ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2015 ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ኣብቲ ኣኼባ ንዝተሳተፉ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኮረ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ መደረኡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት ህዝብን መንግስትን፣ ዝምድና ስርዓት ኢሰያስ ምስ ጎረባብትን ዓለምን፣ ቁጠባውን፣ ፖለቲካውን፣ ማሕበራውን፣ ወተሃደራውን ኩነታትን ሃገርና ብዝርዝር ገሊጹ።

MA Tunis

ሓው መንግስተኣብ፡ ኣብ ዝርዝራዊ መደረኡ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ብውልቀሰብ ዝምራሕ እምበር፡ ከምቲ ንቡር ብዝዓዪ መንግስታውያን ትካላት ዝምራሕ ስርዓት ኣይኮነን። ኩሎም ትካላት መንግስቲ ካብ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ሃገራዊ ባይቶን ካቢነ ምኒስትራትን ህልውንኦም ንስሙ እንተዘይኮይኑ ዝዓይን ሓይሊ ዘለዎን ኣይኮኑን ክብል ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ ዝበሃሉ ኣምራት የለዉን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ስሮዓተ ኢሰያስ ኣብ ስልጣኑ ክሳብ ዝህሉ ክህልዉውን ኣይክእሉን ክብል ኣብሪሁ።

Oslopublicmeeting 1

ንቁጠባ ሃገርን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣመልኪቱውን ኣቦ መንበር፣ ስርዓት ኢሰያስ ንናይ ምግባትን ምብሓትን መደባቱ ንምስላጥ ዘቀላጥፉን ንህዝቢ ዓለም ኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዝጥቀመሎም ጽርግያታትን ህንጻታትን እኳ እንተሰርሐን ብኡ እንተተጀሃረን፣ ቁጠባብ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተዳኸመ መጺኡ፣ ሎሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተጸባይን ተመጽዋትን ኮይኑ ተሪፉ ከምዘሎ ይትረፍስ ንዓና ንኤርትራውያን ንማሕበረሰብ ዓለም እውን እንተኾነ መርትዖ ዝድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ። ሎሚ ይብል ንሱ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብንግዲ ዝኣቱ ኮነ ንሰደድ ዝወጽእ ኣሎ ማለት ሕልሚ እዩ። እንተሎ እውን ብኮንትሮባንዳን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብን እዩ ኢሉ። እቶም ኣብ ቲሕቲ ዝኾነ ኩነታት ክህልዉ ዝነበሮም መሰረታውያን ማሕበራውያን ኣገልግሎታትን ቀረባትን ከም እኒ፣ ቀረብ እኹል መግብን፣ ማይን፣ ጸዓትን፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ወዘተውን እንተኾነ ዳርጋ የለዉን። እቶም ኣለዉ ዝበሃሉውን ነቲ ገባቲ ስርዓት ብዘገልግለ ኣገባብ እዮም ዝዓዩ ዘለዉ ክብል ምረቱ ገሊጹ። ብኻልእ ኣዘራርባብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ እንኮ ስራሕ ግዱድ ዕስክርና፣ ካብ ኤርትራ ንሰደድ ዘይኮነስ ንስደት ዝስደድ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፣ ናብ ኤርትራ ዝኣቱኸ እንታይ ኣሎ እንተተባህለ ድማ ካብ ኣዝማድን ቤተሰብን ዝስደድ ናይ ምጽወታ ገንዘብ እምበር ካልእ ሃገርን ህዝብን ብኡ ዝናበረሉ ስራሕ ኮነ እቶት የልቦን ብዝብል ኣገባብ ገሊጽዎ።

