ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ሰዓት 14፡00 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ድሕሪ ብኣቦ መንበር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ ሰላምታ መኽፈቲ፡ ኣብቲ መዛረቢ ኣርእስቲ ተኣትዩ።

ከምቲ ልሙድ ድሕሪ ፈስቲቫላትናን ጉባአታትናን ገምጋም ምግባር ኣገዳሲ ኮይኑ ምጽንሑ፡ ጨንፈርና ድማ ነዚ ናይ ዓመተ 2019 ዝነበረ ፈስቲቫልና ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣኼባና ገምጋሙ ኣቐሚጡሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር‘ዩ። ብግዜ ምሕጻር ኣብ ጉባአና ዘሎና ገምጋም ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚርና ዘይወዳእናዮ ስለ ዝነበረ ቀንዲ መዛረቢና ንሱ ኮይኑ እዩ ውዒሉ።

ድሕሪ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ሃለዋት ህዝብናን ምዝርራብ ድማ፡ እቶም ብጨንፈርና ተወኪሎም ኣብ ጉባአ ዝተሳተፉ ኣባላትና፡ ብዛዕባ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ካብ ምስንዳኡ ኣትሒዙ ክሳብ ምድምዳሙ እናተመላልኡ መግለጺ ኣቕሪቦም። ካብኡ ብምቕጻል‘ውን ብኣኼበኛታት ዝቐረበ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ተኣትዩ። ኣኼበኛታት ድማ ርእይቶታቶም እናኣፍሰሱ ክሳብ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ዝውዳእ ቀጺሎም።

እቲ ቀንዲ ኣኼበኛታት ዘተኮሩሉን ዘሞጐሱዎን ጉዳያት ድማ፡ ኣብ ሰልፍና ተኣታትዩ ዝጸንሐ ንጽፈትን ስሉጥነትን ኣሰራርሓ፡ ንዲሞክራሲ ንምስፋሕን ምዕማቝ፡  ግሉጽነትን ኣሳታፍነትን ኣባላት ሕጂ‘ውን ብዝበለጸ ስለ ዝተሰርሓሉ እዩ።

ንሱ ድማ፡-

  • ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ኣቐዲሙ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ጨናፍር ሰልፊ ወሪዱ ክረዳድእሉ ስለ ዝሓገዩ፡ ኣብ ርእሲ‘ቲ ኣብ ጉባአ ናይ ግዜ ኣሳልጦ ዝሃቦ፡ ኣብ ጉባአ ዝተሳተፉ ወከልቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምሉኣት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምጽፋፍ ናይዚ 2 ዓበይቲ ዕማማት‘ዚ ተሳቲፎም ማለት‘ዩ። ስለዚ እዚ ኣሰራርሓ‘ዚ ንጉባአና ዝያዳ ዲሞክራስያውን ኣሳታፍን ስለ ዝገብሮ፡ ኣኼበኛ ንኢዱ።
  • ኣሰራርሓ ናይ ሓጻይት ሽማግለ‘ውን ከምኡ፡ ንመሪሕነት ሰልፊ ዝሕጸዩ ኣባላት ብኣባላት ምሉእ ጨናፍር ሰልፊ ስለ ኣብ ጨጨናፍሮም ዝተረቝሑ፡ ኣብ ጉባአ ድማ ብኣባላት ጉባአ ክውሰኹዎም ዕድል ተዋሂቡ፡ ነቲ ኣብኡ ዝግበር ምርጫ ብቑዓት ሰባት ተዘንጊዖም ከይተርፉ ዝሕግዝን ብብርቱዕ ምጽራይ ከም ዝካየድ ምግባሩን ኣኼበኛታት ኣሞጒሶም።
  • ኣብዚ ጉባአ‘ዚ ተሳታፍነትን ብቕዓትን ደቂ-ኣንስትዮ ጎሊሑን በሪኹን ዝተራእየሉ ስለ ዝነበረ፡ 8 ካብኣተን ኣባላት መሪሕነት ኮይነን ዝለ ዝተመረጻ መርኣያ ምሉእነት ሰልፊ ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።
  • ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣኼበኛታት ዝረኣዩዎ ድማ፡ እቲ ኣቦመንበር ሰልፊ ካብ 2 ግዜ (ናይ ጉባአ ግዜ) ክምረጽ የብሉን ዝብል ገደብ ናይ ሓላፍነት ብቕዋም ደረጃ ምውሳኑ እዩ።
  • እቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ካልእ ዓበይቲ ጉዳያትን ጉባአ ዘውጽኦ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ቀንዲ ህይወት ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ምጥርናፍ ወይ ሓቢርካ ምስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ጉባአ ነቲ ቅድሚ 2 ዓመት ዝወጸ እማመ ናይ ምስ ኩለን ሰልፍታትን ውድባትን ተቓውሞ ዘተ ምክያድ ዝብል መርገጽ፡ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ክቕጽልን ካልእ ዘይተጀመረ ድማ ክጅመርን ዝብል ኣፍ ደገ ናይ ዘተ ክፉት ምግባሩን ንመሪሕነት ሓላፍነት ምስካሙን‘ዩ።  

እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝትከል ደሞክራይያዊ ስርዓት ውሑስ ዝኸውን፡ ካብ ሕጂ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ውሽጠን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ከዘውትራ ምስ ዝኽእላ ጥራይ ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።   

ኣኼበኛታት ነዚ ጉዳይ‘ዚ ብሰፊሑ ተረዳዲኦሙሉን፡ ሰልፍና ድማ ከይሰልከየ ነዚ ኣብ ተግባር ክትርጕም ክጽዕት፡ ኩልና ተቢዕና ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና ብምባል ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።

በዚ ድማ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ

        

ህዝቢ ኤርትራ  ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኢሉ፣ ብሓድነት ንዓመታት ድሕሪ ምቅላሱ፣ ክንደይ ቀያሕትን ጸለምትን ኣወፍዩ ክንሱ፣ ሃገሩ ሓንትን፣ ብልጽግትን፣ ደሞክራስያዊትን ሃገር፣ ክትኮነሉ እዩ ዝነበረ ትምኒቱ። ባዓል እከይ ግብሪ ኣብ ውሽጡ ሰሊኾም ብምእታው ፣ንህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮ ሓድነቱ ክዘርግዎ፣ ዘይፈንቀልዎ እምኒ የሎን። ሰለዚ ነዚ ኣብ ሃገርና ቢኢድ ዋኒኑ፣ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ዘሎ ስርዓት ፣እንታይነቱ ክፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ ግዜ ወሲዱሉ እዩ፣ ሎሚ ግን ኣታሓሕዙን ተግባራትን፣ ህግደፍ ከም ጻሓይ በርቂ ኣናበርሄ ሰለ ዝመጸ፣   ብሕለፊ እቶም ኣባላቱ ኢና  ባሃልቲ፣ ኣፎም ብጭቅ ኣይበል እምበር፣እምንቶም እናጎደለ፣ እቲ ዘወፍዮዎን ዝኸፍልዎን ዝነበሩ ገንዘብ፣   እናዛሕተለ፣ድሕሪ ምኻድ፣ ህግደፋውያን ነዚ ተረዲኦም፣ ካልእ ገንዘብ ዝእትውሉ ምንጪ ሃሰስ ክብል ጀመሩ። ንሱ ኻኣ  ህዝቢ ብብዝሒ ዝርከበሉ፣ ከም ሃይማኖታት ፣ ስፖርት፣ ዝኣመሰሉ ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ከፋፊልካ፣ እቲ ዝተረኽበ ገንዘብ፣ ከመይ ገርካ ኣብ ቆፎ ህግደፍ ብተዛዋወሪ መንገዲ ትእትዎ፣ ዝብል  ሜላ ሒዞም ፣ ኣብ ምድንጋር ተዋፈሮም ኣለው ።

