ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ንዘስቲ ምልኪ ኣይተጋደልናን

2020-05-17 08:13:21 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1673 times

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ተኸታታልን ደቛስን ስርዓታት፡ እንተስ ብሃይማኖት እንተስ ሃብቲ ንምጉሕጓሕ ይቀላቐሉ ንዝነበሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ እምብለይ ኣይግዛእን ብምባል ኢዱ ሂቡ ኣይፈልጥን። ኩሉ ኣተሓሳስብኡ እውን ከመይ ኢሉ ካብዚ ግፍዕን ስቓይን ይላቐቕ እምበር፡ ንመግዛእቲ ኣሜን ኢሉ ዘይቀበል ከምዘይነበረ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ዕድመኡ ንግፍዕን ጭቆናን ክቕበል ወይ ተጸቒጡ ክነብር ስለዘይክእል።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣዝዩ ዝኾርዓሉ ኣገባብ ምሕደራ ማለት፥ ባይቶ ዝበሃል ካብ ጥንቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ባይቶ እዚ ኣብ ኩለን ዓሌታት ኤርትራ ተመሳሳሊ እዩ። ዋላ እቲ ሕግታቱ’ውን ብዙሕ ዝፈላለ ኣይኮነን። እዚ ዘብርሆ እንተሎ፡  ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደየናይ ኣብ ብሕጊ  ዝኣምንን ብሕጊ ዝቐየድን ምዃኑ እዩ። ይኹን እምበር በዝን በትን ክጎብጥዎን ኣገዲዶም ግብሪ ከኽፍልዎን፡ በብቑሩብ ከኣ ነታ መሬቱ እናቖራርምዋን እዛ ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ዘላ ተፈጢራ።

ኩሎም እቶም ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ኤርትራ ገዛእቲ፡  ሕብሪ ቆርበቶምን መልክዖምን ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ፍልልያት ንኽፍጠር ጥራይ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም። ሓደ ካብኦም መግዛእቲ እንግሊዝ እዩ። እንግሊዝ ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን ግርጭት ክፈጥር ከንደይ ዘይጸዓረ። ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ንውዲታቱ ነቒሑሉ እምበር ኣይተሃመለሉን። ኣብ ክንድኡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር  መስሪቱ ኣስላሙን ክርስትያኑን ብሓባር ምእንቲ ህላዌ ኤርትራ ተጠርኒፉ ተቓሊስዎም። እንተኾነ ግን፡ ንግስነት ሃይለስላሴ ወይጦታቱ ናብዚ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣስሊኹ፥ ከምዚ ሎሚ ፎግፊጎም ክኣትውና ዝደልዩ ዘለዉ፡ ፎግፊጎም ብምእታው ነቲ ማሕበር ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ገይሮሞ። ብሰንኪ እዚ ከኣ "ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን" ተባሂሎም ኣብ ክልተ ተመቒሎም። ወያ ዝነበረት ንእሽቶ ቁልዒ ናብ ጓህሪ ገጻ ስለዝተቐየረት ከኣ እቲ ናይ ምፍልላይ ኣንፈት እናገፍሐ ከደ። በዚ ዝኣክል እቶም ኣሕዋት ዝነበሩ ኣብ ምጥርጣራትን፥ ምስኣን ምትእምማን ገጾም ከዱ። እዚ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ድማ ምልኪ ወለደ።

 ሰውራ ኤርትራ ክብገስ ከሎ፡ ብፍላይ "ማሕበር ሸውዓተ" ንኹሉ ኤርትራዊ ጠርኒፉ ከተብቅዕ፥ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ነቲ በዓልቤታዊ ዓቕሚ ኣብ ግምት ከየእተወ ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ንምምላስ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ፥ ብግስ ከይበለ ኣብ ብረታዊ ረጽሚ ኣተወ። እዚ ተረኽቦ ክሳብ ናይ ውድባት ምብዛሕ ብምብጽሑ  ነቲ ፈኽም እናበለ ዝጎሃሃር ዝነበረ  ፍልልያት መሊሱ  ኣጋደዶ። ገለ ወገናት በዚ ኣቢሎም  ህዝቢ ንምኽሳብ፥ ነቲ ቃልሲ ከም ናይ እስላምን ክርስትያንን መልክዕ ገይሮም ከትሕሓዝዎ ፈተኑ። ብኡ መሰረት ከኣ ኢሰያስ ንደቂ  ከበሳ ክሕዝ “ንሕናን ዕላማናን" ዝብል ማኒፈስቶ ዘርገሐ። ድሕሪኡ እቲ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ዝያዳ እናተጋፈሐን እናማዕበለን ካብ ናይ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኣተሓሳስባ ወጺኡ ዳርጋ ናብ ናይ ጓኖት ዝመስል ርክብ ገጹ ከደ።

እተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ድማ ነቲ ግርጭት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ንምእላዩ ኣብ ክንዲ ዝፍትና ናይ ጎነጽ  ኣተሓሳስባ ኣማዕቢለን ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ሱር ዝሰደደ ፍልልያት ፈጠራ። እዚ ፍልልያት  እዚ ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊን ስነሓሳባውን ዝኸውን፡ ብቐጥታ ጀብሃ ናይ እስላም፥ ሻዕብያ ናይ ክርስትያን መሲሉ ስለዝተራእየ፥ ንኢሰያስ ከምድላዩ ከዳህልል ዕድል ሃቦ።  እነሆ ድማ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኢሰያስ፥ ብምቕንጻል፥ ምሕያርን  ሽርሕታትን  ነቲ መድረኽ ንበይኑ  ስልጣን ንምብሓት  ንክቆጻጸሮ ሓጊዝዎ።

እቶም ካብ ፈለማ ቃልሲ ዝጀመሩ ምእንቲ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝሓሸ ምሕደራን፥ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ መንግስትን ንምፍጣር እምበር፡ ምልኪ ንምንጋስ ኣይነበረን። ኮይኑ ግን እቲ ፈኸም እናበለ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሐ ዘይምትእምማንን፥ ምጥርጣራትን ነቲ ሰናይ ድሌት፡ ዕላማን ተልእኾን ስለ ዝዓብለሎ፥ ኣብ ዘየድሊ ውድድራት ተበጽሐ። እዚ ምጥርጣራትን ሓድሕድ ዘይምትእምማንን ክሳብ ሎሚ ኣንጸላልዩናን ንቕድሚት ከይንስጉም ሓሊኹ ሒዙናን ዘሎ እዩ። እዚ ንሃገራዊ ኣተሓሳስባናን ሃገራውነትናን ዘዳኽም ንሃገርናን ህዝብናን ድማ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ተረዲእና ፈውሲ ክንረኽበሉ ይግበኣና። እዚ ፈውሲ እዚ ግና ነቲ ናብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማን ዘእትወና ዘሎ ጉዳይ ንምውጋድ፥ ብኣውራጃ፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖት፥ ብቋንቋ …ወዘተ ኣቢልና ክንከዶ እንተኮይና፥ መሊስና ነቲ ጓህሪ ነዳዲ ኢና ንንስንሰሉ ዘሎና። ከመይሲ ነቲ ዘይምትእምማን ዘምጽኦ ወይ ዘብቁሎ ንሱ ስለዝኾነ።

ስለዚ፡ ኤርትራዊ ሓዲሽ ወለዶ፡ ነቲ ዕላማን ባህግን ናይቶም  ዓበይቲ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ እቶም ናብቲ ናይ ቃልሲ ዕድመ ዝበጻሕናን ዝተሳተፍናን፥ ምልኪ ንምምጻእ ዘይኮነስ፡ ኤርትራና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣላቒቕካ፥ ልኡላውነታ ዘውሓሰት፡ ዲሞክራሲያዊት፥ ብልጽግትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምፍጣር ከምዝነበረ ክርዳእ ይግበኦ። ትዕድልትና ሕማቕ ኮይኑ ግና እነሆ ኣብ ሃገርና ኮሪዕና ኣብ ክንዲ ንነብር  ዘይሓሰብናዮ ኣብ ሃገርና ንኹልና ዝለኻኽም ስርዓት ተተኺሉ። እምበኣር “ ሕጂ እንታይ ይገበር?” እዩ እቲ ቀንዲ ሕቶ። ምኽንያቱ እቶም ተቓሊሶም ደሞም ዘፍሰሱን፥ ዓጽሞም ከስኪሶም ዝሰንከሉን፡ ከምኡ እውን እቶም ብህይወት ዘለዉ ነባራት ተቓለስቲ ንገዛእ ርእሶም ዝጭኩን ሓይሊ ክፈጥሩ ኢሎም ከምዘይቃለሱ ርዱእ እዩ። ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ፡ ነዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ፥ ብኣውራጃ ዲዩ ብብሄር ወይ ሃይማኖት፥ ወይ ቋንቋ እንተ ተፈላልዩ፡ እታ ንዓና ዝረኸበትና ኢያ ክትረኽቦ’ሞ ካብዚ ወጺኡ ፖለቲካዊ ብስለቱ ክብ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ይግበኦ።

Last modified on Sunday, 17 May 2020 10:16