Monday, 04 September 2017 21:40

Radio Demtsi Harnnet Kassel 31.08.2017

Written by
Sunday, 03 September 2017 22:07

Eritrea Liberty Magazine Issue No. 46

Written by

ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓነውነው እናበልካ፡ ነቲ ብሕጊ እተመርጸ መሪሕነትን ውሳኔታቱን እናኣነኣስካ፡ ብዛዕባ ሓድነት ሰልፊ ተገዳሲ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን ንብዙሓት ከታልል ዝኽእል ሜላ ኣይኮነን። ሓድነት ሰልፊ ነቲ ኣብ ጉባኤ እተሓንጸጸ ዕላማን፡ ነቲ ብጉባኤ ዝጸደቐ ቅርጺ ኣሰራርሓን፡ ነቲ ብጉባኤ እተመርጸ መርሕነት እሙን ኮንካ’ዩ ዝረጋገጋጽ። ካብ ሰልፋዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ኣብ ወብሳይታት ክትራገምን ከተቆናጽብን ብምውዓል ሓድነት ሰልፊ ክሕሎን ክኽበርን ኣይክእልን እዩ።

                                      “ሎሚ ውን ከምትማሊ ንሰልፋዊ ሓድነት ንጽዓት”             

- ኣብ ዝኾነ ሰልፊ ፍልልይ ሓሳባት ክርከብ ንቡር እዩ። በዚ ምኽንያት ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ፍልልያት ከመይ ገይሮም ክእለዩ ከምዘለዎም ሕግታት ከቐምጥ ግድን እዩ። ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንሰልፍናን ሃገርናን ዝምልከት ሕቶታት ክትመያየጥ ክትሰማማዕ ይኹን ክትፈላለ ይከኣል እዩ። ሓድነት ሰልፊ ዝሕሎ ከኣ ምስ ፍልልይካ ንሕግን ኣሰራርሓን ሰልፊ ክትምእዘዝ ከለኻ እዩ። ውሳኔታት ጉባኤ ይኹን መሪሕነት ብብዝሒ ድምጺ ክሓልፍ ከም ሕግና ዘጽደቕናዮ ድማ፡ ኣብ ሰልፍና ፍልልይ ክህሉ ንቡር ስለ ዝቆጸርናዮ እዩ።

- ብብዝሒ ድምጺ ውሳኔ ምሕላፍ እምበኣር፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ንምውጋን ፍልልያትና እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ኣኼባ መሪሕነት፡ ጻዕርና ብስምምዕ ውሳኔ ክሓልፍ እዩ። ስምምዕ ምብጻሕ ተሳኢኑ ግዜ ምስ ተመጠ ግን፡ ብድምጺ ውሳኔ ነሕልፍ። ዝበዝሑ ዘድመጽሉ ጉዳይ ከኣ ውሳኔ ጉባኤ ወይ መሪሕነት ይኸውን።

- ካብዚ ብጉባኤና ዘጽደቕናዮ ኣገባብ ወጺእካ ምስራሕ፡ ንሓድነት ሰልፍና ትማሊ ኣይሓለወን ሎሚ ውን ክሕሉ ኣይኮነን ንጽባሕ ውን ክሕሉ ኣይክእልን እዩ። ፍልልያት ኣብ ሕግን ኣሰራርሓን ሰልፊ ኮንካ ኢኻ ክትውግኖም እትጽዕት፡ ካብኡ ውጺእካ ካልእ ንሕግና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ኣገባብ ብምትእትታው ኣይኮነን።

- ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከምዝገለጽክዎ፡ ንማእከላይ ባይቶ ክብድህ ዝደሊ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ህጹጽ ጉባኤ ምጽዋዕ ዘድሊ ከኣ ጉባኤ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ሰልፍና ብምዃኑ እዩ። ጉባኤ፡ ንውሳኔታትን ኣካይዳን ማእከላይ ባይቶ ክመዝንን ክፈርድን ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። ንዝነበረ ማእከላይ ባይቶ ሰሪዙ መተካእትኡ ከቕምጥ ይኽእል እዩ። በዚ መንገዲ’ዚ ዝሓስብን ዝሰርሕን፡ መሪሕነት ሰልፊ ካብ ቅዋም ሰልፊ ወጺኡ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎ ውን፡ ንሓድነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝፈታተን ምንቅስቓስ ገጹ ኣይከይድን እዩ። ነብሱ ኣብ ቦታ ጉባኤ ኣቐሚጡ፡ ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ብእደ ወነኑ ኣይሕጋውን ኢሉ ክስርዝ  ኣይፍትንን እዩ። ሕጊ ሰልፍና ተኸቲሉ ግን ንውሳኔ መሪሕነት ክብድህ ዘኽእሎ መንገዲ ህሉው እዩ።

- ማእከላይ ባይቶ ቅዋም ጥሒሱ ኢሉ ዝኣምን ኣካል፡ ከምኡ ዝኣመሰለ እምነት ምጥራዩ ኣብ ሰልፍና ከምጸገም ኣይንርእዮን ኢና። መሪሕነት ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ ኢሉ ዝኣምን ኣካል ግን፡ ህጹጽ ኮንፈረንስ ዘይኮነ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ፍርቂ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕነት ካብ ቅዋም ከምዝወጸ ዝኣምኑ እንተድኣኾይኖም ከኣ፡ ብሕግና መሰረት ማእከላይ ባይቶ ህጹጽ ጉባኤ ክጽውዕ ግዱድ እዩ። መሪሕነት ቅዋም ሰልፊ ጥሒሱ እናበልካ ግን፡ ሰልፊ ለኸ ኮንፈረንስ ምጽዋዕ ንሽግርና መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

