ኣይበዘሐንዶ ሕጅስ!

2017-07-22 09:59:36 Written by  ሃብተሚካኤል፡ ዶ/ር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2508 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሕጂውን እቲ ጸጸኒሑ ንኹለን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምንቅስቓሳትን  ከጋጥመን ዝጸንሐ ወይ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ሒቕታ ኣጋጢምዋስ፣ እቶም ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ናይቲ ሰልፊ ናይ ኣሰራርሓ ዘይዕግበታት ከርእዩ  ዝጸንሑ ኣባላት፡ ዛጊት በቲ ጽኑዕ እምነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓጥቀ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ድሮ መአረምታ ተወሲድልምስ፣ ሰልፊ ናብቲ ብቐዳምነት ዝተበገሰሉን ዝዓጠቐሉን ንዓመታት  ዝተቓለሰሉን (ምንጋስ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ) ተዋፊሩ ይርከብ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጀብሃን ህዝባዊ ግምባርን ድሕረ ባይታ ዝነበሮም ኢልካ ከም ነጥበ መፈላለዪ ክትወስድን ከተላዓዕልን ድማ፣  ለባም ተረድኦ ናይ ዲሞክራሲ ካብ ዘይምህላው ዝብገስ እዩ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ድማ ዝበዝሑ ኣባላት ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ምስናይ ሰዲህኤ፣ ካብ ኣብ ሳሕል ይዅን ባርካን መላእ በረኻታት ኤርትራን ዘሕለፍዎ ግዜ፤ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣማዕቢለን ብግቡእ ኣብ ግብሪ ዘውዕላ ሃገራት ዘሕለፍዎ ግዜ ስለ ዝበዝሕ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ናይ ሜዳ ተመኩሮ ከም መወከሲ ምውሳድን ምትኹታኹን ካብቲ ናይቲ ግዜቲ ሓውሲ-ዲሞክራሲ (quasi-democracy) ወይ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ዘይምምዕባል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብኡ ደስኪልካ ከም ምህላው ዘስምዕ ኢዩ።  ገለ ናይ EDPን ናይ EPPን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ውልቀ ኣባላት ሰዲህኤ፣ ንዲሞክራስያዊ ማእከልነት ጥሒሶም፣ ነቲ ዝወዓልሉን ዝተኻትዕሉን ዝመረጹሉን ዝተመርጹሉን ጉባኤ ሰልፊ፤ ተገልቢጦም (ዘጣዓሶም ምኽንያት ብጉልቡቡ) ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ናይ በይኖም ስርርዕን ኣግላሊ ርኽኽባትን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ከርእዩ ከለዉን፣ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣረኣእያ ይመስል። እቲ ሕጊ ተጣሒሱ ተባሂሉ ዝኸሱሉ ዘልዉ ነጥብታት ከኣ፣ እታ ብጉባኤ ዝተመርጸት መሪሕነት ንድሌት ውሑዳት ውልቀ-ሰባት ስለ ዘይተማእዘዘትን  ካብ ሓላፍነታ ስለዘይወረደትን ኢዩ። ውድባዊ ወይ ፖለቲካዊ ድሕሪ ባይታ ከም መዛረቢ ካብ ተላዕለ፣  ካብቶም ኣብዘይዕግበታት ተዋሒጦም ዝርከቡ፡ ናይ ተሓኤ ኣባላት ዝነበሩ ኮይኖም፣ ብመነጽሩ ብዙሓት ናይ ህ᎐ግ᎐ ድሕረ–ባይታ ዘለዎም  ኣብ ሰዲህኤ ብዘይ ጸገም ከም መራሕትን ተመራሕትን የገልግሉ ከም ዘለዉ ምስትብሃል የድሊ።  