ንዞባውን ኣህጉራውን ዝምድና ስርዓት ህግደፍ ኣመልኪቱ እውን እንተኾነ፣ ምንኻስን ምትዃስን ዝመለለይኡ ስርዓት ንኹሉ ዘርብሕ ጥዑይ ዝምድና ክፈጥር ይኽእል እዩ ኢልካ ክትጽበ ዘይሕሰብ እዩ ኢሉ። ልክዕ ድሕሪ 3ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ብብእዋኑ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ዝምድንኡ ብምጉርፋጽን ምትዃስን ዝጀመረ ስርዓት ኢሰያስ፣ ሎሚ ምስ ኩሎም ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሃገራትን መንግስታትን ተባቲኹ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ እሱር ኮይኑ ክሳቀ ይነብር ኣሎ፣ ካብዚ ቆሳል ዝምድና ዝነቀለ ድማ ህዝቢ ዓለም ንወደባት ኤርትራ ተሓሲምዎ፣ ወናኒ ቀይሕ ባሕርን ወደባትን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ መጽዋቲ ክኸውን ዝነበሮ ተመጽዋቲ ኮይኑ ከምዘሎ ሓው መንግስተኣብ ኣስሚርሉ። እኩብ ድምር ናይዚ ኵሉ ግፍዕን ጭቆናን ድኽነትን ድማ ንህዝብና ሃገሩ ራሕሪሕካ ንስደት ምምራሕ እንኮ ምርጫኡ ከምዝኸውን ስለዝገበሮ፣ እታ ንእሽተይን ሓዳስን ውሑድ ዝህዝቢ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ምንጪ ስደተኛታት ብምዃን ድሕሪ ሶርያ ካልኣቲ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ ድማ ንዓለም ኣዛሪባን ኣሻቂላን ኮይኑ ከምዘሎ ተንቲኑ።

ስርዓት ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ ሰርዓት ከምዘየለ ርዱእ ከምዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ እውን ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳቁ ዘይተርፍ እኳ እንተኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ደምበ ተቃውሞ ድማ ብፍላይ ዝሓሸ መተካእታ ናይዚ ኣብ ድነ ሞቱ ዝርከብ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ክውንን ዘይምኽኣሉ ግን እቲ ዝዓበየ ኣሻቃሊ ሕቶ እዩ እንክብል ስኽፍትኡን ስኽፍታ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን ምዃኑ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሃጓፍዚ ንምምላእ ካብ ነውሕ ግዜ ኣትሒዙ ንሓድነትን ስኒትን ደምበ ተቃውሞ ከይተሓለለ ክቃለስን ዋጋ ክኸፍል ከምዝጸንሐን ድሕሪ ምሕባር፣ ሕጅውን ከይተሓለለ ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣብ መድረኽ ሕቶን መልስን ኣብ ዘምረሓሉ እዋን ድማ፣

  1. ከምቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ህግደፍን ዝነብረ ታሪኻዊ ጽልእን ቅርሕንትን ብዘተን ልዝብን ኣሊኹም ኣብ ሓድነትን ስምረትን ዝበጻሕኩሞ፣ ብተመሳሳሊ ምስ ካልኦት ኣተካይድዎ ናይ ምቅርራብ ስጉምትታት ኣሎኩምዶ፣
  2. ስርዓት ህግደፍ እንተወደቀ ንምትክኡ ዝተዳለወ ፕሮጀክቲ ኣሎዶ፣
  3. ንዕድመ መላኺ ስርዓት ንምውዳቅ፣ ክንዮ ኣበራቱን ክፍኣትን ምግላጽ እትወስድዎ ግብራዊ ስጉምቲ ኣሎዶ፣
  4. ኣብ ናይ ሓድነትን ስምረትን ምትእኽኻባት ደጋጊምኩም ክትጽምበሩን ክትዋስኡን ትፍትኑ፣ ጸኒሕኩም ከኣ ዕግበት ምስ እትስእኑ ትስሕቡ፣ እዚ ኣገባብዚ ንሰልፍኹ ኣየድክሞንዶ፣ ካብ ነቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብኹም ሰዓበና ኢልኩም ንቅድሚት እትግስግሱ ንውሑዳት ፖለቲካውያን ወድባት እንክንትብሉ ንኾንቱዶ ትደኽሙ የሎኹምን፣

ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም። ብምትሕብባር ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ፣ ኣባል ፈጻሚት ኣካል ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝግን፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብዝኾነ ብጻይ ዳዊት ኣርኣያን ድማ ኣዕጋቢ መልሲ ተዋሂብዎም። ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ሕቶታት ጥራሕ ከይተሓጽሩ፣ ንሰልፊ ከዕውትን ክስርሕን ዝኽእሉ ለበዋታት እውን ኣመዝጊቦም። ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ብዝኽረ ሰማዕታት ምስ ተዓጽወ፣ ኣኼበኛታት ብገለ ኣባላት ሰልፊ ብዝኾኑ ብዝተዳለወ መግቢ ንምሳሕ ተዓዲሞም። ዋጋ ዝበላዕኩሞ ዘይኮነስ ንኣብ ከሰላ ሃገረ ሱዳን ንዝርከቡ ኣካለ ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ንዝኾኑ ጀጋኑና ንምሕጋዝ ዓቕምኹም ኣበርክቱ ምስተባህሉ ድማ፣ ዓዓቕሞም ስለዘበርከቱ ጨንፈር ንእግረ መንገዱውን ነቲ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ማሕበራዊ ጉዳያት ምስላጥ ዝሕግዝ ዘይነዓቅ ደገፍ ካብ ህዝቡ ክረክብ ኪኢሉ። ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ንኣካለ ስንኩላን ብቐጻሊ ንምሕጋዝ ዝተመባጽዑ ዜጋታትውን ኣይተሳእኑን።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ!

