ግዚያዊ ገምጋም ቦሎኛ ፎርም 2014

2014-09-21 10:47:36 Written by  ኣድሚን ፓል ሓርነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 44814 times

ሰንበት ዕለት 14-09-2014 ፓል ሓርነት ንኣቶ ዳኒኤል ገብረሚካኤል ብዛዕባ ናይ ቦሎኛ ገምጋም ንኽህብ ኣብ ዝሓለፈ ግዚያት ዕድመ ተገይሩሉ ኣብ ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ብወገኑ ነቲ ዕድመ ተቐቢሉ ነዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ዕለት እዚ ሓዲሽ ንመጀመርያ ናይ ተሓባቢርካ ምስራሕ ተበግሶ ፓል (Eritrea Degena and Teshamo Forum) እውን ተጸንቢርዎ ክልትኡ ፓላት ብዝተወሃሃደ መገዲ ኣብ ክልትኡ ገዛ ብምዝርጋሕ ናይ ክልትኡ መስኮት ዝቐረበ መደረ ክሰምዑን ሕቶን ርእይቶን  ከቕርቡን ተኻኢሉ።

እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብሓቂ ነዘን ክልተ ፓላት ጥራይ  ዘይኮነ ካልኦት እውን ኽጽንበርኦን ኣብቲ ኣድላዪን ኣገዳሲ እዩ ዝበልኦ ንተኸታተልትን መጋቢ፣ ነቲ ተረሓሒቑ ወይ ዘየድሊ ኣብ ነንሓድሕድካ ምጽልላማት ደምሳሲ፣ ንሓያል መድያ ብስነምግባር ዝግዛእ መደብ መራኸቢ ብዙሃን ሓጋዝን  መጀመርታን እዩ ዘሪኡ። ስለዚ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ስለዝኾነ ክቕጽል ብዙሕ ተስፋ ይግብረሉ። ነዚ ዘማእከለት ካብ ፓል ሓርነት ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ክትከውን ከላ ሓው ተስፋይ ካሕሳይ ድማ ተሓጋጋዚ ብምዃን ነቲ ፓል ኣካይዶሞ።

ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ንዕዱም ጋሻ ናብ ሰማዕቲ ክልቲኡ ፓላት ቅድሚ ምቕራባ፣ እዚ ናይ ክልቲኤን ፓላት ሓባራዊ ስራሕ ንድሌት ዱልዱልን ኤቲካዊ ሕጊ ዝግዛእ መድያ ንምብጻሕ መገዲ ስለዝኸፍት ብወገነይ ንፓል ተሻሞ የመስግን። እዚ እቲ ክንበጽሖ ዘሎና መደብ ስራሕ ወይ ዕዮ ስለዝኾነ ቅሩብነት እነሆ ይርአ። ኣብ ቀጻሊ እውን ተራኺብና ነተን ካልኦት ዘልዋ መሳዅቲ ምምሕዳራት ብምርኻብ ናይ ምውህሃድ ስርሓትን ንኹልና ዝኣስር ሕልናዊ ሕጊ ኣቝምና ክንህቦ እንኽእል ናይ እሩም ዜና፡ ትምህርቲ፡ መደብ ዘተ  ንፍትሕን ንዲሞክራስን ልኡላውንት ሃገርን ህዝብን ግዝኣተ ሕግን ክቅራረቡ ዝግበር ዕዮታት ዓቢ ግደ ክዕወት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ እወንታዊ ስራሕ ሚድያ እውን ነማልእ ኣለና ማለት እዩ።

እምበኣርከስ ናብ ሓው ዳንኤል ገብረምኪኤል ብምምላስ እዚ ንጡፍ ዕጉስ ውሕሉል ሓው ከም ትፈልጥዎ ንቦሎኛ ፎርም 2014 እውን  ሓላፍነት ካብ ቦሎኛ 2013 ተዋሂቦም ዝቀረቡ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ኮይኑ ነዛ ሽማግለ እውን ምስ መሳርሕቱ ዘማእክለ ጥራይ ዘይኮነስ ንቦሎኛ 2014 ሰለሰተ መዓልቲ ዝተጋበኤ ፎርም  እውን ከም ኣወሃሃዲ ከፊቱ ኣብ መደምደምታኡ ዘብጸሐ እዩ።

