ልሳይ ክፋል

ብዘይካ ኣብ ዝጽሕትሮ ህውከትን ውግእን፡ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይኽእል ፋሽስታዊ መራሒ፡ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ ቀንዲ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን  ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ሃገራት  ሓደ መራሒ ሃገር በዚ ደረጃ’ዚ እመርሖ ኣለኹ ንዝብሎ  ህዝቢ ክጸልእን ክንዕቕን  ሳሕቲ ተርእዮ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክብሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ጥራይ ኣይኮነን ገፊፍዎ፡ ከይነብር ሂወቱ ከይዕንግል፡ ተማሂሩን ሰሪሑን ከይምዕብል ኣጊድዎ ኢዩ። ካልኦት መለኽቲ ስርዓታት ምስ እንርኢ ህዝቢ ንኣረኣእያኦም ተኸቲሉ ክኸይድ ዝቕስቡ’ውን እንተኾኑ፡ ህዝቢ ናብርኡ ከመሓይሽ እናደገፉ ዝያዳ ክርብሓሉ ዝኽእል መሰረተ ልምዓታት ብምህናጽ  ኣብቲ ሃገር ምዕባለ ከምጽኡ ይረኣዩ ኢዮም። እቲ ሽግር ብናቶም መላኺ መንገዲ ስለዝኸድዎ’ምበር ሃገሮም ንካልእ ኣሕሊፎም ዘይህቡ ኢዮም። ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ግና፡ እመርሖ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝብን ሃገርን ዝንዕቕን ዝጸልእን እንትርፎ ዕንወትን ስቓይን ስደትን ሞትን ካልእ ጽቡቕ ነገር ከምጽእ ዘይከኣለ መራሒ ኢዩ።

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ በደላት ኣይኣክልን ኢሉ እንሆ ኸኣ ሎሚ ንህዝብና ኣብ ውግእ ዘይምልከቶ ጎረቤት ሃገር ጠቢስዎ ይርከብ። እዚ ንህዝቢ ዕላምኡ ፍሉጥ ዘይኮነ፡ መዓስ ክውዳእ ኢዩ ዘይተፈልጠ፡ ክንደይ ዋጋ ከኽፍል'ዩ ዘይተገምገመ ውግእ  ንህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ዓቢ ዋጋ ኣኽፊልዎ ከምዝህሉ ክግመት ዝከኣል ኢዩ። ዘዕርፎ ናይ ግዳም ጸቕጥታት እንተዘይረኺቡ ብተዋሳእቲ ሓይልታት ናይዚ ውግእዚ ከቢድ ጉድኣት ከየውረደ ብተሎ ዝውዳእ ኣይመስልን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን  ነዚ ውግእዚ፡ ዓለም ኣቓልቦኣ ኣብ ምርጫ  ፕረሲዳንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረትሉ ምጅማሮም ብሰላሕታ መደቦም ንምፍጻም ኢዩ ነይሩ። ብዝወሓደ  ክሳራ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህወሓት ድምጻን ድምጽማጻን ከጥፍእዎም  መዲቦም። ዝወጠንዎ መደብ ክሰልጠሎም  ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ ንዓኣቶም  ዘይተጸበይዎ ክሳራ ወሪድዎምን ይወርዶም ኣሎን። “ሓደ ሰላማዊ ሰብ ኣይቀተልናን” ዝበልዎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰብ ብግፍዒ ተቐቲልዎ  ሰፍ ዘይብል ንብረት  ዓንዩ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ስፍርኡ ተዘናቢሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተሰዲዱ። ንዓመታት ኣብ ትግራይ ዑቕባ ረኺቦም ብሰላም ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ናይ ሞትን መጭወይትን ምብትታንን ኮይኖም ኢዮም። እቲ ብሕቡእ ክውዳእ ተሓሲቡ ዝነበረ  ውግእ ዓለም ፈሊጥዎ፡ ብርቱዕ ቁጠዐ ድማ ኣኸቲሉ።