ህግደፋውያን፣ ብኻላይ መንገዲ፣ ብዝላዓለ ፍርሓት ንስልጣኖም ንምሕላው እውን እዩ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ እቲ እምነት እናጎደለ፣ ኣኸባታት ህግደፍ ህዝቢ እናዋሓደ፣ ሕሜታ በብኹርንዑ እናዛየደ፣ ድሕሪ  ምዕዛቦም፣  ሓደ ማዓልቲ  ገዲፉና፣ ናብ ተቃውሞ ደንበ ንኸይጽንበር፣ ዓቢ ስጋኣት ስለ ዝሕደሩ፣ ናይ ግድን እዩ፣ ንህዝቢ መጻወድያ   ከዳልወሉ፣   ንህዝቢ በታቲንካ፣ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ምትእምማናት ኣጥፊእካ፣   ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ፣ ብዓሌትን፣ ብኣውራጃን፣ ብሃይማኖትን፣ ከፋፊልካ ስረሔይ ኢሉ ። እታ እንኮ መናዊሒት ስልጣኑ  በዛ መንገዲ ኢዚ ምስ ዝኽተል ጥራይ  እዩ።

ሓደ ነገር ከጻውተኩም፣  ኣብ ናይ ኤንባሲ ህግደፍ ፣ኣብ  ከተማ ሮሞ ዓዲ ጣልያን ዝተገብረ፣  እቲ ዝሓበረኒ ሰብ፣ ሎሚ ኣብ ቤትጽሕፈት ኤንባሲ የሎን፣ ድሮ ኣብ ደንበ ፍትሒ ተጸንቢሩ ይርከብ። ብ 2001 ኣብ ቤትጽሕፈት ኤንባሲ ከተማ ሮማ፣ ኣብ ዝነበርኩሉ፣ ሓደ ወኪል ናይ ህግደፍ ካብ ኤርትራ መጺኡ፣ ኣኸባ ይገብረልና፣ ድሕሪ ነዊሕ ዘረባ፣ ከምዚ እንዳበለ፣ ኣብዚ ገዛ  ብዓሌትን፣ ብሃይማኖትን፣ ካብ ትፋላለዩ ግዜ በሊዕኩም ኣለኹም ፣ ምስ በለና፣   ኣብኡ ዝነበርና ኩሉና ካብ ኤንባስና ኣትሒዝና፣  ኣቶኪርና ጠመትናዮ፣ ነንሕድሕድና እውን ተጣማሚትና ፣ ገረምና እውን ፣ ካብ ኩሉ ዝገርመካ መን ኣበይ ዓዱ ተሓታቲንና ኣይንፈልጥን፣ ብኣስማትና ግን ኣስላማይን ክርስትያንና ከም ምኻና ንፍለጥ። ግርም እዩ ዘብለካ በለኒ፣ ብድሕሪኡ ነንሕድሕድና፣  ኣብ ውሽጥና ፍርሓት ኣሕዲሩልና።  ነዚኣ ተኩሲልና ከደ ፣ ስለዚ ህግደፍ ብዝያዳ ድሕሪ 2001 እዩ እዚ ደይመደይ ኢሉ ክዋፈረሉ ዝጀመረ በለኒ።

 ስለዚ ኣብሞንጎ ሃይማኖትን ምንቅስቃስን ኣቲኻ ፣ ንሃይማኖታት ኣብ ውሽጢ ከፋፊልካ፣ ነቶም ሕይል ዝበሉ ዲያቆናት ዲዮም ኣቅሽሽቲ፣ ኣስማቶም ኣና ጸለምካ (መናፍቃት) እዮም ወዘተ--እናበለ፣  ንዓመታት ክሰርሓሉ ጸኒሑን፣  ኣሎን ፣ ብኻል መንገዲ እውን፣ ስፖርት ተባሂሉ ካብ ኮንስላዊት ቤተጽሕፈት መምርሒ ተዋሂቡ፣ ኩዑሶ ተጀሚሩ ነይሩ ፣   ካብ ቡዙሓት ከተማታት ጀርመን ናይ ውድድር ኩዑሶ ብምእንጋድ፣ ካብ ኤርትራ ናይ ስፖርት ሚኒስተር ዝመጸሉ፣ ዓቢ በዓል ኣብ ከተማ ሮተንቦርግ ኣውራጃ ባደንቩተንበርግ ሃገረ ጀርመን፣ ተገይሩ፣ እዚ እውን ገንዘብ ምኽዕበቲ ንህግደፍ እዩ ነይሩ።  ካብቲ ባዓል እቶት ዝተረኽበ፣ ኣዳለውቲ ናይቲ ባዓል ቀንዲ ህግደፋውይን  ዝነበሩ፣ ኣብ ምጥፈፋእ ገንዘብ ስለ ዝተዋፈሩ፣  ኣብ ነንሕድሕዶም ምርድዳእ ስለ ዘይተረኽበ፣ ናብቲ ዝላኣኾም ኮንስላዊ ቤት ጽሕፈት ፍራንክፎርት ተኻሲሶም ከዱ። ድሕሪኡ ናይ ስፖርት ነገር ክቅጽል ኣይካኣለን።    እዚ ጉሉጽነት ዝጎደሎ ኣሳራርሓ ኣብ ትሕቲ ቤተ ክርስትያን ብሕልፊ ኣብ ምእመናን ተዋህዶ ብስልያ ህግደፍ ከም ዝዋፈር ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ስደት እውን ዑሱባት  ኣዋፊሩ፣ ካዝና ቤተክርስትያን ኣብ ኽንዲ መማዕበልን፣ መዕበይን፣ ቤተክርስትያን ዝኾውን፣ ንቆፎ ህግደፍ ንምምላእ እዩ ዕላምኡ።እዚ ኻኣ ብሽፍን ሽፍንፍን ህዝቢ ዘየሳተፎ ውልቃውያን ዑሱባት ህግደፍ ጥራይ ዝቃጻጸርዎ፣ ካልእ ምእመናታት ዘይምልኮቶም  ገንዘብ ቤተክርስትያን ኣበይ ኣትዩ ዘይፍልጡ፣  ንነዊሕ ዓመታት ከዳናግሩ  ጸኒሖምን፣ ኣለውን።

“ቆልዓን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝባሃል“ እቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን  ከምዘይለቆም ዘይፈልጡ፣ ገሊኦም ሳናቲም ንምምእራር ዝጎዩ፣ ገለ ኻኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ጭው ዝበሉ ናይ ህግደፍ መሳርሒ፣ ናበይ ከም ዝኽዱ ዘይፈልጡ፣ ነተን መረባዓት ዝሰርሕወን ኣብ  ኤርትራ፣ ብሕልሚ ምሸት ሎሚስ ህግደፍ ቀንጢጥወን ኢሎም፣ ኣብ ሞንጎ ድቃሶም ሰንቢዶም ዝትስኡ፣ ድቃስ ለይቲ ዘይብሎም ሓሻኻ ዝሕዝኑ፣ ሎሚ ሃገሮምን፣ ሃይማኖቶም፣ ክሸጡ ክትሪኢ ከለኻ፣ መስደመም ኢልካ ኢኻ ሱቅ ትብል።

ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ባድንቩተንበርግ ጀርመን፣ ኣጃማምርኡ ሕጽር ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን እየ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ኮንስላዊ ቤት ጽሕፈት፣ ሓንቲ ዘዋሪት ጽሑፍ ንኣባላቱ ህግደፍ ድሕሪ ምስዳድ፣ ስቱትጋርድ ኻኣ ነዚ ከም ስራሕ ሒዛቶ ክትዋፈር ጀመረት።

 ቤተክርስትያን ነቅውም ብዝብል ሃታሃታ ዝታሓወሶ ክቆውም ተገብረ፣ ሓደ ክልተ፣ ኣብ  ህግደፍ ኣባል ዘይነበሩ፣  ነታ ዝፈትውዋ ሃይማኖቶም  ሃይማኖት ተዋህዶ  ቤተክርስትያን፣ ብቅንዕና መሲልዎም ክሕወስዎ ጀመሩ፣ ከም ኣብነት ሓደ ሎሚ ብሂወቱ ዘሎ  ኣባል ህግደፍ ዘይነበረ፣ሽማግለ ናይ ቤተክርስትያን ክኸውን ኢሎም ዕድመ ላኣኹሉ፣ ኣብቲ ዝበልዎ ኣኸባ ድሕሪ ምክፋል፣  ሓንቲ ማዓልቲ ድሕሪ ምዕዛብ፣ ኩሎም እቶም ቀራናት ናይ ህግደፍ ኮይኖም ምስ ጸንሕዎ፣ ካላኣይ ማዓልቲ ኣይተመልሶምን።ዝኾነ ኾይኑ እቲ ቤተክርስትያን ቆመ፣ ብድሕሪዚ ቀሺ ኣሎ ፣ ቀሺ ዘርኦም ኣብርሃ ፣ኣብ ከተማ ኡሉም  ምስ ተባህለ፣ን ቀሺ ዘርኦም ኣብርሃ ድሕሪ ምውካሶም ተቀበሎ። ቀሺ ዘርኦም ኣብ ከተማ ኡሉም ኣብ ዝነበረሉ፣   ተቀባልነት ስለ ዘይነበሮ፣ ማለት ስለ ዝተነጽገ፣ ኣብ ከተማ ኡሉም ፣ካብ ከተማ ኡሉም ወጻእን ዝነበሩ  ደለይቲ ፍትሒ፣ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ፣ በዞም ሰባት እዚኣቶም፣ ብምትሕብባር። ተቀባልነት ክረክብ ኸኣለ። ስድርኡ ኣብ ኤርትራ ስለዘላዉ፣ ከምጽእሉ ይተሓባበርዎ ነይሮም እዮም፣ ግን ስራሕ ይጀምር እንበር፣ ክነምጻኣሉ ኢና  እውን ተባሂሉ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን፣ ዕድለ ናይ ቀሽነት ምስ ተሳማመዔ ስቱትጋርድ ቀየረ።   ኣብቲ ቤተክርስትያን ቀሺ ኾይኑ ምግልጋል  ጀመረ።  ድሕሪኡ  ቀሺ ዘርኦም ኣብርሃ ግልብጥ ኢሉ፣ ቀንዲ ኣገልጋሊ ናይ ህግደፍ ክኸውን መረጸ። ንመንእሰያትና ወረቀት ኣምጹኡ ካብ ኤርትራ እናበለ፣ ከሽግሮም ጸኒሑን፣ ኣሎን።

 እዚ ሽፍንፍን ኣሳራርሓ ህግደፍ ምስ ግዜ እናበርሄ ምስ መጸ። ኣብ ምሉእ ዓለምና ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ከዳናግሩ ዝጽንሑ፣ ሎሚ ፣ ኣቀሽቲ ህግደፍ እና ተባረሩ እዮም ዝርከቡ ዘለው። ከም ኣብነት ኣብ ቱቢንገንን ከባቢኣን ዝርከቡ ፣ ሓያላት መንእሰያት ድያቆንትን ኣቀሽሽትን፣ እቲ ንህግደፍ ዝምውሉዎ፣ ዝጸንሑ ባዓል ቀሺ ዘሮኦም ኣብርሃ ዘለውዎም ገለ ዕድመ ዝደፍኡ  ኤርትራውያንን፣ ካብቲ ዝቅድሱሉ ዝነበሩ  ቤተክርስትያን ተባረሩ፣ እቲ ቀንዲ ጠንቒ ንነዊሕ ግዜ ዘይምርድዳእ ዘኸተለ ኾይኑ፣ ንሕና ብፓትርያርክ ቁዱስ ኣንጦንየስ ኣብ ቅዳሴና ክንዝክሮም ኣሎና፣ መንእስያት ክብሉ ከለው። ክምኡ ውን  እዚ ኩሉ ዝኣቱ ገንዘብ፣ ኣብይ ከም  ዝኸይድ እንፈልጦ ነገር የሎን። ስለዚ መዕለቢ ገንዘብ ቤተክርስትያንና ኣፍሉጡና፣ ኣብ ዝብል ክርክር ነበረ ፣ እዚ ብቁዕ መልሲ  ስለ ዘይረኸቡ፣መንእሰያትና  ውሳኔ ክውስኑ ተገደድ።ስለዚ ህግደፋውያን ውሱን ግዜ ተዋሂብዎም ካብቲ ዝነበርዎ ቤተክርስርትያን ኣቁሑቶም ጠርኒፎም ድሕሪ ምውጻእ፣ ንብረቶም ከም ጸናጽል፣ ዝኣመሰለ ኮበሮ ታሓንጊጦም፣ ኣብ ፎቆዶ ቤተክርስትያን ይኹሕኩሑ ይውዕሉ ኣለዉ።  መግለጺኦም ሎሚ ኣቅሽሽቲን ዲያቆናትን ህግደፍ፣ ኣብ ሰበኽ ሳግም እዮም ተቀይሮም ኣለው።

ገለ ሰባት እዚ ሰባይ እንታይ ወረድዎ ፣ ብዛዕማ ሃይማኖትና ተዋህዶ ሃለውለው ዝብል ትብሉ ኣይትስኣኑን፣ እዚኦም ከምዚ ዝብሉ ነቲ ስሮዓት ህግደፍ  ኣገልገልቲ ኢና ባሃልቲ፣ ህግደፍ ግን ከም ዘለው ዘይፈልጦም፣ ክብሉ ምኻኖም ርዱእ እዩ።

እወ ኣነ ብወላዲየይን፣ ብወላዲተይን ፣ ካተሊካዊ እየ፣ ግን ካተሊካዊ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ምህላዋ ኣይኮነን ዘገድሰኒ። ዘገድሰኒ ኤርትራ እያ፣ ኤርትራ ማለት ካኣ፣ እቲ መሰረት ናይ ህዝብና ባህሊ ልምንዲ ሃይማኖት ዘለዎን፣ ኩለን እተን ኩቡራት ሃይማኖትናን ኣብ ኤርትራ ክህልዋ እዩ ዘገድሰኒ፣ ማለት ምስልምና ሃይማኖት፣ ሃይማኖት  ተዋህዶ፣ሃይማኖት ካቶሊክ፣ ሃይማኖት ፕሮተስታንት፣ እዚኤን እየን ኤርትራ፣  ነዚኤን ኣንተደይ ኣኽቢርናየን፣ ሓብሒብናየንን፣ ህላውነትና የለን።