እቶም ሓንጊሮም ድዮም ሓዚሎም ናብ ኤርትራ ከእትዉ ዝብሃሉ ድማ፣ ሰረት ዲሞክራሲ ብድልየቶምን ብዕግበቶምን ምኻድ እንተዘይኮይኑ፡ ድምጺ ብዙሓት  ከምዝኾነ ገና ክሰርሕሉ ዘይተበገሱ፡ እቲ ናይ ብረኻታት ባህርያቶም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም በጨቕ ከብልዎ ዘየሕፍሮም ኮይኖም፣ ክሕንግሩስ ይትረፍ ክሕንገሩውን ዘይከኣል ኢዩ።

መሰረት ዲሞክራሲ ሓሳብካ ናብ ህዝቢ ወይ ናብ ኣባላት ሼጥካ/ኣረዲእካ ኣብዛሓ ደገፍቲ ረኺብካ ስልጣን ምሓዝን፡ ነቲ ዕዉት ራኢኻ ኣብ ግብሪ ምትርጓምን ማለት ኢዩ። ኣብዛሓ እንተዘይረኺብካ፣ ሓሳብካ ወይ ራኢኻ ህዝቢ ይኹን ኣባላት ስለ ዘይተቐበልዎ ተሳዒርካ ማለትዩ፣ ይዅንምበር ነቲ ዘይተዓወተ ሓሳብካ ከተዐውት ጽዒርካ ዳግማይ ዕድል እትረኽበሉ ባይታን መጋበርያን ስለዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎካ ዳግማይ ዕድል ብዓቕልን ብብልሓትን ክትጥቀመሉ ምጽባይ፣ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቐ ውዕልን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን መምርሕን ብኣቋራጭ ክትግልብጥ ሓይልኻን ኣቓልቦኻን ምጽንቃቕ ግን፡ ከንቱ ፈተነ ኮይኑ ብስርዓተ ኣልቦነት ዝግለጽ ተርእዮ ኢዩ።

ካልእ ከም መካትዕን መፈላለዪን ዝላዓል ዘሎ ነጥቢ ድማ፡ ሕቶ ባንዴራን፡ እቲ ዛጊት ብዲክታቶር ኤርትራ ተዓሺጉ ደሮና ዝእክብ ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ሞይቱ እዩ እውን ዝተባህለ ቅዋም ኤርትራን ኮይኑ፣ ሰዲህኤ ነዚ ክልተ ነጥብታትዚ ዝምልከት፣ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሰዓረን ምስ ሳዕረረን ብህዝቢ ዝውሰን ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ኢዩ። ሰዲህኤ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ጽንዓትናን ብረታዊ ቃልስናን ነዛ ናይዚ እዋን ባንዴራ ኤርትራ ድማ ከም ምልክት ነጻነትና ብምግንዛብ እያ ክብረተን ሓልያ ትጓዓዝ ዘላ። እቲ ሓቂ ነዛ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘላ ባንዴራ ኤርትራ ዝፈቱ ኣሎ ጥራሕ ዝይኮነስ፡ ምስ ኩሉ ዕቃቤታቱን ስምዒታቱን ኣብ መጋባእያ ዓለም ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ኮይና ምህላዋ ዘይቅበል ዘሎ ኣይመስለንን። ነታ ናይ ቀደም ዝመርጽ እውን ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ ርእስ–ነገር ዕሸላዊ ደኣ ይኹን እምበር እቲ ዝድለ፣ ህዝቢ ዝመረጾ ንኽዕወት ምጽዓርን ምእማንን ጥራይ ኢዩ ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ውልቀሰባት፣ መራሕቲ ይዅኑ ተራ – ኣባላት ዝምባሌኦም ወይ ምርጨኦም በጨቕ ከብሉ ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ተደጋጋሚ ቃለ-ማሕተታት ከም ዝተገልጸ  ዝምስክሩ ሰነዳት እውን ኣለዉ እዮም። ቅዋም ብዝምልከት ጉዳይውን ካብዚ ኣመልኻኽታ‘ዚ ዝተፈልየ ስለዘይኮነ፡ ንሓደን ዝብጽሖ ነቲ ካልእን ዘይብጽሖ ጌርካ ከተቕርብ ምፍታን ለባም ኣገባብ ኣይመስለንን። ናይዚ ግዜ‘ዚ መፈላለዪ ጉዳይ ጌርካ ከተቕርቦ ምፍታን ድማ ካብቲ ቀንዲ እዋናዊ ዋኒን ተቓወምቲ ሓይልታት ምውጻእ እዩ።