እቲ ውግእ ክጅምር ከሎን ሎሚን ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታት  ተቐይሩ ኢዩ። ክጅምር ከሎ ናይ  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ሸነኽ ናይቲ ኣቢይ ዝመርሖ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን  ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን በቲ ካልእ ሸነኽ ኢዮም ተሰሊፎም ነይሮም። ሎሚ ግና ኣብቲ ኣሰላልፋ፡ ነቲ ኣቢይን ኢሳያስን  ዘካይድዎ   ዘለው ውግእ ዝጻረር  ሓይልታት በዚሑ ኣሎ። ዋላ ንህወሓት ንምድሓን ኢሉ እንተዘይኮነ፡ በቲ ኣቢይን ኢሳያስን  ዘካይድዎ ዘለዉ  ብናይ ውግእ ሕግታት ዘይምራሕ ገበናዊ ተግባራት ወያነ ይጽውዖ ንዘሎ  መፍትሒ ተጸንቢረሞ ክኸዱ ይረኣዩ ኣለዉ። ድምጽታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራዊ ማሕበራትን ኣብዚ መስርዕዚ ኣትዮም ኣለዉ።

ብቐንዱ ግን፡ ሰራዊት ኣብይ፡ ኢሳያስን ክልል  ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈጺመሞ ብዘለዉ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዕንወትን ምብስባስን ንህዝቢ ትግራይ ኣዚዩ ኣቖጢዕዎን ኣጨኪንዎን  ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ከረሳርስዎን ክኸስብዎን ዝኽእሉ ኣይመስሉን። እቲ በደል ኣብ ልዕሊ  ፍሉይ ሓይሊ ህወሓት ፈልዩ ዝተፈጸመ ስለዘይኮነ፡ ዋላ ቀደም ዝምድናኦም ምስ ህዝቢ ገለ ጨዳድ እንተነበሮ ሎሚ ግን ሰጢሙ ኣንጻር በደልቱ ክቃለስ ገይርዎ ኢዩ። ብሄርተኝነት ትግራይ ዋላ ካብ ቅድም ዝነበረ እንተኾነ፡ ሎሚ ግና ዝያዳ ክግንፍል ይረአ ኣሎ። እዚ ሓያል ስምዒት’ዚ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ዝሕዘሉ ገፊሕ ምናልባታት ኣሎ። ትግራይ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽልዶ ኣይትቐጽል ዝብል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከም ዓቢ ሕቶ ክለዓል ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምጽላዉ ዘይተርፎ ኢዩ።

ሕጊ ንምኽባር ተባሂሉ ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ውግእ፡ ንወተደራዊ ዓቕሚታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሃስይዎ ምህላዉ ዘየጠራጥር ኢዩ። ወያነ ተመሊሶም ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ርዱእ ኢዩ። ብዓንተብኡ ውን ኣብቲ ብኢትዮጵያውያን ዝተኻየደ ኣቢይ ኣሕመድ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዘምጽኣሉ ለውጢ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ኣብ ትግራይ ተደሪቶም ኢዮም። ወያኔ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊን  ኣተሓሳስባን ካብ ኢትዮጵያ ክጠፍኡ ግና ዘይመስል ነገር ኢዩ። ሎሚ ኢትዮጵያ እትኸደሉ ዘላ ፈደራላዊ ስርዓት ፈሪሱ ብኣሃዳዊ ስርዓት ክትካእ ዝደልዩ ካብ ብሔረ ኣምሓራ እንተዘይተረኺቦም ካልኦት ብሔራት ዝቕበልኦ ኣይኮናን። እቲ መሰረታዊ  ጠንቂ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ እዚ ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያ በየናይ  ስርዓት ትመሓደር ኣብ ዝብል ኢዩ እቲ ፍልልይ። እቲ ካልእ መመኽነይታታት መሐወስታ ጥራይ ኢዩ። ዋላ ንወያነ ካብ ፖለቲካዊ ጸወታ እንተኣውጽእዎም እቲ ሽግር ዝፍታሕ ኣይኮነን። ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝዝውሮ ኣቢይ ኣሕመድ ትጽቢት ዘይግበር ኮይኑ'ምበር፡ መፍትሒ ናይዚ ሽግርዚ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝሳተፍዎ ፖለቲካዊ ሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ኢዩ።

ናብ ኩነታት ኤርትራ ክምለስ፡ መንግስቲ ጉጅለ ህግደፍ ንኹሉ መዳያት ህይወት   ህዝቢ ኤርትራ ብክትንክፍ ዝኽእል ደረጃ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእቲዩ ኣሎ። እዚ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝኸውን  ዝሕባኣሉን ዝከሓደሉን  ምኽኒያት የብሉን። እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ክኸውን ዘይክእል፡ ኢሳያስ ውልቃዊ መደባቱ ንምዕዋት፡ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንምስፍሕፋሕን ዝኸዶ ዘሎ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ካብኡ ተሳዒሩ ክወጽእ ኩሉ ቃልሲ ከካይድ ኣለዎ።

ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነዚ መንግስቲ ኢሳያስ በዚ ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ  ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻሩ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁ ንጥቕሚ ኤርትራ ከውዕልዎ ክጽዕሩ ይግባእ።

ይቕጽል

ብዕለት 06 መጋቢት 2021 ዓ.ም.ፈ ክልተ ጨናፍር ሰዲህኤ ሃገር ሽወደን ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ንክብርን ዝኽሪን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ 5ተ ሰዓት ዝወሰደ መግለጺ ርሱን ዓሚቅ ክትዕ ተካይዱ። እዚ ታሪካዊ ሙዉቅ ምሸት ድሕሪ ናይ ክልተ ኣቦ መንበራት ሰላምታን ሓጺር መእተውን ንብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ዕድል ተዋህበ። እዚ ኣገዳሲ ሃብታም ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣደታት ሓያሎ ዓመታት ቅድሚ ሰውራን ኣብ ሰውራ ዝተጻውተኦ ተባዕ ቆራጽ ግደ ምዉቅ መሃሪ ብሓቂ ተንካፊ ዝኾነ ትንተና ረዚን ሰነዳዊ ግብራዊ ብኣዝዩ ኣገራሚ ዝኮነ ኣቅሪባቶ። ኮይኑ እዚ መስተንክር ብልሓት ጽሮት ንድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፡ ካብ ጊዜ ባዕዲ ንላዕሊ ኣብ ጊዜ ሰውራ በዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ጉጂለ ዝተፈጸመ ዝመረረን ዝኸፋኤን ንግደ ኣደ ወላዲት ኣምኪኑ ኣብ ምዕባይ ደቃ ባህሎምን ክብሮምን ኣህሲሱ ዘጽነተ፡ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ክሳብ ሳዋ ብምዕናዉ ኣረመኤናዊ መደባቱ ብምትግባር እንሆ ሃገረ ኤርትራ ምስላን ክብራን ደምሲሱ በቲኒዋ ይርከብ ብምባል ኣልጋነሽ ብቀደም ተኸተል ብኣብነት ተቀምጦ። ቀጺላ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ኣዝዩ መሪር ቀባጽ ኢሰብኣዊ ነውራም ግህሰት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እሞ ከኣ ብደቅናን ኣሕዋትና ዘርእና ንክትዛረበሉ ከም ሰብ እውን ዘሕፍር እዩ ብምባል ብዓሚቅ ጓሂ ምስትንታን መግለጺኣ ትድምድም። ብምቅጻል ንታሪኻዊ መደረ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ብምድናቅ ኩሉም ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣገናዕ ብምባል ዓቢ ሓበንን ኩርዓትን ንቀጻሊ ቃልሲ ዕጥቆም ከበሩኹ ቃሎም ኣሔዲሶም። ብምቅጻል ብጻይ መንግስተኣባ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፍን፡ ኣባል ኣዋሃዲት ሽማገለ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝኾነ ዕድል ተዋሂቡ፡ ሃለዋት ሰልፍን ንጥፈታቱን ምዕባሌታቱን ሓቢሩ፡  ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብጽፉፍ ልክዕ ሃለዋትን በጺሑዎ  ዘሎ ደረጃ  ሓቢሩ። ብጻይ ዶ/ሃብተሚካአል ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ሓላፊ ናይ ገንዘባዊ ጉዳይ ሰልፊ ብጹምቅ እሩም ኣገባብ ሳላ ዉፍይነት መላእ ኣባላት ሰልፊ ዝምስገን ትሕዝቶ ከም ዘሎ ኣበሲሩ፡ ብምቅጻል እውን ንምእላይ ናብ ሱዳን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዕዉት ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ እውን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ብኣባላት ሰዲህኤ ዝልኣኽ ዘሎ ሓገዝ ሰናይ ተበግሶ ኣድኒቁ። ሳተፍቲ ኣኼባ ብምሉኣቶም ንዝተዋህበ መግለጺ መሪሕነትናን ሰልፍና ኣብ ምዕዋት ሓባራዊ ቃልሲ ፕሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘበርክቶ ዘሎ መሪሕ ግደ ኣመስጊኖም፡ ይኹን እምበር ምስ ዚ ሎሚ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ኤርትራ ልዕላውነታ ብክድዓትን ጥልመትን ቃልሳ ኣንዳዕዲዑ ናብ ኢትዮጵያ ከምበርክኻ ኣግሂዱ ይሰርሕ ስለ ዘሎ ንድሕነት ሃገርና እኹል ኣይኮነን ብምባል ፡ ብዝያዳ ማዕረኡ ንምልጋሱ ዘምርሕ ቃልሲ ከሰጋገር ኣሎዎ ብምባል ተሪር ምሕጽታ ኣቅሪቦም ተማሳሳሊ ምይይጥ ቀጻሊ ክኸውን ኣስሚረምሉ። ኣብ መደምደምታ ከኣ ንነብሰሔር ወልዱ ዮውሃንስ ብዝነበሮ ሓያል ተሳትፎ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምዝካር ናይ ሓዘን ተሳተፍቲ ምኻኖም ገሊጾም ብዝኽረ ስዉኣት ኣኼባ ተዛዘመ።

