ኣዋሃሃድቲ ሓይሊ ዕማም (TASK FORSE) ቦለኛ ፎርም ኣኼብኡ ኣካይዱ

2014-09-26 20:36:58 Written by  ብፍትዊ ክፍለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 6568 times

ኣኼባ ቦሎኛ 2014 ኣኼባኡ ብምድምዳም ናይ ሓይሊ ዕማም መዚዙ ድሕሪ ምብጋሱን ኣብ ዕለት 17.09.14 ንመጀመርያ ጊዜ ብስካይፕ (SKYPE) መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ኣዋሃሃድቲ ሓይሊ ዕማም (TASK FORSE) ቦለኛ ፎርም ኣኼብኡ ብምክያድ መደብ ስራሓቱ ተሊሙ።

እዚ ኣኸባ እዚ  ብሓጺሩ፡ እቲ ካብ ቦሎኛ ዝተዋህበና መደብ-ዕዮ ብዘይ ውዓል ሕደር  ኩነታት ህዝብና ኣብዚ እዋን እዚ ኣድህቦ ዓለም ክረክብ ኣይክእልን ይኽውን፡ ከምኡ እውን ስርዓት ውልቀ መላኺ  ድማ እቲ ዓለምና ኣትያቶ ዘላ ቅልውላውን ኣብ ርእሲኡ ጠልጠል ኢሉ ዓቕሉ ከጽብበሉ ጀሚሩ ዝነበረ ኣድህቦ ዓለም  ተበሊጹ  ግፍዓዊ ስራሓቱ ኣበርቲዑ ንህዝቢ ኣደራዕ  የኻዕብቶ ምህላዉ ተገንዚቡ።

እቲ ‘’ሽግር ኤርትራውያን፣ ኤርትራዊ ፍታሕ ’’ ዝብል ቅኑዕ ጭርሑኡ ብዝያዳ ሕጂ ክስርሓሉ ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ኣብ ዝቐልጠፈ ማለት ኣብ  28 መስከረም 2014 ንኹሎም ቦለኛ ፎርም ዝተጋብኡ ብምዕዳም ኣብ ዝተበጽሔ መደብ- ዕዮ ተሞርኲሰን፣ እተን ወጺኤን ዘለዋ ናይ ዕማም ሓይልታት ናታተን ስትራተጅካዊ መደብ-ዕዮ (strategical plan) ዘቕረብኦ ውጥን ርእዩ ዘድሊ ምእራምን፣ ለበዋን፣ ክቕስም ተራዳዲኡ።
ኣብዚ   ዝመጽእ  ኣኼባ ቦለኛ ፎርም: ሐደ መልክዕ ንኽህልዎን  ኣጋባብ ምምሕዳሩ ብኸመይ ክከናወንን ህዝባዊ ተሳታፍነቱን ስረታቱን ብኸመይ ይማላእ ዘኣመሰሉ ኮታ ዘድሊ ቅርጻ  ከትሕዝ እዩ። በዚ መሰረት፡  መትንታቱ ኣወሃሂዱ እቲ መስርሕ ሓቢርካ ምስራሕ ብስራሕ ኣቢልካ ዝምድናታትን፡  ተኣማንነትን ብምድልዳል ንኹሉ ዘሳትፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ጽላል ንምምስራት ዓቢ ጻዕርን ስራሕን  ዝሓትት  ኮይኑ  ግደን ጉቡኡን ቦለኛ ፎርም  ዕዙዝ ምዃኑ ተራዳዲኡ።

ብድሕሪዚ ንዕለት 15 ጥቕምቲ 2014 ክኣ ኩለን እተን ሓይሊ ዕማማት ተራኺበን እቲ ዘውጽእኦ ስትራተጂካዊ መደብ-ዕዮ ብቦለኛ ካርቱም ምምሕያሻትን መኣረምታን ምሕጽንታን ብጽፉፍ መልክዕ ተቐቢለን ኣብ ጎደና ስራሕ ኣትየን ጉዕዘኤን ብኑጹር ኽጅመራ ተሳማሚዔን።

እዚ ፈለማ ኣኼባ ናይ ኣዋሃሃድቲ ሓይሊ ዕማም(Task Forse) ቱኩርን ህዱኡን ድልየት ስርሓት ዝሓዘለ ኣወንታዊ ኣኼባ እዩ ነይሩ።   ኣብ ደገ እውን ዓቢ ትጽቢት ይጽበዮ ከም ዘሎ  ተገንዚቡ። ብዘለካ ዓቕምን ጊዜን ብዘይ ምሕላል ኽትሰርሕን፣  ህዝብኻ ተሳታፊ ጥራይ ዘይኮነስ ተዋሳኢ ዝኾነሉ ጊዜን ባይታን እዩ ዘሎ እሞ ኣይንሕመቕ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ፣ንኽእል ኢና እወ ንኽእል ፣ ብምባል ንዝመጽእ ቆጸራታቱ ክራኸብ ተሳማሚዑ።

ንስውኣትን፡ ነቶም ብዘይ በደልዎ ገበናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ የሕዋትን ኣሓትን ዓበይቲ ዓድን ዕለት 18.09.2001 ብምዝካርን ብዓቢኡ ኽኣ ዕለት ወርሒ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ሰውራና ሽግ ናጽነትናን ዘበሰረት ብምዃና ነዛ ተኾሊፋ ዘላ መስርሕ ሓርነት ንምቕጻል ተመባጺዑ ኣኼባኡ ደምዲሙ።


Last modified on Friday, 26 September 2014 22:51