ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

2021-02-28 21:34:00 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2023 times

ኣብ  ጥሩፍ ኣተሓሳስባ እንተ ኲንካ  ወይ’ውን ብክቱር ጽልኢ እንተተዋሒጥካ ንዝፍጠር ተረኽቦታት ሚዛናውነት ብዘለዎ ክትግምግሞ ኣጸጋሚ ኢዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ተረኽቦ ኣብ ምምዛኑን ኣብ ኣተሓሕዛኡን ኣብ  ኤርትራውያን ፍልልይ ዝፈጠረሉ ዘሎ ምኽኒያት’ውን ብዛዕባቲ ኩነታትን ተዋሳእቱን ቅኑዕ መረዳእታን ሚዛንን ዘይምህላው ምዃኑ ክንግንዘቦ ዝከኣል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ረርእሶም ዝኸኣሉ ክልተ ናጻ ህዝብታት ኢዮም። ንርእሶም ጥራይ ዘገድሶም፡ ማንም ክኣትዎ ዘይክእል ናይ ባዕላቶም ልዑላውነትን ክብርን ኣለዎም። ሃገራቶም ከመይ የመሓድሩን የማዕብሉን ናይ ባዕላቶም ጉዳይ ኢዩ። ነዚ ሓቅታትዚ ኩሉ ሰብ ክኣምነሉን ከኽብሮን ዝግባእ ኢዩ ድማ። ነዚ ጥሒሱ ዝኸይድ ውልቀ-ሰብ ዲዩ ጉጅለ፡ ውድብ ዲዩ መንግስቲ ነዚ ንምኽባር ተባሂሉ ብዝተቐመጠ ሕጊ ተሓታቲ ኢዩ ዝኸውን።

ከም ኤርትራውያን፡ ኣየናይ ሃይማኖት ንኣምን፡ ኣየናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ንኽተል፡ ኣየናይ ቋንቋ ንዛረብ፡ ወድና ጓልና፡ ሰብኣይና ሰበይትና ንልዑላውነት ሃገርናን ንወሳንነት ህዝብናን ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝግህስ ግዳማዊ ሓይሊ ምስ ዝመጽእ መከትቱን ተቓወምቱን ኢና። ብዓንደ- ርእሱ እቲ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ቃልሲ ነዚ ክብሪ'ዚ ኢዩ። በዚ ልክዕ ድማ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሌና ክፍጸም ዘይንደልዮ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት እውን ክፍጸም ኣይንደልዮን።  ንነብስኻ እትደልዮ ፍትሒ፡ ንካልኦት ክንፈጎም ከሎ ክትርኢ ትም ምባል ዘይፍትሓዊ ኢዩ ዝኸውን።

ዝተፈላለያ መንግስታት ኣብ ሓድሕደን ንመትከል ጣልቃ ዘይምእታው ዝሰማማዓሉ ምኽንያት ንልዕልነት ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ከምዝኾነ ንምርግጋጽ እየን። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ኢዩ። ንኢትዮጵያውያን ባዕሎም ክፈትሕዎ ክግደፍ ይግባእ። እቲ ዝኸውን ዘሎ ግን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ኢዩ ብማለት ብሙሉእ ዓቕሙ ኣትይዎ ይርከብ። በየናይ መለክዒ ኢዩ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኤርትራ ክኸውን? ክልተ ናጻ ሃገራት? ክልተ ናጻ ህዝብታትዶ ኣይኮናን? እቲ ሓቂ ከምኡ ክነሱ መንግስቲ ኤርትራ በዚ ኣትይዎ ዘሎ መጠን ኣብ ጉዳይ  ኢትዮጵያ ምእታዉ ሰብኣውን ሕጋውን ግህሰት ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ። ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕን ዘነውርን ተግባር ብቐዳምነት ክቃወሞ ዘለዎ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ብዓይኒ ህዝባውን ሰብኣውን መሰል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዘነውር ተግባራት ብኹሉ ኤርትራዊ  ክኹነን ዘለዎ ኢዩ።