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

እቲ ብጥቅምቲ 2010 ብዕሊ ዝቆመ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 09 ጥቅምቲ 2015 ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕዉት ቃልስና ብሓድነትና ይዓኹዅ ኣብ ቲሕቲ ዝብል ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዘኛን ኖርወጂያንን ዝተጻሕፈ ጭርሖ 4ይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣቃኒዑ። ኣብዚ 4ይ ጉባኤ ኣባላት ጨንፈር ካብ ርሑቅን ቀረባን ውሒዞም እንክርከቡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም እውን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ተንቐሳቂሱ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ውዒሉ።

NorwayCongressChair

 

ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዳዊት ኣርኣያ ኣብ መእተዊ ጉባኤ ንክቡር ኣቦ መንበር ሰልፍን ንተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ጨንፈርን ምዉቕ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽትን ለጊሱ። ኣስዒቡ ሓው ዳዊት፣ 4ይ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ፡ ብሓደ ወገን ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ተሰጋጊሩስ፡ መንእሰይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ዕድል ዝረኸበ ዜጋ ሃጽ ኢሉ ካብታ ዘፍቅራ ሃገሩ ኣብ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ህሞት፤ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 2ይ ጉባኤኡን ፈስቲቫል 2015 ን ብዓወት ሰጊሩ ብሓዲሽ መንፈስን ሓይልን ሓኒኑ ኣብ ዝምርሸሉ ህሞት ይካየደ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ነቶም ክሳብ ድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝረጋግጽ ደኺምና ከይበሉን ከይተሓለሉን ኣብ ቃልሶም ጸኒዖም ዝቃለሱ ዘለዉን ንዓወት 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ክውን ንምግባር ዓቕሞም ዘፍቀዶ ወፈያታት ዝገበሩ ኣባላት ጨንፈር ብልቢ ሞጒሱ።

NorwayCongress 1

ብምቕጻል ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ ብዋና ጸሓፊ ዞባ ኤውሮጳ ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ዝተላእከት ናይ የሃና መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣንቢቡ። ቀጺሉውን፡ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ሓው መድሃኔ ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ጨንፈር፣ ዝምድናታትን ዲፕሎማስን ምስ ካልኦት ኤርትራርውያንን ዘይኤርትራውያንን ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት፣ ጨንፈር ካብ ዕለተ ሳልሳይ ጉባኤኡ ክሳብ 4ይ ዕለተ ጉባኤኡ ዘሰላሰሎም ዕማማትን ዝሃቦም ኣገልግሎታትን ብዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ብጻይ መድሃኔ ኣብ ጸብጻቡ ብተወሳኺ ናይ ጨንፈር ብልጫታት፡ ገለ ሕጽረታትን ድኽመታትን እውን ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣብ መወዳእታ ሓው መድሃኔ ነቶም ኣብ ሊዕሊ ክንደይ ውልቃዊ ጸገማቶም ሰልፊ ኣብ ጉባኤኡ ኮነ ኣብ ዘካይዶ ሃገራዊ መደባቱ ንኽዕወት ኢሎም ዓቕሞም ዘፍቀዶ ኣበርክቶ ከበርክቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ኣባላት ጨንፈ ሞጒሱን ኣመስጊኑን።

ካብዚ ብምቅጻል፡ ተሓዝ ገንዘብን ንብረትን ጨንፈር ዝኾነ ሓው ማሕደር ዑቝባዚጊ፡ ናይ ገንዘብን ንብረትን ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሓው ማሕደር ቅድሚ ጸብጻባቱ ንኣድላይነትን ኣገዳስነትን ወርሓዊ ውጺኢትን ዝተፈላለዩ ወፈያታትን ብዝምልከት እኹል መብሪሂ ንጕባኤኛታት ሂቡ።  

