ኣስተምህሮ ብኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ

2017-07-17 19:16:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2905 times

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያትን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያትን ብ16 ሓምለ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣስተምህሮ ሂቦም። እዞም ኣባላት መሪሕነት ኣስተምህሮ ዝሃብሉ ዛዕባታት ንመጻኢ ዕማም ምሕዳስ ሰልፊ ዝእምቱ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ብመሪሕነት ተጸኒዖም ዝተዳለዉ “ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?” ዝብሉ ክልተ ሰነዳት እዮም።

ኣብቲ ቀዳማይ ንወሳንነት፡ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣትሪሩ ዘዕዝዝ ጽሑፍ ብሓው ረዘነ ተስፋጼን፡ ድሕሪ መእተዊ ዝኾኖ ተዛማዲ ሓሳብ ምቕራብ  1. ፖሊቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰዲህኤ፡ 2. ሰዲህኤን ሕቶ ዲሞክራስን፡   3. ዲሞክራስን ዲሞክራስያዊ መሰልን፡ 4. ልዕልና ግዝኣተ ብዙሓትን  መሰል ውሑዳትን፡  5፡ ዘይፍጹምነት ዲሞክራስን  ጉዳይ ሓርነት ደቂ ሰባትን ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ነቲ “ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?” ዝብል ጽሑፍ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ንሱ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ንኣድላይነት ውዳበን ኣተገባብርኡን ምስ ኣብረሀ፡ ብፍላይ ከኣ፡ 1፡ ትርጉም ተሓድሶ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ 2፡ ንዕብየት ሰልፍናን ተቓውሞ ኤርትራን ዝብድህ ዘሎ ጸገማት፣ 3፡ ንኽንህሉን ከነድምዕን ኣብ ውሽጢ ሰልፍና እንታይ ለውጢ ንግበር? መዓስከ?፡ 4፡ ድኹምካብ  ክበሃል ዝከኣል ጐድንታት ሰዲህኤ፣ 5፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እሞ እንታይ ይገብር? ኣብ ዝብሉ ንኡሳት ኣርእስትታት ብኣብነትን ግብራዊ  ተመኩሮን ኣሰንዩ ኣብሪሁ።

ድሕሪ እዚ መድረኽ ንተሳተፍቲ ክፉት ምስ ኮነ፡ ተሳተፍቲ፡ እቲ ኣቀራርባ ንጹር እቲ ዛዕባ ድማ ዝርድእዎን ኣብ ክሊ እቲ ዝፈልጥዎ፡ ባዕላቶም ዘጽደቕዎን ንምትግባሩ ዝቃለስሉ ዘለዉን መትከላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝተሰረተ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሕቶን መልስን እምብዛ ግዜ ኣይወሰዱን። ብኣንጻሩ ነቲ ዕድል ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ምእንቲ ምዕዋት ሰልፍን ድሕነት ሕጊ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋምን ክግበር ዝግበኦ ሓሳባት ኣብ ምቕራብ እዮም ኣተኲሮም። እቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐርብ ዝነበረ መርኣያ ድልውነትን ቅሩብነትን ከኣ “ብዘይትካላውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ” ዝዕወት ቃልሲ ከም ዘየለ ብምንጻር፡ ምእንታኡ ሎሚ እውን ከም ቀደም ኣብ መስርሕ ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት እንዳኣለዩን ድኽመታት እንዳኣረሙን ዋጋ ክኸፍሉ ድልዋት ምዃኖም ዘነጽር እዩ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ከኣ ቅንዕናን ኣድማዕነትን ቃልሲ ካብ ዝግለጸሉ መምዘንታት ሓደ ኣብ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕጊን ቅዋምን ዝምክሮስ ስለ ዝኾነን ናይ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ሓድነትን ምፍልላይን መንቀሊ ከኣ እዚ ምንባሩን ምህላዉን ኣስሚረምሉ። ኣተሓሒዞም ቅዋምን ሕግን ናይቶም ብኣኡ ዝጭርሑ ዘይኮነስ ናይቶም ብኣኡ ዝግዝኡ ምዃኑ ብትሪ ገሊጾም።

ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ መሪሕነት ሰልፊ ኣብ መጻኢ መደባቱ ኣብ ግምት ከእትዎም ዝበልዎም ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣስተምህሮ ዝሃቡ ሓለፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣጸቡቑ ዘይነጸረ ዝነበረ ሓሳባት ከነጽሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ከምኡ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ መሪሕነት ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሓሳባት መጻኢ መደባቱ ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

Last modified on Monday, 17 July 2017 21:25