ደንበ ተቛውሞ መንዮም

2019-10-27 08:48:47 Written by    ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1865 times

እቲ ሜዳ ኤርትራ ብ1981 ብህዝባዊ ግንባር ምስ ሽርክነት ህወሓት (TPLF)  ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነታ ዝነበረት ተሓኤ ( ጀብሃ) ናብ ሱዳን ስለዝደፍእዋ ብሓደ ውድብ ተባሒቱ ክሳብ ነጻነት ኤርትራ እዩ ኸይዱ። ድሒሩ እውን ክሳብ ሎሚ  ኤርትራ ብሓደ ጉጅለ ናይ ምልክነት ምሕደራ ዝነገሰሉ እዩ ዘሎ ።

እቶም ነዚ ስርዓት ኢሰያስ ዝቃወምዎ ዝነበሩን ዘለዉን መብዛሕትኦም እቶም ናይ ጀብሃ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክኾኑ ናይ ግድን ይኸውን፡ ምኽንያቱ እንተ ኢልና ንሶም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብቐረባ  ግዳይ ናይቲ ማህረምቲ ዝወረዶም ስለዝኾኑ። እቲ ኣብ'ቲ እዋን ወይ ከባቢ 1981-1982 ዝነበረ ሃለዋት ተሓኤ ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ክፈናጨል እዩ ተራእዩ። እቲ ናይ ሰሜን ሓይሊ እንብሎ ኣብ'ቲ ግዜ ብዓብደላ ኢድሪስ ናይ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዝነበረ ናብ ራሳይ ገጹ ተፈልዩ፥ እቲ ክንስጉም ኣለና ንእቶ  ሜዳ ዝሓዝናሒና ኢሉ ሳግም እንብሎ ደግሓኤ ብበዓል ተወልደ ገብረስላሴ ዝምራሕ ተፈልዩ፥ እቲ ዝተረፈ ሓይሊ ብኣሕመድ ናስር ዝምራሕ ጉድለታትና ኣሪምና ንቐጽል ዝበለ እዩ ነይሩ ጽሟቅ ተዘክሮታት።

 መቸስ ታሪኽና ምፍንጫልን ውግእ- ሕድሕድ እንድዩ ክሳብ ሕጂ እናሰዓበና ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነ ሎሚ ንዝኾነ ሰብ ንደንበ ተቛውሞ ተኸታታሊ ምስ እንሓትት ልዕሊ 30 ውድባት ኣለዋ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።

 እሞ እቲ ብዝሒ ውድባት ነቲ ብማዕዶ ዝከታተል ኣሰካፊ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን። እቲ ስንፍ ዝብል እውን ክላእ ተስፋ የብሉን ኢሉ ዝርሕቕ ፥ ገለ እውን ነቲ ቓልሲ ከም ጽቡቕ ጸብሒ ተኸሺኑ እንጌራ ተሰንኪቱ ንዑ መኣዲ ተቐሪቡ ተባሂሎም ክጽውዑ ዝጽበዩ ብዙሓት ኣለዉ።

 ምስ ዕቤት ቓልሲ መስመራትን ፖለቲካዊ ርእይቶታትን እናተነጸሩን እናበርሁን ስለዝኸዱ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ 90 ፍልልያት ናይተን ኣብ ኤርትራዊ ምሕዝነት ሓይልታት ዝተጠራነፋ ( ግንባር) ዝመስረታ ልዕሊ 10 ውድባት ዝኾና  ውድባትን፡ ሲዒቡ ኣብ 2005 ኣቢሉ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ነቲ ጽላል ዘመሓየሻን ክሳብ ሎሚ  እናበርሄ ዝኸደ ኮይኑ ይስመዓኒ።

 እዚ ደንበ ተቛውሞ ኣብ ሰለሰተ መሰረታዊ ፍልልያት ዘለዎ እዩ ኢለ ይኣምን። ንሱ ድማ ነቲ ዝቓለሱዎ ስርዓት ኣስመራ ( ኢሰያስ) ብፖለቲካዊ ርእይቶ ከመይ ይመዝንዎ። እቲ ካልኣይ ፍልልይ ድማ ድሕሪ ውድቀት ሰርዓት ኤርትራ ብኸመይ ትመሓደር እዪ እቲ ፍልልይ።

