በዓል ኲናት ቶጎሩባ ኣብ ፍራንክፎርት

2018-03-18 23:40:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3134 times

ብዕለት 17 መጋቢት2018 ብሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ ዝኽሪ መበል 54 ዓመት በዓል ቶጎሩባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ካብ ገዳይም ተጋደልትን መንእሰያትን ተሳቲፎም ነይሮም። እቲ በዓል ብሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው ኢሳቕ ንተሳተፍቲ በዓል ብምምስጋን፡ ነቲ በዓል ኣብ ምድላው ክረኤ ንዝኽእል ሕጽረታት እቕሬታ ድሕሪ ምሕታት፡ ሽማግለ ህዝቢ ንምእካብን ንምጥርናፍን ኣብ ቃልሲ ግዲኡ ከበርክትን፡ ዝካኣሎ ጻዕርታት ምክያዱ እውን ገሊጹ። እቲ ጎስስ ግን፡ ኣብ ሽማግለ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዕማም ከምዝኮነን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ክንከዶ ዘለና ስራሕን ጻዕርን ከምዝኮነ ሓቢሩ። ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብነጻ ድልየትን ውልቀ ውክልናን ኣባላት ውድባትን ማሕበራትን ነጻ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝቆመ ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ዕድሚኡ ሓያሎይ ኣኼባታት ኣሰላሲሉ፡ ምስ ኣብ ከተማታት ጀርመን ዘለዉ ከምኡ ዝኣመሰሉ ናይ ምልዕዓል ሽማግለታት ብምትሕብባር እውን ሓደ ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ካብዘመዝገቡ ህዝባዊ ምልዕዓላት እዩ። ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዝቕበል፡ እወንታዊ ውርሻታት ቃልሲ ህዝቢ ብምዕቃብ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፍጽሞ ዘሎ መግለጺ ኣልቦ ጭቆናን ሕሰምን ካብ ሕጽረታት ተመኩሮ ገድሊ ፈልዩ ዝጥምት ምልዕዓል እዩ።

ስለዝኾነ ድማ እዩ፣ ንበዓል ኲናት ቶጎሩባ ሓደ ካብ ውርሻታቱ ገይሩ ክዝክሮን ከኽብሮን ምድላዋቱ ዝሰርዐ። ይኹን ኣምበር ናይቲ በዓል መበገሲ ኲናት ትጎሩባ ዓወት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ እዃ እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ገድሊ ኤርትራን መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ደምዳሚ ኲናት ዘመዝገበ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዘረጋገጾ ኲናት ባጽዕን ፈንቅልን እንተኮነ እውን ኣካልን ተምሳልን ስርሒት ቶጎሩባ ከምዝኮነ ኣብቲ በዓል ብጣምራ ክዝከርን ክበዓልን ዝገብረ።

Maasho Asrat 17.032018

 

ኣብቲ በዓል ስእሊ ንኲናት ቶጎርባ ካብ ዝመርሑ መስረቲ ሰውራ ኤርትራ ዝኮኑ ጀጋኑ ኣቦታት ስዉእ ተጋዳላይ ኣቡ-ርጀላ ቀሪቡ ነይሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ሓው መዓሾ ኣስራት „ኣነ ንስዉእ ተጋዳላይ ኣቡ ርጀላ ኣርኪበሉ\የ፣ ኣብ ጋሽ ከለና ኣጸቢቐ ይፈልጦ፡ ኣብ ኲናት ተሰነይ ናይ 1977 እውን ብሓደ ኔርና። ኣቦርጀላ ከም ሰብ ብጣዕሚ ጥዑይ፡ ህዱእ፡ ርህሩህን ሕያዋይን ምስኪንን ሓርበኛን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ“ ክብል ምስክርነትቱ ገሊጹ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ „ብመሰረቱ ስዉእ ተጋዳላይ እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ነቲ ቃልሲ እንተዘይጅምር፡ በዓል ኣቡርጀላ እውን ነቲ ቃልሲ እንተዘየጽኑሕልና፡ ንሕና ኣይመርከብናሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ተቓሊሱ ሃገሩ ነጻ ገይሩ። ሕጂ ድማ ንሕና ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ገለ ካብዞም ደቀይ እዃ ኣብዚ በዓል ይርኢ ኣለኩ እንድየ፡ ነዞም ደቕና ከነውርሶም ኣለና“፣ ሓቢርና እንተታቓሊስና ድማ ከምቲ ኣብ ነጻነት ንምብጻሕ ዝተዓወትናዮ፡ ምልኪ ንምልጋስ እውን ክንዕወት ኢና“ ክብል ለበዋኡ ደምደመ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ሓው መደኒ ብዓረብኛ ዝተዳለወ መግለጺ በዓል ኲናት ቶጎሩባ ውድብ ተሓኤ ኣቕሪቡ።

Medeny 17.03.2018

Last modified on Monday, 19 March 2018 01:00