ጻብጻባት ጨንፈር ምስ ተሰምዐ ኣብ መርሕነት ዝጸንሐት ሽማግለ ጨንፈር ካብ ስልጣና ብዕሊ ወሪዳ፣ ንዝተረፈ ከይዲ ጉባኤን መስርሕ መረጻን እትመሪሕ 3ተ ዝኣባላታ ብሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ዝቆመት ሰክረታርያ ጉባኤ ተመሪጻ።

NorwayCongress 5Shumai

ብምቅጻል ኣብ ሊዕሊ ዝተዋህበ ጸብጻባት ካብ ኣባላት ጉባኤ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቀሪቦም፣ ኣብ መሪሕነት ብዝጸንሑ ኣባላት ድማ ኣዕጋቢ መልስን ተወሳኺ መብሪሂታትን ተዋሂቡ። ንጨንፈርን ሰልፍን ከሕይል ዝኽእል ሓያለይ ለበዋታት ኣውን ተመዝጊቡ።

NorwayCongress 2

ኣብ መወዳእታ ተጋባእቲ በቲ ቅዋም ሰልፊ ዝደንገጎን ኣብ ዝዓበየ ክፍሊ ኣህጉርና ተጠቃምነት ዘለዎን ኣገባብ መረጻ ተኸቲሎም ክሳብ 5ይ ጉባኤ ጨንፈር እተገልግል 5 ዝኣባላታ ሓዳሽ ሽማግለ ጨንፈር ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም።

NorwayCongress 6MAካብዚ ብምቅጻል ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ኣባላት ጨንፈር ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ንመደረኡ ብሰላምታን ብናይ እንቋዕ ናብ ዕዉት 4ይ ጉባኤ ኣብጽሓኩም ቃላት ከፊትዎ። ኣስዒቡ'ውን ኣቦመንበር ንመደረኡ ኣብ ክልተ ክፍላት ከፋፊሉ ኣቅሪቡ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል መደረኡ፣ ሓው መንግስተኣብ ስልፊ ሳላ ዘይሕለል ተወፋይነት ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለምና ዝርከቡ ኣባላቱ ከምቲ ወትሩ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን እውን ን2ይ ጉባኤኡ ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ማለት ኣብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ብዓወት ከምዘሰላሰለ ገሊጹ። ኣቦ መንበር ቀጺሉ ኣብ ዝርዝር ብምእታው ጉባኤ ከም ንቡር ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ነገራት ማለት ኣብ ፖልቲካዊ መደብ ዕዮ፣ ኣብ ቁዋም ሰልፊ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ኣብ ምምራጽ ሓዲሽ መርሕነትን ክዝቲ ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብቲ ዝነበረ ሰነዳት ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምግባር ጉባኤኡ ብዓወት ከምዝዛዘመ ደጊሙ ኣበሲሩ። ኣብ ሓድሽ መርሕነት ሰልፍውን እንተኾነ ብዙሕ ለውጢ ከምዝተገብረ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ደቂ ኣንስትዮ ቁጽሪ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ካብዝነብሮ ክብ ከምዝበለ ግንከኣ ክሳብ ፍርቂፍርቂ ዝኸውን እውን ክጸዓረሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ እንክብል ሓው መንግስተኣብ ኣስሚርሉ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል መደረኡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርን ህዝቢን ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ ዘረብኡ እቲ ብሓደ ሰብን ብሓደ ሓንጎል ዝዝወር ኣብ ሃገርና ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ስርዓትን ሰልፍን ብዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ሎሚ ህዝብና ኣብ ፍጹም ብምትታን ሃገርና ድማ ኣብ ጎደና ዕንወትን ፍሽለትን ከምእትርከብ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንኹሎም ኣባላት ጨንፈር ደጊሙ ዮሃና ድሕሪ ምባል ክሳብ ዓወት ቃልስና ብድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ዝረጋገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቃልሲ ጸኒዑ ክቃለስን እጃሙ ከበርክትን ኣዘኻኺሩ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና!

ክብርን ሞገስን ንስወዕእትናን ስንኩላትናን!!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Why is strategic planning important?

