታዊ ልምድታት ንምትካእ ውሳኔ ዝግበረሉን እዩ’ውን። ገለ ንምጣስ፡ ብውልቀ ደረጃ፡
ናይ ሽጋራን ንዕኡ ዝመስሉ ወልፍታትን ደው ምባል፡ ዓቐን ዝሓለፈ ምስታይን ስኽራንን ደው ምባል፡ ጥዕና ዝህብ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን ንምዝውታር ዝውሰነሉ እዋን ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።
ብእኩብ ንኣብነት ከም ህዝቢ ኤርትራ ድማ “ዘለናዮ ግዝኣተ ምልክን ጭቆናን ኣብቂዑ፣ ናብ ብስርዓተ ሕግን ደሞክራስን ዝሰፈኖ ምሕደራ እንሰጋገረሉ” ዓመት ይግበረልና እትብለሉ እዩ።
ኣብ ዓለምና ኣብ ገለ ውግእ፣ ኣብ ገለ ድማ ሽበራ ዝፍጸመሉ ከባብታት እናበዝሐ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ብሞትን መቝሰልትን ካብ ዝሓለፉ ንምጥቃስ፡
ተስፋ ዝመልኦን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን ክዀነሎም ብሓድሽ መንፈስ ንምኽባር ክሳብ 600 ሰባት ኣብ ለይታዊ ቤት ትልሂት ናይ ከተማ እስጣንቡል ሃገር ቱርኪ፣ መብዛሕትኦም ቱርስት እናተደሰቱ ከለዉ፡ በዓል ክፉእ ሓሳብ ናይ ሳንታ ክላውስ ልብሲ ተኸዲኑ ጠበንጅኡ ከዊሉ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ዝነበሩ ዋርድያታት ቀቲሉ ንውሽጢ ኣትዩ ብዝፈጸሞ ጨካን ረሽራሽ 39 ክሞቱ ከለዉ 69 ድማ ቆሲሎም። ኣሸባሪ ክሳብ ሕጂ ተሰዊሩ ኣይተረኽበን ዘሎ። ቅድሚ’ዚ ሓደጋ’ዚ ቱርኪ ኣብ 10 ታሕሳስ ኣብ ሜዳ ስታድዩም ናይ ኵዕሶ እግሪ ብኣሸበርቲ ዝተፈነወ ክልተ ነታጕ፣ 44 ሰባት ሞይቶም 149 ድማ ቆሲሎም ነይሮም። ኣብ ሰሙኑ ድማ ናይ ሩስያ ኣምባሳዶር ቀቲሎም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱርያ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ህልቂት ደብዳብ ዘስካሕክሕ’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ናይ ሓሳቡ ምግላጽ፣ ናብ ዝደለዮ ናይ ምንቅስቓስን ውልቀ-ሓርነታት መሰላቱን ተሓሪሙ ብኸቢድ ጭቆና ይሓልፍ ምህላዉ ፍሉጥ ኰይኑ፡ መን ተኣሲሩ መን’ከ ተቐቲሉ ዝሕብር ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ስለዘይብሉ ከይተነግረ ተዓቢጡ እዩ ዝተርፍ።
ዓመት 2017 ውግእን ሽበራን ኣብቂዑ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ዝዕምብበላ ዓመት ይግበረልና !!!!!!!
ارتريون بسويسرا يدعمون مركز المعاقين الارتريين بكسلا
Written by تقرير ناشط إنسانيفي الثالث من ديسمبر 2016م أقام الارتريون المقيمون بمدينة لوزان السويسرية أمسية جمع تبرعات ناجحة، تبرع خلالها أولئك الناشطون الإنسانيون لصالح مركز المعاقين الارتريين بكسلا، المبلغ الذي بلغ الألفين وثلاثمائة (2300) دولار خصصت منه الألفا دولار للمعسكر وما تبقى منح لأسرة الشهيد/ عثمان أحمد الذي كان أحد أعضاء المركز والمشرف الإداري عليه والذي حدثت وفاته في السادس والعشرين من سبتمبر 2016م.
هذا وكان مما يميز هذه الأمسية إيجابياً أن حضورها تناسوا خلافاتهم السياسية وتباينهم العمري واتحدوا لإيمانهم بأنهم إنما يقدمون دعماً لارتريين ذوي حاجة ماسة الي الدعم الانساني بغض النظر عن توجههم السياسي علي حد تعبير أحد المساهمين في الأمسية، والذي دعا الي هذا السلوك الانساني النموذجي كلما اقتضت الحاجة ذلك.
أمسية لوزان
أعضاء اللجنة المنظمة للأمسية وجهوا الشكر الجزيل للحضور وأشادوا بروحهم الانسانية السامية وسلوكهم التعاوني التفاهمي الرائع مناشدين إياهم المحافظة علي هذه الروح الكريمة. يجدر بالذكر أن الكثيرين من ارتريي هذه المدينة بالذات دأبوا علي تقديم إعانات مالية دورية وغير دورية لهذا المركز عن طريق تسليمها للسيد/ تسفاي تخلزقي رئيس اتحاد المعاقين الارتريين.
يجدر بالذكر أن مركز معاقي حرب التحرير الارترية بكسلا مركز يعنى برعاية عموم ذوي الإعاقة من المواطنين الارتريين بالسودان معتمداً في تمويله علي هبات ومساعدات إنسانية من محسنين ارتريين أفراد ومتعاونين معهم من أفراد ومنظمات مدنية مختصة ناشطة في هذا المجال. لقد ظل موطنون ارتريون ينشطون في جميع أصقاع العالم يجمعون طوعاً الأموال والتبرعات العينية لدعم هذا المركز المقام منذ حوالي 35 عاماً. هذا وفي خطوة مماثلة لمدينة لوزان وبالتزامن مع ذات الأمسية أقامت جمعية نسائية إنسانية ارترية بفرانكفورت بألمانيا مائدة عشاء للتبرع جمعت من خلالها 2400 يورو لصالح ذات المركز.
ዓለም ስርሓ ትሰርሕ፡ ትሕምበብ፡ ትዘውር፡ ካብ ጸሓይ ትኽወልን ንጸላማ ትድርገምን፡ ተመሊሳ ትኹላዕን ትበርህን። መዓልታት ይቑጸሩ፡ ኣዋርሕ ይሓልፉ፡ እዋናት ይኣተዉን ይውጹን፤ ሕንጭልጫላትን ቀንጠመንጢን’ውን ከክም ዓቕሞም ይቦቕሉን ይሓሩን፤ ይውለዱን ይሞቱን። ህሉዋት ከክም ኣፈጣጥራኦምን ትዕድልቶምን ፈፈትሎም ሒዞም ይወዛወዙ። ኣብዚ ቀጻሊ ውሁብ ጉዕዞ እቶም ንሓጺር ህሞት ንኽህሉዉ ዕድል ዝረኽቡ ገለ ደቂሰብ’ውን፡ ንምንባሮም ዝሕብር ምልክታታት ዓቕሚ ብቕዓቶም ዝድርቶ፡ ድሕሪ እኹል ምድግጋግም ምኽኑይ ዝኾነ መዓቀኒ ግዜ ፈጢሮም። ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ዓሚ፡ ሕጂ፡ ንዓመታ ዝብሉ መዓየሪታ ግዜ፡ ሰዓታት፡ ደቓይቕ፡ መዓልታት፡ ኣዋርሕ፡ ዓመታት፡ ዘበናትን መዋዕልን ምሂዞም፡ ንመንባሮምን ዕድመ ሂወቶምን መኸተኡን ንምምዝዛንን ንምዕቃንን ዝዕይሩሉ ግሩም ጥበባት ኮይኑሎም። እዚ ምህዞ’ዚ ግን፡ ነታ ካብ ትማል ኣትሒዛ ዝነበረት፡ ሕጂ ህሉውትን ጽባሕ’ውን እትቕጽልን ዘይሕለላ ተሓምባቢት ዓለምናስ ኣይንታያን’ዮም። ንሳ ዑደታን ዙረታን ንስለ ዕሽነታ ይኹን ጉርሓ ኮደደድ ትብል’ሞ፡ ንሕና’ውን እንኾኖ ኣይንስእንን። ምስዚ ሓቂ’ዚ ዝተዛመደ ህልውናና ብምቅላሕ፡ እቲ ዝተፈላልየ መዓቀኒ ዕድመታትና ከይዘንጋዕኩ፡ እቶም ብሙሉእ ጥዕና ንዓመት 2016 ክትሰግሩ ክኢልኩም ዘሎኹም ኩሉኹም ክብሩ ይስፋሕ ፈጣሪ እንቃዕ ኣብቅዓኩም። ምስቶም ‘ደለይኹን!’ ዝተፈላለየ ሕጽረታት ዘሎኩም ኩሉኹም’ውን ዝሓሸ መጻኢ ዝሰፈኖ ዓመት ይግበረልኩምን ይግበረልናን እንዳበልኩ፡ ንኹሎም ብሞት ተፈልዮሙና ዘሎዉ ፍቑራትና እውን እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ኣይፈለዮም እብል።
መርሓባ ዓመት 2017! ዓመት ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ስኒትን ትኹነልና። እወ! ዓለምና ንስለ ዘይቀሪ ባህሪኣ ክትሕንበብ’ያ፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ከይደኸመት ዝተፈትለቶ ብዙሕ ብዙሕ መዋዕላት። ቁንጣሮ ዓቕምን ህልዉናን ኣብዛ ድንቂ ዝኾነት ዓለምና ወኒንካስ፡ ኣብ መጨረሽታኡ’ውን ሞትን ምኽዋልን ከምዘሎካ ዘይሰሓት እንክንሱ ንምንታይ እዚ ኹሉ ባኣሲ? ንመንከ ንኽጠቅም? ንመንከ ንኸቕስን? ወዮ ሰናይ ከም ስሙ ሰናይ እንድዩ፣ ንስለ ሰናይነቱን ቅሳነቱን ንሱ ኣጸቢቑ ይበልጽ። ንኽትሃሲ ከይደቀሰካ ከላእ ይተሓደር። እቲ ጥዑምዝጊ ዝተባህለ ዕሉል ኣዝማሪ፡ ንራእሲ ወልደሚካኤል እንታይ’ዩ ኢሉ ኣዝሚሩሎም ዝበሃል? “ምቕታልሲ ለሚዳክዮ ኢኻ፡ ምሕረት ድኣ ልመድ። ንሱ እምበር’ዩ ዘብዝሓልካ ዘመድ።” ብርግጽ ዓቢ ብሂል’ዩ። “ማይ ኣብ ዓይና ኣይትዘረግ።” ይብሉ ኣበዋትና’ሞ፡ ብርግጽ ዓይኒ ሃገር ህዝቢንድ’ዩ፡ ህዝቢ ብዓቕሙ ኣይሰንፍን ግዲ ይኸውን? ግን መራሒኦእ ዝሰነፋ ሃገር እሞ ኣያለይን ኣንተኢሉ ብርግጽ ሃገር ክትሰንፍ ዘይተርፍ’ዩ።
ትስፉው ህዝቢ ሕቡን’ዩ፣ እብ በለካን ለኽዓካን ሕሹኽሹኽን ኣይጽመድን’ዩ። ብተስፋታት ዝተመልአ ውልቀሰብ፡ ጉጅለ፡ ውድብ፡ ይኹን ህዝቢ ንዝንተ ዕለት ዘገድሶ ዕብየት ብምዃኑ፡ እቲ ነዚ ቀንዲ መብጽሒ ዝኸውን መንገዲ ሰላም ምዃኑ ኣይጠፍኦን’ዩ። ሰላም ማለት ሓድነት ራኢን ተግባርን ምርግጋጽ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝበቕዐ መን’ዩ እቲ ተፈልዩን ርሒቑን ዘሎ ብምቁማት ናብቲ ሓባራዊ ምኣዲ ክጽንበር ከምዘሎዎ ንምግባር ንምኽኣል ዝኣክል፡ ካብቲ ዘይሰናይን ኣሰልካይን ናይ ሰዓራይ ኩሉ ይወስድ ዝብል ፈራሕን ስንኩፍን ጥበብ ብምልጋስ ጸንባሪ ሓዳኣዊ ህዝባዊ ስልጣን ምፍጣር የድሊ። ብጽልእን ብቕርሕንትን ብህልኽን ዝውርጽጽ ሰናይ የልቦን። ኣይውዕልን። ብርእይቶን ተግባርን ንዝተፈልየካ፡ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኣሎ ንኽትፈልጥ ምፍታን ኣካል ቅኑዕ ፍታሕ’ዩ። ንፍሉይነቱ ብምምዕዳው ማእከላይ ፍታሕ ምንዳይ ብርግጽ መንገዲ ስኒት ኮይኑ ብርግጽ’ውን ቅሳነት ጥራሕ’ዩ ውጽኢቱ። ሰናይ ሰላም’ዩ ፋይዳኡ።