ሰላም ምሳኾም

26.10.2019

28 ጥቅምቲ 2019

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ድሕሪ 3ይ ሓድነታውን ጕባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ከተማታት መልበርን፡ ፐርስ፡ ብሪስበይንን ምስ ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ በዅሪ ኣኼባኡ ምስ ጨናፍር ሰዲህኤ ብሳይበር ኣካይዱ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተዛረበሎም ዛዕባታት መስርሕ ሓድነት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን (ሃድኤ-ሕድሪ) ሰዲህኤን፤ ፖለቲካዊ ውሳኔታት 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፤ ኣቋቝማ ቤት ጽሕፈት ውደባን ዕማማቱን ዝብሉ ነበሩ።

3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ዕዉት ኰይኑ ንኽወጽእ ካብ ዝሓገዙ ረቛሕቲ ድማ፡>-

  1. ብሽማግለታት ዘተ ክልቲኡ ውድባት እተኻየደ ጽፉፍ ናይ ልዝብ መስርሕ፤
  2. ብሓባራዊ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓባራዊት ሓጻዪት ሽማግለ እተገብረ ዕቱብ ምድላዋት፤
  3. መሪሕነታትን መሰረታትን ክልቲኡ ውድባት ዝተጻወትዎ ሃናጺ ግደን ዘበርከትዎ ኣወንታዊ ተሳትፎን፤
  4. ነፍስወከፍ ውድብ ኣቐዲሙ ንተመክሮታቱ ዝገምገመሉ ዋዕላታት ምድላዉ፤
  5. ካብ ኣባላትን ደገፍትን ክልቲኡ ውድባት ብፍላይ ድማ ካብ መንእሰያት ዝተበርከተ ገንዘባዊ ወፈያታት፤
  6. ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪ-ሳትን ንውጽኢት ጕባኤ ኣብ ምንጽብራቕ ውጽኢት ጉባኤ ዝገበርዎ ኣበርክት፤
  7. ልዕሊ ኵሉ ድማ ንሓድነት ዝነበረ ድሌትን ባህግን ክልቲኡ ውድባትና…ወዘተ ምንባሩ ጠቒሱ።

ቀጺሉ ነቲ 12 ነጥብታት ዝሓዘለ፡ ንጕዳይ ሓድነት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ልዑላውነት፡ ሰብእዊ መሰላት፡ ህዝባዊ ምንስቅስቓስ “ይኣክል”፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ጕዳይ ስደተኛታት፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ዘይንጹር ውዕላትን ዝምልከት ጕባኤ ዘጽደቖም ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ። (ዝርዝራቱ ኣብ ሓርነት.ኦርግ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ርእስ’ዚ ኣብ መንጐ ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ዘሎ ምቅርራባትን ምትሕብባራትን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ ከም ኣብነት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሰዲህኤን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰዲህኤ ዝተኻየደ ፈላሚ ርክባትን ንልዝብ ዘርኣይዎ ድልውነትን ጠቒሱ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ውደባ ኣቋቕማን ናይ ሓደ ዓመት ዕማማትን መግለጺ ኣቕሪቡ። ነዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ንምስላጥ ድማ፡ እተን ጨናፍር ብመሰረት ቅዋም 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ዳግመ-ስርርዕ ክገብራ መምሪሒ ሂቡ።

ብድሕር’ዚ ኣኼበኛታት ክበርሃሎም ንዝደልይዎ ጕዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ከምኡ’ውን ንዕብየትን ሓያልነትን ሰልፍን ደምበ ተቓውሞን ይሕግዙ ኢዮም ዝበልዎም ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

እቲ ሜዳ ኤርትራ ብ1981 ብህዝባዊ ግንባር ምስ ሽርክነት ህወሓት (TPLF)  ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነታ ዝነበረት ተሓኤ ( ጀብሃ) ናብ ሱዳን ስለዝደፍእዋ ብሓደ ውድብ ተባሒቱ ክሳብ ነጻነት ኤርትራ እዩ ኸይዱ። ድሒሩ እውን ክሳብ ሎሚ  ኤርትራ ብሓደ ጉጅለ ናይ ምልክነት ምሕደራ ዝነገሰሉ እዩ ዘሎ ።

እቶም ነዚ ስርዓት ኢሰያስ ዝቃወምዎ ዝነበሩን ዘለዉን መብዛሕትኦም እቶም ናይ ጀብሃ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክኾኑ ናይ ግድን ይኸውን፡ ምኽንያቱ እንተ ኢልና ንሶም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብቐረባ  ግዳይ ናይቲ ማህረምቲ ዝወረዶም ስለዝኾኑ። እቲ ኣብ'ቲ እዋን ወይ ከባቢ 1981-1982 ዝነበረ ሃለዋት ተሓኤ ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ክፈናጨል እዩ ተራእዩ። እቲ ናይ ሰሜን ሓይሊ እንብሎ ኣብ'ቲ ግዜ ብዓብደላ ኢድሪስ ናይ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዝነበረ ናብ ራሳይ ገጹ ተፈልዩ፥ እቲ ክንስጉም ኣለና ንእቶ  ሜዳ ዝሓዝናሒና ኢሉ ሳግም እንብሎ ደግሓኤ ብበዓል ተወልደ ገብረስላሴ ዝምራሕ ተፈልዩ፥ እቲ ዝተረፈ ሓይሊ ብኣሕመድ ናስር ዝምራሕ ጉድለታትና ኣሪምና ንቐጽል ዝበለ እዩ ነይሩ ጽሟቅ ተዘክሮታት።

 መቸስ ታሪኽና ምፍንጫልን ውግእ- ሕድሕድ እንድዩ ክሳብ ሕጂ እናሰዓበና ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነ ሎሚ ንዝኾነ ሰብ ንደንበ ተቛውሞ ተኸታታሊ ምስ እንሓትት ልዕሊ 30 ውድባት ኣለዋ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።

 እሞ እቲ ብዝሒ ውድባት ነቲ ብማዕዶ ዝከታተል ኣሰካፊ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን። እቲ ስንፍ ዝብል እውን ክላእ ተስፋ የብሉን ኢሉ ዝርሕቕ ፥ ገለ እውን ነቲ ቓልሲ ከም ጽቡቕ ጸብሒ ተኸሺኑ እንጌራ ተሰንኪቱ ንዑ መኣዲ ተቐሪቡ ተባሂሎም ክጽውዑ ዝጽበዩ ብዙሓት ኣለዉ።

 ምስ ዕቤት ቓልሲ መስመራትን ፖለቲካዊ ርእይቶታትን እናተነጸሩን እናበርሁን ስለዝኸዱ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ 90 ፍልልያት ናይተን ኣብ ኤርትራዊ ምሕዝነት ሓይልታት ዝተጠራነፋ ( ግንባር) ዝመስረታ ልዕሊ 10 ውድባት ዝኾና  ውድባትን፡ ሲዒቡ ኣብ 2005 ኣቢሉ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ነቲ ጽላል ዘመሓየሻን ክሳብ ሎሚ  እናበርሄ ዝኸደ ኮይኑ ይስመዓኒ።