Saturday, 06 March 2021 22:54

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 06.03.2021

Written by

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ኩለንተናዊ ናይ ለውጢ መስርሕ የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸ  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትኽበር ተወሲና።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

እዛ ዕለት እዚ ቦታ’ዚ ክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ተራእዩ።  ቀንዲ ሕቶ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ቃልሰን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድሌትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓሊፉ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ኣንንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ ከኣ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኩነታት ግና ከከምቲ ህልዊ ምዕባለ ናይቲ ዓመት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝነበረ ኩነታት ምስ ናይ ሎሚ ዘበን ይፍለ እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ከኣ ንኣዘኻኽራ 8 መጋቢት ይጸልዎ። ቀንዲ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነት ክረኽባን ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባር “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላሰል ይግባእ። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2021 ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምረት ደቂ ኣንስትዮን ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮረናቫይርስ ዘስዓቦ ቅልውላው  ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ  ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ኣሓትን ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ብምእታዎም  ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2021 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ግን ኣብኡ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልስን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ እሱራት ከይኮና ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መጻኢ መንገዲ ዝጸርጋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ  ግና ናተን ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነተን ዘይስገር እዩ። ናብዚ ክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ዲሞክራስያውን ማሕበራውን ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግባእ።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይስገር ዓብይ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወትሩ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ እቲ ቀንዲ ብደሆ እዩ።

8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ

Thursday, 04 March 2021 20:43

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 04.03.2021

Written by
Thursday, 04 March 2021 06:19

Eritrea Liberty Magazine Issue #67

Written by

ካልኣይ ክፋል

ብመሰረቱ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ብምዃኑ እንተዘይ ሓዱሽና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት እናፈጸሞ ዝጸንሐ ኢዩ። ንዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ግፍዒ፡ ቅትለትን ምብስባስን መለለይታት ናይ ኣመራርሕኡ ኢየን። ኤርትራ ንስልጣኑ ጸቢባቶ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ስለ ዝወሓዶ  ህርፋን ስልጣኑ ንምርዋይ ኢዩ፡ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኢሉ ኢዩ ነዚ ወራርዚ ኣትይዎ። ከምቲ ገለ ኤርትራውያን  ተመጻደቕቲ ዝብልዎ እዚ ኢሰያስ ኣካይድዎ ዘሎ ወራር ምስ ጉዳይ  ኣብ ዶባት ዝርከብ መሬት ኤርትራ ምምላስ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።

ኢሰያስ ሕቶ ዶብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ከም ጉዳይ ርእይዎ ኣይፈልጥን። “ንዶብ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ክንሰጋገር ኢና” ኢሉ ዝምድር ዝነበረ ሰብኣይ ኢዩ። ነዚ እምነትዚ ውን ኣይተዓጸፈሉን። መመሊሱ ድኣ የሐድሶ ኣሎ'ምበር። “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ። ክልተ ህዝቢ ዝብሎ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ” ብማለት ደጊሙ ደጋጊሙ ብምግላጽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ እምነት ኣርእዩና ኢዩ።

