ዜግነትን መንነትን ኣይደባለቕ

2020-01-25 10:22:03 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2278 times

ኤርትራ ዶባታን ጐረባብታን ዝተነጸረ፡ ብኣስታት 1000 ኪ/ሜ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተዓጥቀት ልኡላዊት ሃገር እያ። ስፍሓት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብዝተፈላለዩ ዓቐናት ዝሰፈረ ኮይኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ፡ 125 ሽሕ ትርብዒት ኪ/ሜ ወይ 48 ሺሕ ማይልስ ንረክብ። ኤርትራ ከም ኩለን ብመግዛእቲ ዝሓለፋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እዚ ህልዊ ቅርጻ ውጽኢት ኤውሮጳዊ መግዛእቲ እዩ። ናይ ኤርትራ ሃገርነት ፍሉይነት እውን ኣለዎ። ንሱ ከኣ ብሰንኪ ድሕሪ ስዕረት ኤውሮጳዊ መግዛእቲ፡ ዘጋጠማ ተኸታታሊ፡ ናይ ወጻኢ ኢድ ዝደረኾ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ፡ እዚ ህልዊ ልኡላውነታ ኣዝዩ ክቡር ዋጋን ነዊሕ ግዜን ዝተኸፍለሉ ምዃኑ እዩ።

ኤርትራ ነዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ልኡላውነትን ሒዛ ንኽትቅጽል፡ ኩሎም ዜጋታታ ብዘይ ዝኾነ ኣፋላላይ ኣብ ዓውዲ ውግእ ኮነ መድረኽ ረፈረንደም፡ ደምን ድምጽን ከፊለሙላ እዮም።  ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ዝኾነ ጉጅለ ኣብ ምምጸኣ ፍሉይ እጃም ከም ዝነበሮ መሲሉ፡  ፍሉይ ሓለፋ ንክህልዎ ንዝደናደን ኣካል ዘይንቕበሎን እንቃለሶ ዘለናን። እዞም ኤርትራውያን ዜጋታት ንኤርትራ ከም ሃገር ክሳብ ሕጂ ዘውሓስዋ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ንሓዋሩ ልኡላዊትን ህዝባ ልዕልናኡ ዘረጋግጸላን ሃገር ንኽትከውን ዝሕልውዋን ዝሕብሕብዋን እውን ንሳቶም ብሓባር እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ንክበቅዕ ከኣ ምትራር ሓድነቱ ወትሩ ወሳኒ ምዃኑ ክዝንገዖ ዘይግበኣና እዩ። ሓድነት ኤርትራ ብሓድነት ህዝባ ስለ ዝውሰን። ኤርትራዊ ዜግነት ብመበቆል ወይ ብኻልእ ዝተፈልየ ምኽንያት ዝርከብ ጸጋ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ልኡላውነቱ ንምዕቃብ፡ ሓድነቱ ከደልድል ናይ ግድን እዩ ክበሃል እንከሎ ግና፡ እቲ ዝተፈላለየ ብዙሕነታዊ መንነቱ ይጥፋእ ወይ ይተዓምጸጽ ማለት ዘይኮነ፡ ንኤርትራዊ ዜግነታዊ ሓድነት ብዘይጻባእ መልክዕ ክተሓዝን ክምዕብልን ይግበኦ ማለት እዩ። ኤርትራዊ ኣብ ትሕቲ ስሙር ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዜግነትን፡ ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ፡ ባህሉ ….. ወዘተ ከዘውትርን ከሰስንን ዝዓግቶ የለን። ዝዓግቶ የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ብዙሕነቱ  ንዜግነታውን ልኡላውነቱን መመሊሱ ብዘትርር ክመሓደር እንከሎ፡ መሰረት ሓያልነትን ቀጻልነትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝኸውን። እዚ ኣብቲ ብዙሓት ወገናት ክበታትንዎ ፈቲኖም ዘይተዓወትሉ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝሰዓረ፡ ንመጻኢ እውን ዝያዳ ክድራዕ ዝግበኦ ኣውንታዊ ተመኩሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ካለኦት ሃገራት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራት ዘራኽቦ ዘየብሉ ፍሉይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብዜግነቱ ዘይኮነ ብመንነቱ ምስ ብዙሓት ህዝብታት ጐረባብቲ ይመሳሰል። ኣብ ኤርትራ ትግርኛ ኣሎ፡ ኣብ ትግራይ እውን ትግርኛ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ናይ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ባህልን ተመሳሳልነት ኣሎ። ካብዚ ነቒሉ ዝምዕብል ሓባራዊ ናይ መውስቦ፡ ንግድን ካለኦትን ምትእስሳራትን ዝምድናታትን እውን ኣሎ። ኣብ ብሄራት ዓፋርን ኩናማን እውን ከምኡ። ናብ ሱዳን እንተኸድና እውን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ትግረን ሕዳርን ስለ ዘለዉ፡ ካብዚ ተመሳሳሊ መንነት ዝምዕብል ናይ መውስቦ፡ ንግድን ካልእን ምትእስሳራት ምህላዉ ህያው እዩ። እዞም ናይ መንነት ምምስሳል ዝወለድዎ ዝምድናታት ግና፡ ነቲ  ኣዝዩ ዝተረረን በዳህትን መድረኻት ዝሰዓረን ኤርትራዊ ዜግነትን ልኡላዊ ዶባትን ፈጺሙ ዘህስሶን ትርጉም ዘስእኖን ኣይኮነን።