 እዚ ደንበ ተቛውሞ ኣብ ሰለሰተ መሰረታዊ ፍልልያት ዘለዎ እዩ ኢለ ይኣምን። ንሱ ድማ ነቲ ዝቓለሱዎ ስርዓት ኣስመራ ( ኢሰያስ) ብፖለቲካዊ ርእይቶ ከመይ ይመዝንዎ። እቲ ካልኣይ ፍልልይ ድማ ድሕሪ ውድቀት ሰርዓት ኤርትራ ብኸመይ ትመሓደር እዪ እቲ ፍልልይ።

 ቅድሚ ምቕጻል ከም መበገሲ ክኾነና ኣነ ዝብሎ እዘን ውድባት  ካብ 21 ዘይውሕዳ እየን ዝብል እምነት ኣለኒ።

* እቲ ቐዳማይ

እዘን ውድባት ሓደ ማዕረ ዝሓዘ ቑጽሪ ሓደ ሲሶ ናይ ተቓውሞ ንኩነታት ኤርትራን ሽግራቱን ክመዝኑ ከለዉ ክልተ ኤርትራ እዩ ዘሎ፥ ንሱ ድማ ከበሳን መታሕትን ፥ ክርስትያንን እስልምን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ማለት ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ እቲ ክርስትያንን ከበሳውን ኩሉ እቲ ፖለቲካን ስልጣንን ጸጋ ሃገርን ገቢቶሞ እቲ ሓደ ወገን ወዲ ሃገር ክነሱ ዋላ ሓንቲ ግደ ዘይጻወት፥ ተዓዛባይ ቋንቋኡ ተደፊኑ፥ ተኣሲሩ ዝኸይድ ስለዝኾነ ፥ እቲ ቓልሲ ወይ ክንስዕሮ ነዚ ሓይሊ ወይድማ ብማዕረ እንዋስኣላ ሃገር ክትከውን ኣለዋ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ እዮም ዝብሉ።

 * እቲ ካልኣይ

እዚ ጉጅለ 9 ብሄራት ኤርትራ ኢየን ዘለዋ ይብሉ ፡ንሕና እተን ዘለዋ ብሄራት ብሓደ ብሄረ ትግርኛ እንውጻዕ ዘለና ኢና ስለዚ ቀንዲ ጸላኢና እዚ እዩ፡ ንሕና እዘን ብሄራት ብማዕረ እንመሓደረሉ በብብሄርና ማለት ብሄራዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ክንምስርት ንደሊ፥ እንተዘየለ ንሕና ብመሰል ርእሰ-ውሳኔ መሰረት ካብ ኤርትራ ክንግንጸል መሰል ኣለና ኢና ዝብሉ ክኾኑ እንከለዉ፡

* እቲ ሳልሳይ

 እዚ ጉጅለ ኣይፋልኩምን ኤርትራ ሓንቲ ሃገር እያ ፡እዚ ዘሎ ስርዓት ናይ ማንም ጉጅለ ተጠባቓይ ወይ ዝሓሊ ኣይኮነን፥ እዚ ንትግርኛ፥ ሳሆ፥ ትግረ፥ ብሌን፥ ዓፋር ወዘተ በልማማ ዝጭፍጭፍ ጉጅለ  እንበር ህዝቢ ኤርትራ ዘየገድሶ ኣይኮነን ዝብል እዩ። እዚ ስርዓት መግለጺኡ ምልኪ እዩ። እቲ ጸገምና ሃይሞኖት ወይ ቋንቋ ኣይኮነን። ስለዚ ሽግርና ምልኪ ስለዝኾነ  እንስዕሮ ድማ ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ኣሚንና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣንጊስና ቅዋማዊ ምሕደራ ተኸቲልና ኩሉ ኤርትራዊ እንታይ ሃይማኖቱ፥ ቋንቋኡ፥ ካበይ ስድራ ቤት ተወሊዱ ብዘየገድስ ኣብ ቕድሚ ቕዋም ማዕረ እዩ ዝብል እዩ እምንቶ እዚ ሳልሳይ ጉጅለ።

 ስለዚ እቶም መሰረታውያን ፍልልያት ከም ዘለዋ እናተፈልጠ ኣብ ቃልሲ ናይ ቐረባን ናይ ርሑቕን ምሕዝነት ስለዘድሊ ምስቲ ብተደጋጋሚ ዘጓንፈና ናይ ምፍንጫላት ጸገም ክንሰግሮ እናተቓለስና ብትኹረት ነቲ ደንበ ተቓውሞ እናተኸታተልናን እናተሳተፍናዮን ናብቲ ናይ ኩላትና ዓወት ከነብጽሖ ኢደይ ኢድካ ንበል ይኣክል ብማዕዶ ማዕዶ ምጥምማት ኣይኮነን።

ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ሎሚ ዓመት ንመበል ሚእቲ ግዜ ዝወሃብ ዘሎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ “ንእገለ ወይ ንእገለን እገለን ብጽምዲ ተዋሂቡ” ተባሂሉ ብማዕከናት ዜና ክንገር ኢና ንሰምዕ ኔርና እምበር፡ ከምዚ ሎሚ ኣባና ኣዛራቢ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ሎሚ ዘበን ግና ኣብ ጉረቤትና ስለ ዝተዋህበ የዛርበና ኣሎ። እቲ ዝያዳ ዘዛርበና ከኣ ከም ሓደ ምኽንያት መውሃቢ እቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት፡ ካብ ኣድማዕነቱ ኣዛራብነቱ ዝበዝሕ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ምዃኑ፡ በቲ ብውሳነኡ ብብዙሓት ወገናት ዝሕመ ዘሎ ሸላሚ ኣካል ስለ ዝተገለጸ እዩ።

እቲ ብናይ ሎሚ ዓመት ተግባሩ ብጻዕቂ ዝንቀፍ ዘሎ፡ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዝውሰን ኣካል፡ ናይ 2019 ንቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ከም ዝሃበ ምኽንያቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብቲ ናብዚ ዘብጸሖ እቶም ቀዳሚይ ሚንስተር ነቲ ብደረጃ ዓለም “ኣይሰላም ኣይውግእ” ብኣገላልጻ እዞም ኖበል ዝሽለሙ ዘለዉ መራሒ ከኣ “ሞት ዘይነበሮ ውግእ” ዝተባህለ ብድፍረት ጥሒሶም ምስ ኤርትራ ሰላም ስለ ዘውረዱ እዩ ተባሂሉ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ፡ እሱራት ስለ ዝፈትሑ፡ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ስለ ዘስፍሑ፡ ተኣጊደን ዝጸንሓ ማሕበራዊ ሚድያታት ስለ ዝፈትሑ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ ትካላት ናብ ውልቃዊ ዋንነት ክመሓላለፍ ስለ ዘፍቀዱ ,,,,,,, ወዘተ ከም ተወሳኺ ንሽልማት ዘብቀዖም ምዃኑ ክዝርዘር ጸኒሑ። እቲ ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ኣምጺአምዎ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ካብ ኣዘራራቢነት ሓሊፉ መሰሓሓቢ እውን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ንኢትዮጵያውን ክንገድፈሎም ዝሓሸ እዩ። ካብዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ክንመሃርን ክንምኮርን ግና ዝጽላእ ኣይኮነን።