እቶም ሓቀኛታት ሰብ ጥበብ ፖሊቲካ ኣዕርዮም ዝፈልጡዎ ጉዳይ፡ ፖልቲካ ንጽልእን ንባእስን ዘይምዃኑ’ዩ። ፖለቲከኛታት፡ 20 ዓመታት ዝኣክል ኣባሎም ኮይኑ ንዝጸንሐ ሰብ፡ ምስቲ ትማል ዝተሓወሰን ከወዳድሩ እንተኾይኖም፡ ብቕዓት ኣባልነት እቲ በዓል ዕስራ ዓመት፡ ግድነት’ዩ በቲ ሓዲሽ ኣባል ክመዝኑ። ጽባሕ ጽባሕ ዘይብርክት ወፍሪ ፖሊቲካ ጽጉም ምዃኑ ዘካትዕ የብሉን። ከምኡ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ መስርሕ ክኽለስ፡ ክግምጠል፡ ክድኳዕ መተካእታ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ ክኸውን ዝግባኦ። ግን እዚ እንተዘይተገይሩ ይዕበ ይንኣስ ዓመጽ ምህላዉ ዓቢ ምልክት’ዩ። ኣምበኣርከስ ካብዚ ተረድኦ ዝብገስ ዘሎ ፖሊቲካዊ ሚዛነይ፡ ዓመተ 2017 ከምዚ ዝስዕብ ክኾነይ ምደለኹ፡-
1) ወዮ ደኣ ብጉባኤታትን ስሩዕ ኣኼባታትን ጉዕዙኡ ዘይዕይርን ዘይሕብርን ፖልቲካዊ ውድብ፡ ህዝባዊ ውድብ ክትብሎ ዘይከኣል ኮይኑ እምበር፡ ህግደፍ ብሂወቱ ኔሩ እንተዝህሉስ ገለ ትልኽ መስተውዓልናሉ። ብዝኾነ ኾይኑ ከምቲ “ኣቦኻ ኣብ ዝደቀሱና ንድቅስ።” በለት ሓንቲ ኣደ ዝተባህለ እንድዩ ኮይኑ ደጊም ዘሎ፡ ትም ጥዑም ጥራሕ ኢለ ከይሓልፎ ዘይከኣል ኮነ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እንዳሃለወ ዘገድሰኒ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ገለታትን፡ ኮታ ኣብ ዝሓለፈ ዉሑድ ዓመታት ተመሓዛዝዮሞ ዘሎዉን ብዙሓት፡ ብምድግጋም ከትንብህዎ ዝፍትኑ ዘሎዉ ሓሳብ ዳርጋ ምህለላ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ‘ወዮ ተጸብጺቦምሲ ተነቢቦም ከኣ!’ ዝብል ባጫ ከይወጸኒ እንዳተጠንቀቕኩ፡ ንመንከ ክሕሾ? ከይገደፍኩ፡ ብማዕሪኡ ምምህላል ምምህላሉስ ናብ’ቲ ምህለላ ዝግባኦ ልዑል ፈጣሪየይ ኣተኻኺለ፡ ‘ኣስከ ነዞም ብመን ይፈልጥ ኣብ ደቂ ሰባት ዝምህለሉ ዘሎዉ፡ ጸገሞም ኣይጠፋኣካንዩ’ሞ፡ ደጊም ኣካዊንካ ስምዓዮምን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም’ውን ልቢ ኣዕቢ።’ ብምባል እንተጸለኹ፡ እንተገደደ ገደደ፡ እዞም ምህላውኩም’ውን ዘይፈልጡ ሓያላት ውልቀሰባት ካብ ባህግኹም እንተኣብኮሩኹም፡ ብወገነይ ንዝግባኦ ለመንኩን፡ ጽባሕ’ውን ሓሊፉ ዝድርበለይ ጸሎት እንድዩ’ሞ ይሓግዝናን ይሓግዝኩምን። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልቢ ዘሎዎ ወደቦ ግዲ ይፈጥረልና ይኸውን!
2) እቲ ዝዓበየ ጸገም ደቂ-ሰባት መን-ከማይን ነፍሰ-ፍትወትን እንድዩ’ሞ፡ ኤርትራን ሕሉፍን ህሉውን ታሪኻ’ውን ብሰንኪ’ዚ ጸገም’ዚ ኣኺሉ ተሪፉዎ እኖሆ። ‘ማይ ብዓይና ኣይትዘረግ።’ ኮይኑና እንዳሃለወ፡ ‘ኣድጊ ገዲፎም’ሲ ንጠይቂ።’ ከምዝብሉዎ ተወሲኹዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ኣብዛ እዋን’ዚኣ ተሪፋቶ ዝእናሃ እንኮ ክብሪ ዝኽሪ ቃልስን መስዋእትነትን ንምብልሻው፡ ከይሓነኹ ‘ሽፍትነት’ ኣጎዝጒዞም ክዝንጥልዎ ከናሹዉዎን ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘሎዉ ገለ ስሑዋት፡ ደጊም ይኣክል ንዘይትንከፍ ኣይትተንክፉ እንተበልኩ ዝጋገ ዘሎኹ ኣይስመዓንን ዘሎ። ህዝቢ’ውን ካብ ቀንጠ መንጥን ጓል-ነገርን ኣልጊሱ ዓይኒ ንዓይኒ፡ ገጽ ንገጽን፡ ብዘይተጐላባን፡ ይንእሱ ይዕበዩ ምኩሓትን መን ከማና በሃልትን ዝሓንኩሉን ዝደኑሉን ልዕሊ ኩሉ’ውን ልቢ ዝሰኹዑሉን ዓመት 2017 ይግበረልና።
3) ምንዳድን ምቅጻልን ባንዴራ ዝበሃል ሓዲሽ ሃውተታ’ውን ብምድግጋም ኣብ 2016 ተራእዩ’ሎ። ብርግጽ እቲ ተግባር ናይ እንኪሒራን ናይ ካብኡ ኣይሕለፉን’ዩ። ግን ቅንጣብ ትኹን ፖሊቲካዊ መኽሰብ የብሉን። ከምቲ ብምስላ ዝንገር ብሂል “ካብተን ዝዕንድራስ፡ እተን ዓንዲረን ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ።” ንኽመስል፡ ካብቶም ‘ባንዴራ’ዘንድዱስ፡ እቶም ባንዴራይ ኣንዲዶም ኢሎም ካን ትቕጽል ዘብሉ ክሰምዕን ክርኢን ከሎኹ ‘ዝገደደ!’ እንተበልኩስ፡ ኣየናድድን ግዲ ይኸውን። ምስ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ነገር ኣንተሃልዩ ባንደራ ብዋናኣ’ያ ትኽበር። ካብዚ ሓሊፉ ተራ ጨርቂ ካብ ምዃን ኣትበልጸሉ የብላን። ኣሽሓት ኣጭርቕቲ ከንድድ ዝወዓለ፡ ንጁባኡ ሕለዩሉ እምበር፡ ንወያ ናተይ ባንዴራስ ንኽንድድ መን ዝሃቦ ዓቕሚ? ኣቱም ባንዴራና ኣንዲዱዋ እትብሉን እተልቅሱን በጃኻትኩም ባንዲራኹም መምስ ነፍስኹም ኣሎዋ። ይጥዓዩ ኣይጥዓዩ ገዝኦም ዘንድዱስ ኣሎዉ እንድዮም ካብኣቶም መዓስ ክንበልጽ ኮንና። ግን ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፡ ባንደራኹም ኣብቲ ውሑስ ቦታ ኣንብሩውዋ’ሞ፡ ማንም ሓልፍ መንገዲ ንኸንድዳ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ፍለጡ። ግን ነቶም ምንዳድ ዝምእምኦም፡ ኣጭርቕቲ ቀቀሊሉ ሰብ’ውን ዘንድዱ ኣሎዉ እንድዮም፡ ይኣኽለኩም ይበለና። ተስፋ እገብር’ውን ካብዚ ሕልኩስ ተግባር ወጺእና፡ ኣብ ዓመት 2017 ካብ ኣጭርቕቲ ምንዳድ ናብ ንሃገር ዝጠቅም ክንጽመድ።
4) ካብ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ዓረብ ዘይውለድ ኤርትራዊ፡ ብርግጽ እቲ ጽሩይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ኣሎዎ፡ እዩ ዝብል እቲ ናይ ምሁራን ምህሮ። እሞ እቲ ኣቦሓጎታቱ ኣቐዲሞም ንኤርትራ ዝፈለሱ፡ ነቶም ኣባሕጎታቶም ድሒሮ ዘርከቡ፡ ንሕና ብዓሌትና ካባኻኹም ንብለጽ ክብሉን፡ ብማዕሪኡ’ውን ወዲ/ጓል-ኣባትነት ከቑጽሩ፡ መንነት ክህቡን ክኸልኡን ክፈታትኑ ክትሰምዕ እንከሎኻ፡ መንጸሮር ዝሓዞ ዒንኪላሎ ፖልቲካ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንፋስያ ምኻኑ ይስወጠካ። እሞ’ዚ መሓዛኡ ኣውራጃነትከ ምስ ምንታይ ደኣ ይቑጸር? ብርግጽ ምልኪ ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ እዞም ነቲ ሰፊሕ ዕድል ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዕሸላት መለኽቲ፡ ገለ መላመዲ ዝኾኖም ብዓቕሞም ጽብብ ዝበለ መላመዲ ክልል ክፈጥሩን፡ መን ይፈልጥ መሕኮር ስልጣን እንተጠቐሞም ክፍትኑሉ ዝሓልሙ ኣይክሰኣኑን’ዮም። እምበኣርከስ ከምቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ንኣውራጃነት ከበሳና ኣመልኪተ ገለ ሓንጢጠሉ ንዝነበርኩ ሓሳብ ብምዝካር፡ ምስዚ ኣብ ዓመት 2016 ቁሩብ ሳዕሪሩ ዝጸንሐ ግናይነታት ብምዝካር፡ ኣስከ ገለ ክደግም። ኩልና እንሰማምዓሉ ጉዳት’ዩ እዚ ከበሳታት ኤርትራ መረብ ምላሽ፡ ምድረ ኣግእዚ፡ ምድረ ሓማሴን ይበሃል ምንባሩ። ስለዚ’ውን ካን ብዘይናትካ ኩታ ሸነን እንተዘይኮይኑ፡ ‘ንሕና ሓምሴን እኮ ኢና!’ ዝብል እንተተረኺቡ’ሞ፡ ካብቶም ካልኦት ደቂ ከበሳ(ደቂ ሓማሴን) ብብሉጽነቱ ክምከሓሉ እንተሰሚዕኩም፡ ዕዋኖ በሉዎ። መኽንያቱ ሓማሴን ናይ ኩሉ ከበሳ መጸውዒ’ዩ ዝነበረ፡ ንመን ቀሪቡ ኣንታ ንመን ክርሕቆ? ግን ብማዕሪኡ’ውን ‘ኣከለጉዛይ ይኹን ሰራየ’ ኣልዒሉ ካብ ካላኡ ንላዕሊ ዝበልጽ’የ ኣንዳበለ ፈኽነን ዝብል እንተተረኸበ’ውን በሉዎ፣ ክልቲኣቱ መጸውዕ ፍሉያት ዓሌት ብምዃኑ ብዓለትካ ኮራዕካ እምበር ኣውራጃስ ኢምጰራጦርያዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝደኮኖ ክልል እንድዩ’ሞ ምለሰሉ ደኣ በሉዎ። ትፈልጡዶ ሰራየ ምስ ዝተረፉ ኣሕዋቶም ዝፈረዩዎም ኩሎም ‘ደቂ ወረሰናዝጊ’ ይበሃሉ ምንባሮም፡ ብማዕረኡ’ውን ዝበዝሐ ኣብዚ ሕጂ ናይ ሰናዕ ኣውራጃ ኣካለጉዛይን ሓማሴንን ዝነብር ህዝቢ ብዓሌቱ ‘ደቂ ሚናብ’ ይበሃል ምንባሩ። እዚ ክብል ከሎኹ ንቡዙሕ ካብ ካልእ ዓሌታት ዝመበቆሉ ህዝቢ ከበሳ ዘንጊዐ ዘይኮነስ፡ ሰእን ኣፍልጦ ኣብ ዘይምልከቶም መላኺ ሃለውለው ተሸሚሞም ከምቲ ኣብ ‘ሓማሴን’ ኣመልኪተ ኢለዮ ዘሎኹ ብዘይኩታኻ ሸነን ዘይሓምቀሉ የለን’ሞ፡ ሓደራኹም ምዕባይን ምጥርናፍን ይኹነልና እቲ ጥበብ። ስለዚ እዚ ከንቱ ኣውራጃዊ ዘመተ 2016 ደጊም ይኣኽሎ፤ ብርግጽ’ውን ካብ ሃመማ ሓኸለ ምፍታሽን ከንቱነትን’ዩ። ነቶም በዚ ሸንኮለል’ዚ ዝጸመምኩም ኤርትራውያን ተወላዶ ካላኦት ኣውርጃታት’ውን፡ ሓደራኹም ካብዚ መሕመሚ ጉዳይ የድሕንኩም። ምናልባት ተመሳሳሊ ጸገማት እንተሃልዩኩም ንጽባሕ ኣይተቐምጡዎ። ብሓፈሽኡ ግን ክብረት መስዋእትነት ህዝብና ዝቓኒ፡ ንቕድሚት ጥራሕ ዝሰጉም፡ ስሙር ኤርትራዊ ተሞክሮ ዘቃልሕ፡ ሰላምን ቅሳነትን ዕብየትን ዝዓሰሎ ዓመት 2017 ደጊም ይፍጠረልና።
5) መራኸቢ ብዙሓትና ኣሞኳደኣ ኢንተርነት፡ ኣብ ዓለምና ፈጢሩዎ ዘሎ ናህሪ ሓበረታ ንዓለምና ናብ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ሓዲሽ ክውንነትን ግጥምያን ኣእትዩዋ ስለ ዘሎ፡ ኤርትራውነትና’ውን ዓቕሚ ንቕሓት ህዝብና ዝመጽዮ ይሕመቕ ይጸብቕ ምትሕቑቛናት ክህሉዎ ግድን’ዩ። ወዮ ደእ መንግስቲ ኤርትራ እንተስ ብሰላ ሕምቀቱ ይኹን ጸረ ናጽነት እንካን ሃባን ኣብ መንጉኡን ህዝቡን ኣብ ንኢንተርነት ኮሕኖ ገይሩዋ ኣሎ’ምበር፡ ምስዚ ዘሎ ሃውተታ ዝንቡዓትሲ ክንደይኮን ከሽግሮ ምከኣለ? ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። እቶም ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ኣብ ቤላ-ቤለው ከንብሩዎ ዝመረጹን ጸረ ውዱብ ኩውንነትን ፋሉላውያን ኣብ ዓለምና ፈጢሮሞ ዘሎዉ ምድንጋርን ገልበጥበጥን ነቲ ብዓቕሚ ትምህርቱ ዝሰንኮፈን ሚዛን ዝጎድሎን ብዝያዳ ብበጃ ዘይርጡብ ሓበረታ ገይሮሞ ከምዘሎዉ መጠን፣ ኤርትራውነትና’ውን ከምዓቕሙ ክጻላሎ ዝርከብ ዘሎ እንድዩ፡ ከምቲ ኣቦታት ዝብሉዎ “ሓንካስ ዘውረዮ በዓል ፈረስ ነይመልሶ!” ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ደጊም ኣብዚ ይግባይ ዘይበሃሎ ሃለወለው ፓልቶክን ካልእን ንዑኡ ዝመስል ክውኒነት ወጺኡ ገጽ ንገጽ ብምርድዳእ ናብ ዝሓሸን ዝበለጸን ዓውደ ቃልሲ ዘሰጋግር ይግበረልና ዓመት 2017.