 ቅድሚ ምቕጻል ከም መበገሲ ክኾነና ኣነ ዝብሎ እዘን ውድባት  ካብ 21 ዘይውሕዳ እየን ዝብል እምነት ኣለኒ።

* እቲ ቐዳማይ

እዘን ውድባት ሓደ ማዕረ ዝሓዘ ቑጽሪ ሓደ ሲሶ ናይ ተቓውሞ ንኩነታት ኤርትራን ሽግራቱን ክመዝኑ ከለዉ ክልተ ኤርትራ እዩ ዘሎ፥ ንሱ ድማ ከበሳን መታሕትን ፥ ክርስትያንን እስልምን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ማለት ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ እቲ ክርስትያንን ከበሳውን ኩሉ እቲ ፖለቲካን ስልጣንን ጸጋ ሃገርን ገቢቶሞ እቲ ሓደ ወገን ወዲ ሃገር ክነሱ ዋላ ሓንቲ ግደ ዘይጻወት፥ ተዓዛባይ ቋንቋኡ ተደፊኑ፥ ተኣሲሩ ዝኸይድ ስለዝኾነ ፥ እቲ ቓልሲ ወይ ክንስዕሮ ነዚ ሓይሊ ወይድማ ብማዕረ እንዋስኣላ ሃገር ክትከውን ኣለዋ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢሰያስ እዮም ዝብሉ።

 * እቲ ካልኣይ

እዚ ጉጅለ 9 ብሄራት ኤርትራ ኢየን ዘለዋ ይብሉ ፡ንሕና እተን ዘለዋ ብሄራት ብሓደ ብሄረ ትግርኛ እንውጻዕ ዘለና ኢና ስለዚ ቀንዲ ጸላኢና እዚ እዩ፡ ንሕና እዘን ብሄራት ብማዕረ እንመሓደረሉ በብብሄርና ማለት ብሄራዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ክንምስርት ንደሊ፥ እንተዘየለ ንሕና ብመሰል ርእሰ-ውሳኔ መሰረት ካብ ኤርትራ ክንግንጸል መሰል ኣለና ኢና ዝብሉ ክኾኑ እንከለዉ፡

* እቲ ሳልሳይ

 እዚ ጉጅለ ኣይፋልኩምን ኤርትራ ሓንቲ ሃገር እያ ፡እዚ ዘሎ ስርዓት ናይ ማንም ጉጅለ ተጠባቓይ ወይ ዝሓሊ ኣይኮነን፥ እዚ ንትግርኛ፥ ሳሆ፥ ትግረ፥ ብሌን፥ ዓፋር ወዘተ በልማማ ዝጭፍጭፍ ጉጅለ  እንበር ህዝቢ ኤርትራ ዘየገድሶ ኣይኮነን ዝብል እዩ። እዚ ስርዓት መግለጺኡ ምልኪ እዩ። እቲ ጸገምና ሃይሞኖት ወይ ቋንቋ ኣይኮነን። ስለዚ ሽግርና ምልኪ ስለዝኾነ  እንስዕሮ ድማ ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ኣሚንና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣንጊስና ቅዋማዊ ምሕደራ ተኸቲልና ኩሉ ኤርትራዊ እንታይ ሃይማኖቱ፥ ቋንቋኡ፥ ካበይ ስድራ ቤት ተወሊዱ ብዘየገድስ ኣብ ቕድሚ ቕዋም ማዕረ እዩ ዝብል እዩ እምንቶ እዚ ሳልሳይ ጉጅለ።

 ስለዚ እቶም መሰረታውያን ፍልልያት ከም ዘለዋ እናተፈልጠ ኣብ ቃልሲ ናይ ቐረባን ናይ ርሑቕን ምሕዝነት ስለዘድሊ ምስቲ ብተደጋጋሚ ዘጓንፈና ናይ ምፍንጫላት ጸገም ክንሰግሮ እናተቓለስና ብትኹረት ነቲ ደንበ ተቓውሞ እናተኸታተልናን እናተሳተፍናዮን ናብቲ ናይ ኩላትና ዓወት ከነብጽሖ ኢደይ ኢድካ ንበል ይኣክል ብማዕዶ ማዕዶ ምጥምማት ኣይኮነን።

Last modified on Sunday, 27 October 2019 09:51