መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2015

2014-12-31 15:16:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2497 times

MA pic

ብቐዳምነት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኵሎም ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ዝዀኑ ፖለቲካዊ ውድባቱን ሲቪላውያን ማሕበራቱን እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2015 ኣብጽሓኩም ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ከመሓላልፍ እፈቱ። ኣስዒበ፡ ንዅሎም'ቶም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ህይወቶም፡ ጕልበቶም፡ ገንዘቦምን ኵሉ ዝውንንዎ ዓቕምን ዘበርከቱ ኤርትራውያን ዘለኒ መጐስን ምስጋናን ክገልጽ ክብሪ ይስምዓኒ። ሳላኹም ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኰይና፤ ህልውን መጻእን ወለዶ ድማ ንዘረከብክምዎ ሕድሪ ተሰኪሙ ኣብ ሽቶኡ ከብጽሖ ሓላፍነቱ ክስከም ከዘኻኽር እፈቱ።

ክቡራትን ክቡራንን

2014 ዓ.ም ዛዚምና ናብ 2015 ዓ.ም ንሰጋገር ኣለና። ከም ውልቀሰባት፡ ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘመዝገብናዮም ኣወንታታትን ኣሉታታትን ገምጊምና ኣብ 2015 ዓ.ም ንጌታትና ኣሪምና ንኣወንታታና ዝያዳ ዘበርኽ ስርሓት ከነካይድ ኢዩ ዝግብኣና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወም ድምጺ እናበርከተን እናሓየለን ምምጽኡ ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን ተርእዮ ኢዩ ነይሩ። ኤርትራውያን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለምን ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ተቓውሞኦም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ክገልጹ ተራእዮም ኢዮም። ኣብ ርእስ'ዚ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፡ ነዚ ህልዊ ኵነታት ንምብዳህ ኤርትራዊ ዜጋ በብፊንኡ ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓውተይ ኣበይ ኣላ? ሃገረይ ከመይ ኣላ ኢሉ ክሓትትን ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ካብ ነፍስወከፍና ዝጥለቡ ግቡኣት ክንፍጽምን ኣተሓሳሲቦም ኢዮም። ካብ'ዚ ሓሊፎም ውን፡ መንግስቲ ኣብ ጕዳይ ናይ ሃይማኖት ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታው ብግብሪ በዲሆም ኢዮም። ኣብ'ዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት፡ ነዝን ከም'ዝን ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከነተባብዕን ከነስፍሕን ከድልየና ኢዩ።

ስርዓት ኢሳያስ ብዝፈጸሞም ጌጋታት፡ ንነፍሱ ካብ ዓለም ባዕሉ ነጺሉ ኢዩ። እዚ ኵነታት'ዚ ንደለይቲ ፍትሒ ምቹእ ባይታታት ስለዝፈጠረሎም፡ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኣህጕራዊ መጋባእያታት ቀሪቦም ድምጾምን ድምጺ ውጹዕ ህዝቦምን ከስምዑ ዕድል ረኺቦም ኢዮም። ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት ናይ መንእሰያት ድማ፡ ንሕማቕ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ኢላ ትሓልፎ ዝነበረት ዓለምና ካብ ድቃሳ ክትበራበር ገይርዋ ኢዩ። ነዚ ተረኺቡ ዘሎ መኽሰባት ንምኽዕባት ቃልስና ብዝተዓጻጸፈ ደረጃ ከነበርኾ ንጥለብ ኣሎና።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዝደናግጽ ናይ 15 ሃገራት ሲቪላውያን ማሕበራት ዝካፈልዎ ግብረ ሓይሊ ምቛሙ፡ ነታ ክሳብ ሕጂ ተርኣን ግዴኣን ክንድህስሳ ዘይከኣልና ኣህጕር፡ መእተዊ ዝኸውን ባብ ተፈጢሩ ስለዘሎ፡ ነዚ ማዕጾ'ዚ ኣርሒብና ብምኽፋት፡ ህዝብና ዝርብሓሎም ስርሓትን ዝምድናታትን ንምፍጣር ክንጽዕር ዕዙዝ ኣድላዪነት ኣለዎ።