6) ኣብ መጨረሽታ ከልዕሎ ዝደልዮ ነጥብን ዘይናይመጨረሽታን ግን፡ ብዛዕባ ‘ተቓውሞና’ እዩ። ‘ኣብ መንጎ ክልተ ዒቃ ዝቦቐለት ቆልቃልሲ ንምዋእላ ክትነብዕ ትነብር።’ ከም ዝብሉዎ፡ ብክልተን ሰለስተን ስሕለታት ክትሕርሓር እትነብር ዘላ ብዋንነት ንገሊኦም ጥራሕ ተገዲፋ ትልኽ እትብል ዘላ ተቓውሞ፡ ካን ከም መለቀብታ ጥራሕ ተቖጺራ ምህላዋ የሕዝነካ። ያኢ ሃገርና ጥዒሙዋን ርህዩዋን ያኢ ከም ዘሎ፡ ንቑምነገር ገዲፍካ ኣብ ጓል ነገር ተሸኺልካ ሸንኮለል ምብል ዝገርም’ዩ። ህዝብና ሓሲሙዎ’ሎ፡ ራህዋ ዘምጽኣሉ ዪደሊ። እዚ ዕማም’ዚ ናይ ኩሉ ኣዚሩ ንኽርኢ ብቕዓት ዘሎዎ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። እሱ ስለዝኾነ’ዩ እውን ኩሉ ልቢ ዘሎዎ ኤርትራዊ ክቃወም ዝሕተት። ስለዚ’ውን ኤርትራዊ ተቓውሞ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ። ዘድምዕ ተቕውሞ እንተዘይሃልዩ ድኽመት ናይ ሓደ ክልተ ጉልባብቦም ዝቐልዑ ወልቀሰባት ይኹን ጉጅለታት ጥራሕ’ዩ ኣየስምዕን። እቲ ፍሽለት ናይ ኩሉ’ዩ። ብቐንዱ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሉሙስ ምናቱ ክሓብእ ምእንታን፡ ንመዓቀን ጥምዙሕ ህላወኡ ዝጥቀመሉ መስትያት ንምግባሩ፡ ኣይበልክኹምንዶ? ካባይ ዝበልጽ ክትረኽቡ ኣይትሕሰቡ፣ እንዳበለ ዝሕባኣሉ ዘሎ ጸላም በዓቲ ኮይኑሉ ምህላዉ ከተስተውዕል፤ ብማዕረኡ’ውን ከምቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ነፍስሔር ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ‘እዚ ተቓውሞ ዝመንግስቶም እውን ኣሎዉ’ዮም’ ብምባል ዘጠመቆም ዘይበልዩ ጃለታት፡ ንሃገርና ዝኸውን ቅንጣብ ትዕየር ረብሓ ዘይገበሩ እንክንሶም፡ ንተቕውሞና ጥራሕ ብምቅዋም፡ ንድኽመታት መንግስቲ ምሕረት ዝሃቡን መተዓረቒ ክገብሩዎ ዝፍትኑ ምስሉያትን ተበለጽትን ኣብ 2017 ኣብ ህዝባዊ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ቁምነገር ክገብሩ ክርኢ ምንዮተይን ጸሎተይን ወሰን የብሉን።
ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!
ሃይለ ወልዱ።
ሎንዶን።
“ነቲ ጽቡቕ ዝጸበቐ ኣለዎ፡ ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝብል ናይ ግጥሚ ሓረግ ኣብ ሓደ ካብ ዜማታት ነፍስሄር ኣብረሃም ኣፈወርቂ ዝርከብ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ጉዳያት ዝምድናውነትን ዘየቋርጽ መስርሕን ዘመላኽት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኩሉ ጉዳያት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ዝነብር እምበር ኣብቲ መወዳእታ በጺሑ ተመስገን ኢልካ ዘይትድምድመሉ ምዃኑ ንምርኣይ ዝበሎ እዩ። ቅኑዕ ኣበሃህላ ከኣ እዩ።
ሓደ ጉዳይ ንምስላጥ ወይ ንምዕማም ክትነቅል እንከለኻ “ክበጽሖ ኣለኒ” እትብሎ ሸቶ ምቕማጥ ግቡእ እዩ። ከምኡ እንተዘይገርካ ከምቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝበሃል ኢኻ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ድሌት ኩሉ ግዜ ካብቲ ዘለኻዮ ንቕድሚት ዘሰጉም ወይ ዝሓሸ ውጽኢት ዘምጽእ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። እዚ እቲ መበገሲ ድሌት እዩ። ነዚ መሰረታዊ ድሌት ህያው ንምግባር ወይ ዝተመነኻዮ ውጽኢት ንምምዝጋብ ከኣ ንዓኡ ዝምጥን ምቅርራብ ምግባርን ዓቕሚ ምውህላልን የድሊ። ብቑዕ ምድላውን ዓቕምን ከይሓዝካ ዝትለም ትልሚ ግና ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ምኽንያቱ ኣብቲ መስርሕ ዝሰራሕካዮ እምበር ዝደለኻዮ ኣይኮንካን እትሓፍስ። እዚ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ እንተላይ ኣብዚ ከም ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ተሰሊፍናሉ ዘለና ፖለቲካዊ ጉዕዞ ቦታ ዘለዎ ሓቂ እዩ።
እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ጥራይ ኣይከውንን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንቕድሚት ክትስጉም እንዳሓለንካ ኣብቲ ዘለኻዮ ጠጠው ምባል ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንቕድሚት እንዳማዕደኻስ ካብቲ ዘለኻዮ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድል’ውን ዕጽዊ ኣይኮነን። ሓደ ሒዝካ ካለኣይ ክትረክብ እንዳ ተመጣጠርካ ናብ ዜሮ ከም ናይ ምምላስ ክሳራ ማለት እዩ። ምስ ኣርእስትና ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብ ዝሓመቐ ኮይንካ ጽቡቕ ከተምጽእ እንዳ ተቓለስካስ ናብ ዝያዳ ዝሓመቐ ከም ምምላስ ማለት እዩ።
ኤርትራውያን ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ኣውሒስና። እዚ ከምቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ኣዝዩ ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እንተኾነ ብዓይኒ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ስለ ዝበኾሮም ነዚ ዝበኾረ ከነረጋግጽን ሓደ ኢልና ክልተ ንምባልን ኣብ መሪር ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዘለዉዎ “ጸልሙት ዘበን” ናብ ዝሓሸ ናይ ምስግጋሮም ቃልሲ ነካይድ ኣለና። እዚ ቃልስዚ እውን ከም ዝኾነ ዕማም ንምዕዋቱ ዘተኣማምን ኣዕዋቲ ዓቕምን ድልውነትን የድልዮ። ብመንጽር እዚ ዝሓሸት ኤርትራ ናይ ምርካብ ድሌት ከም ዘለና ዘዛርብ ኣይኮነን። ”ነዚ ድሌትናዚ ዘዕቁብ በዓልቤታውን ወድዓውን ዓቕሚ’ኸ ኣለናዶ?፡ ዝብል ግና ደጋጊምና ክንድህስሶን ክንሓስቦን ዝግበኣና እዩ። ንበዓል ቤታዊ ድኽመትና ብወድዓዊ ጸገማት ኣጐልቢና ከይንሽፍጥ ከኣ ምጥንቓቕከድልየናእዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዝጐድሉና መባእታዊ በዓልቤታዊ ብቕዓታት ከም ዘለዉ ንርእዮ ኣለና። ኣብ ክንዲ ኣብ ናእሽቱን ዘይመሰረታውን ጉዳያት ኣብ ዓበይትን እስትራተጅያውን ጉዳያት ዘይምድሃብ፡ ቅድሚ ጉዳይ ሃገር፡ ጉዳይ ውልቅን ጉጅለን ምቕዳም፡ ጉዳይ ንምዕራይ ከካብ ነብስኻ ዘይምጅማር፡ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምትህልላኽ ምቕዳም…ወዘተ ኩሎም ዓበይቲ ጉድለታት ከም ዘለዉና ዘመላኽቱ እዮም። እሞ ድማ ንጋገ ምህላውና እንዳተረዳእና ኣብ ክንዲ ጠጠው ኢልካ ኣስተንቲንካ ምእራም፡ በቲ ግጉይ ንቕጽል ምህላውና። ነቲ “ገ-ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ምስላኳ ከነስተማቕሮ ኣይበቓዕናን።
ሎሚ ካብዚ ዘላቶ ኣዝያ ዝሓሸት ኤርትራ ንምህናጽ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ወይ ኣብቲ ዘለናዮ ከነኹድድ ወይ ድማ ንድሕሪት ክንምለስ ዝድርኹ ምልክታት ሓሓሊፎም ከም ዝረኣዩ ተዓዚብና እንስከፍ ብዙሓት ኢና። ክትከስብ ወፊርካስ ብኽሳራ ከም ምምላስ እዩ። እቶም ካብዚ ሕማቕ ናብቲ ዝሓመቐ ክመልሱና ውጥምቅልቅል ዝብሉ፡ ንቃልስና ምእቲ ናጽነት ናብ ሽፍትነት ክወስዱ፡ ንጀጋኑ ስዉኣትና ብናይ ከንቱ ሞት ክገልጹ ዝደናደኑ፡ ብዓብይኡ ንልኡላውነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉ ድንዕምንዕ ዝብሉ ብፖለቲካዝጠፈሹ ናይዚ ኣብነት እዮም። እንተኾነ ከይዕወቱ ዕደ። ጻዕርናን ቃልስናን ክኸውን ዝግበኦ ግና ንሳቶም ከምዘይዕወቱ ምግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕና እቶም ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ልኡላውነታ ፍትሒ፡ ደሞራስን ማዕርነትን ክትድርብ ንቃለስ ዘለና ከም እንዕወት ምግባር እዩ። ካብቲ ጽቡቕ ናብቲ ዝጸበቐ፡ ማለት ካብ ልኡላዊት ናብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሰግር ምብቃዕ።
መደባት ኣብ መፈለምታ ናይ ሓደ ናይ ግዜ መዕቀኒ ምጅማር ዝተመደ እዩ። ኣብ መዓልቲ ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ንግሆ፡ ኣብ ወርሒ ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ባሕቲ፡ ኣብ ዓመት ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ድማ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሰሙን ምጅማር ዝተለምደ እዩ። ዙሓት ውልቀሰባትኳ ሓደ ዓመት ሓሊፉ ሓድሽ ዓመት ክጅምሩ እንከለዉ ኣብ ህይወቶም ምስግጋር ከርእዩ ይውጥኑ። ንኣብነት ካብ ሓደ ዓይነት ወልፊ ክወጹ። በዚ ዝዕወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ንሕና ከኣ ነዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት ሃየ ብከምዚ ዓይነት ዝትግበር ኣዕዋቲ ውጥን ነሰንዮ። ቃልስና ካብ ንድሕሪት ምምላስን ደውታን ወጺኡ ንቕድሚት ከም ዝሓንን ናይ ምግባሩ ልባዊ ሕልና ንስነቕ። መጻኢ ሓድሽ ዓመት ከኣ “ካብ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ወጺእና” ኢልና ነዘንትወላ ከም እኸውን ንግበር።
"ናይ ሎሚ ወለዶ ናይ ትማሊ ኣይኰነን፤ ኣብ ትማልን ኣብ መጻእን ምትኳር ንሎሚ ምርሳዕ ኢዩ"
ሓደ ወልዶ፡ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ዘሎ ወለዶ 25 ዓመታት ኢዩ ዝፈላልዮም። ንኣብነት ካብ 1966 ኣትሒዙክሳብ 1991 ዘሎ ወለዶ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ወለዶ ክኸውን ከሎ፤ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ካልእ ሓድሽ ወለዶኢዩ። ስለ’ዚ፡ ቅድሚ 91 ዓ.ም ድሕሪኡን ዘሎ 25 ዓመታት፡ እንታይ ኢዩ ፍልልዩ? እንታይ ለውጥታት ተመዝጊቡ ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ውሽጢ 50 ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣገደስቲ ለውጥታት እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ንምድህሳስ ኢና ክንፍትን?