- ብጀካ ጉባኤ ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ቀይሩ ውሳኔ ከሕልፍ ዝኽእል ኣካል ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ኮንፈረንስ ይኹን ሰሚናር ንመሪሕነት ለበዋ ካብ ምሃብ ዝሓልፍ ኣይኮነን። መሪሕነት ካብ ሕጊ ወጺኡ ዝብል እምነት ዘለዎ ኣካል እምበኣር፡ ውሳኔ ዘየሕልፍ ህጹጽ ኮንፈረንስ ዘይኮነ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ሓድነት ሰልፊ ከኣ በቲ ጉባኤ ዘቐመጦ ኣገባብ ኣፈታትሓን ኣተኣላልያን ጉዳያት ጥራይ’ዩ ዝሕሎ። ካብኡ እናወጻእካ ሓላውን ተሓላቕን ሓድነት ክትከውን ኣይከኣልን እዩ።

- ሓድነት ሰልፍና ከም ዓይኒ ብለን እና እንሕልዎ። ንሕግናን ነቲ ብሕጊ ዝወጸ መሪሕነትናን እናቖናጸበ ንሓድነትና ዝፈታተን ማዕበል ክመጸና ከሎ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግናን ውሳኔታት መሪሕነትናን ኮንና እና ክንምክቶ ዘለና። ሓንሳብ ብድሕረ ባይታት፡ ንሓሳብ ብምዕራባውን ብምብራቓውን፡ ንሓንሳብ ንሕግን ነቲ ብሕጊ ዝመጸ መሪሕነት ብምፍልላይ፡ ንሓሳብ ከኣ ሓንጋርን ተሓንጋርን ብዝብል ኣምራት ንሰልፍና ክበታትን ዝደሊ ፍጹም ከነፍቅደሉ ኣይኮንናን።

ክቕጽል እዩ

ሓባራዊ ቃል
ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላትን መሪሕነትን ማሓዙት ውድባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን
ዝከበርኩምን ዝኸበርክንን ወከልቲ ማሓዙት ውድባትን ማሕበራትን፣ ዕዱማት ኣጋይሽናን።

ኣቀዲምና ብስም ጨናፍር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ብምቕራብ፣ ሒዝናዮ ዘለና መድረኽ ናይ ቃልሲ ናይ ኩልና ዓቅምን ግጥምያን ዘድልዮ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጥን ጽቡቕ ናይ ኤርትራን ህዝባን ይደሊ ዕማም ብምዃኑን ዓዳምን ተዓዳምን የዘድልዮ እዃ እንተዘኮነ ንመጸዋዕታና ኣኽቢርኩም፡ ካብ ርሑቁን ቀረባን ኣብዚ ታሪኻዊ ሓባራዊ ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ምስታፍኩም፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ከነቕርበልኩም ደስ ይብለና።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከብ መሰረታት ክልቲኡ መሓዙት ውድባት ሓባራዊ ሰሚናራትን በዓላትን ሰለማዊ ሰልፍታትን ካልእ ሃገራዊ ንጥፈታትን ብሓባር ንምክያድ ብመሪሕነታትና ዝተበጽሐ ምርድዳኣት መሰረት ብምግባር፣ ንሕና ኣባላት እዞም ክልተ ማሓዙት ውድባት ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ከነበግሶ ብምብቃዕና ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንብምሉኡ ደላይ ፍትሕን ሓድነትን ዝኾነ ህዝብና ደስ ከም ዝብሎ ፈጺምና ጥርጥር የብልናን። ከም‘ዚ ዓይነት ሓባራዊ ዕማማት ድማ ኣብ ኩሉ ቦታታት ንኽካየድ ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ደስ ይብለና። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ፍራንክፎርት ዝርከብ ፖለካውን ህዝባውን ምንቅስቓሳት ሓባራዊ ዕዮ ንምርግጋጽ ክደኽመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ‘ውን ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ኣይንመርጽን።

ክቡራትን ክቡራንን !

ህዝቢ ኤርትራ፣ ብጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ውሑዳት ጀጋኑ ብጾቱን ኣብ ታሪኻዊ ጎቦ ኣዳል ፈላሚ ጥይት ናይ‘ቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተመርሐ ነዊሕ ጅግንነታዊ ተጋድሎኡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ንመበል 56 ዓመት ዝኽሪ ጅግንነታዊ ብረታዊ ተጋድሎኡ ኣብ ምብዓል ይርከብ። ስውራና ዝውንኖ ዝነበረ ዓቕሚ ምስ ሓይሊ ጸላኢ ብቊጽሪ ይኹን ብኣጽዋር ፈጺሙ ዘይዳረግ‘ኳ እንተ ነበረ፣ ሓርበኛታት ተጋደልትና፣ ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቦም ዝነበሮም ዓሚቚ ዝሰራውሩን ነቕ ዘይብል እምነቶምን፣ ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮሙን ብጽንዓት ክቃለሱን ክስዉኡን ድሉዋት ብምንባሮምን፣ ከምኡ‘ውን ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ጎድኒ ሰውርኡ ደው ብምባሉን፣ እቲ ቀንድን ወሳንን ሓይሊ ሰውራና ጸብለል ክብል ዘኽኣለ ኢዩ። በዚ ምኽንያት‘ዚ ከኣ‘ዩ፣ ንሓይልታት ጸላኢ ስዒሩ፣ ህዝብና መሬቱ ሓራ ከውጽእ ዝበቕዐ። በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ እምበኣር፣ ነቶም ኤርትራና ሓራ ንክትከውንን፣ ህዝብና ብሰላምን ስኒትን ፍትሕን ዝነበረሉ ስርዓት ንኽተክልን፣ ዝተበጀዉ ብሉጻት ስዉኣትናን፣ ውጉኣት ሓርነትን ኩሎም ክሳብ ሕጂ ከየዕረፉ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓርበኛታትን፣ ክብ ዝበለ ኣድናቖትናን መጎስን ከነቕርብ ደስ ይብለና።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣

ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ጉዳዩ ንምዕዋት ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከም ዝኸፈለ ዓለም ብዓለሙ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁ ድማ ነቲ ዘጋጠሞም ጽንኩር ኩነታት በዲሆምን፣ ዕንቅፋታት ጠሓሒሶምን ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ኢዮም። ብሳላ’ቲ ዘይሕለል ቃልሲ ድማ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ክትከውን በቐዐት። ድሕሪ’ዚ ታሪኻዊ ዓወት’ዚ፣ ሓርነትን ፍትሕን ዲምክራስን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ባህግን ትጽቢትን ነይርዎ። መስርሕ ህንጻ ሃገርን ዕብየቱን ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ካብኡ ዝጥለብ ንዋታውን ንያታውን ኣስተዋጽኦ ንኽገብር ድሉው ነበረ። እንተኾነ ግን ካብ ከርሱ ዝወጹ ደቁ፡ ነቲ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተኸፍሎ ዕላማታት ሰውራና ጠሊሞም ኣብ ሃገርና ጨቋኒ ስርዓት ብምቛም፡ ኣብ መዋእል መግዛእቲ፡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ግፍዕን መከራን ስደትን ምብትታንን ከወርዶ ፈጺሙ ትጽቢት ኣይነበሮን። ጉጅለ ህግደፍ ግን ብኣንጻር፡ ንባህግታት ህዝብናን፣ ፍትሓዊ ድልየታቱን ረጊጹ፣ ኣዕኑድ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምትካልን ምሕያልን ዳኣ ተጓየየ። ካብ’ቲ ሰዓት’ቲ ጀሚሩ፡ ምልካዊ ጉጅለ ህ.ግ.ዲ.ፍ. መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ህዝብና ቀንጢጡን ንሃገርና ርግኣትን ሰላምን ከሊኡን፡ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ንኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ሰብ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኢዩ።

ኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኩነታት ንክትላቐቅ፡ ንህልውን መጻእን ህይወት ሃገሩ ዝሓስብን፣ ንዕላማታት ሰውራናን ንለበዋ ስዉኣትናን ዘኽብርን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ’ዚ ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ንሓዋሩ ንምግልጋልን ዲሞክራስያዊ መተካእታ ንምምጻእን፡ ከይተሓለለ ክቃለስ ይግባእ። ካብ ሃብታም ተመክሮ ቃልሲ ህዝብና ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ዝተረፈ ዕላማታት ሰውራና ንምምላእ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ንክዕወትን፣ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክንበቅዕን፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ መድረኽ ብግቡእ ብምንባብ፡ ሕድሕድ ካብ ምንቋትን ምትንዃል ወጺኦም፡ ኣብ እዋናውን ዝተሓተን ነጥበ ስምምዕ ዝተሰረተ ሓበራዊ ቃልሲ ከካይዱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ብስም መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ከነዘኻኽር ንፈቱ። ኣብዝሓለፈ መድረኻት ደምበ ተቓውሞ ሓቢሩ ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ናይ ዓወት ዕድላት ኣምሊጡና እዩ። ዝሓለፈ ክንመልሶ ዝካኣል እዃ እንተዘይተኮነ፡ ሕጂውን ናብ ዝያዳ ክሳራን ፍሽለት ኤርትራዊ ሃገራውነትን ንኸይብጻሕ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ሓባራዊ ጽምዶ ንምርግጋጽ ናይ ኩልና ጻዕርን ጽዓትን ክኸውን ዝግባእ። ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ከም’ዚ ዓይነት ሃገራዊ በዓላትን ሰሚናራትን ብሓባር ብምድላው ክላዘቡን ዓቕምታቶም ብሓባር ክጸምዱን ኩላህና ክንጽዕረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ቦኽሪ ሓባራዊ በዓል’ዚ ንምዓዋት ኣባላት ክልቲኡ ውድባትናን መሪሕነቱን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣባላት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ዝገበርዎ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከየመስገንና ክንሓልፍ ኣይንደሊን። ደጊምና ንኩላትኩም ተሳተፍቲ በዓል ሰናይ ምሸት ይግበረልኩም እንዳበልና ቃልና ኣብዚ ንድምድም። ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩና ድማ ነመስግን።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና !!
ውድቀት ንምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ !
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና !

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

እቲ ነዊሕ ተጓዒዙ ቀዳማይ ዕማሙ ነጻነት ዘረጋገጸን ጌና ሕጂ እውን ቀጻሊ ዕማሙ ንምርግጋጽ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ካብ ዝጅመር እነሆ መበል 56 ዓመት ኣብ ምዝካር በጺሕና። ቃልስና ክጅምር እንከሎ ዝነበሮ ዕማምን ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ስለ ዘየሳኒ’ኳ ቅር ዘብል እንተኾነ፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ነጻነት፡ ቀጻሊ ዓወት ንምምዝጋብ መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንካ እንኳዕ ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ምብህሃል ዘምሕረልና እምበር ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ስለዚ እንኳዕ ናብ መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ ቃልሲ ኣብጸሓኩም ንብል።