እቲ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ፡ ጉዳይና ግና ጉዳይና ስለ ዝኾነ፡ እስከ ናብኡ ንመለስ። ካብቲ ናይ 1998 ሓቀኛ ጠንቁ ተደፊኑ ብ“ውእግ ባደመ” ተሰይሙ ዝተኻየደ፣ ብመራሒ ህግዲፍ ከም ዝተወለዐ ብዘይሻራውያን ኣጻረይቲ ዝተረጋገጽ፥ ህይወት ከባቢ 100 ሺሕ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን  ዝበልዐ፡ ኤርትራ ነዚ ውግእዚ ብምጽሕታራ እቲ ዝወረደ ክሳራታት ተወራሪዱ ንኢትዮጵያ ዝያዳ 10 ሚልዮን ዶላር ክትክሕስ ዝተፈርዳ ንመለስ። ድሕሪዚ ደማዊ ውግእ እቲ ጉዳይ ናብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ፡ ዝተመስረተ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ቀሪቡ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ተዋሂብዎ። እንተኾነ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብይን ንመያየጥ እምበር፡ ከም ዘለዎ ኣይትግብርን እየ ስለ ዝበለት፡ ከይተተግበረ ን18 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ጸኒሑ። ነስተውዕል ኣብዚ 18 ናይ ቀንፈዘው ዓመታት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ “እዚ ብይን ከይተተግበረ፡ ዘተን ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ቦታኡ ምምላስ ዝበሃል ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ብዝብል ናህሪ ወሲኹ፡ ተሓላቒ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሲሉ እንዳገዓረ ኣቕቢጹ ጸኒሑ። እንተኾነ እዚ ልቢ ሓያሎ ኤርትራውያን መሲጡ ዝጸንሐ ገዓሪ ናይ ብሓቁ ኣይነበረን። በዚ መንሃሃሪ ጭረሖ ተሓቢኡ፡ ውሽጠውሽጢ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ውዲት ክኣልም ምስ ጸንሐ፡ ካብ መራሕቲ ተቓዋሚ ውድብ ጉንበት ሸውዓተ ሓደ፡ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽገ ትንክፍ ምስ ኣበሎ ወዮ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩረኹረኡ  ዝጸንሐ፡ ዲክታተር ሓሳቡ ዝቐየረሉ ምኽንያትኳ ከይሓበረ፡ ሃንደበት ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዱ። ብዙሓት እንተላይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ፡  ብድሕሪ መጋረጃ ውዲት ክእለም ከም ዝጸንሐ ዘይጠርጠሩ ወገናት  ድንጽይዎም።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ካብ ዘውሃቦም ምኽንያት ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም እዩ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣበይ ኣሎ። ወዮ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀንዲ መፋላለይን መሰሓሓብን ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብከ ኣበይ በጺሑ። እምበርከ ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባዶ ተዛሪብምሉ። ነቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ምልዓል ነውርን ምዝራግ ሰላምን እዩ” ዝበሎኸ ንርሰዖ ዲና። ስለዚ ከም ተመኩሮ እቶም ክሳብ ሕጂ ብጉዳይ ሰላም ምርግጋጽ ኖበል ዝተሸለሙ፡ ንሰላም ስለ ዝደረፍዎ ዘይኮኑ፡ ጀሚሮም ክሳብ መወዳእታ ስለ ዘብጽሕዎ ከም ዝተሸለሙ ኢና ንፈልጥ። ዶ/ር ኣብይ ግና “ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ” ክብሉ እምበር፡ በዚ ዕለት’ዚ በዚ ኣገባብዚ ከተግብሮ እየ ክብሉኮ ኣይሰማዕናዮምን። “እቕበሎ እየን ተግቢረዮን” ከኣ ሰፊሕ ፍልልይ ኣለዎ። ስለዚ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጐንደር፡ ኣዋሳን ጅማን ከይዶም ብሓባር ካብ ምስኣል ሓሊፎም ዝገበርዎ የለን። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናይቲ ብደም ኣእላፍ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወ፡ ምዑጉርቲ ምስዓሞም፡ ኣእዳዉ ምጭባጦምን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከይዶም ቁርሲ ቡን ምዕዳሎምን ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ኤርትራ ምውዳቖም ዝነግሮም ቀረብ እንተዝህልዎም ጽቡቕ ነይሩ።

ብዝኾነ እዚ ንዶ/ር ኣብይ ዝተዋህበ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት፡ ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስን ኣብ መንጎኦምን ኣብ ዝተኻየደ ቁማር እቲ ዲክታቶር ዝተሳዕረ ይመስል። ዘይሓንኽ ኢሳይያስ ከም ናይ ማንዴላን ፍረድሪክ ደክለርክን ብሓባር ክስለም ዝዘርገሖ ኣእዳዉ ማይ ዓሚኹ ተሪፉ። ዘገርም እዩ ኢሳይያስ ካብዚ ሽልማት እንተስካፈልስ እንታይ መልክዕኮን መተዋህቦ? ብዝኾነ እዚ ነቲ ኣደታት ኣስመራ ዲክታቶር ኢሳይያስ ምስቲ ኩሉ ንዓኡ ዝነበረን ደገፍ፡ ኣርእይወን ዘይፈልጥ ንዶር ኣብይ ዝለገሶ ሰሓቕ፡ ፍሽኽታን ምልፍላፍን ተዓዚበን “ኣብይ ወዲ ሽዋ ንኢሱ ሸዊድዋ” ዝበላኦ ዘግሃደ ተግባር እዩ ተራእዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ገለ ኢሳይያስ ካብ ንቡር ዝወጸ ክነሱ፡ ምስ ውነኡ ዘሎ ዝመስሎም ኤርትራውያን፡ ከምቲ “ዘይሓፍር ድሙስ ገብረማርያም ስሙ” ዝበሃል፡ ካብቲ ሽልማት ዘይተኻፈለ ኢሎም ዘጉረምርሙ ምህላዎም እዩ። ንሕና ነቲ ኩነታት ከም ዘለዎ እነንብቦ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ፡ ትካላዊ ውሕስነት ዘየብሉ፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ፡ መስከርን መሰጋገሪ ዝሰረቕዎ ገንዘብ ህዝብን  ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ኣብ ዶባት ክልቴኤን ሃገራት ድማ መፍቶ ነጋዶ ኮንትሮባንድ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ሓድሽ ዝምድና፡ ከም ምኽንያት መሸለሚ ኮይኑ ምቕራቡ ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነና። እንተቲ  “ኣብይ ኣሕመድ ወዲ ሽዋ ንኢሱ ሸዊድዋ” ዝብል ምስቲ ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ እግሪ ምሕጻሩ ኣብ ቦታኡ እዩ።