ካብ ስሳታት ኣትሒዙ ክሳብ መጀመርያ ተስዓታት ዓለምና ኣብ መንጐ ብኣመሪካ ዝምራሕ ርእሰ-ማላዊ ደንበን ኣብ መንጐ ብሶቭየት ሕብረት ዝምራሕ ዴሳዊ ደንበን ተኸፋፊላ፡ ብዝሑል ውግእ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ውድድር መዋእል ትልለ ነይራ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ጽለዋ ዴሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ዓለም እናሰፍሐ ዝኸደሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ናይ ሓርነት ምንቅስቓሳት ተጓሃሃረ፤ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እስያን ላቲን ኣመሪካን ሽዑ ኢየን ካብ መግዛእቲ ተገላጊለን ናጻን ልዑላውያንን ሃገራት ክዀና ዝኸኣላ።
ገድሊ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ካብ 70ታት ኣትሒዙ፡ ኣነ’የ ዝያዳ ርእሰ-ዴሳዊ ኣነ’ባ ገስጋሲ፡ ኣነ ማርክሳዊ እናበለ ነንሓድሕዱ ዝወዳደረሉ እዋን ምንባሩ እውን ዝዝከር ኢዩ። ከም’ቲ ኣብ መንጐ ዴስነትን ርእሰማልነትን ዝነበረ ውድድርን ኣተሓሳስባን፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን፡ ሓደ ነቲ ካልእ ስዒሩ ስልጣን ንበይኑ ክብሕት ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ሜዳ ኤርትራ፡ ካብ ሓደ ውድብ፡ ካብ ሓደ መሪሕነት፡ ካብ ሓደ ሰራዊት ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን’ዩ: ኣጣልን ኣባጊዕን ኣይተሓዋወሱን ኢዮም ዝብል ኣረዳድኣ ዝዓብለሎ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ዲሞክራሲ፡ ብዙሕነት፡ ሕድገት . . .ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ቦታ ኣይነበሮምን።
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኢዩ ተጸሚዱ ነይሩ። እቲ ዝስደድ ከኣ፡ መብዛሕታኡ፡ ናብ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ስዑድያ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብርኦምን ትምህርቶምን ገዲፎም ናብ ገድሊ ኤርትራ ዝጽንበርሉ ወቕቲ እውን’ዩ ነይሩ።
ካብ ሰማንያታት ኣትሒዙ ግን፡ ብሰንኪ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ዝወሰድኦ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተጋደልቲ ተሓኤ ናብ ሱዳን ስለዝኣተዉ፡ ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝኸፈትኦ ማዕጾ ተጠቒሞም ናብ ሃገራት ምዕራብ ብብዝሒ ክውሕዙ ተራእዩ።
ተሓኤ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ፡ ናብ ብዙሓት ውድባት ተፈናጨለት። ናይ ሶቭየት ሕብረት ውድቀት ዝፈጠሮ ስነሓሳባዊ ወይ ኣይዲዮሎጂካዊ ሃጓፍ ድማ ኣብ ብዙሕ ኵርንዓት ናይ ዓለም ብእስላማዊ ምንቅስቓሳት ተተክኤ። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ለውጥታት’ዚ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሰነ 1989 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣልማህዲ ዕልዋ ተኻይዱ “ጀብሃት ኣል ኢንቃዝ” ስልጣን ጨቢጡ።
ናይ ተሓኤ ምድኻምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጠር ዝነበረ እስላማዊ ምንቅስቓሳትን ብዝፈጠሮ ምቹእ ባይታ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ንኣሽቱ እስላማዊ ምንቅስቓሳት ብ1988 ሓቢሮም ጕባኤ ብምግባር እስላማዊ ጅሃድ ኤርትራ ዝብል ውድብ መስረቱ። ኣብ መወዳእታ ሰማንያታትን መጀመርያ ተስዓታትን ኣብ መንጐ ህዝባዊ ግንባር እስላማዊ ውድባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ኤርትራ ብረታዊ ጐንጽታት ተኸሲቶም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።
ካብ ተስዓታት ንነጀው ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ለውጥታት እቲ ቀንዲ፡ ውድቀት ዴሳዊ ደምበን ዓለም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ርእሰ-ማላዊ ሓይሊ ምውዳቓን ኢዩ። መቀናቕንቲ ምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ዝነበረት ሶቭየት ሕብረት ፋሕ ብትን ኣተዋ። ንሶቭየት ሕብረት ዘቝማ ዝነበራ ሪፑብሊካት ተገንጺለን ናጻ ዝዀና ነናይ ገዛእ ርእሰን መንግስታት ኣቖማ። እታ ሓንቲ ዝነበረት ዩጎዝላቭያ እውን ኣብ ብዙሓት መንግስታት ተጓዛዘየት። ቸኮዝላቫክያ፡ ናብ ቸክን ስሎቨንያን ዝብሃላ ክልተ ርእሰን ዝኸኣላ መንግስታት ተኸፍለት። ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ርእሰን ዝኸኣላ ልዑላውያን ሃገራት ክዀና በቕዓ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ደርግ ወዲቑ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ተተኪኡ።
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ምዕራብን ምብራቕን ጀርመን፡ ከምኡ’ውን፡ ሰሜንን ደቡብን የመን ደጊመን ክሓበራ ተራእያ። ቺና ከኣ፡ ንሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ፡ ንኣመሪካ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት እትወዳደር ሓዳስ ሓያል ሃገር ኰይና ወጸት።
መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብ1991 ኣብ ዘኽተመሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ኢድ ኰይኑ፡ ንዕለት ናጽነቱ ብክብ ዝበለ ሓጐስን ሓድነትን ኢዩ ተቐቢልዋን ጸምቢልዋን። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ንሃገሩ ብዘይዝዀነ ይኹን ኣምሳያ ብናጻ ከገልግልን ዝውንኖ ጸጋታት ኣብ ልምዓት ሃገሩ ከውዕልን ብምሉእ ዕግበት’ዩ ተበጊሱ ነይሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ፡ እቲ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝነበሮም ሕልሚ ጋህዲ ኰይኑ ስለዝተሰምዖም ገለ ብሃውሪ፡ ገለ ድማ ብመደብ ምምላስን ምጥያስን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተራእዩ።
ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን መንፈስ ነጊሱ ነበረ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ናይ ልምዓት፡ ጸጥታ፡ ምክልኻልን ስምምዓት ዝግበረሉን ዶባትና ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ከነሰጋግሮ ኢና እናተባህለ ዝዝረበሉን እውን’ዩ ተበጺሑ ነይሩ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ ኢጋድ እተባህለ በይነ-መንግስታዊ ትካል ምቛም ዝዝከር ኢዩ።
ብዙሓት ኣባላት ተሓኤ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ ሃገሮም በብመንገዶም ተመሊሶም። ኣብ ደገ ዝነበሩ ተቓወምቲ ውድባት እውን፡ ርግኣት፡ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ድልውነቶም ይገልጹ ነበሩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸቡን። ብኣንጻሩ ሓሸውየ ናይ ውድባት ኣይነፍቅድን ኢና ዝብል ናይ ብድዐን ትምክሕትን ድምጺ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ክነጕድ ተሰምዐ።እዚ ጃህራ’ዚ ድማ፡ ንኣእሙሮ ብዙሓት ደፈነ። ኣብ መጀመርያ ተስዓታት እምበአር፡ኣዝዮም ውሑዳት እንተዘይኰይኖም ድምጺ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክሰምዕ ዝደሊ ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ ኣይነበሩን።
ዓለም ድማ፡ ንመራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣድናቖታ ትገልጽ ነበረት። ንፕረሲደንት ኤርትራ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ነብሰሄር መለስ ዜናውን ፕረሲደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒን ተስፋ ዝንበረሎም ሓደስቲ መራሕቲ ወለዶ ኣፍሪቃ እናበለት እትምጕሰሉን ምስ’ኦም ተሓባቢራ ክትሰርሕ ድልዊ ምዃና እትገልጸሉን ወቕቲ’ዩ ነይሩ። ከምወጽኢቱ ድማ፡ ፖለቲካዊ ደገፍን ቍጠባን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን እናዓበየ ክኸይድ ተራእዩ።
ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ሎሚ ኣብ ምዝዛም 2016 ዓ.ም ኣብ እንርከበሉ እዋን፡ ነቲ ሓደ ቍጥባዊ ዓለም (uni-polar world) ወይ ዓውለማውነት (Globalaization) ዝጻረር፡ ናይ የማንን ጸጋምን ጥሩፍነት ወይ ኣኽራርነት ተርእዮታት እናዓምበበ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ጥሩፍነት’ዚ ሓደሓደ ግዜ ሃይማኖታዊ መልክዕ፡ ንኣብነት ዳዕሽ፡ ኣልሸባብ፡ ቦኮሃራም . . . ወዘተ፤ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ናይ ቆርበት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ዝተመርኰሰ ጥሩፍ ጽልኢ (ጥሩፋት የማናውያን ሰልፍታት ኣብ ኣውሮጳ ኣመሪካን)፤ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ንቝጣባዊ ቅልውላዋትን ብዝሒ ስደተኛታትን እናመዝመዘ ንስምዒታት ናይ ህዝቢ ዘጕሃህር ህቡባዊ (populist) ወይ ጥሩፍ ብሄርተኝነት (ultra-nationalism) መልክዕ ክሕዝ ይርአ ኣሎ። ንኣብነት፡ ምሕያል ናይ ጥሩፋት የማናውያን ሰልፍታት፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ሆላንድ ብሓደ ሸነኽ፤ ምዕዋት ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ምውጻእ (Brexit) ክዕወት ምኽኣሉ ምጥቃስ ይከኣል።
ሎሚ፡ ዓለምና ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቍሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ኢንተርነትን ማሕበራዊ (ሶሽያል) ሚድያን ቀንዲ ናይ ዓለምና ናይ ርክብ መስመራት ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ከም ሰብኣዊ መሰላት ዝቝጸረሉ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘሎና። ኣብ ቅድመ ናጽነት ዝነበረ መድረኽ ግን፡ ኣብ ዓለምና ዓብላሊ ዝነበረ ናይ ርክብ መሳለጢታት ተለፎን፡ ፋክስ፡ ተለቪዥን፡ ራድዮ፡ ፖስታ ቤት፡ ነፈርቲ፡ መራኽብ፡ መኻይን . . . ወዘተ ኢዩ ነይሩ። ኢንተርነት ዝብሃል ብደረጃ እዚ ሕጂ ኣብ ኢድ ነፍስወከፍ ሰብ ዝበጽሓሉ ኵነታት ዝውቱር ኣይነበረን።
ኣብ ኤርትራ’ኸ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት እንታይ ለውጢ ተራእዩ?