Depersonalizing the Eritrean Politics

What we need is not leaders but leadership
                                                 

ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ኣሰራርሓ፣ መንግስታዊ ይኹን ግላዊ፣ መኽሰባዊ ኩባንያ ይኹን ኢ-መኽሰባዊ ማሕበር ገለ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ናይ ሓባር መለለይታት ኣለዎም። ናይ ሓደ አኩብ ሕዝቢ ወይ ጉጅለ ንሓደ ውሱን ዕላማ ወይ ንገለ ዕላማታት ንምዕዋት ብሓንሳብ ዝሰርሑሉ ብኡ ዝጽለዉን ወይ ድማ ንሳቶም ክጸልውዎ ዝኸአሉ ኩሉ ግዜ ዝቀያየር ኣካባቢ ዝሰርሑሉ ኣገባብ ማለት ኢዩ።

ስትራተጂካዊ ፕላን ምውጻአ ማለት ድማ መገዲ ኣተሓሳስባኻን፣ኣሰራርሓኻን፣ኣመሃህራን፣ንዕላማታት ውዳበኻ ብዝሔሸ ኣገባብ ከመይ ገርካ ኣብቲ ዘይተረጋግኤ ዘይተረጋገጸን ናይ ውሽጥን ደገን ተጻቦታት ቀጻልነቱ ተረጋግጽ ማለት ኢዩ። ስትራተጂካዊ ፕላን ነቲ ሓያል ዝኾነ ብድሆታት ገጢምካ ከመይ ገርካ ናብ ዕድላት ትቅይሮ ዝሕግዝ ኣገባብ ኣቀራርባ ኢዩ።

መስርሕ ስትራቲጂካዊ ምውጻአ ንውዳቤኻ ብናይ ርሑቅ ጠመተ ብሰፊሑ አቲ ዝግድሶ ዓቢይ ስአሊ አቲ  አቲ ውድብ አንታይ ሰለምንታይ ከመይከ ይሰርሕ ኢዩ፣ሓሓንሳብ ግን ፍሉይ ስራሓት አውን ክህልዎ ይከኣል ኢዩ።

አምበኣርከስ ስትራተጂካዊ ፕላን ማለት፣ሓደ ኣገዳስን ስርዑን ጻዕሪ ንመሰረታዊ  ውሳነታትን ስራሕትን ንክትፍጽም አቲ ውደባ አንታይ ኢዩ፣ አንታይከ ኢዩ ስራሑ፣ ስለምታይከ ከምዚ ይሰርሕ ኢልካ ትልምታት ምውጻአ ማለት ኢዩ። ራአይ ዘለዎ ብሓደ ሸነኽ ኮይኑ፣ ኣብ ወድዕነት ዝተመርኰሰ ኣገባብ ኣሰራርሓ ምኽታል ማለት ኢዩ።ራአይን ኣፍልጦን ነንሕድሕዱ መታን ክሕይል፣አቲ ፕላን ተዓጻጻፍን ግብራውን መሪሕ ኮይኑ ንውሳነታትን ምምቅራሕ ምንጭታት ብጽፈት ከምዝዋፈር አኸአሎ ይህበካ።

ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ንትካላዊ ዓቅምታት የዕዝዝ ንጹር ዝኾነ ጸጋታት ድማ ኣለዎ፣ እንታይ ኢዩ እዚ ጸጋታት ብስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ዝርከብ፣
I. ትካላዊ
1. ንውዳባኸ ይኹን ንጥፈታት ውደባ ብጽፈትን ክእለትን ንኽተትግብር ይሕግዘካ
2. ናብ ስትራትርጂካዊ ኣሰራርሓ ባህሊ ንክትፈጥር ይሕግዘካ
3. ብዛዕባ ኣካባቢኻ ኣፍልጦ ንክትረክብ ይሕግዘካ
4. ኣፍልጦ ብዛዕባ ርእይቶታትን ዕላማን/ ናብ ዕላማ ዘምርሕ ስራሕ ንክትሰርሕ ይሕግዘካ
5. ኣመራርሓ ናይ ዝተፈላለየ ውልቀሰባት