መንግስታት ኣውሮጳ፡ በቲ ካብ ኤርትራን ማእከላይ ምብራቕን ዝውሕዝ ዘሎ ስደተኛታት ተሰናቢደን ንሃገራዊ ረብሐአን ብምቕዳም፡ ምስ ዲክታቶርያውያን መንግስታት ቀሪበን ክሰርሓ ዝብገሳሉ ዘለዋ እዋን ስለዝዀነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ርእስ'ቲ ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ክገብርዎ ዝጸንሑ ርክባት፡ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዘትኰረ ንጥፈታቶም ከሐይልዎ ኣለዎም። ንኣህዛብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ጭቆናን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን ግህሰታትን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍልጥኦም ንምዕባይ ተሪር ቃልሲ ምክያድ ግዜ ዘይህብ እዋናዊ ዕማም ኰይኑ ኣሎ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ መዳይ ሓድነት ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቃላጥፍ፡ ንፍናን ህዝቢ ዘበርኽ ጭቡጥ ስርሓት ተኻይዱ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣንጻር ሕድሕድ ዝግበሩ ምጽልላማትን ምጥቅቓዕን ብዝያዳ ዝጐልሃሉ፣ ኣብ ዓዳውን ኣውራጃውን ምልዕዓላት ዝተሰረቱ ፋይዳ ዘይብሎምን ንህዝቢ ዘይጥርንፉን ከፋፈልቲ ድምጽታት ዝተቃልሕሉን ዓመት ኢዩ ነይሩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ነዝን ከምኡን ዝኣመሰሉ ጸበብቲ ኣንፈታት ወጊድና ንዝዓበየ ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት መዓንጣና ሸጥ እነብለሉ ዓመት ክንግብሮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ካብ'ዚ ስርዓት'ዚ ብዘይካ ጕድኣት ፋይዳ ስለዘይረኸበ፡ ነዚ ንጹህ፡ ውፉይን ጻዕራምን ህዝቢ ካብ ኣርዑት ህግዲፍ ምንጋፍ ቀዳማይን መተካእታ ዘይብሉን ዕላማና ጌርና ክንወስዶ ኣሎና። ዕላማና ክንዮ ውልቅና፡ ዓድና፡ ኣውራጃና ዝጥምት ክኸውን ይግብኦ።

ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንምዕባይ ናይ 2015 ዓ.ም ቀንዲ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ፡ ንሃለዋቶምን ሻቕሎታቶምን ብግቡእ ብምግንዛብን ንሕልምታቶም ጋህዲ ዝገብር ስርሓት ብምክያድን ይኸውን። ተሳትፎ ናይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ውሽጠን ለውጢ ንምምጻእ ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ።

ስደት ብዝምልከት ከኣ 2014 ዓ.ም ካብ ቅድሚኣ ዝነበራ ዓመታት ዝያዳ ናህሪ ወሲኻ ዝቐጸለትሉ ዓመት ኢያ ነይራ። ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ናባዪ ዘይብሎም ህጻናት ከይተረፉ እውን ክስደዱ ዝተራእዩላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ፡ ካብ 3000-4000 ዝዀኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ንሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ኣለዉ። እዚ መንእሰይ'ዚ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕን ህንጻ ሃገርን ክዋፈር ዝነበሮ ተረካባይ ሕድሪ ናይ ዝሓልፍ ዘሎ ወለዶ ኢዩ። ብዘይ'ዚ መንእሰይ'ዚ ሃገር ክትህሉ ይኹን ክትምዕብል ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ። 2015 ዓ.ም ንዋሕዚ ናይ ስደት ደው ምባል ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ኣጀንዳታት ናይ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ክኸውን ይግባእ። ሰዲህኤ፡ ነዚ ጸገም'ዚ ንምፍታሕ የኽእሉና ኢዮም ኢሉ ዝኣምነሎም ዝዋስኣሎም ዘሎ መደባት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

1. ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ ስደት ኰይኑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣሊኻ፡ ብዲሞክራስያዊ ናይ ምስግጋር መስርሕ ምትካኡ፤