ኤርትራ፡ ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይ ተስዓታት፡ ብመጠኑ ርግኣትን ቍጠባዊ ዕብየትን ከተመዝግብ ጀሚራ ነይራ’ያ። ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ውሑዳት ኢዮም ነይሮም። እቲ እንደልዮ ዝነበርና ናጽነት ተራጋጊጹ እንድዩ፡ ሕጂ’ኸ እንታይ ክትቃወሙ ደሊኹም ዝብል ድምጺ ዝዓብለሎ ኵነታት ሰፊኑ ነይሩ።
ነዊሕ ከይተኸደ ግን፡ እቲ ብዛዕባ ናጻ ዕዳጋ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ ዝግበር ዝነበረ መብጽዓታት ብምልኡ ተጠሊሙ። ሓሸውየ ናይ ውድባት ኣይፍቀድን ኢዩ ዝብል ነጋሪት ተሃሪሙ። ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣትያ። መነባብርኦም ክመሓየሽ ዝጠለቡ ተጋደልቲ ብሕሱም ተገፊዖም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ኣካለ ስንኩላን ድማ ብጥይት ናይ ከድዓት መራሕቶም ተቐንጺሎም።
ኤርትራ፡ ምስ ኵለን ጐረባብታ ኣብ ውግእን ወጥርን ስለእተጸምደት ንሓደጋታት ናይ ዘይምርግጋእ፡ ቍጠባዊ ቅልውላዋትን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎን ተቓልዐት። ብ1996 ምስ የመን ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ፡ ደሴት ሓኒሽ ብፍርዲ ንየመን ከም ዝተዋህበት ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ብ1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬትና ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ኢትዮጵያ ይርከብ ኣሎ።
ቅዋም ክትግበርን ጠንቂ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፈልጡን ዝሓተቱ ኣባላት መሪሕነት ህግዲፍን ንድምጽታቶም ዘቃልሑ ጋዜጠኛታትን፡ በጻሕን ሓታትን ዘይብሎም፡ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ኣብ ዘይፍልለጥሉ ሃለዋት፡ ኣብ ዒራዒሮ ተዳጒኖም ይርከቡ። ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ግብጺ ፡ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላ ሃገር ተባሂላ ኢያ ትፍለጥ (25 ጋዜጠኛታት ኣብ ግብጺ፡ 17 ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ)።
ትምህርቲ ምስ ውትህድርና ተቖሪኑ። ኤርትራውያን መንእሰያት ናይ መወዳእታ ዓመታት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ከምዝወስድዎ ተገብረ። መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ተማሂሮም ንነብሶም፡ ንስድራኦምን ሃገሮምን ዝዀኑ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብዝብል ምስምስ ኣብ ደረት ዘይብሉ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዶም ይርከቡ። ወለዲ ንደቆም ክቆጻጸሩ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ወዲቖም ኣለዉ። እታ ዝነበረት ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ፡ በተን መላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝመረጾ ዓይነት ትምህርቲ ዝህባ ኮለጃት ወይ ትካላት ተተኪኣ።
ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ኣሉታዊ ተርእዮታት’ዚ፡ ስድራቤት፡ ገሊኣ ኣብ ስደት፡ ገሊኣ ኣብ መደበራት ታዕሊም፡ ገሊኣ ኣብ መዛግብ ውግእ (ድፍዓት)፡ ገሊኣ ድማ ዕጭኣ ማእሰርቲ ኰይና ተበታተነት።
ብሰንኪ’ዚ ሕማቕ ኵነታት’ዚ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ንስደት ከምርሑ ተገደዱ። ብዙሓት ካብ’ኦም ድማ፡ ኣብ ምድረበዳታት ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ሃለቁ፤ ማእለያ ዘይብሎም ድማ፡ ግዳይ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኰይኖም፡ ኣደዳ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓዛብን ዓመጽን ኰኑ፤ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተቐንጢቡ ናብ ዕዳጋታት ንመሸጣ ወሪዱ። ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ንምድሓን፡ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ክኸፍሉ ተገደዱ። ኣብ ላምፓዱሳ ዝሞቱ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ መግለጺ ናይ’ዚ ኣሰቓቒ ተመኵሮ ኢዮም። ብናቶም ህልቂት’ያ ዓለም ብዛዕባ ስቅያት ኤርትራውያን ቍሩብ ክስቆራ ዝጀመረ። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ስደተኛታት ብብዝሒ ዘፍርያ ሃገራት ተባሂለን ኣብ ዓለምና ዝፍለጣ ሃገር ኰነት።
ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ተምሃሮ፡ ሙዚቀኛታትን ስነ ጥበባውያን ናብ ግዳም ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ፡ በብዝኸድዎ ክተርፉ ወይ ዑቝባ ክሓቱ ተራእዩ።
እተን ብጽሬተንን ጽባቕአንን እንምክሓለን ዝነበርና ከተማታትና መልክዐን ተደዊኑ። ማይ፡ መግቢ፡ መብራህቲ ብኩቦንን መስርዕን ዝዀነሉ ወቕቲ ተጋሂዱ።
ኤርትራ፡ ንጥሩፍ ሶማልያዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ትድግፍ’ያ ተባሂላ ማዕቀብ ተነቢሩላ፡ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ እውን ኣይተላዕለን ዘሎ። ብሕቡራት ሃገራት እተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ኣገዲድካ ምድፋር፡ ዓዛብ፡ ምስዋር፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምቕታልን ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸመላ ሃገር ምዃና ዘረጋግጽ ጸብጻባት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣባል ሰንዓ ፎረም ዝነበረ መንግስቲ የመን ንምድኻም ኢሉ፡ ንተቓወምቲ መንግስቲ የመን ዝዀኑ ሖትይን ንነዊሕ ዓመታት ክድግፍ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ብሃንደበት ኣቅጣጫኡ ቀይሩ፡ ብወለንታኡ ተሓባባሪ ናይ’ቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ኰይኑ ንሖትይን ክወግእ ይርአ ኣሎ። ወድብ ዓሰብ፡ ማያትን ሰማያትን ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ልፍንቲ ኣንጻር ሖትይን ይውዕል ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ።
ተቓውሞ ንስርዓት ኢሳያስ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ’ዘን 25 ዓመታት፡ ብዓቐን ይኹን ብዓይነት እናዓበየ ኢዩ መጺኡ። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ናይ 2001 ናይ ጕጅለ 15 ተቓውሞ፡ ስርዓት ህግዲፍ ዓንደ-ሕቖኡ ተሰቢሩ ኢዩ። ብምንቅስቓስ ፎርቶ ዝፍለጥ ናይ 21 ጥሪ 2013 ተቓውሞ ናይ ወዲ ዓልን ብጾቱን፤ ኣብ ጀነቭ፡ ኒውዮርክ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት እተኻፈልዎም ሰላማዊ ሰልፍታት ጭቡጥ ምልክታት ናይ ዝግሃዱ ዘለዉ ለውጥታት ኢዮም።
ናይ ባጤራ ለውጢ፦
ነቲ ብሰንኪ ግዕዙይ ምምሕዳር ካብ ዙረት ወጻኢ ኰይኑ፡ ኣብ ኢድ ውሑዳት ገበነኛታት ተዀሚሩ ዝነበረ ናይ ቀደም ናቕፋ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ንምግባር ዝዓለመ ናይ ባጤራ ምቕያር መደብ፡ ነቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝብል ምስላ ብዘዘኻኽር ኣገባብ፡ ነቲ ንጹህ ዜጋ ኣብ ተወሳኺ ናይ ቍጠባ ቅልውላው ከምዝሽመም ገበሮ ምበር፡ ነቶም ገበነኛታት ሰበስልጣንን ተሓባበርቶምንሲ ዝዀነ ጸገም ኣይፈጠረሎምን። እዚ ናይ ባጤራ ምቕያር መደብ፡ ነቶም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ገንዘብ ከምዝንኪ ምግባሩ እውን ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
ኢንተርነት፦
ሎሚ፡ ኢንተርነት፡ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝዀነሉ ወቕቲ ኢና ንነብር ዘለና። ኣብ ኤርትራ ግን፡ እዚ መሰል’ዚ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ሰብኣዊ መሰላትይግሃስ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ኢንተርነትን ተጠቀምቱን ዝግበር ቍጽጽርን ገደብን ከቢድ ስለዝዀነ፡ ሰባት ከምድላዮም ሓበሬታ ንኸይረኽቡን ሃብታማት ድማ ርእሰማሎም ኣብ ኤርትራ ከየዋፍሩን ዓቢ ዕንቅፋት ኰይንዎም ኣሎ።
ካብ ተነጽሎ ንምውጻእ፦
ስርዓት ኢሳያስ፡ ብህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ብዘጋጠሞ ተቓውሞን ተነጽሎን ክጽሎ ናይ ግድን ስለዝዀነ፡ ስልታዊ ለውጥታት ክገብር ተገዲዱ ኣሎ። ኣባላት ኤምባሲታት ተነቢርሎም ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ ደረት ክለዓል ብምግባር፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ጥራሕ ክድረቶን ሓድሽ ቅዋም ክነድፍን ምዃኑ መብጽዓ ብምእታው፤ ደሞዝ ሰራዊት ኤርትራ ብምውሳኽን ምስ መሓዙት ምዕራባውያን ሃገራት ዝዀኑ ኣባላት ናይ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ምስ’ታ ብምህናጽ ግድብ ትንሳኤ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ እትርከብ መንግስቲ ግብጽን ብምዝማድ፤ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጢሩ ንዘሎ ቍጥዐን ተቓውሞን ንምትህድዳእ ይጽዕር ኣሎ። ምርኰኛታት ወተሃደራት ጅቡቲ ብናጻ ምልቃቑ እውን ኣካል ናይ’ዚ ስልቲ’ዚ ኢዩ።
ብዋሕዚ ብዝሒ ስደተኛታት ዝተሰናበዱ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መንግስታት ኣውሮጳ ድማ፡ ንጥቕሞም ክብሉ፡ ነቲ ዋሕዚ ደው ንምባል፡ ምስ መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክኣትዉ ይርኣዩ ኣለዉ።
መደምደምታ፦
ንናይ ሎሚ ወለዶ ብድሆታት፡ ናይ ትማሊ ወይ ናይ ጽባሕ ዘይኰነስ ናይ ሎሚ መፍትሒታት ኢና ከነናዲ ዝግባእ። ቃልሲ ኤርትራውያን ሎሚ ኣንጻር ባዕዳዊ ጐበጣ ኣይኰነን። ኤርትራ፡ ናጻን ልዑላዊትን ኰይና ብዓለም ተፈሊጣ ኢያ። ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ናይ ዶብ ጸገማት ብመሰረት እቲ ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ኣህጕራዊ ስምምዓትን ውዕላትን፤ ሰላማዊ፡ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን መዕለቢታት ክግበረሎም ጥራሕ ኢና ክንጽዕር ዝግብኣና።
ከምኡ’ውን፡ ናይ ሎሚ ቃልስና ጀብሃ ኣንጻር ሻዕብያ ወይ ሻዕብያ ኣንጻር ጀብሃ ኣይኰነን። እዚ ቃልሲ’ዚ ኣኽቲሙ ኢዩ። ሎሚ እንርከበሉ ዘለና መድረኽ ናይ ጀብሃ ፕሮግራም’ዶ ናይ ሻዕብያ መን ዓብለለ ኣይኰነን። እዘን ውድባት እዚኣተን ንቓልሲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝመርሓ ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ደኣ’ምበር፡ ንዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ዝቃለሳ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣይነበራን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ምልኪ ናይ ሸቃላይ ከነረጋግጽ ኢና ዝብላ ዝነበራ ውድባት ኢየን። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቅን መጋበርያታቱን (ወተሃደራውን ጸጥታውን) ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ስለ’ዚ፡ ናይ ሎሚ ቃልሲ፡ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መንጐ ዲክታቶርያዊ ጕጅለ ኢሳያስን ኢዩ።
ናይ ሎሚ ወለዶ ክቃለሰሉ ዘለዎ ዕላማታት እምበኣር፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዝሰፈኖ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕለወሉ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ብዙሓት ሰልፍታት ደኣ‘ምበር፥ ምልኪ፡ ብዝዀነ ይኹን መልክዓቱ፡ ንምንጋስ ክኸውን የብሉን።
ኤርትራ፡ ብብዙሕነት ናይ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ መበቆል፡ ኣውራጃ እትልለ ሃገር ኢያ።ነዚ ብዙሕነት’ዚ ጸጋና ድኣ’ምበር ዕዳና ክንገብሮ ኣይግባእን። ናይ ኵሎም ቋንቋታትና፡ ሃይማኖታትና፡ ኣውራጃታትናን ብሄራትናን ማዕርነትን መሰላትን ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ። ሓደ ልዒሉ፡ እቲ ካልእ ትሒቱ ዝርኣየሉ ዝዀነ ይኹን ቅቡል ምኽንያት የለን። ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል መርሆ፡ መተካእታ ዘይርከቦ እንኮ ምርጫና ምዃኑ ክንኣምን የድሊ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ልዕሊ 75% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኢዮም። እዚ ማለት ድማ ንፍተዎ ንጽልኣዮ ብዘየገድስ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ተረከብቲ ንሶም ኢዮም። ካብ’ዚኦም፡ ድሕሪ ናጽነት እተወልደ እቲ ዝተሓተ ዕድሚኡ 25 ኰይኑ፤ እቲ ናይ ቅድመ ናጽነት ወለዶ ከኣ እቲ ዝተሓተ ዕድመ 50 ዓመት ዝገበረ ስለዝዀነ፡ ብባህርያዊ ምኽንያታት ኣብ ምሕላፍ ተጋማጊሙ ዝርከብ ኢዩ። “ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ከምዝብሃል፡ መንእሰይ ሓላፍነቱ ብግቡእ ክስከም እንተደኣኰይኑ ክመሃርን ክሰርሕን ኣለዎ። መንእሰይ ስለዝዀነ ጥራሕ ንሃገር ክመርሕ ወይ ንሃገር ክጠቅም’ዩ ማለት ኣይኰነን። ንትምህርቲ ዝዕንቅጹ ከም ድኽነት፡ ድሑር ባህልታትን ልምድታትን (ትሕተ-ዕድመ ምምርዓው) ዝኣመሰሉ ወድዓውያን ምኽንያታት ምህላዎም ክዝንጋዕ የብሉን።
ቀንዲ ግደ ናይ መንእሰያት፡ ነዞም ዓንቀጽቲ ብድሆታት ስዒሮም ስልጡን ሃገርን ህዝብን ምህናጽ ኢዩ። ነዚ ንኽገብሩ ግን፡ ንገዛእ ርእሶም ፈተውቲ ትምህርቲ፡ ፈተውቲ ስራሕ፡ ፈተውቲ ስልጣኔን ፈተውቲ ሕብረተ-ሰቦምን ክዀኑ ይግባእ።
بين كاسترو والارتريين أفضال ومآخذ
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريالزعيم الثوري الكوبي فيدل كاسترو الذي رحل مؤخراً في الخامس والعشرين من نوفمبر 2016م وضع بصمته الخاصة في ذاكرة التاريخ العالمي بأحداث عادية وأخرى استثنائية كان بطلها أو جزءاً منها طيلة حياته السياسية المديدة والحافلة. للارتريين بدورهم قسطٌ من الذكريات الإيجابية الحلوة والأخرى السلبية المريرة مع كوبا وكاسترو.