II. ን ኣመራርሓ ብቅዓታት ሓፍ ንምባል ይሕግዝ- Enhances the capacity of leadership
ኣብ ሓደ ጥዑይ ኣመራርሓ ዝርከብ ኣርባዕተ ክፋላት- Components of good leadership
1. ናይ ምውህሃድ ብቅዓት ወይ ከኣ ማሕበራዊ ብቅዓት- Integrator
2. ምምሕዳራዊ ብቅዓት፣ ናይ ስራሕ ብቅዓት- Aministrative
3. ኣፍራዪ ብቅዓት/ ስትራተጂካዊ ብቅዓት- producer
4. ናይ መሃዚ ብቅዓት- entrepreneur    
 ሰለስተ መሓውር ኣብ ምሕደራ ሕዝባዊ ጉዳያት
1. ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣካባቢኻ- ምስ  ግዜን ኩነታትን እናሰማማዕካ ምስራሕ
2. ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣረኣእያኻን ዕላማን- ስራሕካ ናብ ዕላማ ዘትኰረ ይኹን
3. ኣመራርሓ ብዝተፈላለየ ኣገባባት- ውልቃዊ ኣመራርሓ- ዘቡናዊ ኣመራርሓ

ናይ ሓደ ውደባ ሓያልን ድኹምን ጐድኒ
1. ቅርጻ ውደባ
2. ምሕደራ
3. ኣባልነት
4. ተሳትፎ /ክፍትነት
5. ቅዋምን መደብ ዕዮን
6. ውሽጣዊ ደሞክራስያ
7. ናይ ምትሕብባርን ዘተን ልምድታት
8. ናይ ውደባ ምንጭታት/ ሰብኣውን ማላውን
9. ዝምድና ምስ መራኸቢ ብዙሓን
10. ዝምድና ምስ በርገሳዊ ማሕበራት
11. ግዳማዊ ዝምድናታት

ሎሚ ንኣወዳድባ  ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ እንተሪኢና ክንደይ ኢየን ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ዘማልኣ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ።
ነፍስ ወከፍ ውደባ ሰለስተ ጸፍሕታት ናይ ስራሕ ኣለዎ፣ Three levels of organizational actions
1. ስትራተጂካዊ ጸፍሒ/ Strategic፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ፣ ራእይን፣ተልእኾን፣ መደብ ዕዮን፣ እምነታትን/ Principles/ Values ውደባ ይካየድ
2. መርሕነታዊ ጸፍሒ/ Management፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ ድማ ምንጭታት ውደባ ይመቃራሕ፣ ስራሓት ውደባ ምክትታልን ምፍጻምን ይፍጸም
3.  ስርሒታዊ ጸፍሒ/ Operational፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ ድማ፣ መዓልታዊ ስራሓት ውደባ በብቦታኡ ይካየድ

መግለጽታት
ራእይ ማለት፣ ኣበይን እንታይን ክትከውን ትደሊ፣ ንኣብነት ፣ ኤርትራ ኣበይን እንታይን ክትከውን ኢኻ ትደልያ Vision statement answers the question; where and what do we want to be.

ተልእኾ፣ እንታይ ኢዩ ነዚ ክንገብር ዝድርኸና ሰለምንታይክ ኢዩ፣ እንታይ ከነዕውት፣ Mission statement answers the question: what are we here to do.

ክብርታት፣እምነታት፣ ንካልኦት ከመይ ንሓልዮም ካብኦም ከ እንታይ ሓልዮት ንጽበ፣ Value statement answers the question: how do we want treat others and how do we want to be treated ourselves. it is not in what we do but how we do and with whom we do. Values include honesty, integrity, caring,  trust and respect.

Enough for today-----------------continues

Miles Amoore Africa correspondent Published: 11 October 2015

Many of the African migrants to Europe come from Eritrea, a one-party state since 1991, where torture is common in labour campsMany of the African migrants to Europe come from Eritrea, a one-party state since 1991, where torture is common in labour camps (Fabrizio Villa)

SURVIVORS of Eritrea’s labour camps recall few methods of torture with as much fear as the technique known as the “helicopter”.

Victims have their elbows and feet tied tightly together behind their backs, often with wire or plastic rope that makes their limbs bleed.

They are then strung from trees and dangle in the scorching sun. Gangrene sets in, resulting in amputations.

Eritrea is the third-largest source of migrants flooding Europe with more than 5,000 people fleeing their homeland every month.

Despite the country’s horrors, catalogued in United Nations reports, investigations by activists and court papers, European Union officials last week outlined plans to deport Eritreans seeking asylum in Europe back to Africa.

A plane carrying the first Eritrean refugees to be relocated within Europe left Rome on Friday for northern Sweden.