እዚ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልስና ነዊሕ ተጓዒዙ፡ ብዙሕ ማሕለኻታት ሰጊሩን ክቡር ዋጋ ከፊሉን ኣብ ነጽነት ዝበጸሐ ስለ ዝኾነ፡ ብብዙሕ መሰጥቲ ሓረጋት ዝነኣድ እዩ እሞ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ኣኽኢሉ፡ ንብዙሓት ምእንቲ ነጻነትን መሰልን ዝቃለሱ ወገናት ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ተመኩሮ ነይሩን እዩን” እንተበልናዮ ተዘይንኢስዎ ኣይዓብዮን እዩ። ነቲ ቃልሲ ዘይከኣል ዘምስሎ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ዓይነትን ዓቐንን ዘይምምጥጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝነበሮ ተፈልጥነትን ተቐባልነትን ድሩት እዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ንቕሎ ቅኑዕን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል፡ ኩሉቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ሕጽረታት ብኤርትራዊ ኒሕን ጽንዓትን ተመክቱ ብዓወት ከኣ ተደምዲሙ።

እዚ ቅድሚ 56 ዓመታት ዝጀመረ ገድሊ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝቕጽል ዘሎ ዘይዛረየ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ኣይኮነን ኣውሒሱ። ምትራር ኤርትራዊ ሃገርንትን ሓድነትን ከምኡ እውን ህዝባዊ ሓድነትን ምክብባርን ውጽኢት ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልሲ እዮም። ስለዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ናይቲ ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ቃልሲ “ናጽነት እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡ መስዋእቲ ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተኸፍለሉ ኩለ መዳያዊ ዓሚቝን ረቂቕን ትርጉም ዘለዎ መስተንክር ቅያ እዩ። እቲ ጉዕዙ ብግዳማውን ውሽጣውን ቅልውላዋትን ነውጽታትን ክሓልፍ ዝጸንሐ መረርቲ ምዕራፍት ዝነበርዎ ምዃኑ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ናይቲ ምረት ሃፈጽታ ሕጂ’ውን መሊኡ ዘይሓወየ በሰላ ስለ ዝኾነ።

“ነጻነት ኤርትራ መንዩ ኣምጺእዎ?” ዝብል ሕቶ መልሱ “መላእ ህዝቢኤርትራ’ዩ” ዝብል ክነሱ፡ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ እንተኽኢሎም ናቶም ጥራይ ክገብርዎ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ሰብ ፍሉይ እጃም ምንባርም ንምርኣይ ዝደናደኑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ንቕድሚት ምምዕዳው ስኢኖም፡ የማነጸጋም ቀልባዕባዕ ዝብሉን ንጉዕዞ ቃልሲ ነጻነትን ተዋሳእቱን ከራኽሱ ውጥም ቅልቅል ዝብሉን ወገናት’ውን ንዕዘብ ኣለና። ኣብዚ ታሪኽ ጠምዚዝካ ናይ ምዕማጽ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ከይሓተትካዮ ባዕሉ ዝምልስ እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝያዳ ንምብርሁ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ’ቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብህግደፍ ተጠሊሙ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ምስ ተጠለመ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ብዝወለዖ ባሕቲ ቃልሲ ዝተዓወተ፡ ሎሚ እውን ኩሉ ዝተገፈ መሰላቱ ንምምላስ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ የብሉን። ከምኡ ከኣ ይገብር ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ዝጀምርናዮ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነትን ኩሉ መሰላትን ከነሕይል ቃል ንኣትወሉ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ነቲ “ከይረገምካዮ ዝተረግመ” ጉጅለ ህግደፍ መመሊስካ ምርጋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩልና ኣብቲ ንብህጎ ለውጢ ረብሓ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነነብስና መርሚርና ንቕድሚት እንዳማዕደና ንቃልሲ ቃል ንኣትወሉ እምበር፡ ንድሕሪት እንዳተመለስና፡ ብዝሓለፈ ነስተንትነሉን ንካሰሰሉን ክኸውን ኣይግበኦን።

ዓመት፡ መጸት ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ ቃልሲ ክንዝክር እንከለና ኣብ ክሊ በብዓይነቶም ምዕብልናታት ኮይና ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረቱ ኣብ ደንበ ህግደፍ ኮነ ኣብ ደንበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ ናይ ዓሚ ክወዳደር እንከሎ መሰረታዊ ለውጢ የብሉን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ጭቆና ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ንሕና ደለይቲ ለውጢ እውን ዝሓዝናዮ ዕማምን ኣቕጣጫን ህዝባዊ፡ ወድዓውን ርትዓውን ክነሱ፡ ብሰንኪ ጉዳይና ብግቡእ ከነመሓደርን ፋሕ ዝበለ ዓቕምና ክንእክብን ዘይምብቃዕና ብመንጽር ትጽቢትና ንቕድሚት ክንስጉም ኣብ ዘይክኣልናሉ ህሞት ኢና ዘለና። ነዚ  ንዝክሮ ዘለና ኣጋጣሚ ከኣ ካብ ደውታ ንምውጻእ ከም መንጠሪ ክንጥቀመሉ ይግበኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓቢርካ ንምስራሕ መዋጸኦ ይኸውን ዝበሎ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብዚ መዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣውጺኡ ኣሎ። ናይ ክሳብ ሕጂ ነቲ እማመ ዝትዋህበ ግብረመልሲ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ኣብ ውጽኢት ንክበጽሕ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ሓቢርካ ስራሕ ከም ዘድልዮ ዘመልክት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ሰዲህኤ ምስ ኩሎም ኣሓት ውድባት ኮይኑ ኣብ ውጽኢት ክሳብ ዝበጽሕ እጃሙ ከበርክት ምዃኑ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃል ይኣቱ።