ኢሰያስ ነዚ እምነትዚ ኣብ ባይታ ንምትርጓም ይዋሳእ ኣሎ። ነዚ መደብዚ ንምትግባር መሳርሕቱን ዓንቀፍቱን ከላሊ ግድን ስለዝኾነ ድማ ነዚ ኣነጺሩ ይጓዓዝ ኣሎ። ኣብዚ ጉዕዞዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ካልኦት  ኣሃዳዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ክትከል ዝደልዩ፡ ብቐንዱ ከኣ ብሔረ ኣምሓራ መቃልስቱን ፈተውቱን ኮይኖም ኣለዉ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዕንቅፋት ናይ መደባቱ ስለዝኾነ ከም ክድምሰስ ዘለዎ ሓይሊ ወሲድዎ ዘሎ ኢዩ። ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ፡ እቲ ቀዳማይ ሸነኹ፡ ብኣቢይ ዝወጸ ኢትዮጵያዊ መደብ ሒዙ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ሸነኹ ድማ፡ ብኢሰያስ ዝወጸ ኤርትራዊ መደብ ሓቚፉ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ። 

ኩሉ ከምዝርድኦ፡ ኢሰያስ ብዝኽተሎ ፖሊሲ ኣመራርሓ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ክረአ ዝኽእል ምዕባለ ኣይተረኽበን። እኳ ደኣ ኢሰያስ ባዕሉ ከምዝብሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ምዕባለታት ሎሚ ከምዘየለን ከምዝፈረሰን ሃገር ንድሕሪት ከምዝተመልሰትን፡ ኣብ ቃለ ምልልሱ ነዚ ክብል ኢዩ ተሰሚዑ "ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምጽዋዕ ሎሚ የላን፡ ዝነበረ ፋብሪካታት እንዳ ዓለባ፡ እንዳ ጥርሙዝን ካልኦትን ኩሉ በሪሱ ኢዩ የሎን።" ኢትዮጵያ ተሳዒራ ካብ ኤርትራ ክትውጽእ ከላ ኣብ 1991 እዚ ኣብያተ-ስራሕ ኣብ ደሓን ኩነታት ኢዩ ነይሩ። ኤርትራ ዘይምዕብልትን ዘይቅስንትን ሃገር ኮይና ክትነብር፡ ብዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ዝተታሕዘ መደብ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ኣርብዓታት ምዕራባውያን ገዛእቲ ኤርትራ ብነብሳ ክትነብር ዘይትኽእል ድኻ ሃገር ኢያ፡ ምስ ካልእ ተጸጊዓ ክትከይድ ኣለዋ ብማለት ንናጽነታ ዝጻብእዎ ዝነበሩ፡ ኢሰያስ ውን ኤርትራ ብዘይ ምጽጋዕ ምስ ኢትይጵያ ክትነብር ኣይትኽእልን ዘብል ኩነት እናፈጠረ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ብዘይ ሃገር ዝምርሓሉ   ብዘይ መላእ ተሳትፎ ህዝብን ብዘይ ናይ ግዳም ምትሕግጋዝን ክረጋገጽ ዝኽእል ዕቤት ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣይተራእየን።  ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነዚ ሓቂ'ዚ ኪሒዱ ኢዩ ሃገር እመርሕ ኣሎኹ ዝብል ዘሎ። ህዝቢ ኩሉ ጸጋታቱ፡ ዓቕምታቱ፡ ንብረቱን ፍልጠቱን ኣውፊሩ ዝዋስኣሉ ሰርዓት ከይተፈጥረ፡ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ዝጀሃረሉ ዝንበረ፡ ብመጽናዕቲ ዘይተሰነየ  ጃህራ  ምልካዊ ስርዓት ከንቱ ምንባሩ ኣመስኪሩ ኢዩ።