ስለዚ ካብኡ ንላዕሊ ውዕሎ ዘተ- ከመይ ነይሩ ከመይከ ደምዲሙ ዝብል ሕቶ ክምልስ ዝኽእል እውን እዩ። ከዘኻኽር ዝደልዮ እንተሃልዩ ዳንኤል ኣብ ፓል ሓርነት መጺኡ መግለጺ ትሕዝቶ ቦሎኛ ፎርም 2014 ኣመቱን ክበጽሖ ዝደሊ መደብ ዕዮታት ኣብሪሁ ስለዝነበረ፡ ፓል ሓርነት ብተገዳስነት ድሕሪ ምስምዑ ዘድሊ ሓበረታን ለበዋታትን ኣቕሪቡ ምስ ወደአ ገምጋም ክበና ክንዕድሞ ምዃንና ቃል የእትይዎ ስለዝነበረ ነዚ ውዑል እዚ ኣኽቢሩ ብፓል ሓርነት ዕድመ ብምስታፍ፣ ፓል ተሻሞ ዝተወሰኾ እንሆ ኣብ ቅድሜና ይርከብ።

ስለዚ ንዝተዋህቦ ሕድሪ ኣኽቢሩ ምምጽኡ ብሽም ክልቲኡ ፓል ምስጋና እናቕርብኩ ማይክሮፎን ንጋሻና ቅድሚ ምስግጋር ናይ ሓደ ደቂቕ ንዝኽሪ ንኹሎም ስውኣትና ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ንኽጅምር ብድሕሪኡ ብቕጥታ ማይክረፎን ንሓው  ዳንኤል ተመሓላሊፉ።

ካብዚ ብምቕጻል መደረኡ ቅድሚ ምጅማር ነዚ ተበግሶ ናይ ክልቲኡ ሩማት ብኣድናቖት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ ካብ ነዊሕ ዝጸዓረሉ ዝነበረ ጐደና ሓቢርካ ምስራሕ ተጀሚሩስ እዚ ክልትኡ ብሓባር ክሰማማዕ ምብቃዑ ኣዝየ ልባዊ ምስጋና እየ ዘቕርብ። እቲ ናይ ቦሎኛ ተበግሶ እውን እዚ እዩ ነይሩ እቲ ድሌቱ ኩሎም ደቂ ሃገር ካብ ውልቀ ጀሚርካ ብእርኑብ ተወዲቦም ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ሓባራዊ ስራሕ ውህደት ምርድዳእ ዘተ ምስ ዘዘውትሩ ንዕላምኦም ከም ዘዕውትዎ ኩላትና ንፈልጦ እይ እሞ እንደገና የመስግን።