فلنبدأ بالإيجابي من تلك الذكريات:
كوبا كاسترو كانت من أوائل الدول التي ساندت كفاح ارتريا من أجل حق تقرير المصير والاستقلال الوطني، وأول دفعة مقاتلين من جبهة التحرير الارترية تم ابتعاثها الي كوبا لرفع المهارات العسكرية في أواخر الستينيات كانت تضم الشهداء: إبراهيم عافة، دبروم طلوق، محمود حسب وتسفاي كحساي. لم يتدرب هؤلاء علي فنون القتال أو استعمال السلاح فحسب، بل زُوِّدوا بخبرات عسكرية قيادية بجانب تلقيهم نبذة موجزة عن التعاليم الأساسية للأيديولوجية اليسارية.
في ذلك الزمان كان كل ارتري علي صلة بكفاح بلاده الوطني التحرري وأينما وجد يطوف مكتبات العالم بحثاً عن مجلة " تريكونتننتال" Tricontinental التي طالما حملت مواد ومعلومات داعمة عما كان يدور في ميدان القتال الارتري التحرري، المجلة كانت تحرر في هافانا من قبل منظمات التضامن مع شعوب آسيا، افريقيا وأمريكا اللاتينية، كما كانت تتلقى الدعم المادي والأدبي من أحزاب ومنظومات اليسار في أوربا وشتى أنحاء العالم.
ولـــــــــــــــــكــــــــــــــــــــــــن...
كوبا النصف الثاني من السبعينيات قلبت للثورة الارترية ظهر المجن، فبعد أن فرغت القوة الكوبية المكونة من 11.600 جندي و6000 (ستة آلاف) خبير ومستشار عسكري والمرسلة لدعم وإنقاذ نظام منقستو هيلماريام في معركته في الصومال، ما أن فرغت تلك القوة من مهمتها في الأوغادين بشرق اثيوبيا أصدر كاسترو في 1978م تعليماته لها بالتوجه الي ارتريا لمقاتلة الثورة الارترية التي كانت يومها تكاد تصافح النصر الكامل، حيث كان الريف محرراً بأكمله ولم يتبق من المدن سوى العاصمة أسمرا واثنتين أخريين.
قـُـــوَّتا الثورة الرئيسية آنذاك، جبهة التحرير الارترية والجبهة الشعبية لتحرير ارتريا علي الرغم من قدراتهما العسكرية المتقدمة وجيشيهما العرمرمين لم يكن بوسعهما الوقوف طويلاً في وجه الفرقة الكوبية ومستشاريها العسكريين الذين يتولون قيادة وإرشاد القوات الاثيوبية التي كان تتمتع بدعم إضافي من السوفييت يتضمن 225 طائرة مقاتلة وناقلة.
الكثير من الارتريين يعتقدون بأن وضع ارتريا وشعبها كان سيتغير تماماً لو لم يتخذ كاسترو قراره ذلك بقتال ومحاربة الثورة الارترية التي كانت كوبا من أوائل داعميها في الستينيات.
من مفارقات القدر أيضاً وفي يونيو 2016م وللمرة الثانية في تاريخ كوبا السالب مع ارتريا وقف المندوب الكوبي في مجلس الأمم المتحدة لحقوق الانسان ضد الشعب الارتري منحازاً الي النظام الدكتاتوري طالباً له النجاة من مخالب إدانته الدولية بارتكاب جرائم ضد الإنسانية لما ظل يرتكبه ضد شعبه منذ 1991م من جرائم وانتهاكات لا حصر لها.
حفل تعريف بالتراث الارتري بمدينة يوتبرغ السويدية
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي السابع من ديسمبر 2016م وتحت شعار (ارتريا في قلوبنا) نظمت جمعية التضامن السويدي الاتري التراثية ولمدة ساعتين حفلاً توثيقياً للتعريف بتراث ارتريا، تاريخها، ماضيها وحاضرها، شاركت فيه العديد من الجمعيات السويدية الهامة وعدد ضخم من الارتريين.
افتتحت الحفل الآنسة فوزية عمر سكرتيرة الجمعية بالترحيب بالحضور ثم دعت رئيس الجمعية السيد/ توماس ماغنسون لمخاطبة الحفل، وقد قدم سيادته نبذةً تعريفية ضافية عن كيفية وأهداف قيام الجمعية.
عقب ذلك تناول السيد/ طهايي قلتا نبذة تاريخية مصحوبة بالصور عن ارتريا ابتداءاً مما تعنيه دولة ارتريا وتكوينها وكفاحها التحرري المسلح وانتهاءاً بحاضرها المؤسف، ثم قدم قلتا ورفاقه للجمهور عرض أزياء تراثي نال إعجاب الحضور، اشتمل علي الألبسة التراثية الارترية التي تمثل كافة ألوان الطيف التراثي والديني والجغرافي للشعب الارتري.
هذا وقد حيـَّـى جمهور الحضور أعضاء جمعية مدرسة يوتبيرغ الدولية الشعبية للسلام علي ما قدمته من خدمة جليلة للتراث الارتري.
كما بدأ بالتراث اختتم الحفل بالتراث، حيث استضاف الحضور بموائد عامرة بالأطعمة الارترية الشاملة بدورها لكل ما يحفل به تراث المطبخ الارتري الغني والرائع، تبادل المدْعـُـــوُّون خلالها ذكريات الوطن الارتري.
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ግዜ ብዘይዝኾነ ይኹን ተጽዕኖን ዕንቅፋትን እዩ ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኩሎም ናይ ግዜ መለክዕታት ካብ ካልኢት ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ ዝኾነ ሓይሊ ከቐልጥፎ ወይ ከደንጉዮ ዘይክእል ናጻን ቀጻልን መስርሕ ጉዕዞ ኣለዎም። ንግዜ ኣብቲ እዋኑ ቆጸርኡ ኣኽቢሩ ክጥቀመሉ ዘይከኣለ ኣካል ቅልጣፈን ቀጻልነትን መስርሕ ጉዕዘኡ ቀይሩ ከም ዝጽበዮ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ብዙሓት በቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ጸጋ ዘይተጠቕሙ ምስ ግዜ ከማርሩን ክራገሙን ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። እንተኾነ ንግዜ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ክኸስስ ኮነ ክምጉት ዝኸኣለ የለን። ግዜ ናጻ ስለ ዝኾነ ከም መጽዓን ዘርጊሕካ ተንውሖ ወይ ጠቕሊልካ ተሕጽሮ ኣይኮነን።
ግዜ ንወዲ ሰብ ብናጻ ካብ ዝተዋህቡ ህያባት ሓደ እዩ። እንተኾነ መንዩ ንግዜ ብግቡእ ዝጥቀመሉ ኣዛራራቢ እዩ። ሃብትን ድኽነትን፡ ፍልጠትን ድንቁርናን፡ ሰላምን ህውከትን፡ ፍቕርን ጽልእን፡ ዓወትን ውድቀትን ኩሎም ምስ ኣጠቓቕማ ግዜ ምትእስሳር ዘለዎም ተጻረርቲ ተረኽቦታት እዮም። ብባህሪኦም ከኣ እቲ ሓደ ንኣውንታ እቲ ካልእ ከኣ ንኣሉታ ዝውክሉ እዮም። እቶም ኣውንታ ናብኡ ካብ ዘብጽሕዎም ረቛሒታት ንግዜ ብግቡእ ምጥቃም ዓብይ እጃም ኣለዎ። እቲ ንግዜኡ ብግቡእ ዝጥቀም ትጉህን ህርኩትን ናይቲ ኣውንታ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እቲ ሃካይን ንግዜኡ ብግቡእ ዘይጥቀምን ከኣ ግዳይ ናይቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ከም ዝኸውን ዘዳዲ ኣይኮነን።
ግዜ ብኽብርን ጥንቃቐን ክተሓዝ ዝግበኦ ህያብ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ሕብረተሰብና ናይ ግንዛበ ቦታ ኣለዎ። “ግዜ ወርቂ እዩ” ነዚ ብዝምልከት ገላጺ ምሳልያዊ ኣበሃህላ እዩ። ምስ ግዜ ቆጸራኻ ኣኽቢርካ ምጉዓዝ ከም ዘድሊ ንምብራህ ወለድና “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብልዎ ውን ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ ኣገላልጻ እዩ። “ዕድል ሓደ ግዜ እዩ” ዝበሃል ናይ ወለድና ምሳለ’ውን ግዜ ኣብቲ ብሱል ደረጃኡ ተዘይተጠቒምካሉ ዘይጽበየካ ምዃኑ ንምብራህ ዝቐርብ እዩ።
ግዜ ኣብ ህይወትና ፈጣሪ ተጽዕኖ ምዃኑ ስለ እንርዳእ፡ ሓደ ክፋል ግዜ ንኣብነት ዓመት ክሓልፍ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝመጽእ ሰናይ ትምኒትና ክንገልጽን መብጸዓታት ክንኣቱን እንከለና፡ ንግዜ ዘለና ክብሪ ንገልጽ ምህላውና ብሩህ እዩ። ኣይኮነንዶ ንናይ ዓመት ምቅይያር ንናይ ወርሒ መጀመሪ ባሕቲ እውን ትርጉም ንህቦ ኢና። እዚ ከኣ ካልእ ንክብሪ ግዜ ዘመላኽት እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ተተበሃሃልና ተዘይንኢሱና ኣይዓብየናን እዩ። ስለዚ “ርሑስ ዓድሽ ዓመት 2017 ይኹነልና”። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግና ብምምናይና ዘይኮነ፡ ትምኒትና ኣብ ምትግባር ብቑዓትን ትጉሃትን ኮይና እንተቐሪብና ጥራይ እዩ።
ግዜ ዕዳ እዩ። እዚ ዕዳ ከኣ ናይ ግድን ክንከፍሎ ዝገበኣና እዩ። ዝተወሰነ ናይ ግዜ መለክዒ፡ ንኣብነት ዓመት ኩሉ’ቲ ኣብ በኹሪ ዕለት ዝተመነናዮ መኺኑ፡ ዓመት ብዘይለውጥን ሓድሽ ተረኽቦን ክንሓልፎ እንከለና ክሳብ ክንደይ ዕዳና ይውህለል ምህላዉ ኣይንዘንግዕ። ሳዕቤኑ ከኣ ናብ ካለኦት ዘይኮነ ናብ ርእስና እዩ። ንሕና ኤርትራውያን 30 ዓመታት ተቓሊስና ናጽነት ኣውሒስና። ስለዚ እቲ 30 ዓመት ናይ ቃልሲ ግዜ ምስ ኩሉ ዝሓለፎ ዕንቅፋታት ንቁምነገር ዝተኸፍለን ብመኽሰብ ዝተሰነየን ግዜ እዩ። ድሌት ህዝብና ቀልጢፍካ ናጽነትካ ምጭባጥ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ግዜ ብናቱ ስርዓት ዝጐዓዝ እምበር፡ ብድሌት ሰባት ዝስራሕን ዝብተንን ስለ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝበሰሎ በሲሉ።
ኣብዚ እዋንዚ ግዜ ንኤርትራውያን ቀይሕ መብራህቲ የርእየና ኣሎ። ትሕዝቶ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሌና ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ “ሃየ ተጠቐሙለይ፡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ኣይተህልኹኒ፡ በበይንኻ ካብ ምውፋር ተዓቂብኩም ብሓባር ስርሑ ….. ወዘተ” ዝብል ቅዱስ ሓረጋት ይርከቦ። “እንተዘየለ ጉዕዞይ ገቲአ ኣይጽበየኩምን እየ” ዝብል መጠንቀቕታ’ውን ኣለዎ። ንሕና ግና “ወይከ ቅጭጭ”።