ኢሰያስ ባዕሉ ንዝደቖሳ ሃገር ምስምስ ከቕርበሉ ስለዝደለየ ግን ናይ ኩሉ ሓጥያትን ተሓታትነትን  ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣሰኪሚዎም።  ከምቲ “ብዓለም ዝተገብረልና እገዳ ስጒሚ ከኺደና ኣይከኣለን፡ ሃገርና ክንሃንጽ ኣይከኣልናን” ዝብሎ ዝነበረ፡ ሕጂ እገዳ ምስ ተላዕለሉ ድማ፡  ህወሓት ስጒሚ ከኺዱና ኣይከኣሉን ዓንቂፎምና ይብል ኣሎ። ብዓይኒ ኢሰያስ ኣብ ኤርትራ ምዕባለ ዝመጽእ ወያነ ምስ ዝጠፍኡ ጥራይ ኢዩ ዝብል ዘሎ። እቲ ሓቂ ግን ምዕባለ ናይ ኤርትራ ዝመጽእ ብዓቕሚ ህዝባን ዝወሃቦ ኣመራርሓን ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ኢሰያስ ግን ክፈልጦን ክጥቀመሉን ኣይደለየን። ወያነ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢዮጵያ ይመርሕሉ ኣብ  ዝነበሩ እዋን ዕንቅፋት እንተነይሮም ውን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ናይ ለውጢ ቃልሲ ደረቶም ሒዞም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሽግር መፍትሒ ኢሉ ንዝኣመሞ ኢሰያስ ካብ ተቐበሎ ነዚ መስርሕዚ ምኽታል ኢዩ እቲ ዝግባእ ዝነበረ። ኢሰያስ ገጽ ናይ ወያነ ከይረኣየ ጉዳይ ክልተ ሃገራት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ክፈትሕ ዝኽእለሉ መንገዲ ኔርዎ ኢዩ። ሽግራት ክልተ ሃገራት ብቅደም ተኸተል ተሰሪዑ ክፍታሕ ኔርዎ። እቲ ቀዳማይ ዝስራዕ ሽግር ድማ እቲ ከም ምኽኒያት ንዕስራ ዓመታት ኣብ ኩነታት ኣይሰላም ኣይውግእ ዘጽንሐ ጉዳይ ዶብ ክልተ ሃገራት ክፍታሕ ይግባእ ነይሩ። ነዚ ኸኣ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝፈትሕዎ ኢዩ ነይሩ። እቲ ክተሓዝ ዝነበሮ መንገዲ እዚ ነይሩ ክነሱ  ክልተ መራሕቲ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ንክልተ ህዝብታትን መንግስታዊ ትካላትን ግሉጽ ብዘይኮነ መንገዲ ንክልተ ሃገራት ዝምልከት ጉዳያት በይኖም ክኸድዎ ተራእዮም። እቲ ቀንዲ መጀመሪ ናይ ምዕራይ ዝምድና ክልተ ሃገራት፡ እቲ ጠንቂ ናይ ሽግራተን ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ምፍታሕ ክኸውን'ዩ እቲ ባህርያዊ ዝነበረ። እንተኾነ ግን ክልቲኦም መራሕቲ መንግስታት ነዚ ጎስዮም ካልእ ኣጀንዳ ኢዮም ሒዞም። ኣጀንዳኦም ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባና ሓይሎም ዝወጽሉ መደብ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ንምትግባር ክኽእሉ ድማ፡ ነቲ ህወሓት ዝመርሖ ኢህወድግ  ብዝኽተሎ ዓለመ-ርእይቶ ተመሪሑ ዝኸይድ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ከፍርስዎ ኣለዎም።  ክልቲኦም ኢሰያስን ኣቢይን ከካብ መንቀሊኦም ተበጊሶም ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንምጥፋእ ሓደ ኮይኖም ክሰርሑ ካብ መጀመርታ ዝተራኸብሉ ግዜ ኢዮም ተበጊሶም።

ዉልቀ መላኺ መራሒ ስርዓት ኤርትራ ዝኾነ ኢሰያስ፡ ብዝተፈላለየ እሙን ናይ ሓበሬታ ምንጭታት ይስማዕ ከምዘሎ፡ ወረራኡ ኣንጻር እቶም ንዓመታት ሕነ ስዕረቱ ክፈዲ፡ ስኑ ነኺስሎም ዝጸንሑ መራሕቲ ህወሓት ጥራይ ኣይኮኑን። ቀንዲ ከም ዕላማ ዝወሰዶ ንምዕባለ ትግራይ ኣዕኒዩ ማዕረ እታ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ድቑስቲ ክልል ንምግባራ ኢዩ። ጽልኡ ምስ መራሕቲ ወያነ እንተኔሩ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምቕታልን ምብስባስን ምክያድ ደኣ እንታይ ኣምጸኦ?   ህዝቢ ሰሪሑ ዝጥቀመሉ ፋብሪካታት፡ ዝግልገለሉ ሆስፒታላትን ዝነብረሉ ህንጻታትን ከዕኑ ዓቢ ገበን  ኢዩ።

