ኢሰያስ ይጽንሓልና ዘይበሃል ቀዳማይ ጸላኢ ኢዩ

2022-07-21 06:01:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1153 times

ኣብ ዝኾነ መድረኽ ብመንጽር ከተረጋግጾ እትደልዮ ዕላማ፡ ክትኣልዮ ዝህልወካ ቀዳምነት እትህቦ ዕንቅፋታት ተቐምጥ ኢኻ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነብር ህዝቢ፡ ንገዛእቲ ሓይልታት ከም ቀዳሞት ጸላእቲ የለሊ። ኣብ ንስሙ ነጻ ዝወጸት ሃገር፡ ንዕቤትን መሰልን ናይቲ ህዝቢ ዓፊኑ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ  ዓቢ ዕንቅፋት ስለዝኾነ  ክእለ ዘለዎ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ጌርካ ተቐምጦ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእቲ መንግስታት  ዘካየዶን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን ቃልሲ፡ ሃገራዊ መንነቱን ህዝባዊ ሰብኣዊ ክብሩን ንምርግጋጽ ኢዩ። ነዚ ከም ቀዳማይ ዕላማ ዝወሰዶ፡ ብዘይ ምርግጋጽ ሃገራዊ መንነቱ፡ ህዝባዊ ክብሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ሰጒሙ ክበጽሖ ዝኽእል ምዕባለ ስለ ዘይነብረ ኢዩ። እቲ ዝነበረ ካልኣይ ዕላማ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚኦም ኣረጋጊጹ  ብሰላምን ፍትሕን ንክነብር ኢዩ። ኣብ ፍትሒ ዝተሞርከሰ ምርግጋጽ ሰላም፡ ቀንዲ ውሕስነት ዕቤትን ራህዋን ኢዩ። ነቶም ናይ ደቂ ሰባት ባህሪያዊ ጸላእቲ ዝኾኑ ድኽነትን ድሕረትን ተረባሪብካ ንምስዓር የኽእለካ።

ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ኤርትራ ነቲ ህዝቢ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ጨውዩ፡ ናቱ ድሌታት ጥራይ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ተኸቲሉ። ሃገር ብሕጊ ኣብ ክንዲ ትምራሕ ብናቱ ዊንታ ከም እትምራሕን ንባዕሉ ከም ልዕሊ ኩሉ ነገር ኣብቲ ሃገር ተገይሩ ክቑጸርን ብመጋበርያታቱ ይሰርሕ ኣሎ። ገሊአን ሰዓብቱ ሕሉፍ ሓሊፈን ንሱ ሃይማኖትና ንሱ መስጊድና ንሱ ቤተክርስትያንና ክብላ ይስምዓ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሃገር እትዓብየሉን እትድሕነሉን ፈለግ ምዕባለ ተኸቲሉ ይኸይድ ከምዘየለ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። እቶም ሕልናን ኣስተብህሎን ዘለዎም ሰዓብቲ ናይቲ ስርዓት ዝባህሉውን፡ ነዚ ኣጸቢቖም ይርድእዎ ኢዮም። ሓደ መራሒ ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ድማ ፍቕሪ ክህልዎ ኣለዎ። እቶም ኣብ ታሪኽ ዝፍለጡ ዕሉላት መለኽቲ ብፍቕሪ ሃገራቶም ዝሕመዩ ኣይነበሩን። ኣብ ኩሉ ጉዳያት ገበርትን ሓደግትን ቀተልትን ኣሰርትን ብምንባሮም ዝኽሰሱ ዋላ እንተነበሩ መሰረት ዘንጸፈ ዕቤት ንሃገራቶም ይተኽሉ  ነይሮም። ኢሳያስ ግና ፍቕሪ ኤርትራ የብሉን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ዝኸሓነ ኢዩ። ኣብ ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት  ኣመራርሕኡ፡ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረቶ፡ ኣብ ዝደሓረ ኩነታት ከም እትርከብ ባዕሉ ኣብ ዝደጋግሞ ቃለ ምልልስ ዝተኣመነሉ እዩ። ቀደም ዝነበረ ፋብርካታት፡ ኣገልግሎት ዝህብ ትካላትን ወደባትን ሎሚ ኣብቲ ኣመራርሓኡ ከም ዘየለ ብዘይ ሕፍረት ነጊሩ ኢዩ።