Not all the Eitreans who follow will be so fortunate. The EU is set to build reception centres

Source=http://www.thesundaytimes.co.uk/sto/news/world_news/Africa/article1618014.ece?CMP=OTH-gnws-standard-2015_10_11

Sunday, 11 October 2015 22:49

Eritrea in Our Hearts

Written by

Eritrea i våran hjärtan

ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ምሉእ ዓወት ክጓናጸፍ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ እዩ። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንብደረጃ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዘማእክል ዞባዊ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ`ዩ። ኩሎም ኣካላት ናይ`ዚ ምልዕዓል`ዚ፡ በብከተምኡ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ከም ገዛእ ዋኒኖም ክጉስጉሱ፡ ክሳተፉ ነማሕጽን።

ሃብሮማትን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ንነውሕ ክጽዕርሉ ንዝጸንሑ ጅግና ቃልሲ ፡ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ሰኒዱ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዝልለ ፍሩይ ዓወት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናይ`ዚ መድረኽ `ዚ እዩ። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተማለአ ኮይኑ ክድምደም፡ ቀጻልን ንጡፍን ደገፍ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ይሓትት። ስለዚ፡ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ሓደ ህዝባዊ መደብ (ፕሮጀክት)፡ ህዝባዊ ዓወት ኣረጋጊጹ ንቕድሚት ክምርሽ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ህዝቢ`ዩ።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከም ናይ ህዝቢ ምትእስሳርን ምጥናፍን፡ ኣብ`ዚ መደብ/ፕሮጀክት`ዚ (ሰላማዊ ሰልፍን ምድግጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽንን) ኮነ ኪንኡ ዝቕጽል ስራሕ፡ ተዓዊቱ ክወጽእ ኣበርቲዑ ክሰርሕ`ዩ። ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣነጺሩ ዘቐመጠ ህዝባዊ ትካላዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣታኣታትዩ እናማዕበለ ፡ ንዘየቋርጽ ወሓዚ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርግጋጽ ጻዕርታቱ ክቕጽል`ዩ። እዚ ኣሰራርሓ`ዚ፡ እምነ-ኩርናዕ ናይ ቀጻልን ዘላቒን ህዝባዊ ዓወታት ከመዝግብ ዝኽእል መዋጸኦ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ምድግጋፍ፡ ከም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፕሮጀክት ይወስዶ። ስለዝኾነ፡ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኢድ-ንኢድ ኣተሓሒዙ ክሰርሕ ዝኽእልን ንትግባረ- ኣሰራርሕኡ ዘገልግልን እማመ ኣብ ምድላው ከምዘሎን፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት ንስራሕ ክዋፈረሉ ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ ፡ ብሕኑን ወኒን ተወፋይነትን ክዕወት ዝግበኦ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብብዝሑ ቁጽርን ብዝለዓለ ፍናን ንክሳተፍዎ ደጊምና ብትሕትና ነማሕጽን።

ህዝባዊ ጥርናፈ፡ መድሕን ህዝብን ሃገር`ዩ!!

ውድቀት ንኹሉ መልክዓት ምልኪ!!!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

10/10/2015

UN security council to assess expert report on alleged support for subversive activity as EU moots possibility of increasing aid to tackle migration problem

A report on Eritrea’s alleged support for subversive regional activity comes with relations between the country’s government and the international community at a crossroads. Photograph: AFP/Getty Images

 

The UN security council will meet on Friday to consider a report on Eritrea’s alleged support for subversion across the Horn of Africa. The report, by the UN Monitoring Group on Eritrea and Somalia, will play an important part in the global body’s decision on whether to continue sanctions against the Eritrean regime.

Relations between President Isaias Afwerki’s government and the international community are at a crossroads. The UN and the EU may decide to embrace the regime despite its dire human rights record, ploughing aid into the country and attempting to crack down on the smugglers who have enabled tens of thousands of Eritreans to flee their homeland.

Equally, diplomats may conclude that until abuses in Eritrea end, people will continue to cross state borders at the rate of 5,000 a month. Should this be the case, pressure on Afwerki could be stepped up, with the UN adopting a wider range of sanctions and the EU refusing to consider Eritrea a suitable partner in its continuing African dialogue.

Eritreans make up one of the largest groups of refugees arriving on European shores – in April alone, more than 5,300 came ashore in Italy, according to UN figures.

EU governments are attempting to come up with a battery of policies aimed at sealing off “Fortress Europe” from unwanted migrants and increasing the speed and volume of deportations for refused asylum seekers.

According to 10 pages of draft decisions prepared for a meeting on Thursday of this week, the European institutions and national governments are to make a show of deporting refused asylum seekers in what looks like a vain attempt to try to discourage others from making the journey.

