ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኦስሎ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2015-10-13 19:27:42 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 3285 times

ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2015 ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ኣብቲ ኣኼባ ንዝተሳተፉ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኮረ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ መደረኡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት ህዝብን መንግስትን፣ ዝምድና ስርዓት ኢሰያስ ምስ ጎረባብትን ዓለምን፣ ቁጠባውን፣ ፖለቲካውን፣ ማሕበራውን፣ ወተሃደራውን ኩነታትን ሃገርና ብዝርዝር ገሊጹ።

MA Tunis

ሓው መንግስተኣብ፡ ኣብ ዝርዝራዊ መደረኡ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ብውልቀሰብ ዝምራሕ እምበር፡ ከምቲ ንቡር ብዝዓዪ መንግስታውያን ትካላት ዝምራሕ ስርዓት ኣይኮነን። ኩሎም ትካላት መንግስቲ ካብ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ሃገራዊ ባይቶን ካቢነ ምኒስትራትን ህልውንኦም ንስሙ እንተዘይኮይኑ ዝዓይን ሓይሊ ዘለዎን ኣይኮኑን ክብል ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ ዝበሃሉ ኣምራት የለዉን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ስሮዓተ ኢሰያስ ኣብ ስልጣኑ ክሳብ ዝህሉ ክህልዉውን ኣይክእሉን ክብል ኣብሪሁ።

Oslopublicmeeting 1

ንቁጠባ ሃገርን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣመልኪቱውን ኣቦ መንበር፣ ስርዓት ኢሰያስ ንናይ ምግባትን ምብሓትን መደባቱ ንምስላጥ ዘቀላጥፉን ንህዝቢ ዓለም ኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዝጥቀመሎም ጽርግያታትን ህንጻታትን እኳ እንተሰርሐን ብኡ እንተተጀሃረን፣ ቁጠባብ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተዳኸመ መጺኡ፣ ሎሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተጸባይን ተመጽዋትን ኮይኑ ተሪፉ ከምዘሎ ይትረፍስ ንዓና ንኤርትራውያን ንማሕበረሰብ ዓለም እውን እንተኾነ መርትዖ ዝድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ። ሎሚ ይብል ንሱ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብንግዲ ዝኣቱ ኮነ ንሰደድ ዝወጽእ ኣሎ ማለት ሕልሚ እዩ። እንተሎ እውን ብኮንትሮባንዳን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብን እዩ ኢሉ። እቶም ኣብ ቲሕቲ ዝኾነ ኩነታት ክህልዉ ዝነበሮም መሰረታውያን ማሕበራውያን ኣገልግሎታትን ቀረባትን ከም እኒ፣ ቀረብ እኹል መግብን፣ ማይን፣ ጸዓትን፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ወዘተውን እንተኾነ ዳርጋ የለዉን። እቶም ኣለዉ ዝበሃሉውን ነቲ ገባቲ ስርዓት ብዘገልግለ ኣገባብ እዮም ዝዓዩ ዘለዉ ክብል ምረቱ ገሊጹ። ብኻልእ ኣዘራርባብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ እንኮ ስራሕ ግዱድ ዕስክርና፣ ካብ ኤርትራ ንሰደድ ዘይኮነስ ንስደት ዝስደድ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ፣ ናብ ኤርትራ ዝኣቱኸ እንታይ ኣሎ እንተተባህለ ድማ ካብ ኣዝማድን ቤተሰብን ዝስደድ ናይ ምጽወታ ገንዘብ እምበር ካልእ ሃገርን ህዝብን ብኡ ዝናበረሉ ስራሕ ኮነ እቶት የልቦን ብዝብል ኣገባብ ገሊጽዎ።

ንዞባውን ኣህጉራውን ዝምድና ስርዓት ህግደፍ ኣመልኪቱ እውን እንተኾነ፣ ምንኻስን ምትዃስን ዝመለለይኡ ስርዓት ንኹሉ ዘርብሕ ጥዑይ ዝምድና ክፈጥር ይኽእል እዩ ኢልካ ክትጽበ ዘይሕሰብ እዩ ኢሉ። ልክዕ ድሕሪ 3ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ብብእዋኑ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ዝምድንኡ ብምጉርፋጽን ምትዃስን ዝጀመረ ስርዓት ኢሰያስ፣ ሎሚ ምስ ኩሎም ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሃገራትን መንግስታትን ተባቲኹ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ እሱር ኮይኑ ክሳቀ ይነብር ኣሎ፣ ካብዚ ቆሳል ዝምድና ዝነቀለ ድማ ህዝቢ ዓለም ንወደባት ኤርትራ ተሓሲምዎ፣ ወናኒ ቀይሕ ባሕርን ወደባትን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ መጽዋቲ ክኸውን ዝነበሮ ተመጽዋቲ ኮይኑ ከምዘሎ ሓው መንግስተኣብ ኣስሚርሉ። እኩብ ድምር ናይዚ ኵሉ ግፍዕን ጭቆናን ድኽነትን ድማ ንህዝብና ሃገሩ ራሕሪሕካ ንስደት ምምራሕ እንኮ ምርጫኡ ከምዝኸውን ስለዝገበሮ፣ እታ ንእሽተይን ሓዳስን ውሑድ ዝህዝቢ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ምንጪ ስደተኛታት ብምዃን ድሕሪ ሶርያ ካልኣቲ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ ድማ ንዓለም ኣዛሪባን ኣሻቂላን ኮይኑ ከምዘሎ ተንቲኑ።