ክብሪ ንባሕቲ መስከረምን ሰማእታት ኤርትራ

1 መስከረም 2017

ባሕቲ መስከረም ብኩሎም ብግእዝ ዝቘጽሩ ኣህዛብ፡ ሓደ ዓመት ወዲእና ናብ ሓድሽ ዓመት ንሰጋገረላ መጀመርያ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡ ንመዋእል  ዓመት መጸ ብኽብሪ እትጽንበል ዕለትያ። ንኤርትራውያን ግን፡ ነቲ ብዓመጽቲ ዝተወስደ ናጽነትናን ዝተገፈ መሰልናን ካብ ኢድ ባዕዳውያን  መንዚዕና ንምምላስ ሓቦን ሃገራዊ ኒሕን ኣስኒቓ ንወፍሪ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘበገሰት ስለ ዝዀነት፡ ድርብ  ትርጉም ዘለዋ  ብዓቢ ክብርን ድምቀትን እነብዕላ ዕለት እያ።

እታ ብሓደ መስከረም 61 ዝተወልዐት ጀማሪት ቊልዒ፡ ድሌቱን ባህጉን ንምርግጋጽ ዝዓለመት ምዃና ዝኣመነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘደንቕ ቅልጣፈ  ኣብ ሰውርኡ ስለ ዝዓሰለ፡ ነታ ቍልዒ ናብ ዘቃጽል ባርዕ ሓዊ ኣሰጋጊሩ ክቡር ዋጋ እናኸፈለ፡ ንኩሉ ጊንጢ መሰናኽላትን ተጻብኦታትን በዲሁ ሓይሊ ምኩሓት ጸራሪጉ ብርሃን ናጽነት ብምርግጋጽ ብዓወት ተመጒሱ።

እንተዀነ ከም ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ዝብልዎ ምስላ፡ ፍረ ስዉኣትና ዝዀነት ናጽነት ብውሑዳት ሕቡእ ኣጀንዳ ዝነበሮምን ዘለዎምን  ስሱዓት ጉጅለ ... ተጨውያ፡ መኣዝና ስሒታ ብምህውታት ኣብ ክንዲ ንልምዓት ዕቤትን፡ ንዕንወትን ብርሰትን ተፈሪዳ፡ ሃገር ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ሓደጋ፡ ህዝቢ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉዕዞ ምብትታን ወዲቑ ኣብ ምሉእ ዕድሜኡ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ሕሱም ናብራ የሕልፍ ኣሎ። ተመክሮ ዕጥቃዊ ቃልስና ከም ዘነጽሮ ግን  ዓመጽትን ግፍዐኛታትን ዝሃለወ  ሓይሊ ወይ ዓቕሚ ይሃልዎም  ብዘየገድስ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ካብ ዝልዓል  ቃልሲ ንክስዓሩ ከድሕኖም ከም ዘይክእል እዩ።

እዚ መምህርን ዋናን ናይ ተመክሮ ዝዀነ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ክትነብሮ ዘይኮነስ ኣብ ክትሰምዖ ዘሕዝን ኩነታት ተሸሚሙ እናሃለወ ፡ፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ዝዓለመ ኣድማዒ ተቓውሞ፡ ብሓባርን ብጥዑይ መንፈስን ክለዓል ዘይምኽኣሉ፡ ንዓናስ ይትረፍ ንተዓብትናውን ዘገረመዩ፡ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን። እዚ ዘይኢዱ ዝተፈድዬ ጅግናን ፍትሓውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዛ ሕጂ ዘለዋ ህይወት ንምውጻእ ናይ ካልኦት ሞራላዊ ሓገዝ ኣየድልዮን እንተዘይተባህለ ነዚ ጋኒን ስርዓት ናይ ምልጋስ ግን ሓፍነቱ ምዃኑ ንምርድኡ ብዘየጸግም ግሉጽ መንገዲ ጥፍኣት ይጉዓዝ ምህላዉ ኣሚኑ ንለውጢ ክዕጠቕ  ይግባእ።

ሎሚ ሃገር ኣብ ክትድሕነሉ ዘጸግም ገምገም ጸድፊ እናሃለወት ኣብ ማይ ቀጠነኒ ዝዓይነቱ ደቂቕን ድሕሪ ድሕነት ሃገር ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳያትን እናልዓልካ፡  ነንሕድሕድካ ኣብ ምውንጃል ጊዜኻ ምብኻን፡ ንመስርሕ ፍትሓዊ ለውጢ ዘደናጒን ዘይሓላፍነታውን፡ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንበሃልቱውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ ግጉይ ኣስራርሓ እዩ።  

እዚ 26 ዓመታት ኣብ እንግድዓና ተጻዒኑ ዘሳቕየና ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ካብቶም ብሓባራዊ ቅልጽምና ዝተሳዕሩ ባዕዳውያን ዝሓየለ ወይ ብምሕደራ ስለ ዝሓሸ ዘይኰነስ  ድኹም ኣሰራርሓ ደምበ ተቃውሞ ዝመጽወተሉ ወርቃዊ ዕድል ስለ ዝረኸበ እዩ።

ካብዚ ሓቅታት ተብጊስካ ክርኤ ከሎ አምበኣር፡ ስርዓት ... ብሕሉፍ ጭካኔኡን ግዕዘይ ምሕደርኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዝፈጸሞ ገበንን ሃገራዊ ብርሰትን ብሓላፍነት ክሕተት ከሎ፡ እቶም ናይ ተቓውሞ ካባ ለቢስና ንለውጢ አንዝምር ግን ከኣ፡ ካብ ወጋኢት ላም ዘይነድሕን ደምበ ተቓውሞ፡ ካብ ስርዓት  እንፍለየሉ መንገዲ እንተልዩ፡ ተመክሮና ብግቡእ ገምጊምና ሕዱር ሕማማትና ፈዊስና፡ ኣብ ዓወት ዝወስድ መደብ ዕዮ ቀሪጽና ብሓባር ሰሪሕና ሃገር ንምድሓን ዘሎና ዕድል፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል ጥራሕምበር፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብረና ሕጋዊ መሕብኢ ከም ዘየልቦ ክንፈልጥ ግድንዩ።