እዚ ንርከበሉ ዘለና ወቕቲ ዓመት ኣፋኒና ሓድሽ ዓመት እንቅበለሉ ዘለና እዩ። ኣብዚ ምስግጋር ነቲ ሓደ ኣፋኒኻ ነቲ ሓድሽ ብፍሕሹው ገጽን ኣውንታዊ መብጸዓታትን ምቕባል ልሙድ እዩ። እነሆ ከኣ “ሕጉስን ዕዉትን ናይ ሰላም ዓመት ይግበረልኩም ይግበረልና” ክንብሃሃል ቀኒና። ዝበሃግ ህያባት እውን ተወሃሂብና። እዚ ጽቡቕ መግለጽታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕልናና ሱር ሰዲዱ ናብ ተግባር ደሪኹና ግና ፍሉጥ ኣይኮነን። ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ከምቲ ዝበልካዮ ኮይንካ ዘይምጽናሕ ከኣ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ግዜን ቃልካን ተኣማንነት ምጉዳል እዩ።
ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመትን ካልእ ኣጋጣምታትን ዝሓለፈ ኣፋኒና ንመጻኢ ጽቡቕ ምምናይ ከም ባህሊ ሒዝናዮ ዘለና ተግባር እዩ። ከምዚ ምምናይና ቅቡል ተግባር እዩ። እንተኾነ እዚ ጽቡቕ ትምኒት ብዝምጥኖ ተግባር እንተዘይ ኣሰኒናዮ ትርጉም የብሉን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነዚ ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ ናይ መዋጸኦ ኣተሓሳስባ ከነሰንዮ ናይ ግድን ይግበኣና።
ብዛዕባ ርኡይ ንምዝራብ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመተ-2016 ነፍሲ ወከፍና ማዕረ ትጽቢትናን ትጽቢት ህዝብናን ኔርና ኢልና ከም ዘይንንየት ፍሉጥ እዩ። እቲ ክንዓሞ ዝግበኣና ዕማም ከኣ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ዘይተኸፍለ ዕዳ እዩ። ስለዚ ሕጂ’ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓለፈ ክሳራ ምስትንታን፡ ካብኡ ተማሂርና ንመጻኢ ተሊምና ዘይተግበርናዮም ንምፍጻም ንቕድሚት ከነማዕዱ ይግበኣና።
More...
حزبنا يناشد صديقه السويسري الضغط علي أسمرا
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي رسالته لتهنئة رئيس الحزب الديمقراطي الاشتراكي السويسري السيد/ كرستيان ليفرات بإعادة انتخابه رئيساً للحزب، انتهز حزبنا الفرصة ليناشد صديقه السويسري ممارسة الضغط علي حكومة بلاده لوقف استئنافها المتوقع تقديم المساعدات الفنية والشراكة مع نظام يعتبر من أكثر النظم قمعيةً وقسوةً في أفريقيا بزعم بروز (مؤشرات إيجابية) من أسمرا لا وجود لها علي أرض الواقع.
السيد/ ليفرات الذي انتخب في شبابه (36) عاماً – 2008م – رئيساً لثاني أكبر الأحزاب السويسرية، انتخب ثانيةً لرئاسة هذا الحزب وهو يحمل برنامجاً سياسي – اجتماعياً جديداً يخوض به دورته الثالثة. الحزب السويسري الذي تأسس قبل 128 عاماً مضت معروف بمختصر حرفي البداية من اسمه sp في لغات البلاد الأربعة (الألمانية، الفرنسية، الايطالية والرومانية). كلا الحزبين، الارتري (حزب الشعب الديمقراطي) وهذا الحزب السويسري يتمتعان بعضوية منظمة الاشتراكية الدولية والحلف العالمي للأحزاب التقدمية.
رسالة التهنئة المحررة في التاسع من ديسمبر 2016م حيـَّــتْ في هذا الحزب الفهم الصحيح لما يجري في ارتريا ودور ممثليه في البرلمان في محاولة تزويد السويسريين، حكومةً وشعباً، بالصورة الحقيقية للأوضاع في ارتريا. المذكرة أو الرسالة لم تخف مشاعر القلق العميق للارتريين حول المصالحات والمساومات الخطيرة التي رضخت لرغبة الدكتاتورية انطلاقاً من هدف ضئيل القيمة يتمثل في ما يسمى بإيقاف تدفق اللاجئين الي أوربا.
الرسالة أشارت الي خطاب النوايا الأخير لوزارة الخارجية السويسرية الذي ألمح الي خطة ل(مشاريع طيران) تنفذ بالتعاون مع النظام بتكلفة مليوني دولار امريكي، الهدف الظاهر لإعادة إطلاق برنامج تنموي عالي المستوى حدوث تحسن في الوضع في ارتريا. يجب أن نتذكر أن سويسرا أوقفت برنامج مساعداتها لهذا النظام منذ عشرة أعوام لسجله السيئ فيما يتعلق بحقوق الانسان. مذكرة حزبنا أوضحت أن لا شيء من أحوال حقوق الانسان في ارتريا قد تحسن نحو الأفضل يغري سويسرا باستئناف شراكتها مع نظام أسمرا. لهذا السبب، ناشدت المذكرة الحزب السويسري الصديق مواصلة اعتراضه علي النوايا الخاطئة لحكومة سويسرا مركزةً في الوقت ذاته علي أن يعمل الحزب الصديق بدلاً عن ذلك علي تلبية المطالب المتواضعة الواردة أدناه:
1/ممارسة الضغط علي حكومة بلاده لوقف استئنافها المتوقع لتعاونها مع نظام اسمرا ما لم يتم: أ/ تطبيق جميع مقررات لجنة مفوضية الأمم المتحدة ولجنة الأمم المتحدة الخاصة لتقصي حالة حقوق الانسان في ارتريا. ب/ إطلاق سراح المعتقلين السياسيين المحتجزين منذ سنوات طويلة دون تقديمهم للمحاكمة. ج/ السماح للجنة الدولية للصليب الأحمر ومؤسسات الأمم المتحدة المختصة وكل أجسام حقوق الانسان بزيارة معسكرات الاعتقال في ارتريا. د/ قبول الضغط والمطالبات المختصة بالتغيير الإيجابي من خلال انتقال سياسي آمن لا يقصي أحداً ممن يعنيهم الأمر.
2/ دعم القوى المدنية غير الحكومية: علي الحزب الديمقراطي الاشتراكي السويسري والقوى التقدمية الأخرى النظر في الطرق التي من شأنها تقديم الدعم ورفع القدرات للروافد الرئيسية للمنظمات والحركات السياسية والمدنية الناشطة في المنفى.
3/ ممارسة سويسرا الضغط علي نظام أسمرا: وذلك عبر إنفاذ قرارات الأمم المتحدة المتمثلة في حظر سفر وتجميد أموال الشخصيات المتنفــِّــذة في النظام.
4/ العلاقات بين ارتريا واثيوبيا: أ/ مشكلة النزاع الحدودي بجب أن تحل لكي تفتح الآفاق أمام تحسين العلاقات بين البلدين. يجب إبلاغ كلا الدولتين أن بإمكانهما بل من واجبهما إبداء الاستعداد الكامل للمصالحة. ب/ يجب الضغط علي إثيوبيا علي وجه الخصوص للقبول التام بالقرار الملزم والنهائي لحكم مفوضية التحكيم الدولية للنظر في النزاعات الحدودية.
5/ دعم فعال للاجئين الارتريين في القرن الافريقي وكذلك في سويسرا: أ/ سويسرا بإمكانها المبادرة بتفعيل الاستفادة من قرار الاتحاد الاوربي تجميد الدعم التنموي المقدم للنظام في ارتريا لمدة أقلها عشرة أعوام بتسخيره في حزمة مشاريع دعم مادي ومعنوي خاصة بهؤلاء اللاجئين. ب/ عشرات آلاف اللاجئين الارتريين الجدد في سويسرا من الشباب الذي لا يملك تعليماً نوعياً، إن الاهتمام الخاص برفع قدرات هؤلاء فنياً وأكاديمياً سوف يخلق منهم مواطنين صالحين لديهم القدرة علي إعمار بلادهم لدى عودتهم إليها مستقبلاً إذا انتفت أسباب اللجوء. بإمكان كلا الحزب والحكومة السويسرية أن يعملا معاً جنباً الي جنب منظمات المجتمع المدني الارترية بسويسرا في كل ما يتعلق بالشأن الارتري.
تعشير الثروة الحيوانية تكتيك استغلالي جديد
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريذكرت مصادر من العاصمة أسمرا أن سلطات الهقدف أضافت الي ماضيها الضريبي السيئ حملاً ضريبياً جديداً علي المواطنين بفرض رسوم ضريبية جديدة علي الأرض والحيوانات ااداجنة. هذا وقد نشر النظام عبر أجهزة حزبه في القرى والبوادي أطقم عديدة للقيام بهذه المهمة الابتزازية.
أوضحت المصادر أن الضرائب كانت: 10 نقفة للرأس الواحد من الماعز والضأن، 50 نقفة للرأس الواحد من الحمير، 100 نقفة للرأس الواحد لكلٍّ من الإبل والبقر، وتضيف المصادر أن حكومة الهقدف كعادتها لا تقبل أي مساومة أو سماح فيما تفرضه من ضرائب كما لا تتهاون في تغليظ العقوبة علي من يخالف قراراتها الضريبية لأي سبب من الأسباب.
من جهةٍ أخرى أصدرت السلطات قراراً بعدم منح المسنين ( من عمر السبعين فما فوق ) أية قطعة أرض، هذا وبينما بررت السلطات ذلك بعدم قدرة هؤلاء علي الإنتاج والاستفادة من الأرض لم تكترث للإجابة عن المصدر البديل لإعالتهم في ظل حرمانهم أو تجريدهم من الأرض. وأضافت المصادر أن القرار الجديد المتعلق بكلٍّ من الأرض والبهائم قد سبب حنقاً شديداً واحتقاناً كبيراً لدى المواطنين.
كذلك أبانت مصادر أخرى أن النظام ودون الاكتراث بارتفاع وتيرة السخط عند كافة قطاعات الشعب جراء تلك القرارات جعل ينشر وكلاءه التجاريين في حملة نهب مكشوفة لشراء ممتلكات المواطنين الجامدة والمنقولة. ويضيف الخبر أن تجاراً استخرجوا إذونات استيراد بتمويل حكومي بالعملة الصعبة صودرت بضائعهم بمجرد رُسُـــو حاوياتها في الموانئ الارترية، هذا وإن لم تأت المصادر بتفاصيل عن ذلك إلا أن المألوف لدى النظام اختلاق مبررات واهية لعملية المصادرة غير القانونية.