 ኣነ ኣብዚ መጺኤ መብርሂ ዓውደ ስራሕ ቦሎኛ ፎርም ፍጻሜታቱን መደባቱን ከምቲ ኣቕዲማ ሓብቲ ኣድያም ዝሓበረቶ ካብቶም ዘዳለዉን ንምክንዋኑ ዝተሳተፍኩ ኣብ ምውህሃድ ድማ ብዓቕመይ ግደይ ዝማላእኩ ስለዝኾንኩ ከምኡ ኣውን እታ ዝሃብክዋ ሕድሪ ንምምላእ ኣምበር ወግዓዊ መግለጺ በቶም ንዕኦም ዘርኢ ክውጽእ ምዃኑ እየ ዝፈልጥ። ግን ነቲ ውዕሎ ኣገዳስነቱ ድሌት ስራሕ ናይ ቦሎኛ ፎርም 2014 ዝነበሩ ዜጋታትና ውዕውዕ ከሎን ነቶም ኣብኡ ዘይወዓሉ ናይ ምፍላጡ ህርፋኖም ንምርውይ ወይ ሓበረታ ምሃብ ኣንተዘይኮይኑ ብሰፊሑን ናይ ስራሕ መደባቱን ከመይን ብኸመይን ናብ ስራሕ ንጽምድ እቶም ተመዚዞም ዘለዉ ናይ ዕማም ሓይሊ በብእዋኑ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሃን ክገልጽዎ ምዃኖም ኣይጠራጥጠርን።  እቲ ብኣኦም ዝውሃብ ከኣ እዩ እቲ ዕላውን ወግዓውን ። እቲ ናተይ ሓባሪ ደኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ድሮ በብዘለዉዎ ሪፖርታጅ 2014 ብትግርኛ ብእንግሊዘኛ ካብቶም ኣብኡ ዝወዓሉ ድሮ ኣብ መርበባት ክዝርጋሕ ተጀሚሩ ስለዘሎ እዚ ከኣ እቲ ብዙሕነት ምስ ፍልልያትካ ኣብ ሓድነት ዝሕብር መስርሕ እውን እዩ። ኣነ ክብሎ ዝደሊ ክቡራት የሕዋትን ኣሓትን፡ ቦሎኛ ፎርም 2014 በቲ ካብ ቦሎኛ 2013 ዝተዋህቦ ንምቅርራብ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታትናን ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ኮታ ንኣርእስታትን ትሕዝቶ ቦለኛ ፎርም ዝደገፉ (endorse) ዓውደ መጽናዕቲ ከፊትካ ኣብዚ ተዛቲኻ ብምስምማዕ ዘውጻእካዮ ዓወደ ስራሕ ብዕማም ሓይሊ ተማእኪሉ ነቲ ኩሉ ኤርትራዊ ብስራሕ ኣቢሉ ዝምድና፣ ምትእምማን፣ ሽርክነት ስራሓት …ወዘተ ብምፍጣር ኣብ ሓደ ዓቢ ንኩላትና ዘሳትፍ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ዝሃቀነ ኮይኑ ስርሑ ብጽፉፍን ኣዕጋብን ክበሃል ዝከኣል ደምዲሙ።

እዞም ኣብ ስራሕ ተወዚዖም ዘለዉ ዕማም ሓይሊ ንኹሉ ኣብ ደገ ዘሎ ብምርካብ ኣብ ስራሕ ከሳትፍዎ እዩ እቲ ጻዕሪ ስለዚ እቲ ኣብ ቦሎኛ ተጋቢኡ ዝነበረ ዜጋታትና በቲ ዝነበረ ኣርእስታት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ሸውዓተ ጣውላ በቲ ነፍሲወከፍ ኣነ ኣብዚ ክእለተይ ከበርክት ሓሰባይ ክቅርብ ዝብሎ ብድሌቱ ዝተወዘዐ እሞ ነዚ ዓውደ መጽናዕትን ስራሕን ዘማእክሉ ባዕሉ ዝመረጾም ስለዝነበሩ እዞም ኣማእከልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጠረጴዛ ወይ ዓውደ  መጽናዕቲ እቲ ጉባኤኛ ናይ ዕማም ሓይሊ (ታስክ ፎርስ) ክኾኑ መዚዝሞም። ንሶም እውን ተቐቢሎሞ።

ነፍሲ ወከፍ ዓውደ መጽናዕቲ ወይ ጠረጲዛ ከኣ ሽማግለ ናይቲ ሒዛቶ ዝነበረት እርእስቲ ወይ መደብ መጽናዕቲ ኮይና ምስ ኣብ ደገ ዘለዉ ኩሎም ኤርትራውያን ቀሪባ ብምርድዳእ ኣብ ስራሕ ናይ ምጽማድ ዕዮኣ ምዃኑ እውን ኩሉ ጉባኤኛ ኣስሚሩሉ። እተን  ዝወጻ  ሸውዓተ ኣርእስትታት መደብ መጽናዕትን ዕዮን እዘን ዝስዕባ እየን፡-