እዛ ሎሚ እንጽብላ መበል 56 ዓመት ሓደ መስከረም እምበኣር፡ ነቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልስና ዝተፈጸመ ጅግንነት ዳግማይ ብምሕዳስ፡ እወ ሕጅውን ይከኣል ኢልና ሃገርና ካብ ውድቀት ህዝብና ድማ ካብ ክፉእ ናብራ ባርነት ንምድሓንን ሕድሪ ስዉኣትና ከነኽብር ቃልና እንሐድሰላ ዕለት ክትከውን ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ልዑል ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ስዕረትን ዕንወትን ንስርዓታት ጭቆና።

  

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝጀመረሉ መበል 56 ዓመትን ብዓል ዒድ ኣልኣድሓን ዘኽብረሉ ዘሎ ግዜ ስለዝዀነ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣጋጣሚ ናይኣብ ሓደ ዕለት ዝኸበር ዘሎ ድርብ ጽንብል፡ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡  እንቋዕ ሓጎሰና ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽቱ ከመሓላልፍ ይፈቱ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመላእ ኣስላም ዓለም ብሓፈሻ፡ ንኣስላም ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ ክገብረሎም እናተመነየ፤ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ 30 ዓመታት ዘካየዶ ዘይሕለል ብረታዊ ቃልሲ ዘርኣዮ ጽንዓትን ሓድነትን ሕላገት መንነቱ ስለዝዀነ፡ ሎሚ እውን ብጽንዓትን ብሓድነትን ንምልኪ ኣፍሪሱ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ከንግስ ጻውዒቱ የቕርብ።

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

 

ቅሉዕ መልእኽቲ ንኹሎም ኣባላት ሰዲህኤ ብዝብል ኣርእስቲ ብስም ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ዝተደርሰ ጽሑፍ ብ23 ነሓሰ 2017 ኣብ መስከረም.ነት ኣንቢብና።

 

እቲ ሓተታ ንሰልፍን ኣከያይዳኡን ሓቂ ብዘይኮነ መንገዲ ዝገልጽ ምዃኑ ኣንበበቲ ድሮ ተገንዚቦሞ ይዀኑ ዝብል ዕግብት  ኣለና። እቲ ሕጂ መብርሂ ክንህበሉ ዝደለና  ጉዳይ ግን፡ ነቲ ቀንጠ መንጢ ትሕዝቶኡ ዘይኮነስ፡ብዛዕባ መንነት ናይ ደረስቱ እዩ።

 

ቅድሚ ዝኣገረ፡ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ  ሰዲህኤ፡  ብቅዋም ሰልፍን በቲ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት ዘውጽኦ ፖሊሲታትን መምርሕታትን ተማእዚዙ ዝቃለስ ጨናፍርን ኣባላትን ከም ዘለዎ ንኩሎም ኣንበብቲ ከነብርህ ንደሊ።  ዝዀነ ፍሉይ ርእይቶ ዘለዎ ኣባል ሰዲህኤ ድማ፡ ርእይቶኡ ብናጻ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ስግኣት ክገልጽ መሰሉ ሕልው ኢዩ።

 

ስለ’ዚ፡ ቅሬታ ዘለዎ ኣባል ሰልፊ፡ ንቕሬታኡ ዝገልጸሉ ሕግን ኣገባብን ስለዘለዎ ብሕጓ ዝኣትወሉ ምኽንያት የብሉን።  ኣብ ሰዲህኤ፡ ዝኾነ ቅሬታ ወይ ርእይቶ ዘለዎ ኣባል ወይ ብቓሉ ወይ ስሙን ክታሙን ኣንቢሩ ብጽሑፍ ብስርዒታዊ መስኖታት ኣቢሉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከመሓላልፍ ዝኽልክሎ ስለዘይብሉ፡ ኣብ መስከረም.ነት ከይዱ ዘእውየሉ ምኽንያት የብሉን። ንኣባላት ሰልፊ ብኣካል ኣብ ፈስቲቫል፡ ሰሚናር፡ ኣብ ጨንፈሩ ክረኽበሉ ዘኽእል ዕድላት ከለዎ፡ ብመስከረም.ነት ኣቢሉ ጻውዒትን ጥርዓንን ከቕርብ ዝፍትን እንተደኣኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ሰልፊ ሰማዕን ሰዓብን ዝሰኣነ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

 

ብሓፈሻኡ ብስም “ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ” ዝወጽእ ጽሑፍ፡ ዋና ይኹን ጣቋ የብሉን። ሰብ ክርድኦን ክቕበሎን እንተደኣ ኮይኑ ድማ፡  ስም ናይ ጽሓፍቱ ይጠቐስ፡ ወይ ድማ ተወዲብና ኢና በሃላይ እንተኾይኑ ብስም ሓደ ትካል፡ ማለት ብስም ሽማግለ ጨንፈር ወይ ሽማግለ ዞባ ….ወዘተ ዝብል መለለይ ሕላገት ገይሩ ይውጻእ እሞ ንህዝቢ ኣኼባ ጸዊዑ ይላ

 

ኣባላት ዞባ ኣውሮጳ ሰዲህኤ፡ ቅድም ክብሉ ወከልቶም ብምልኣኽ ኣብ ዝተኻፈ ስፊሕ ዋዕላ ፍራንክፈርት፡ ድሒሩ ድማ፡ ኣብ ፈስቲቫል 2017 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር፡ ብዘየማትእ ኣገባብ ኣብ ጐድኒ ሕጋዊ መሪሕነቶም ደው ኢሎም ምህላዎም ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

 