الجمعية الارترو ـ سويسرية بجنيف تعقد مؤتمرها الثاني وتتعهد بتوسيع دائرة دعم اللاجئين الارتريين الجدد
Written by اعلام الجمعيةالجمعية الارترو ـ سويسرية بجنيف التي تأسست منذ عامين عقدت مؤتمرها الثاني في التاسع عشر من نوفمبر 2016م وقد جددت فيه العهد بتكثيف دعمها للاجئين الارتريين الجدد والذين هم بحاجة ماسة لجميع أشكال العون والمساعدة لبدء حياة مستقرة بالمنفى. هذا وقد انصب معظم اهتمام المؤتمرين علي ضرورة رؤية شباب اللاجئين أو الجيل الثاني من اللاجئين الارتريين وأصدقائهم من السويسريين في مقدمة صفوف جميع نشاطات هذه الجمعية النموذجية الطوعية المتضامنة مع كافة الارتريين بسويسرا.
m@4@5l@4@11@9@11@9@5xe" o:preferrelative="t" o:spt="75" coordsize="21600,21600">
رئيس الجمعية/ تيدروس إياسو وفريق عمله الذي يضم كلاً من صوفيا عمار، عوت أرغاي، تيدروس تخلماريام، قدموا الواحد بعد الآخر، تقاريرهم التي اشتملت علي طيفٍ واسع من نشاطات الجمعية وما واجهها من مصاعب خلال العامين المنصرمين من عمرها، بينما قدمت أوليفيا هيلر مشروع النشاطات المستقبلية للجمعية، وقد استخدمت في المؤتمر اللغتان الفرنسية والتجرينية.
أبرز قادة ونشطاء الجمعية من اليسار الي اليمين: عوت أرغاي، تيدروس تخلماريام، صوفيا عمار وحنا عمار، سنحيت شبريم، رئيس الجمعية تيدروس إياسو الذي يجيد اللغات العربية والفرنسية والتجرينية، أوليفيا هيلر العضو الجديد باللجنة الإدارية.
يذكر أن الجمعية حققت نجاحات ملموسة في برامجها التعليمية والاعلامية حيث تقوم بتدريس اللغة الفرنسية للقادمين الجدد وتساعدهم علي اكتساب المعلومات الأساسية عن الثقافة، العادات، القوانين السويسرية، كما تساعدهم الجمعية علي مهارات حلحلة المشكلات ذات العلاقة بمشاكل مثل السكن، التأمين، فرص العمل ...الخ. ينشط في هذا المجال التعليمي اثنا عشر متطوعاً يتألفون من الارتريين والسويسريين ذوي الأصل الارتري وأصدقاؤهم وزملاء العمل والدراسة من السويسريين. في الفترة من سبتمبر الي ديسمبر فقط نظم متطوعو الجمعية 11 كورساً تعليمياً لأكثر من 380 دارساً، الكورس الذي تواصل خلال 2016م محتوياً علي كورسات أسبوعية في اللغة لحوالي أربعين لاجئاً شاباً، وذلك عبر تنظيم حلقات تعلـُّــــم ومناقشة.
الشعبة الاقليمية للعاصمة جنيف لإدماج اللاجئين في المجتمع السويسري تعد لتقديم تمويل مبدئي وما يتطلبه من معينات للمساعدة علي إنجاح برامج الجمعية التي تضم خلق علاقة عمل مع جمعيات ومنظمات المجتمع المدني الأخرى. لجنة الجمعية لا يسعها إلا أن تقدر عالياً دور منظمة (التواصل العالمي للمتطوعين)ICV" " علي تعاونها اللصيق مع الجمعية حتى تمكنت من الوقوف علي أقدامها.
عموماً، ما زال الإسهام المالي للجالية الارترية قاصراً عما وُضع عليه من آمال مبكرة، ففي الوقت الذي لم تتجاوز إسهامات أعضائها في هذا المجال مبلغ ال 500 فرنك سويسري، كان المدرسون المتطوعون وأعضاء لجنة الجمعية أنفسهم يدفعون الكثير من النقود من جيبهم الخاص لتمويل ما يقومون به من عمل تطوعي.
أعضاء المؤتمر حيـــُّـــوا بحرارة الإنجازات العظيمة للشباب المتطوعين ولجنة الجمعية، لذلك أعادوا انتخاب كلٍّ من تيدروس إياسو، صوفيا عمار، أوليفيا هيلر، عوت أرغاي، تيدروس تخلماريام، راجين منهم مواصلة مهمتهم المقدسة للدورة القادمة، أيضاً قبل كل من: مرهاوي برهي وطقاي تسفالدت تكليف المؤتمرين لهم مواصلة عملهما مستشارَيْن للجنة الجمعية للشباب.
كما يتوقع أن يتقبل كل من: أحمد سرور وعبد الله محمد علي ترشيحهم الغيابي لتكليفهم بمهمة العمل مراجعـَــيْن للجمعية.
توصل المؤتمرون الي ضرورة أن تشتمل الخطط القادمة علي نشاطات فلكلورية وثقافية ذاتية المبادرة، فضلاً عن إيجاد مقر مهيأ يكون ملتقىً حراً للارتريين وأصدقائهم. .
ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ህዝብታት ዓለም እንተስ ካብ ባህሊ ዝወረስዎ ይኹን ወይ ካብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተበጊሶም ኣብ በዓላት ናይ እንቋዕ ኣብጻሓኩምን ሰናይ ምንዮትን ስምዒቶም ይገልጹ። እዚ ናይ ሰናይ ምንዮትን ጽቡቕ ድሌትን ኣብ ኩሉ ዓመት መጸ ዝግበር በዓላት ገሊኡ ብካርቶሊና፥ ገሊኡ ብሂያባት፥ ገሊኡ ከኣ ገዛ ገዛ ብምኻድ እንቋዕ ኣሓጎሰኩምን ኣብጸሓኩምን ብምባል ይቕረ ይቕረ እውን ይበሃሃሉ።
ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ይኹን እስልምና ከምኡ’ውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ብገለ መልክዑ እኳ ቅሩብ ይፈላለ እንተኾነ እቲ ሰናይ ድሌትን ምንዮትንሲ ሓደ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ነቲ ድኻ ዝኾነ ሰብ፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “የማነይቲ ኢድካ እትገብሮ ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ” ዝብል መሰረት ሓቢኦም እንተስ ገንዘብ እንተስ ካብቲ ዝተሓርደ ይመቕልዎ። ኣብ ሃይማኖት እስልምና ከኣ ብግልጺ የብጽሕሉ። ገዛ ገዛ ከይዶም ከኣ ሰላምታን ይቕረ ይቕረን ይበሃሃሉ። ኣብ ክርስትና እውን ከምኡ ኮይኑ ናብ ጐረባብትኻን ቀረብካን ቤተሰብካን ከይዶም ሰናይ ይምነዩን ይቕረ ይበሃሃሉ።
እቲ ፍልልይ ዘሎ ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ንመስተ ከም ስዋ ናይ ምጽማቚ ክግበር ከሎ ኣብ እስልምና ሃይማኖት ግና ካረመላን፥ ብስኮትን ቢቢታ ወይ ከኣ ዘየስክር መስተ እዮም ዘቕርቡ። እዚ ኮይኑ እቲ ግና እቲ ናይ ጽቡቕ ምንዮትን “ንዓመታ ከኣ ከምዛ እዋን” እናበልካን ምኻድ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ዘሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሂንዱይዝም ናይ ብርሃን፥ ናይ ይቕረ ይቕረ ምባልን በዓላት ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ብርሃን በዓላት ዓወት ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፥ ፍልጠት ኣብ ልዕሊ ድንቊርና፥ ተስፋ ኣብ ልዕሊ ቀቢጸ ተስፋ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ ናይ ይቕረ ይቕረ በዓላት ከኣ ነንሓድሕዶም ይቕረታ ዝሓቱን ይቕረ ዝብሉሉን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ዘለዎም ብልቢ ኢዮም ይቕር ይቅረ ዝበሃሃሉ። ዋላ ንዓመታት ተጻሊኦም ዝነበሩ ይቕረ ይበሃሉ።
እዚ ኩሉ ኣብ ነንሓድሕድና እንፍጽሞ ናይ ጽቡቕ ምንዮትን ሰናይ ድሌትን ነታ በዓል ጥራሕ ዲያ ወይ ቀጻልነት ኣለዋ ኢልና ምስ እንሓትት ግና ቀጻልነት የብሉን ኣብ ዝብል ነጥቢ ኢና ንበጽሕ። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብባህርያቱ ናይ ስሰዐን፥ ናይ ጸብለልነትን፥ ናይ መን ከማይን ይዕብልሎ ስለዝኾነ ተቐላጢፉ ኣብ ናይ ዓለማዊ ፍትወተ ነፍሲ ገጹ ስለዘድህብ እዩ። እቲ ኩሉ ምንዮትን ሰናይ ድሌትን ካብ ልቢ ዘይነቅል እንተኾይኑ ከኣ ነታ ሸዓ መዓልቲ እምበር ንብድሕሪኣ ዘሎ ግዜስ ተመሊስካ ናብ ጭቃ ዝዓይነቱ እዩ ዝጐዓዝ።
ሎሚ፥ ኣብ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ እንታይ እዩ ዘሕጉሶ፥ እንታይ እዩኸ ዝፈላልዮ፥ ኣብ ምንቲ ምንታይ እዩኸ እዚ ኹሉ ሕጊግ ዝበሃልን ህልቂት ናይ ደቂ ሰባት ዝረኣየሉ ዘሎ? ስለምንታይ ከምታ ኣብቲ በዓላት ይቕረ ይቅረ እንበሃሃሎ ኣብዚ ናይ ህልቂት ሕድገታት ገርና ህዝቢ ሰላም ዝነብረሉ ዘይንሓስብ። ኩሉ እቲ ዝግበር ዘሎ እምበኣር ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ብሄር ናይ ኣውራጃ ምትእኽኻብ ናይ ሸቐጥን ናይ ሃብቲ ምድላብን እንተዘይኮይኑ ብርግጽ ነቲ ሃይማኖት ዝደልዮን፥ እቲ ብፖለቲካ ከተግብሮ ዝጽዕርን እዝኒ ከምዘይንህቦ ኢዩ ዘመልክተልና። ስለዚ ነዛ ዝሓለፈት ዓመት እንታይ እንታይ ኣጒዲልና እንታይ እወንታዊ ጉዳያትከ ፈጺምና እንታይከ ተሪፉና ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣቲና ክንፍትሻ የድሊየና። ነፍሲ ወከፍና “በቲ ዓመት መጸ ኣብ በዓላት ዝምነዮ ዲየ ዝጎዓዝ ዘለኹ ወይ ከኣ ኣፍኣዊ እዩ” ኢልና ንነፍስና ክንሓትትን ክንመራመርን የድሊ። ብድሕሪኡ ነታ ትመጽእ ዓመት 2017ከ ካብቲ ናይ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ዘጒደልናዮን፥ ንሓበራዊ ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓታት ጠሚትና ዝተሓቛቚፈናን ዝጠራንፈናን ተግባራትን ትልምታትን ክንሓስብ ዲና ወይ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ከም ዝበሃል ኢና ክንከውን።
እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓድሕድ ምቅንጻልን፥ ሓድሕድ ዝፈላሊ ምትላምን ብምዃኑ፥ ጽቡቕ ምንዮት ወይ ጽቡቕ ድሌት ናይ ዝተመነኻ ዋጋ የብሉን። እቲ ዝበሃል ጽቡቕ ቃል ናይ ተግባር ክኸውን ካብ ዘይከኣለ ከኣ ንሓዋሩ እቲ ሰናይ ልምድናን ባህልናን ኣፋኣዊ እምበር ካብ ልቢ ነቒሉ ዝትግበር ከምዘይከውን እውን ይእምተልና ኣሎ።
ዓለም ትናወጽ ከምዘላ እናተዓዘብና፥ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘይደልዮ ኣገባብ ክናቘት እናሓንጸጽና፥ ጽልእን ቅርሕንትን ብዝዕድም ሓሳባት እናተመራሕና በየን ኣቢላ እያ ደኣ እሞ እታ ዓመት 2017 ከምቲ እንደልዮን እንምነዮን ጽቡቕ ክትኮነልና። በሉ እስከ ኣምላኽ ባዕሉ ይተዓረቐና ግብርና። ንዓመተ 2017 ከኣ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ክንልውጣ የብቀዓና።
ርሑስ ልደትን በዓል ሓዲሽ ዓመትን