1-     ምህናጽ ሓደ ዝሰመረ ሃገራዊ ጽላል

2-    ሃገራዊ ዕርቂ

3-   ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምጥርናፍን ምልዕዓልን

4-   ኣብ ሃገራዊ ባህሊ መሃዝቲ ስነጥበባውያን ምስታፍ

5-   ምህናጽ ንኹሉ ዘሳትፍ ሓያል ሚድያ

6-   ግብረ-መልሲ ንናይ ስደተኛታት ሽግር

7-   ውጽኢታዊ ዝኾነ ዓለም ለኸ ዝምድናታት ምፍጣር

ከምዚ ዝጠቐስክዎ ኣብዚ ኣርእስታትት እዚ ህዱእን ርጉእን ኣወንታዊ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ንምትግባሩ ዘድሊ ንድፊ ብምቕራብ ነፍሲ ወከፍ መደብ መጽናዕቲ መሪሓ ዝበጽሓቶ  ጡርኑፍ ሓሳባት ኣብ ሰለስተ ጽሚቛ ብምቕራብ፣ 21 ጡርንፍ ሓሳባት ኣብ ናይ ሓባር ክትዓት ተኣትዩ ጸሚቑ ንመስርሕ ዝኽውን መደብ ዕዮ ኣሚቱ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ናይ ዕማም ሓይሊ ብምውሳን፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጽዑቕ ስራሓት ደምዲሙ። ሕጂ እዚ ኣብ ቦሎኛ ዝተገብረ ኣኼባ ንዘተ ብዘተ ኣቢልካ ብእንካን ሃባን ኣብ ምርድዳእ በጺሕካ፣ ተሰማሚዕካ፣ ሰሚርካ ናይ ምስራሕ በዚ ኣቢልካ እውን ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ንምብጻሕ ዝኸፍት መገዲ ንኹሉ ዜጋታትና ዘራኽብን ዘዛትን ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ  ዓውደ መጽናዕቲ ምዃኑ ብሩህ ክኾነልና ይምነ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋታት ድሌትን ኣብ ሓርነት ህዝብን፣ ልኡላውነት ሃገርን፣ ዲሞክራስያዊ ዓውደ-ቃልሲ ቁዋማዊት ሃገርን ንምብጻሕ ዘቃልስ ባይታ ኮይኑ ክርኤን ክስርሓሉን ትጽቢት ጉባኤኛታት ጥራይ ዘይኮነስ ክስርሓሉ ከም ዘለዎ እዩ ኣማሕጺኑ። እነሆ  ከእ ድሮ እቲ ድሌት ዘብርህ እኳ እዚ ኣብ ክልቲኡ ገዛ ኮይኑ ብጽሞናን ተገዳስነትን ዝሰምዕ ዘሎ ህዝብና ኣብነት እዩ ብምባል መደረኡ ደምዲሙ።

 ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሕቶን መልስን ባይታ ተኸፍተ። ካብ ክልቲኡ ገዛውቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ሕቶ ኣትኩሮኡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ሓደ ዓቢ ንኹሉ ዝጥርንፍ ጽላል ኣብ ሓርነትን ዲሞክራስንነትን ዝተሰረተ ጽላል ንኽንበጽሕ ዘድሊ መገድታት ዝድህስስ እዩ ነይሩ።

ሓቢርካ ምስራሕ ናይ ዓወት ጐደና ምዃኑ እዩ ሓቢሩ። ብወገኑ ይጠቅም ዝበሎ መሳሪሕታት ከም ለበዋ ኣቕሪቡ።

ብሓቂ ብህርፋን ናይ ሓርነት ንሃገርና ካብ ጽንኩር ኩነታት ብኸመይ ንምውጽኣ እንታይ ክንገብር፣ ንምልኪ ስዒርናኸ ኣብ ዲሞክራሲን ምዕባሌን ብኸመይ ንጎዓዝ ዝብል ጥሙርን ጥልቕ ዝበለን ሓሳባት የቕርብ ነይሩ። እቲ ሽግርና  ባዕልና ንፈትሖ ምትሕብባር ናይ ወጻእተኛታት ከኣ ነኽብርን  ንቕበልን ዝብል ጭርሖ ክኽፋፍለና ከምዘይክእል እንታይ ደኣ ጽንዓት ምትእምማን ንጉዳይካ ቅድም ባዕልኻ ምዕጣቑ።

እዚ ከኣ ብንቕሓት ፍልጠት ተሰንዩ ናይ ደገን ውሽጥን ተኣሳስርካ እትሰርሓሉ ባይታ ምፍጣር ዝኾነ ዘሎና ጎደና-ዕዮ፡ክንክተል ናብ ስራሕ ብስራሕ ምዃኑ ተገንዚቡን ተረዳዲኡን ክዕየ ዘለዎ እዩ ብምባል ንኣርባዕተ ሰዓታት ዛኣክል ዝምስገን ምይይጣት ተኻይዱ።

ብሓርነት ፓል ዝተዳለወ

Last modified on Monday, 22 September 2014 03:55