ስርዓት ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ ሰርዓት ከምዘየለ ርዱእ ከምዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ እውን ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳቁ ዘይተርፍ እኳ እንተኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ደምበ ተቃውሞ ድማ ብፍላይ ዝሓሸ መተካእታ ናይዚ ኣብ ድነ ሞቱ ዝርከብ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ክውንን ዘይምኽኣሉ ግን እቲ ዝዓበየ ኣሻቃሊ ሕቶ እዩ እንክብል ስኽፍትኡን ስኽፍታ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን ምዃኑ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሃጓፍዚ ንምምላእ ካብ ነውሕ ግዜ ኣትሒዙ ንሓድነትን ስኒትን ደምበ ተቃውሞ ከይተሓለለ ክቃለስን ዋጋ ክኸፍል ከምዝጸንሐን ድሕሪ ምሕባር፣ ሕጅውን ከይተሓለለ ክቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣብ መድረኽ ሕቶን መልስን ኣብ ዘምረሓሉ እዋን ድማ፣

  1. ከምቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ህግደፍን ዝነብረ ታሪኻዊ ጽልእን ቅርሕንትን ብዘተን ልዝብን ኣሊኹም ኣብ ሓድነትን ስምረትን ዝበጻሕኩሞ፣ ብተመሳሳሊ ምስ ካልኦት ኣተካይድዎ ናይ ምቅርራብ ስጉምትታት ኣሎኩምዶ፣
  2. ስርዓት ህግደፍ እንተወደቀ ንምትክኡ ዝተዳለወ ፕሮጀክቲ ኣሎዶ፣
  3. ንዕድመ መላኺ ስርዓት ንምውዳቅ፣ ክንዮ ኣበራቱን ክፍኣትን ምግላጽ እትወስድዎ ግብራዊ ስጉምቲ ኣሎዶ፣
  4. ኣብ ናይ ሓድነትን ስምረትን ምትእኽኻባት ደጋጊምኩም ክትጽምበሩን ክትዋስኡን ትፍትኑ፣ ጸኒሕኩም ከኣ ዕግበት ምስ እትስእኑ ትስሕቡ፣ እዚ ኣገባብዚ ንሰልፍኹ ኣየድክሞንዶ፣ ካብ ነቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝብኹም ሰዓበና ኢልኩም ንቅድሚት እትግስግሱ ንውሑዳት ፖለቲካውያን ወድባት እንክንትብሉ ንኾንቱዶ ትደኽሙ የሎኹምን፣

ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቦም። ብምትሕብባር ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ፣ ኣባል ፈጻሚት ኣካል ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝግን፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብዝኾነ ብጻይ ዳዊት ኣርኣያን ድማ ኣዕጋቢ መልሲ ተዋሂብዎም። ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ሕቶታት ጥራሕ ከይተሓጽሩ፣ ንሰልፊ ከዕውትን ክስርሕን ዝኽእሉ ለበዋታት እውን ኣመዝጊቦም። ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ብዝኽረ ሰማዕታት ምስ ተዓጽወ፣ ኣኼበኛታት ብገለ ኣባላት ሰልፊ ብዝኾኑ ብዝተዳለወ መግቢ ንምሳሕ ተዓዲሞም። ዋጋ ዝበላዕኩሞ ዘይኮነስ ንኣብ ከሰላ ሃገረ ሱዳን ንዝርከቡ ኣካለ ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ንዝኾኑ ጀጋኑና ንምሕጋዝ ዓቕምኹም ኣበርክቱ ምስተባህሉ ድማ፣ ዓዓቕሞም ስለዘበርከቱ ጨንፈር ንእግረ መንገዱውን ነቲ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ማሕበራዊ ጉዳያት ምስላጥ ዝሕግዝ ዘይነዓቅ ደገፍ ካብ ህዝቡ ክረክብ ኪኢሉ። ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ንኣካለ ስንኩላን ብቐጻሊ ንምሕጋዝ ዝተመባጽዑ ዜጋታትውን ኣይተሳእኑን።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ!

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Tuesday, 13 October 2015 22:09