Eritreans are named among those against whom these measures could be taken.

The EU has also started Operation Sophia, under which a naval taskforce headquartered in Rome will work to halt operations smuggling people across the Mediterranean.

Six ships – including Britain’s HMS Bulwark – will be used to “start to dismantle this business model by trying to apprehend some suspected smugglers”, Rear Admiral Hervé Bléjean told the BBC.

This is what the Eritrean government, which is acutely embarrassed that so many of its citizens are fleeing their country, has been calling for. In December last year, Eritrea’s minister of foreign affairs, Osman Saleh, told an EU–Horn of Africa conference that his country was “determined to work with the EU and all European countries to tackle irregular migration and human trafficking and to address their root causes”.

European ministers have been discussing bolstering these efforts by increasing aid to Eritrea by 200m (£147m), in the hope that this might relieve the poverty that could drive migration.

If Britain and its allies appear close to an accord with Eritrea, there are also strong pressures in the opposite direction.

In June, a UN commission of inquiry into human rights in Eritrea published a report accusing the regime of abuses so severe that they “may constitute crimes against humanity”.

The commissioners said it was these atrocities – rather than underdevelopment and poverty – that were behind Eritreans’ decisions to risk all to leave their country.

There have since been further allegations that the Eritrean government is continuing to destabilise its neighbours and nearby countries – the issue that triggered the UN sanctions against it in the first place.

Afwerki is reported to have trained and equipped Houthi rebels in their drive against the Yemeni government. The Eritreans are said to have allowed Iran to use the Danakil islands in the Red Sea as a base from which to arm and train the Houthis. Eritrea’s foreign ministry has strongly denied these claims.

The UN security council will be well aware of these various issues when it considers the report from its team of monitors. A great deal will depend on what evidence the experts have been able to amass concerning Eritrea’s undermining of its neighbours. 

 

“We are all different, which is great because we are all unique. Without diversity life would be very boring.”

 Catherine Pulsifer 

Governments, political parties and communities around the globe in advanced and developing countries strive to adopt their constituents’ voice and interest by incorporating representative policy in their charters to reap better social, economic and political progress. This concept of participatory governing or process is called political diversity. What is the essence of diversity?

According to the Queens Borough Community College website, “The concept of diversity encompasses acceptance and respect. It means understanding that each individual is unique, and recognizing our individual differences.  These can be along the dimensions of race, ethnicity, gender, sexual orientation, socio-economic status, age, physical abilities, religious beliefs, political beliefs, or other ideologies.  It is the exploration of these differences in a safe, positive, and nurturing environment. It is about understanding each other and moving beyond simple tolerance to embracing and celebrating the rich dimensions of diversity contained within each individual.”

Therefore, political diversity is a framework that allows people of one nation to establish a representative governance to have a saying on the decision making process that affects their livelihood. It brings diverse people from different ethnic groups, regions and religions together to form a governing body that respects, accepts and recognizes the human and political interests of all stakeholders. In a nutshell, political diversity is a system that fulfills the political interests of all parties involved. The process guarantees its owners to participating in the decision making process in policies that affect their political, social, and economical life.

Eritrea (like India, Nigeria and Switzerland) is a multiple ethno-territorial diverse country. Nonetheless, Eritrea’s ethno-linguistic and religious blood relationship offers a better situation for harmonious political diversity than the said examples. The Bilen and Saho religious bi-communal formation, and the ethno-linguistic Tigre blood relationship with the Tigrina are core foundations of our social and political make up. This unique formation is a winning formula that should not be squandered.

It is for that reason that the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) is striving to establish a representative governance system to advance the interests of all Eritreans. A government where all ethnic groups and regions participate in the process through their representatives. This way all Eritreans will have a voice in their government and their political  interest are respected and recognized. 

Could diversity mean the give up or submission of one’s culture? Or, does diversity mean the coercion of one culture in favor of another? Absolutely not. A culture is the way people live their daily lives. Fortunately, each ethno-linguistic group in Eritrea have very distinctive culture, and representative system of governing empowers the culture of every stakeholder. It never promotes the coercion or submission of cultures. It rather allows diverse cultures to co-exist side by side in harmony and bondage. Thus, one can confidently say that political diversity is about inclusiveness and not exclusiveness. 

In conclusion, our diversity is unique and rich. We need to explore and invest on our uniqueness from a human aspect where we can build bridges of understanding and dialogue. This way we are stronger and will come out winners together.