ከም ኢርትራውያን፡ እዚ ብሰራዊት ኢርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት፡ ኣብ ልዕሊ ጎረቤትና፡ ዓንጋልን ኣዕቋብን  ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ዝኾነ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ዘሎ ስለ ዝኾነ   ከሕመናን ክቐንዝወናን ይግባእ። ነቲ በቲ ከነልግሶ እንቃለሶ ዘሎና ጨካን ስርዓት ኢሰያስ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ክንቃወሞን ክንምክቶን ይግባኣና። ቅኑዕ መርገጽ ምስ መን ይሰርዓና ብዘየገድስ፡ ብስንኩፍ ኣተሓሳስባ ከይተደናገርና ኣንጻር ገበንን ግፍዕን ጠጠው ክንብል ኣሎና። ሎሚ ወይ ልክዕ ከምቶም ሰዓብቲ ህግደፍ ምስቲ ስራሓት ዘይቅዱስ ምሕዝነት ኢሰያስን ኣቢይን ጠጠው ምባል ኢዩ። ወይ ውን ምስቶም ኣብ ዓለም ስለ ፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉ  ምስቲ ዝብደል ዘሎ ህዝቢ ትግራይ  ምስላፍ  ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ንዓና ዝምልከት እምበኣር ኢሳያስ ኣብ ዘይምልከቶ ብምእታው ንዝጸንሐ ስቓይ ህዝብና የጋድዶ ስለዘሎ እዩ። ነታ ኣብ ክሳዱ  ኣጻዊድናያ ዝጸናሕና መሸንቆቓ  ዶብ ሰጊሩ ዝያዳ እትጸበሉ ጨካን ተግባራት የካይድ ኣሎ። ምስዞም ንገበነኛታት ኣቢይን ኢሰያስን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንምቕራብ ዝጽዕሩ ዘለዉ ሓቢርና ንቃለስ። ነዛ መቕተሊቱ ዝኾነት መሸንቆቓ ብምስሓብ፡  ኣጽቢብና ትንፋሱ ነሕልፎ። እዚ እንገብሮ ድማ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ሓሊና ኣይኮነን።    ምእንቲ ኤርትራን  ህዝባን  ኢልና ኢና  እንገብሮ።

ይቕጽል

                                                

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ከካይዶ ዝጸንሐ ፍሉይ ኣኼባታት፡ ብ28 ለካቲት 2021 ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡ 5ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ ምጅማር እቲ ኣኼባ  ሓጺር መኽፈቲ ቃል  ኣስሚዑ። ኣስዒቡ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ናይ ኣኼባ ኣጀንዳ  ኣዘኻኺሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ሰልፋዊ ዕማማት ዝድህስስ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ጸብጻባት መዚኑን ተመያይጥሉን። እቲ ጸብጻብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተዘርጊሑ ምስ ጸንሐ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ  ጸብጻብ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት  ከኣ ዝርዝራዊ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብያተ-ጽሕፈት ብመሰረትቲ ኣቐዲመን  ዝተለመኦ፡ እዋናዊ ኣገዳሲ መደብ ስረሓት ከም ዝዓመማን ዝተርፈን ከም ዘሎን ተራእዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት እቲ ኣወንታዊ ጐኒ ዝያዳ ጐሊሑ ዝቕጽለሉ፡ እቲ  ሕጽረታት ከኣ ዝምላኣሉ ስልትታት ቀይሱ።

ብዘይካዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ14 ለካቲትን 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያየጠሉ  ዛዕባታት ዝትግበረሉ መንገድታት ኣሚቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣኼባ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሓድነት ናይ ምርግጋጽን ንምሕያል ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ሰዲህኤ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ። ብምትሕሓዝ ከኣ ብፍላይ እቲ ንኤርትራ ብቐጥታ ዝጸልዋ ኩነታት ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ምዕባለታት ዞባና  ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ደረጃ ኣትዩ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሉ ከኣ ነዚ ምዕባለታት እንዳተኸታተልካ ቀጻሊ ሚዛናት ምግባር ከም ዘድሊ ኣኼባ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ደገፍቲ ሰልፍናን ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ተሃዋሲ ኩነታት፡ በቲ ሓደ ወገን ዓቕምን ሓድነትን ሰልፊ ኣብ ምሕያል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ኩሎም ሓይልታት ለውጢ ሓቢርካ ዘስርሕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር  ቃልሶም ከዛይዱ ኣኼባ ጸዊዑ።

EPDP Magazines