Saturday, 26 October 2019 21:56

Radio Demtsi Harnnet Sweden 26.10.2019

Written by

ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራናን ህዝባን ተዳዕኒኑ (ተጻዒኑ) ዘሎ መከራ እንዝርዝረሉ እዋን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክብደት መግዛእትን ጥልመት ህግዲፍ ዝወለድዎ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ነቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝባን ብማዕዶ ንዝዕዘብዎ ደለይቲ ጽቡቕ ወገናት እውን ንጹር ስለ ዝኾነ። ሎሚ ኣፎም መሊኦም “ኤርትራ ዓዲ ደሓን እያ” ዝብሉ ወገናት እንተልዮም፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ዘይተረድኡ ወይ ድማ ምስ ህግዲፍ ተጸጊዖም  ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ዝዕንገሉ ውሑዳት ወገናት እዮም። ምናልባት እውን ንሰላምን ርግኣትን “ድምጺ ጥይት ብምስማዕን ዘይምስማዕን” ጥራይ ስለ ዝመዝንዎ ይኾኑ።

ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኤርትራውያን ብዛዕባ ዘሎ፡ ተወዳደሪ ዘየብሉ ጸገምን ወጽዓን ግንዛበ ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ናይ ዲሞክራሲ ተሓለቕትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት ኣሰኪፍዎም “ዓገብ” ካብ ዝብሉ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኩነታት ከጽንዕ ጽዒሩ ኣይተፈቕደሉን። ብመንገዱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ከመሓይሽን ብገበን ስልታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝጥርጠሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ናብ ፍትሒ ከቕርብን፡ ተደጋጋሚ  መጸዋዕታን ምሕጽንታን ኣቕሪቡ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። እቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝግበኦ ዓለም ለኻዊ ትካል ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምጽቃጡ ከኣ ዘተዓዛዝብ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል ሬድዮ ዶቸወለ (ሬድዮ ጀርመን” ኩነታት ኤርትራ ዕሩይ ከምዘየለ ኣቃሊሑ። እዚ ብኻለኦት ማዕከናት ዜና እውን ክሰዓብ ዝግበኦ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ምናልባት ክሳብ ሎሚ ኣይተፈለጥኩን ክብል ግዲ ጸኒሑ፡ እቲ ክዉን ሓቂ ምስ ተነግሮ ቀጭቀጭ ኢልዎ ከዕለብጥ ከም ዝጀመረ ብማዕከናት ዜናኡ ተኸታቲልናዮ። በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ጀርመን በዚ ሬድዮኡ ሒዝዎ ዘሎ “ዓገብ” ናይ ምባል መንገዲ ክቕጽልን ንህግዲፍ ዝህቦ ነገራዊ ሓገዝ ኣበይ ይውዕል ከምዘሎ ክከታተልን ንምሕጸኖ። ካለኦት ሃገራት’ውን ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዓይነን ከንቁሓ ነተባብዕ።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ ጐልጐል ከም ዝወገሖ ዝብኢ” ጉዱ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝምልከቶ ብሩህ ምስ ኮነ፡ የዕለብጥ እዩ ዘሎ። ንሓንሳብ ናብ ኢትዮጵያ ይጽጋዕ። ንሓንሳብ ድማ “ኣብ ጐደናታት መቐለ ሸናዕ ክብል ቃሕ ይብለኒ ኣሎ” ይብል። ንሓንሳብ ከኣ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣርሓ፡ ዓራቕን መሃርን ክኸውን ይደሊ። እቶም ህርፋኑ እንታይ ምዃኑ ዝተረድኡ መተዓልልቱ ከኣ መወዳእታኡ ምእንቲ ክርእዩ ክዕዘብዎ ጸኒሖም።  ሎሚ ግና እቲ ሓቂ ኣብ ስምዒት ዘይኮነስ፡ ኣብ ብግብሪ ዝረአ መርተዖ ምሓዝ ምዃኑ ምስ ተረድአ፡ እሞ ንዓኡ ከምዘይበቅዕ ምስ ተገንዘበ፡ ከምቲ ኣመሉ ካብ ዞባውን ዓለም ለኻውን መድረኻት እንዳበኾረ፡ ናብታ ክጽግሞ እንከሎ ዝሕበኣላ ዓዲ ሃሉ ዝተሸጐጠ ይመስል። “ርኣዩኒ ርኣዩኒ፡ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ይወልድ” ማላት ከኣ ከምዚ እዩ።

ኣንቱም ወተሃደራዊ ኮነ ሰቪላዊ ሰብ መዚ  ኤርትራውያን፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ህልዋት ክንስኹም ናብ ዘይህሉዋት ለዊጡ፡ ስማዊ ስልጣን ሂቡ እንዳቐያየረ ዘኳድደኩም ዘሎ፡ ኣስተብህሉ። ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ትርጉም ዘየብሉ፡ ሚኒስተር፡ ኣንበሳድር፡ ዲረክተር ወይ ጀነራል ኮለኔል፡ መጀር ዝብል ስማዊ መዓርግ ለቢስኩም፡ ምስኡ ተመሳሲልኩም ህዝብኹም ረሲዕኩም ከምዘለኹም ኣይትዘንግዑ። ካብ ኣዚርካ ምሕሳብ ወጺእኩም “ከብድኻ ኣብ ምላእ” ጥራይ ተጸሚድኩም  ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እስኪ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ጽሞና ትንፋስኩም ውሒጥኩም፡ ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ኣገናዚብኩም ሕሰቡ። እቲ ግዝያዊ በዚ ዝተጠቕሰ መዓርጋት ተሓቢእኩም ትረኽብዎ ዘለኹም ረብሓስ ደሓን፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ንመን ተገልግሉ ከም ዘለኹምከ ሓሲብኩምሉዶ ትፈልጡ? ንስኻትኩም እትብልዎን ትሓስብዎን እንድዒ፡ ንሕና ግና ንህዝቢ ክሒድኩም፡ ቀቢርኩምዎም ናይ ዝመጻእኩም ጀጋኑ ስዉኣት ሕድሪ ረሲዕኩም፡ ረብሓ ኣዕሽይኩም፡ ኣብ ናይ ምምሽኻን ዓለም ትነብሩ ከም ዘለኹም ኢና እንርዳእ።  ኣብ ኣካይዳኹም ካብዚ ዝተፈልየ ኣረዳድእ እንተልይኩም ከኣ ሃየ ብግብሪ “ኣነ ንህዝበይ” በሉ። ዝፈዘዘ ዓይንኹም ይከፈት። ዝተለጉመ ልሳንኩም ሓቂ ይዛረብ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ዋጋ ቃልሲ ህዝብና ከባኽን ኮነ ኢሉ ከም ዘንቀደ፡ ኣብቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሸሉ ሎሚ ምድጋሙ ብዘሕንኽ ቃላት ተለፋሊፉ። ህልዊ ኩነታት ህዝብና ክለዓል እንከሎ ከኣ “ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ” ብምዃን ጥልመቱ ኣርእዩና እዩ። እቶም ነዚ ጠላም ተግባራት መራሒ ህግዲፍ ብዓይንና ዝረኣናን ብእዝንና ዝሰማዕናንከ፡ ክንድቲ ዋጋ ስዉኣትና ብላሽ ከይተርፍ ክንጐዮ ዝግበኣናዶ ንጐዪ ኣለና ወይስ ኣይፋልናን? ነንነብስና ወይ ንነንቲ ተወዲብናሉ ዘለና ፖለቲካዊ ትካልን ምንቅስቓስን ክንሓተሉ ኣብ ዝገበኣና ወሳኒ መድረኽ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ውድባት ወይ ኣብ ሰልፍታት፡ ከምኡ እውን ኣብ ከም “ይኣክል” ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳት ንሃሉ፡ ሎሚ ናይ ዘይምዕዋት ዕንቅፋትና እንታይ ምዃኑ ፈሊጥናዮ ኢና። ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ሕጽረትና ክንከዋውሎ እንተዘይደሊና፡ ካብ ዓይኒ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ምውጋድ ህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምዃኑ ካብ እነነጽር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ድሕሪ ምውጋዱ ንህግዲፍ ተኪኡ ዝትከል ስርዓት፡ ብዙሕነታዊ፡  ሕገመንግስታዊ፡ ወሰንነት ህዝቢ ዝቕበል፡ ብምርጫ ዝድይበን ዝወርድን መንግስቲ ንክኸውን ንቃለሰሉ ዘለና እዩ። እዚ ናይ ኩልና ድሌት እዩ። እዚ ናይ ኩላትና ድሌትን ባህግን ብናይ ኩልና ውሁድ ጻዕሪ እንተዘይኮይኑ፡  ባዕሉ ዝገሃድ ኣይኮነን። ስለዚ ስርዓት ህግዲፍ ናይ ምውጋድ  ውሁድ ቅሩብነት ኣለና ማለት፡ እዚ ዕማምዚ  ብናይ ኩልና ውህሉል ዓቕሚ እምበር፡ ብውልቀ ሰብ፡ ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ከምዘይዕወት ንፈልጥ ኢና። ነዚ እንርዳእ ክነሰና፡ ህግዲፍ ኣብ “ኣፈርክቡ” ኣብ ዝሃለወሉ ህሞት፡ ብሓባር ክንስጉምን ድምጽና ከነስምዕን ዘይምብቃዕና ነብሱ ዝኸኣለ ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ካብዚ መውጸኦ ንምርካብ ሓቢርና ንውፈር ንብል ዘለና።

