ተወሃሂድካን ሓቢርካን እምበር ተጎራሪሕካ ኣየዕውትን

2020-05-19 07:31:13 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1618 times

እቲ ጭቆናን ግፍዕን ዝወለደ ምልኪ ክሳብ ዘይተወገደ፥ ነቲ ዝሓሸ ክንጥምትን ብቕኑዕ መገዲ ንምኻድ ክንሓሳብን፡ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ጥሙር ሃገራዊ ሓሳብ እንርዕም፡ ቃልስና ቀጻሊ እዩ ክኸውን። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና  ዘይተጸበናዮ እዚ ዘይበሃሉ ኲርኳሓት ከጋጥሙና ይኽእሉ እዮም። እዞም ኩርኳሓት  እዚኦም እንተስ ብወዝቢ እንተስ ብዝተጸንዐ መንገዲ ክምርሹ ከለዉ፥ ገለ ንረብሓና ገለና ከኣ ንጉድኣትና ዘስዕቡ እዮም። እቶም ንረብሓና ዝውዕሉ ከይተጠቐምናሎም እንተሓሊፎም ደጊሞም ኣይምለሱን እዮም። እቶም ንጉድኣትና ዝኾኑ ግን ዘስዕብዎ ኣሉታት ኣብ ክንወጸሉ ዘይንኽእል ዓዘቕቲ ኢዮም ዝሸሙና።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልኪ፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝማዕበለ ዘይኮነስ፡ ንዓመታት ክስረሓሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ጠንቂ ናይ ምልኪ ድማ፥ ነቲ ህዝቢ ከሎ ገና ንናጽነቱ፡ መሰሉን ስልጣኑን  ፈሊጡ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ብራዕድን ዓፈናን ዓጊቱ ስለዝሓዞም እዩ።  እነሆ ድማ፥ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ምንታይ ሽግር ወዲቑ ከምዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። ይኹን እምበር ሽግሩ ብምዝርዛር ጥራይ ራህዋን ቅሳነትን ክነምጸኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ሽግርን መከራን ፈሊጥና ክንውግድ ነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ዲግድጊት ተዓጢቖም ዝቃለሱ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ምሕብሓብን ምሕጋዝን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዩ።

እዞም ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባትን እምበኣር፥ ነዚ ምልኪ ኣልጊስና ህዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ኢልና እንቃለስ ስለ ዘለና፡ ክነተግብሮ ዝግበኣና ምትግባር እዩ፡፡ መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ካብዚ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይናይ ናጻ ኢና ንነፍስና ምምርማር የድልየና። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ስርዓት  እንቃወም፡ እቲ እንኸዶ ጎደና ምፍላጥን፥ ነቲ ሃገራዊ ዕላማና በቲ ቅኑዕ ኣገባቡ ክንሕዞን ይግበኣና። ሳልሳይ ነጥቢ ፥ እቲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ሓሳብ ብጉርሒ ወይ  ብምጥርጣራት ዘይኮነ፡ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ምቅላስ። እቲ ራብዓይ ድማ፥ "ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ" ንዝብል ኣምር ተኸቲልና ነቲ ናብ ረብሓና ዝውዕል ዕድላት ብኣግኡ ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል እዩ።

ሎሚ፥ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ቀዛፊ ሕማም ለበዳ ከሮና ቫይረስ (ኮቪድ-19) ንምምካት መላእ ዓለም  ሓድነቶምን ምትሕግጋዛቶምን ኣሕይሎም ይሰርሕሉ ኣለዉ። እዚ ንዓና ነዞም ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ; ህዝብና  ክነድሕን ኩልና ደገፍትን ተቓወምትን ብሓባር ክንሓስበሉ ዘኽእል ተረኽቦ እዩ። ነዚ እውን እተን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ማሕበራትን ብዘይወዓል ሕደር፥ “ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ” ከይበላ ብሓባር ዝሰርሓሉ ፍኖተ ካርታ ቀሪጸን ንቕድሚት ክስጉማ እዩ ዝግበአን። ሎሚ፡  መን ይመርሕ ወይ ናይ ስልጣን ሕቶ ዝለዓለሉ ግዜ ኣይኮነን። 

ስለዚ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍልልያት ናይ ዓሌት፥ ሃይማኖትን ብሄርን ተንከፍ ክሳብ ዘይኮነ፥ ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክንፈትሖ ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ብካብዚ ሓሊፉ ኣኼባታት፡ ውዑላትን፥ መግለጺታትን፥ ወግሐ ጸብሐ “እዚ እባ እቲ” እናተበሃሃልና ህዝብናን ሃገርናን ካብ መመሊሱ ንሓደጋ  ምቅላዕ ክነድሕኖ ኣይኮናን። እዚ ካብ ኮነ ሓቢርናን ተወሃሂድናን ክንሰርሓሉ ዘይንኽእል እንታይ እዩ እቲ ሽግርና፡ ንክንመሚ ብቕዓትን ድፍረትን ክህልወና ኣለዎ። እንተዘየለ እዚ ህልዊ ኩነት እዚ ምስቲ ግዜ እንተዘይተቐዳዲምናን እንተዘይሰሪሕናሉን፥ እቲ ግዜ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ሳዕቤን ከምጸኣልና ምዃኑ ክንርደኦን ክንበጽሖን  ኣብ ዘይንኽእለሉ ሃዋህው እዩ ከእትወና።

እዋኑ ነቲ ንኸይንሰማማዕ ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ስውር ፍልልያት ብህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኩነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። ነዚ ክንፈትሕ እንተዘይክኢልናን ናይ ሓድሕድ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምትሕልላይን ተኣማንነትን እንተዘይኣጥሪና፥ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ክህልወና ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ብተወሳኺ ንኩነታት ናይ ምንባብ ሓባራዊ ግንዛቤ ክህልወና ስለዘይክእል፥ ንዝኾነ ይኹን ኣብ ምግጣም ግብረ-ኣልቦ ኢና ክንክወን። እዚ ከኣ ብወገኑ ነቲ ናይ ጽባሕ ተስፋና ከማህምኖን፥ ነቲ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ገቲሩ ዝጋርደና እዩ ክኸውን።  እቲ  ጽባሕ ኣብ ሃገርና  እንምነዮ ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ እንተኾይኑ፡ ሎሚ እቲ ጽምዶና ናይ ስልጣን ምቁርቛስ ዘይኮነስ ኣብ ናይ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ምትካል እዩ ክኸውን ዝግባእ።

Last modified on Tuesday, 19 May 2020 09:33