ስለ’ዚ፡ እዚ ብስም “ኣባላት ሰልፊ ዞባ ኣውሮጳ” ወጺኡ ዘሎ ጽሑፍ ንሰዲህኤን ዞባ ኣውሮጳን ዝምልከት ኣይኮነን። ብኸም’ዚ ኣነዋሪ ኣገባብ ዝደናገር ኣባል ይኹን ህዝቢ ድማ የብልናን። ካብ ጸላም ተኸዲኖም ፖለቲካ ዝሰርሑ፡ ናብ ብርሃን ወጺኦም ዕላማታቶም፡ ኣስማቶምን መንነቶምን ገሊጾም ፖለቲካ ክሰርሑ እንተዝፍትኑ ምሓሾም።

 

ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ  ታሪኽ ዝምስክሮ ጽንዓት ወኒኖም ንልዑላውነት ሕግን ንግዝኣት ዲሞክራስን ከስፍኑ  ዝቃለሱ ዘለዉ ፈተውቲ ህዝቦምን ሃገሮምን እዮም።

 

ክንዲ/ ዞባዊ  ሽማግለ ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ

ኢሳቕ ወልደማርያም

ኣቦ መንበር ዞባዊ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

ቅዋም ወይ ንዓኡ ተመርኲሱ ዝወጽእ ሕጊ፡ ሓደ ኣካል ክምረሓሉ ዘውጽኦ ጠማሪ መሳርሒ እዩ። እዚ ቅዋም ኮነ ሕጊ ናይ ሓባር ሸቶ ዘለዎም እኩባት ኣብቲ ሸቶኦም ንምብጻሕ ኣብ ዝጐዓዝዎ መስርሕ ጠመርቶም እዮም። እዚ ሕጊ ናትና’ዩ ዝብልዎ ወገናት ኣካል እቲ መስርሕን ተጠቀምቲ ናይቲ ዝብጻሕ ሸቶን ንክኾኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ናይቲ ሕጊ ምእዙዛት ከኾኑ ከም ዝግበኦም መባእታዊ ተረድኦ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እንተዘይተማእዚዝካዮ ኣይሕልወካን እዩ። ቅዋም ወይ ሕጊ ሓሳብ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነ ብመንገዲ’ቲ ከተግብሮ ዝምዘዘ ኣካላት እዩ ኣብ ባይታ ህልውና ዝረክብ። ንገዛእ ርእሱ እቲ ሕጊ ነቶም ከተግብርዎ ዝተሰለፉ ኣካላት ነናቶም ግቡኣትን ተሓታትነታትን ይስለዓሎም እዩ።

ሕጊ ብዘይካ’ቲ ዘተግብሮ ኣካል ወይ መሪሕነት ህልውና የብሉን።  እቲ ሕጊ ዘተግብር ኣካል ወይ መሪሕነት ከኣ ነቲ ሕጊ ብውሳነታት ኣቢሉ እዩ ዘተግብሮ። ስለዚ ብውሳነታት መሪሕነት ዘይስነ ሕጊ ህያው ኣይኮነን። ኣብ ናይ ትግባረ ባይታ ከኣ ኣሰሩ ኣይረአን። በብደረጃኡ ዝቖሙ ተመራሕቲ ጨናፍር ይኹኑ ዞባታት፡ ነቲ ውሳነ መሪሕነት ገለን ብዕግበት ገለን ድማ ብጥርናፈ እዮም ዝቕበልዎ።  ብመንጽር’ዚ ሕግን ውሳነ ናይቲ ነቲ ሕጊ ከተግብር ዝተመዘዘ መሪሕነትን ፈላሊኻ ዝግለጹ ተወዳዳሪ ህልውና የብሎምን። ብኣንጻሩ ናይቲ ሓደ ህልውና ንህልውና ናይቲ ካልእ ዘራጉድ ወይ ድማ ናይቲ ሓደ ዘይህልውና ናይቲ ካልእ ዘይህልውና ዘመልክቱ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ሕግን ውሳነ ናይቲ ነቲ ሕጊ ከተግብር ዝተመዘዘ ሕጋዊ መሪሕነትን ነናቶም ክብደት ዕምቆትን ዘለዎም ክነሶም “ልዕልና ሕጊ ዶስ ወይ ውሳነ መሪሕነት” ዝብል ቀጥዒ  ደኲንካ፡ ነንሕድሕዶም ኣጠማሚትካ፡ ንምርጫ ዝቐርቡ ኣይኮኑን። ሕግን ውሳነ ሕጋዊ መሪሕነትን ኣፋጢጥካ “ሓዲኡ ምረጹ” ምባል ጐናይ መንገዲ ምኽታል እዩ። ነዚ ግልቡጥ ኣካይዳ ዘሳሲ ኣባሃህላ ብገለ እንዳፈለጡ ዘላግሱ ወገናት ምቕራቡ ከኣ ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ንጹር ኮይኑ፡ ንበሃልቱ ግና ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኣፍንጫ ክውቃዕ ዓይኒ ይነብዕ” ዝብልዎ፡ ወይ ንሕጊ ካብ ውሳነ መሪሕነት፡ ወይ ንውሳነ መሪሕነት ካብ ሕጊ ፈሊኻ ምርኣይ ዘይሩዘይሩ “ነቲ ሕጊ ኮነ  ውሳነ መሪሕነት ናብ ምጉናጽን ክልቲኡ ናብ ምስኣንን” እዩ ዝወስድ። እዚ ኣይኮነንዶ ነቲ ሕግን ውሳነ መሪሕነትን ኣወሃሂድካ ናይ ምኻድ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ እንተኾነ’ውን ከብዱ ክበልዖ ምጽባይ ዘበት እዩ።