ኢሳያስ ንሕጂ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ወለዶታት ዝሓልፍ ብርሰት ኢዩ ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ዝሓልፍ ዘሎ። ንመንእሰያዊ ዓቕሚ ከይመሃርን ንቡር ሂወቱ ከይመርሕን፡ ሃብትን ትምህርትን ዘለዎም ዜጋታት ዓቕሞም ኣብ ዕብየት ሃገሮም ከየውዕልዎ ኣደዳ ስደት ገይርዎም ኣሎ። ኩሉ ዓቕማ ከይትጥቀም ብኢሳያስ ዝተሓረመት ሃገር ድኽነትን ድሕረትን እምበር ምዕባለን ራህዋን ከቶ ክትርኢ ኣይትኽእልን።

ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሳያስ ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ስግኣትን ፍርሕን እዩ  ዝነብር። እዚ መላኺ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላም ዘየምጽአ ኣብዚ ዞባ ምስ ጎረባብቱ’ ውን ጻሕታሪ ኲናት ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘይወሓጠሎም ሓይልታት ምትዕርራኹ ደሚርካ ንልዑላውነት ኤርትራ ኩሉ ግዜ ስክፍታ ኢዩ። ኢሳያስ ንባዕሉ ንሃገርነት ኤርትራ እሙን ኣይኮነን። ንኩሉ ዝብሎን ዝገልጾን ኣላጊብካ ክምርመር እንተኾይኑ፡ ንሃገርነት ኤርትራ ምእንቲ ስልጣኑ ኢሉ ኣሕሊፉ ክህብ ከምዝኽእል ኣብ ድምዳመ ዘብጽሕ ኢዩ። በዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ሓደጋ ንምፍርራሕ ልዑላውነትና ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ እንተልጊሱ እቲ ደበና ስግኣት ክቕንጠጥ  ኢዩ።

 ኣመራርሓ ኢሳያስ ቀንዲ ጠንቂ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምቕጻልን ስቓይ ህዝብና ንምንዋሕን ብዙሕ ሜላታት ኢዩ ዝፈጥር። ህዝቢ ብስእነት ፍትሓዊ ምሕደራ ዝወርዶ ሕሰም መታን ከየለልን ከይሓትትን ናይ ግዳም ጸላእቲ መጹኻባ ወረሩኻባ እናበለ የደናግርን የሀውትትን። እዛ ብቑዕ ኣመራርሓ ብምስኣናን ብሰንኪ ኩሉ ዓቕሚ ህዝባ ንዕቤታ ከተውዕል ብዘይምኽኣላን በሪሳን ተደዊናን እትነብር ዘላ ሃገር ኤርትራ፡ ከም ብግዳማውያን ጸላእቲ ከምኡ ከም ዝኾነት ጌርካ ንምርዳእ ዝፍትን ጻዕሪ ስርዓት ኤርትራ ከም ዳግማይ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምፍጻም ዝቑጸር ኢዩ።

ኣበሳ ህዝቢ ኤርትራ ክሓጽርን ስክፍታ ልዑላውነት ሃገርና ከልግስን ነዚ ናይ ኩሉ ጠንቂ ዝኾነ ውልቀ መላኺ መራሒ ስርዓት ኤርትራ፡ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ይጽናሕ ከይተባህለ ክእለ ዘለዎ ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ብዘለዋ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ኩሉ ግዜ ናይ ዓለም ስሕበት ኮይና ክትቅጽል ኢያ። ንጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣ ከም ሓደ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ክንቆጽሮ ይግባኣና። እዚ ጸጋዚ ንሓደ ዝተዓደለ ንካልእ ግን ዘይተዓደለ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ። ኣብዚ መዳይዚ እንኽተሎ ሜላ፡ ብደረጃ ዓለም ይኹን ዞባ፡ ሃገራዊ ጥቕምና ዝርብሓሉን ፈተውቲ እነብዝሓሉን ብመንጽሩ ድማ ጠቕሚ ናይቶም ንጸጋታትና ክጥቀሙ ዝደልዩ ዝሕለወሉ ክኸውን ኣለዎ።