ደገፍ ንህግደፍ፡ ደጊም ይትረፍ

2020-01-11 21:54:19 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1682 times

ህግደፍ ክንብል እንከለና፡ ዲክታተር ኢሳያስ ንመሕብኢ ክኾኖ ዝደኮኖ፡ ሎሚ ግና በቲ ዋናኡ ዝተጠልመ፡ መሰረቱ ኮነ መሪሕነቱ ደሃዮም ዘጥፍኡ ስም ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ ትካል እዩ። ኣቲ ጥልመት ኣብ ህግደፍ ከም ትካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሎም ካብ ቅድም እውን ሕጋዊ መሰረት ኣብ ልዕሊ ዘይነበሮም ትካላት ዝተፈጸመ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ኢሳያስ ሎሚ እውን ኣብኡ ካብ ምሕባእ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብሉ ከም ካለኣይ ስም ዲክታተር ኢሳያስ ኢና ንህግደፍ ንጠቕሶ ዘለና። ኩልና ከም እንርደኦ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ትካላት እንዳተጠልመን እንዳተሸምቀቐን ዝርካባ እታ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ እያ ተጠቕሊላ። እቶም ሓሓሊፎም ውጥምቅልቅል ክብሉን መልእኽቲ ከመላልሱን እንዕዘቦም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ “ሰበ መዚ” ብሳንቡእ’ቲ ዲክታተር ዘተንፍሱን ንሱ መመቲሩ ዝሃቦም ጥራይ እንዳኾለሱ ዕድመ ዘናውሑን እዮም።

ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ቃሕ ከም ዝበሎ ስምምዓት ዝፍርም፡ ስምምዓት ዘፍርስ፡ እንተደለየ ምስ ባህ ዘይበሎ ጽልኢ ስዕድም፡ ዋጋ ይረኽበሉ እየ እንተ ኢሉ እውን ብልኡላውነት ሃገር ዝጣላዕ፡ ሃብትን ንብረትን ህዝቢ ከም ድላዩ ዝሕሽሽ፡ ኣዋጅ ዘውጽእ፡ ኣዋጅ ዘፍርስ፡ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእቱ ዓንዳሪ እዩ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ቀደሙ ሓጋጊኡ፡ ፈጻሚኡን ፈራዲኡን ኣብ ዘይፍለጥ፡ ብግብሪ ኮነ ብሕጊ ህዝባዊ ኣፍልጦ ኣብ ዘየብሉ ሜዳ ክሕንብስ ዝመረጸ ነዚ ዕንደርኡ ንምውሓስ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣፎም መሊኦም ዝዛረብሉ ሞራልን ሕልናን’ኳ እንተዘየብሎም፡ ንህግደፍ/ኢሳያስ ዝድግፉ ንጣር ምህላዎም ዘይከሓድ እዩ። እቲ ኣደጋግፋኦም ግና ዘደግፍ ዝድህሰስ ሓቂ ሃልይዎም ዘይኮነ፡ “ሓንሳብ ካብ ኣተናዮ” ዝዓይነቱ ናይ ህልኽ ምርጫ ምዃኑ ምርዳኡ ኣየጸግምን። ኢሳያስ ከኣ ነቲ እንዳተራእየ ክነሱ ክሽፍኖ ዝፍትን ኢደወነናዊ ዕርቃኑ ንምኽዋል ኣብ ህግደፍ እዩ ክሕባእ ዝፍትን። ስለዚ “ንህግደፍ ኣይትደግፉ” ክንብል እንከለና፡ ቀንዲ ሕመረት መልእኽትና ንኢሳያስ ኣይትደግፉ ማለትና ምዃኑ ክበርህ ይግበኦ። ንኢሳያስ ኣይንደግፎ ክንብል እንከለና  መበገሲ ምኽንያትና እቲ ርኡይ ገበኑ እምበር፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝነቅል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ኤርትራዊ ስለምንታይ ህግደፍ/ኢሳያስ ክድግፍ ከም ዘየብሉ ንምርዳእ፡ ብዛዕባ ቅዋም፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ መሰላት፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ፡ ስደተን ድኽነትን ምዝርዛር ከምቲ “ንቐባራይዶ መላቓሳይ የርደኦ” እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ጸገምን ግፍዕን፡ እንተኾነ ኣብ ገገዛና ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣብ ጐረቤትና ዘሎ ስለ ዝኾነ።

ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ቀደም ብሓፈሻ ንኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንከተማ ኣስመራ ዝፈልጠ ዝነበረ እሞ ናብ ሃገርና ገሹ ምስ ረኣየን ነቲ ኽፋእ ምዝርዛሩ ጸጊምዎ “ኤርትራ ክልተሻብ ተራእያ” ዝበሎ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ህግደፍ/ኢሳያስ ኣብ ኣዝዩ ምግላጹ ዘጸግም ጸልማት ምህላዎም መስካሪ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነዚ ንሃገርና ኣብዚ ደረጃዚ ኣውዲቕዋ ዘሎ ኣካል፡ እንተኾነ ጉልባብካ ቀሊዕካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ትቃወሞን ትቃለሶን፡ ካብኡ ሓሊፉ ክትድግፎ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን በደል ኣብ ርእሲ በደል ካብ ምፍጻም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምእንቲ ንብረትን ካልእ ጠቕምን ኢሎም ምስ በላዒ ሰብ ክመሳሰሉ ዝፍትኑ ወገናት እውን ከምቲ “ስም ሓላፊ ብልዒ ተራፊ” ዝበሃል፡ ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ሓደጋ ከም ዘለዎ ከስተብህሉ ይግበኦም።

ህግደፍ/ኢሳያስ፡ ደጋፊ ንምርካብ ነቶም ካብ ቀደም እንቃወሞ፡ ኣይሰለጦን እምበር፡ ኣሰይጥኑ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ የካይድ እዩ። ብረቂቕ መንገዲ፡ “ኤርትራዊ ሓልዮት ዘየብሎም፡ 5ይ መስርዕ፡ መሳርሒ ወያነ” ብዝብል ግጉይ ስእሊ ከቕርበና ፈቲኑ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ሓልዮት ሃገር ዘየብሉን ናይ ግዳም ሓይልታት ምስ ዝኣምንዎም ኣብዑር ጸሚዶም ዝሓርስዎ ዘለዉን ንሱ ምዃኑ በሪሁ እዩ። ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብሀል፡ ሎሚ ብዙሓት ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንህግደፍ/ኢሳያስ ኣሚኖም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት በጃ ዝሓልፍሉ ዝነበሩ ከይተረፉ፡ ገለን ዝባኖም ቀሊዖም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሰልፎም ይምክትዎ ኣለዉ። ኣጽቂጦም ኩነታት ዝጸናጸኑን ጽባሕ ናብ ደንበ ለውጢ ምስላፎም ዘይተርፎም እውን ኣለዉ።

ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ኢሳያስ ነቲ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ፡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተጠዊቑ መመሊሱ ዝድርጉሖ ዘሎ፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዝህድድ ወስታታት ዝሰምዑ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ስምዒት እዮም ተቐቢለምዎ። እቶም ናይ ኢሳያስ ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ፈራዕራዕን ሓላይ ክብሪ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ምቕራብን ሓቂ ዝመስሎም ዝነበሩ በቲ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክቕጽል ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ተጻራሪ ጫፍ ምዝላሉ ኣዝዩ ደንጽይዎም። ነቲ ዝበሎ ክሳብ ካለኦት እንዳዓደመ ዝደጋግሞ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ’ውን ነይሮም። ነቶም ካብ ቅድም ዝባና ቀሊዕና “ዓገብ” ዝበልናዮን ንክህሉ ክብል ዝኾነ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከምዘይብል ንጽበዮ ዝነበርናን፡ ነቶም ኣጸቢቑ ዘየግሃደ  ዕቃበ ዝነበሮምን ወገናት ግና ዘይጠርጠርናዮ ስለ ዘይመጸና፡ እቲ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዚኑና እምበር፡ ሓድሽ ኣይኮነናን።

ሕጂ እቶም ምርጫ ህግደፍ/ኢሳያስ መንገዲ ደሓን መሲልዎም ክድግፍዎ ዝጸንሑ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተጣዒሶም ክመልስዎ ኣይክእሉን እዮም። ድሕሪ ሕጂ መንገዲ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ምሓዝ ግና ዝከኣልን ናይ ሓላፍነት ዝስመዖ ምርጫን እዩ። እዚ ኩሉ እንዳሰማዕካን እንዳረኣኻን ሎሚ’ውን ኣሰር ኢሳያስ ምሓዝ ግና ብምርጫኻ ገበነኛ ካብ ምዃን ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ኢሳያስ እውን ግብሩ ስለ ዝፈልጥ ደጊም ህልውናኡ ብናይ ግዳም መወልቱ ዝውሰን እምበር፡ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ደገፍ ዝጽበ ኣይመስለናን። ነዚ እዩ ከኣ “ደገፍ ንህግደፍ ይትረፍ” ክበሃል ዝግበኦ።

Last modified on Saturday, 11 January 2020 22:56