ኤርትራዊ፡ ዜግነታውን ልኡላውን ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራውያን፡ ሃይማኖቶም፡ ቋንቋኦምን ባህሎም፡ ካልእ ብዙሕነቶምን ብዘየገድስ፡ ብሓባር እምበር፡ ምስቶም ዶብ ሰጊርካ ዘለዉ ብመንነት ዝመሳሰልዎም ኣይኮኑን ዝወፍሩን ዝምክቱን። እዚ ናጽነት ከምጽኡ እንከለዉ ኮነ ንመጻኢ ሃገር ክሕልዉ እንከለዉ እውን ዝረአ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ብዶባት ከይተደረተ፡ ብደረጃ ሃገራት፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘትከለን ኣብ ሕድሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ኣእታውነት ዘየፍቅድን ኩለመዳያዊ ዝምድናን ምምልላእን ኣይግበርን ማለት ኣይኮነን። ዜግነታውን መንነታውን ዝምድና እቲ ሓደ በቲ ሓደ ዝተኻኽኡ ዘይኮኑ፡ ነናቶም ቦታን ግደን ዘለዎም ከከም ኣድላይነቱ ክመሓደሩ ዝግበኦም እዮም። ንኣብነት ኣብ ዶባዊ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ነዚ ብዝምልከት ሕጊ ኣኽቢርካ ዜግነቱ ብዘየገድስ ምስቲ ኣብ ጐረቤትካ ዘሎ ክትዋሳእ ትኽእል። ከምቲ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ዝርከብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሱዳን ምስ ዘለዉ ብመንነት ዝመሳሰልዎ ንግዳዊ ስራሕ ምክያድ ዝቐሎ፡ ኣብ ደቡብ ኤርትራ ዘሎ ምስ ትግራይ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዘሎ ከኣ ምስ ዓፋር  ምውሳእ ከም ዝቐሎም’ውን ፍሉጥ እዩ።

ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዜግነትን ክለዓል እንከሎ ግና፡ ኣብ ኩሉ ጫፋትን ኣብ ማእከልን ዘሎ ኤርትራ ብሓባር እምበር፡ ብቕርበትን ተመሳሳልነት መንነትን ዓቂኑ፡ ምስ ዶብ ሰገር ኣይኮነን ዝዋሳእ። ገለ  ንምምልካት ዶባት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሃገራት፡ ብናይ መንነት ተመሳሳልነት ኣጐልቢቦም ከህስስዎን ትርጉም ከስእንዎን ዝደልዩ ወገናት ከኣ ግጉያት እዮም። ኢሳያስ ንጉዳይ ዶብ ስለ ዘዋደቖ ህዝቢ ኤርትራ እውን ቀንዲ በዓል ጉዳይ ንሱ ክነሱ፡ ኣሰር ኢሳያስ ሒዙ ሸለል ክብሎ ከም ዘለዎ ክመኽሩ ዝፍትኑ  መዳህለልቲ እውን ከምኡ ግጉያት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ንኤርትራዊ ልኡላውነትን ዜግነትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣቕጣጫ ይሕዝ ስለ ዘሎ፡ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራውያን ኣሻቒልዎም ከም ዘሎ ኩልና ንሰምዖን ንዕዘቦን ዘለና እዩ። ብዘይካዚ ንሓንሳብ ኣግኣዝያን ንሓንሳብ ከኣ ካልእ ስም እንዳሓዙ፡ ካብቲ ኤርትራዊ ምሉእነት ሓደ ሸነኸ መጅሪጦም ብምውሳድ ምስ ካልእ ክልጠፉ፡ ንኣብነት ናይ ትግርኛ ዝዛረቡ ሃገር ክድኩኑ፡ ከም ዝፍትኑ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ሕጂ እውን ዘይቀሃመ እዩ። ኢሳያስን እዞም መዳህለልቲ ኣካላትን ኣብ ምብታን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ምህሳስ ዜግነትን ተመሳሰልቲ እዮም። እቲ ፍልልዮም ኢሳያስ ንብምልእታ ኤርትራ ንሓደ ኣካል ክምጥዋ ክሕልን እንከሎ፡ እቶም ካለኦት ከኣ ኣብ መንነታዊ ተመሳሳልነት ተሓቢኦም ክብትንዋ ዝኣልሙ ምዃኖም እዩ። ስለዚ ዜግነትን መንነትን ከየደባለቕና ኣብ ርትዓውነት ኣትኪልና፡ ኤርትራ ንምድሓን እነካይዶ ቃልሲ፡ ናብ ኢሳያስ ጥራይ ኣተኲርና፡  ነዞም ሰላሕታውያን ኣፍርስቲ እውን ክንርሰዖም ኣይግባአናን።

Last modified on Saturday, 25 January 2020 11:40