‘‘ዝኣኽለን ጥሒነንሲ በዓለ ማርያም ይብላ‘‘ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጹ መራሕቲ ሰልፊ ዘሊፍካን ኣናኣኢስካን ከተብቅዕ፣ ብሓሳባት መሪሕነት ሰልፊ ስለዘይተማእዘዘ ካብ ሰልፊ ተባሪሩ ዝብል ዘረባሞ ጉዳም ኢዩ። አረቲ ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ዝበሃል መወራዘዪ ዝነበረ ኣባሃህላ ኣበይ ተሰወረ? እቲ ተጋግየ ይቕሬታ ዝብል እዱብ ኣምርከ ብግቡእ ንርደኦ ኢና? ወዮ ዳኣ መሪሕነት ሰዲህኤ ሳላቲ ተባላሓትነቱ ነቲ ኣግላሊ ክፋእ ኣጋሊጽዎ እዩ እምበር፣ ንምስጓግ ዝምልከትሲ እቶም ቅዋም ተጣሒሱ በሃልቲ ኣብቲ ሕቡእ ኣኼባታቶም ዝተሳማምዕሉ ዕላማ ተራእዩን ተሰሚዑን ኢዩ። ብወገነይ ከምዚ ዝንዛሕ ዘሎ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን መሪሕነትን ሰዲህኤ እንተ ዝህልወኒ፣ ኣብ ክንዲ ብዙሓት (majority) ናይ ምውሳን ሓለፋ ወይ ተራ የብሎምን እንዳበልኩ ዘይተኣደነ ወፈራ ንግሩሃት ክነዝሕ ዝፍትን፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ዕላዊ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ሰልፊ ምተማጎትኩሉ፣ ክሳብ ክንድቲ መሪሩካ ዘሎ እንተዝመረኒ ድማ ምጠንጠንክዎሞ ናብ ይሓይሽ ዝበልኩዎ ሰልፊ ተጸምቢረ ክእለተይ መወፈዅ። እዚ ማለተይ ግን ኣብ ሓደ ብደሞክራሲያዊ ቅዋም ዝምራሕ ሰልፊውን ጉድለት የልቦን ኣየስምዕንዩ፣ ጌጋታት ድማ ብምርድዳእን ሓሳብካ ”ብምሻጥን” ዝዕረ ስለ ዝኾነ ከምኡ ዓይነት ቃልሲ ክኽተል ጸገም የብለይን።

ወዮ ዳኣ ዝተሓደሰካ ኢዩ ዝመስልምበር፣ ብስርዒታዊ መንገዲ ንዘይከይድ ሰብ፡ እንተኾነ ነቲ ዘይኣምነሉ ኣከያይዳ ሰልፊ ባዕሉ ገዲፍዎ ይኸይድ፡ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ናብ ምእራም ናብ ምዕናው ምስ ዝዋፈር ግን፣ እቲ መሪሕነት ኣድላዪ ፍታሕ ወይ ስጉምቲ ምስ ዘይወስድ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ ተባሂሉ ብኣባላቱ ከም ዝሕተት ክሰሓት ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ። ግጉይን ዘራግን ራኢ ድማ ከምቲ፣  ሓንቲ ዝተበላሸወት ሜለ ንሽሕ ተባላሹ ዝተባህለ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ምርጫ፣ ካብ ቅርሕንትን ጽልእን ትምክሕትን ወጺኻ፡ ነቲ ዝቐረበ መአረምታ ተቐቢልካ ኣብ ዓውደ ቃልሲ ምርብራብ ናይ ተቓለስቲ ባህርን ኣደብን ከምዝኾነ ምስትብሃል ከድሊ እዩ።

ሃብተሚካኤል፡  ዶ/ር 

Last modified on Saturday, 22 July 2017 12:03