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ናብ  ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ሃገረ ኤርትራ (ሰዲሃኤ)  حادي - حزب الوطن الديمقراطي الإرتري) ክቡር  ዶር. ኣሕመድ ሳልሕ ናይ ዮሃናን ምሕዝነትን መልእክቲ ልኢኹ። ኣቦመንበር ተስፍይ ደጊጋ፡ ነዚ መልእኽቲ ዝለኣኸ፡ ሰዲሃኤ 6ይ ጉባአኡ ብዓወትን ሓዲሽ ፖሊስታት ብምትእትታውን ስለ ዝኸምተአ ንምምጓሱ እዩ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ሰዲሃኤ ኣብዚ ዕዉት 6ይ ጉባአኡ 37 ኣባላት ባይቶን 9 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለን መሪጹ፡ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን ዝነበረ ስሙ፡ ናብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ሃገረ ኤርትራ (ሰዲሃኤ) ቀይሩ፡ “ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምሕላው፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ክፉት ናብ ዝዀነ ሰልፊ ምስግጋር፡ ዕላማታቱ ንምዕዋት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ምጥቃም ,,,,,, ወዘተ” ዝብሉ ውሳነታ ብምትሕልላፉ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ እዩ ነቲ መልእኽቲ ሰዲዱ።

ብጻይ ተስፋይ ኣብቲ መልእኽቱ እዚ ተባዕባ ውሳነታት 6ይ ጉባአ ናይቲ ሰልፊ፡ ኣብ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝኸፍት ጠቒሱ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዝውሰንኩሞ ውሳኔታት ኣብ ምትግባር ዓወት ከሰንየኩም እናተመነየ፡ ምስ ሰልፍኹም ኰነ ምስ መላእ ደምበ ተቓውሞ ንሓባራዊ ዕዮ ዘለዎ ድልውነት የረጋግጸልኩም” ዝብል ሓሳብ እውን ኣብ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

   

ጥቅምቲ 25, 2019


ግድብ ህዳሴ

ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ንምዝርራብ ንሚንስትራት ጉዳያት ግብፂ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ዋሽንግተን ከምዝዓደሞም ተፈሊጡ። ግብፂ ነቲ ዕድመ ተቐቢላቶ’ላ።

እቲ ብናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ገንዘብ ስቲቨን ምኑቺን 21 ጥቅምቲ 2019 ዝተጻሓፈን ኣብ ኢድ ድምጺ ኣሜሪካ ዝኣተወን ደብዳቤ ንሰለስቲአን ሃገራትን ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስን ዝተፅሓፈ እዩ።

ብ5 ቢሊዮን ዶላር ይህነፅ ዘሎ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ 70 ሚእታዊት ተዛዚሙ’ሎ።100 ሚሊዮን ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ዘድልያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከማልአላ ትደሊ።

ካይሮ እቲ ግድብ ብቕልጡፍ እንተመሊኡ ካብ ናይል እትረኽቦ ማይ ክቕንስ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ አልሲሲ ኣብ ስምምዕ ከይተበፅሐ እቲ ግድብ ከምዘይምላእ ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መረጋገፂ ይደልዩ።

ንልዝብ ክልቲኦም ሃገራት ድማ ናይ ወጻኢ መንጎኛ ንነዊሕ እዋን ክትሓትት ዝፀንሐት ግብፂ 6 ሕዳር 2019 ኣብ ዝካየድ ልዝብ ክትሳተፍ ንዝቐረበላ ዕድመ ተቐቢላ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ግጭት ክሽምግሉ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ንፕረ. ትራሞፕ ከምዝሓተቱዎም ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ኣረጋጊፁ’ሎ።

ካይሮ ነቲ ኩነታት ከም ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ገይራ ጌራ ትርእዮ። ናይ ግብፂ ደገፍቲ መንግስቲ ሚዲያታት ወታደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ክፅውዑ ፀኒሖም እዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ቀረባ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ምስ ግብፂ ዘሎ ደውታ ክፍታሕ ዝኽእል ብልዝብ ጥራሕ ምዃኑን ናብ ኲናት ዘእትው እንተኾይኑ ግን ሃገሮም ሚሊዮናት ክተሰልፍ ትኽእል እያ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ምምሕዳር ትራምፕ ክሽምግሉ ንምኑቺን ምሻሞም ቅድም ኢሉ ሒዙዎ ዝነበረ ብቐጥታ ናይ ዘይምእታው ዝብል ፖሊሲኦም ዝቕይር እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ አልሲሲ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ናይ ወፃኢ ኣካላት ዝዋስእሉ ፖለቲካዊ ሽምግላ ከምዝቕበሉ ገሊፆም ኣለው። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ እቲ ልዝብ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ክድረት ኣለዎ ዝብል ዝነበራ መርገፂ ዝለወጠት ትመስል። ግብፂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንኪ ዓለም ኣብቲ ሽምግልና ክኣትው ንዘቕበቶ ፃውዒት ኢትዮጵያ ነፂጋቶ ነይራ።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኣሜሪካ-ኣብ-ጉዳይ-ግድብ-ህዳሴ-ንምዝርራብ-ንሚ-ጉ-ወ-ግብጺ-ሱዳንን-ኢትዮጵያን-ምዕዳማ-ተፈሊጡ/5139852.html

Thursday, 24 October 2019 21:35

Radio Demtsi Harnnet Kassel 24.10.2019

Written by