2. ነቶም ድሮ ተሰዲዶም ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን የመንን ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ሞያን ኣካዳሚካዊ ትምህርትን ናይ ስራሕ ዕድላትን ምሃብ፤

3. መንግስቲ ኤርትራ፡ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህጕራዊ ማሕበረሰብን ተሓባቢሮም ኣንጻር ነጋዶ ደቂ ሰባት ዘካይድዎ ቃልሲ ከሐይሉ።

4. መንግስታት ዞባና ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ንዝነጥፉ ዘለዉ ከም ራሻይዳ፡ በደዊን ....ወዘተ ዝኣመሰሉ ዝተጐስዩ ክፍልታት ሕብረተሰባተን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቍጣባውን ማሕበራውን ንጥፈታት ናይ ሃገሮም ከምዝሳተፉ ምግባር።

5. ሃገራት ምዕራብ ማዕጹአን ኣብ ክንዲ ምዕጻው፡ ስደተኛታት ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገረን ዝኣትውሉ ዕድላት ከምዘስፍሓ ምግባር።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣትኵሮ ናይ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ናብ ውሽጢ ሃገር ገጹ ዘቕንዐ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሕድሕድካ ካብ ምውጣጥን፡ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ካብ ምዅዳድን ወጺእና፡ ናብ'ቲ ዝሰፍሐ ህዝብና ዝርከቦ ሃገርና ቆላሕታ ክንገብር ህዝብና ንዘሕልፎ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ንምቕያርን ዘኽእል ስትራተጂታትን ስልትታትን ክንሕንጽጽን ኣብ ተግባር ከነውዕልን ይድለ ኣሎ። ስለ'ዚ፡ ነፍስወከፍ ተቓዋሚ'የ ዝብል ኣካል ካብ ዝነብሮ ሳንዱቕ ወጺኡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ዘሎ ህዝብና ዝምድናታት ክፈጥር ጻዕርታት ክገብር ኣለዎ። ንተቓዋማይ ምቅዋም ብዙሕ ዘምጽኦ ረብሓ የለን እሞ፡ ኣዒንትና ናብ ስርዓት ህግደፍን ተግባራቱን ጥራሕ ይጠምታ። ህዝብና ብስእነት ማይ፡ መግብን መብራህትን ዝኣመሰሉ መሰረታያን ጕዳያት ይሳቐ ኣሎ። ንሕና፡ ከም ተቓወምቲ ነዚ ሽግር'ዝን ካልእ ሽግራትን ናይ ምፍታሕ መደብን ዓቕምን ከምዘለና ንህዝብና ከነርእዮ ክንክእል ኣለና። እዚ እንተዘይኣርኢናዮ፡ ኣብ ዙርያና ክዓስል ኣይክእልን ኢዩ። ዕለታዊ መነባብሮ ናይ ህዝብ ክንፈልጥን ንምቕያሩ ዘሎና መደባት ክንሕብሮን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ።

ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት፡ ሃለዋት ዝፍለጠሉ ኵነታት ክንፈጥር ኣለና። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዛዕባ'ዞም እሱራት እዚኣቶም ተሓቢኡ ዘሎ ሓቅታት ከውጽእ ከነገድዶ ክንክእል ኣሎና። ናይ ዘለዉን ዝሞትን እሱራት ሃለዋት ግልጺ ሓበሬታ ዝውሃበላ፣ ህልዋት ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዝፍትሑላ ዓመት ንምግባ፣ ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ጸቕጥታት ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት ኤርትራ ንምሕያል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግብኣና።

ክቡራትን ክቡራንን

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብእኩብን ብክልተኣውን ደረጃታት ኣብ 2014 ከካይዶም ዝጸንሐ ርክባት ኣብ 2015 ክቕጽሎም ኢዩ። እዞም ርክባት እዚኣቶም፡ ናብ ጭቡጥ ስምምዓት ንኽበጽሑ ዘኽእል መጽናዕትታት ክገብርን ግብራዊ ስጕምትታት ከውስድን ኢዩ።

ናይ ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዓመት ይግበረልና

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

31 ታሕሳስ 2014

Last modified on Wednesday, 31 December 2014 16:17