ኣብ መንጎ መሪሕነትን ተመራሕትን ምትሕስሳብ ኣይህሉ ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ክትተሓሳስብ እንከለኻ እውን ሕግን ውሳነ መሪሕነት እንዳጠሕስካ፡ ሓሓሊፍካ እንዳተናኸስካን ኣብ ልዕሊ ውሳነ መሪሕነት ናይ እምቢታ ቅድመ-ኩነት እንዳጻወትካን ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ናይ “ኣነ ዝበልኩኹም ተዘይሰማዕኩም ዕደ”  ግምጥልሽ ዘይንቡር ሴፍ እንዳመላሕካ፡ ናይ ሕጊ ኮነ ውሳነ መሪሕነት ተሓላቒ ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ “ንሕጊ የኽብር እየ። ንውሳነ መሪሕነት ግና ኣይቅበልን’የ።” ብዝብል ቅኒት፡ “ልዕልና ሕጊ ዶስ ወይ ውሳነ መሪሕነት ዝብል ዘይመራረጽ  ምርጫ ምቕራብ ግጉይ እዩ። ስለምንታይ እዞም ክልተ ኣምራት ተመላላእቲ እምበር ሓዲኦም ብዘይካቲ ሓደ ህልውና የብሎምን።

እቲ ካልእ ምሁርነት ተጐልቢቡ ዝቀላቐል ዘሎ ዘገርም ዜማ፡ ካብ ግዝኣት ብዙሓትን ደሞክራስያዊ ጥርናፈን ንኽትሃድም ነዚ ደሞክራስያዊ ዓንድታት ዕርቃኑ ወጺኡ ቀደም ዝፈሸለ ናይ ምብራቕ ዓለም (ናይ ስታሊንን ናይ ማኦን) ኣተሓሳስባብዝብል ምጸት ናይ ጥሕሰት ባርኾት ምሃብ እዩ።  ርግጽ እዩ ኣብ ሓደ ዛዕባ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጻሕ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉኸ ኣብ ስብራ ዘየብሉ ኩዳ ትነብር ማለት ድኾን ይኸውን? ኣብ መወዳእታ ወይ ውሑዳት ንድምጺ ብዙሓት እንተዘይተማእዚዞም፡ ወይ ታሕተዎት ንውሳነ ላዕለዎት እንተዘይተቐቢሎም ደኣ ጉዳያት ብኸመይ ይውገኑን ናይ መወዳእታ መልከዖም ይሕዙን መብርሂ ዘድልዮ እዩ። ምናልባት ንቁልቁል ዝኣፉ ክሳብ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝብጻሕ፡ ዋላ ንዓመታት ኮፍ ይብሃል ማለት እንተኾይኑ ናይ ደሓን ኣይኮነን። “ወያ ብርኩታስ እምኒ ኣላታ” ዘየብል ከኣ ኣይኮነን። ብመሰረቱኸ እቲ ብዝንቡዕ ኣተረጓጉማ ዓንቀጻት እንዳጠቐሱ “ብመሪሕነት ተጣሒሱ” ዝብልዎ ዘለዉ ቅዋም ሰዲህኤ ብመትከል፡ “ልዕልና ድምጺ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ድምጺ ውሑዳት” ዝጸደቐ ምዃኑ ይዝክርዎዶ ይህልዉ። ኣንጻር ብዙሓት ብውሳነ ህዝቢ ዝተወገኑ ተመክሮታት ይኸዱ ከም ዘለዉኸ የስተብህሉደኾን ይህልዉ። ነቲ ወለድና ንልዕልና ብዙሓት ኣንጻር ውሑዳት ከዕዝዙ እንከለዉ “ካብ ሰባ እትነውሕ መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ” ዝብልዎ ምስላስ የስተማቐርዎደኾን ይኾኑ። ምናልባ ጉዳያት በቲ ንሶቶም ዝብልዎ “ክሳብ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ እትበጽሕ ምቕጻል” ዝብል ብሂል እንተዝኽየድ፡ ኣሜሪካያውን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሂላሪ ክሊንተንን፡ ዶናልድ  ትራምፕን፡ ኬንያውያን ኣብ መንጎ እህሩ ከኒያታን ኦዲንጋን ዝነበሮም ፍልልይ ብናይ ሓባር ተረድኦ ክንፈትሖ ተዝብሉስ እዘን ንኣብነት ዝጠቐስናየን ሃገራት ከመይኮን መኽዕና። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ያኢ ኣባል ሰዲህኤ ናይ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ ሀሁ ዘየብሉን ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ሰፊረምዎ ዘለዉ ጫካን ዘይርደኦ  ኮይኑስ፡ ከነዕሽዎ ንኽእል ኢና ኢሎም መጸዋዕታ ከቕርቡ ምድንዳኖም እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንተላይ’ቲ “እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ንኹሉ ጸገማት ሰልፊ ኣለልዩን ፈቲሹን መፍቲሒታት ክናደየሉ ዘኽእል “ህጹጽ ሰልፋዊ ዋዕላ” ምጽዋዕን ምክያድን ኢዩ።ዝብልዎ እውን ኣብ ትሕቲ ምእዙዝነት ሕግን ውሳነ መሪሕነት እምበር፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪርካ ቅድመ-ኩነታት ብምቑላል ከምዘይኮነ፡ ክንደይኳ ከይስቆሮም ግና ኣብ ርእሲ ልቦም ነዘኻኽሮም። መሪሕነት ሰዲህኤ ህልውናን ቀጻልነትን ሰልፊ ምዕቃብ ቁጽሪ ሓደ ሓላፍነቱ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ንምርጋጽ ሕጋዊ፡ ርትዓውን እዋናውን ውሳነታት ካብ ምውሳን ድሕር ከይብል ኣብ እዋን 8ይ ኣኼባኡ ኮይና ሓደራ ንብሎ።