መሰረታዊ ድሌታትን መነባብሮን ናይ ህዝቡ ውሑስ ክገብር ዘይከኣለ መንግስቲ፡ ክንደይ ናይ  ሃገር ምምራሕ ዋኒን ከሰላስልስ ይትረፍ ክጅምሮ ውን ዘይበቕዐ ከምዚ ዝኣመሰለ መጠነ-ሰፊሕ ኢድ ኣእታውነት  ከካይድ ናይ ኣእምሮ ዘለዎ ተግባር ኣይኮነን።  ናይ ዝሓለፈ ውግእ ቁስሊ በሰላ ንዘየሕወየ ህዝቢ መሊስካ ናብ ዘይረብሓሉ ኲናት ምጥባስ ኣብ ህዝቢ ሓልዮት ዘይምርኣይ ኢዩ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ በደል ዶብ ሰጊሩ ንከቐጽሎ ክንደይ መንእሰይ ገንሸል ከም ዝኸውን  መሳኪን ወለዲ ዝጽብጽብዎ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። ብዓይኒ ቁጠባ ክረአ ከሎ ውን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ንግጉይ ፖሊሲኡ ኣብ ትግራይ ንምትግባር ዘባኽኖ ዘሎ ቁጠባ ብዋጋ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸዶ ዘሎ ምዃኑ ዘይርድኦ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን። እዚ ዝጠፍእ ዘሎ ገንዘብ ብሰንኪ ስእነት ሕክምና ንዝሞቱ ዘለዉ መድሃኒት ተገዚእሉ እንተዝኸውን ህዝቢ ክንደይ ምስተጠቕመ። ህዝቢ ግብሪ ከፊሉ ዝኣከቦ ገንዘብ ኣብ ዘይመዓልኡ ክጠፍእ ክንዕዘብ ከሎና፡ ኩልና ንሃገርና እንሓሊ ኤርትራውያን  ክንቃወሞ ዝግባእ ተግባር ኢዩ።

እዚ ብሓፈሻኡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ፖለቲካ ክጥምትዎ ዝህልዎም ካልእ ጉዳያት ውን ኣሎ። ከምቲ ዲክታቶር ኢስያስ ስልጣኑ ንምድልዳልን ንምስፍሕፋሕን ብዞና (ንሱ ክምዝብሎ ድማ ጎደቦ) ዝሓስብ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲውን ብክንድኡ ደረጃ ክሓስቡ ክኽእሉ ኣለዎም። ተቓወምቲ ሓይልታት እግሮም ዝረግጽሉ እሙን ቦታ ምርካብ ክጽገምሉ ካብ ዝጸንሑ ጉዳያት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት ናጽነታዊ ቃልሲ፡ ሱዳን ከም ሓንቲ መናሃርያ ቃልሲ እትውሰድ ሃገር ኢያ ነይራ። ድሕሪ ናጽነት ግን፡ ከምኡ ኮይና ክትቅጽል ኣይከኣለትን። ከም መርገጺ እግሪ ኮይና ክትርከብ ዝኸኣለት ኢትዮጵያ ኢያ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዓቕሞም ብዘፍቀደሎም ካብ መሬት ትግራይ እናወፈሩ ፖለቲካዊ ስራሓቶም ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም።  ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ምንባርን ካብኡ ወወፊርካ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምክያድን ንመንግስቲ ህግድፍ ካብ መንጸሮር ዝፈጥርሉ ጉዳያት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝነበረ ኤርትራዊ ተቓዉሞ ንምብታን ናቱ ሃሱሳትን ሰለይትን ብምልኣኽ ፈተነታቱ ኣካይዱ ኢዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝነበሮ ካልእ ቅርሕንታቱ፡ መንግስቲ ትግራይ ንተቓወምቲ ብዝሃቦ ሓገዝ ብኢሰያስ ከም ቀዳማይ ጸላኢ ኣቑጺርዎ ኢዩ። ኢሰያስ ምስ  ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንመንግስቲ ትግራይ (ህወሓት)  ክድምስስ ክብገስ ከሎ፡ ንእግረ መንገዱ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ውን ከምኡ  ንምጥፋእ ኢዩ። ፖለቲካዊ ተቓወምቲ  ከስተብህልሉ   ዘለዎም ነገር ትግራይ ሰፈር ተቓወምቲ ምንባራ እዩ። መዕቆቢት ናይ ካብ ስቓይን ሞትን ሃዲሞም ዝመጹ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኤርትራውያን እውን  ነይራ። ገዝኡን ስፍርኡን ከፍርስ ንዝመጽእ ጸላኢ ኣንኳይ'ዶ ወዲ ሰብ፡ እንስሳታት ከይተረፉ ይከላኸሉ ኢዮም። ንምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ዝቃወም ውልቀ ሰብ ዲዩ ውድብ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራት ካልእስ ይትረፍ እሞ ብሰብኣውነት ክንኩንኖን ክንምክቶን ዝግባእ ኢዩ። እዚ ድማ ንትግራይ ኢልና እንገብሮ  ዘይኮነስ ከም ኤርትራውያን ንርእስና  ኢልና ኢና እንገብሮ።

ይቕጽል

Last modified on Sunday, 28 February 2021 22:37