ናይ በይ-ኤርያ ወካሊ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ፣ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2019-10-23 18:34:41 Written by  ወካሊ ሽማግለ በይ-ኤርያ ምንቅስቓስ ይኣክል ባይቶ ሰሜን ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1736 times

ወካሊ ሽማግለ በይ-ኤርያ ካብ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ተነዲፉ ዝቐረበ ዓንዲ-ሕጊ ንምኽላስ፣ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብ20 ጥቅምቲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።  ካብ ሒዝዎ ዝቐረበ ዛዕባታት ድማ፡

  1. ምንቅስቓስ ይኣክል ዝምርሓሉ ዝተነድፈ ዓንዲ-ሕጊ ንህዝቢ ንምግላጽ፣ ካብ ኣኼበኛ ዝቐረበ ሕቶታትን ርእይቶታቱን ተቐቢሉ ናብ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ንኽሰድድን
  2. ግዱሳት ወለንተኛታት ኣብተን ሸውዓተ ሓይሊ ዕማማት ብድሌቶምን ከከም ክእለቶምን ንኽሳተፉ መብርሂ ብምሃብ ክምዝገቡ ጻውዒት ገይሩ።

Bay Area Yiakil Movement Reviewing Bi laws 1ወካሊ ሽማግለ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ምስጉን ሓጎስ፣ ወልደየሱስ ውበ፣ ነጋ ወልደሩፋኤል

ወካሊ ሽማግለ፣ ድሕረ ባይታ ኣበጋግሳን ዕላማን ናይ ምንቅስቓስ ይኣክል ክገልጽ ከሎ፡ ብመራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሃገራዊ ጥልመት ምስተጋህደ፣ ልዑላውነትና ንምክልኻል ዝተላዕለ ማዕበል ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ዝምርሓሉ ሕጊ ኣይነበሮን፡ እነሆ ሕጂ ግን ንድፊ ኣዳልዩ ብህዝቢ ንኽኽለስ ቀሪቡ። ነቲ ዝጸንሐ ድንጉር ሓሳብ “ንፕረሲደንት ኢሳያስ ዝትክእ ሰብኣይ ኣበይ ይርከብ ኢልካ ምንዳይ፣ ወይ ከምቲ ንኣይሁዳውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺኡ፣ ንቐይሕ ባሕሪ ጨዲዱ ናብታ ናይ መብጽዓ ሃገሮም እስራኤል ዘስግር ሙሴ ብተኣምር ክርከብ ምጽባይ” ኣይኰነን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማን ኣገባብን። ዋና ሃገርና ኤርትራ ህዝባ እዩ፡ ስለዝዀነ ድማ ንህዝቢ ዝወከለ ባይቶ ብሓባር ኣቝምና፣ ብዝሓንጸጽናዮ ቅዋም ዝምራሕ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመረጾ መሪሕነት፣ ብልዕልና-ሕጊ ንዝተመዘዞ ሓላፍነት እሙን ኰይኑ ዝመርሕ መሪሕነት ንምምስራት ኢና ንቃለስ ዘሎና። ካብ ሕጂ ንንየው ኣብ ውልቀ-መራሒ ምእማን ዘይኰነ ኣብ ሓባራዊ መሪሕነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ክብል ኣስሚሩሉ።

Bay Area Yiakil Movement Reviewing Bi laws 2ካብ ከተማታት በይ-ኤርያ ተጓዒዞም ንድፊ ዓንዲ-ሕጊ ንምምሕያሽ ኣብ ኣኼባ ኦክላንድ ዝተሳተፉ

ወካሊ ሽማግለ ኣብ መደርኡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መድረኽ ሕቡራት ሃገራት ቀሪባ ክንዲ መንእሰይ ወለዶ ኣናተጣበቐት ዝመደረት ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝዕድሚኣ ጓል ኖርወይ ብምድናቕ፡ ካብ ዓቐን ሓሊፉ ዝፍኖ ዘሎ በካሊ ካርቦን-ዳዮክሳይድ ክንቆጻጸሮ እንተዘይክኢልና ፈጢሩዎ ዘሎ ግሎባላዊ-ኣየር ብከላ ኣብ ሂወት ፍጡራት ዘስዕቦ ሓደጋታት ከቢድ ምዃኑ ኣጠንቂቓ። ብደገፍቲ ድሕነት ከባቢ ድማ ድሙቕ ደገፍ ስለዝረኸበት ለውጢ ክግበረሉ ትጽቢት ዘንበረ እዩ።  መንእሰያት ኤርትራ ተሳትፎኹም ኣብ ቃልሲ ክዓዝዝ፣ ለውጢ ዝጠልብ ድምጽኹም ክብርትዕን ንምምራሑ ድማ ክትዳለዉን ኣሎኩም ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ሓላፍነት ዝጐደሎም ባእታታት ብኢደወነኖም ዝዝርግሕዎ ሓቀኛ ዘይኰነ ኣደናጋሪ ወረታት ተራእዩ ነይሩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ባይቶ ብዕቱብ ኣጽኒዑ ዝግባእ መፍትሒ ረኺብሉ እዩ። ነዝን ከምኡ ዝመሳሰልን ዝልዓል ጸገማት ብቐጻሊ ንምእላዩ፡ “ፍልልያትን ግርጭታትን ዝኣሊ ሽማግለ” ኣቝሙ ኣሎ ክብሉ ወከልቲ ኣብሪሆም።

ወኪል ሽማግለ ነቲ ዘምጽኦ ሰነድ ንድፊ ስርዓተ-ሕጊ ኣባዚሑ፡ ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ ርእይቶታቶም ዝጽሕፍሉ ወረቓቕትን ቀሪቡ እዩ ናብ ኣኼባ ኣትዩ። ተሳተፍቲ ነቲ ሰነድ ሒዞም ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክከታተሉን፣ ሕቶታቶም ኰነ ርእይቶታቶም ንኸቕርቡን ጥጡሕ ኵነታት ስለዝፈጠረ ስሉጥ ኣኼባ ክካየድ ክኢሉ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝነበሮም ሕቶታት መልሲ ተዋሂብዎ፣ ክመሓየሽ ዝበልዎ ሓሳባት ድማ በብዓንቀጹ ኣቕሪቦም ዕቱብ ምይይጥ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ ብጽሑፍ ዘቕረብዎ ናይ ምምሕያሽ  ርእይቶታቶም ብወካሊ ሽማግለ ተኣኪቡ። እቶም ጊዜኹም ወሲድኩም ርእይቶታትኩም ክትሰዱ እትደልዩ ድማ ናብ ኢመይል ኣድራሻ ባይቶ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክሳብ ሓደ ሕዳር ዘሎ ጊዜ ስደዱ ዝብል ሓበሬታ ተዋሂቡ። እትህብዎ ናይ ምምሕያሽ ርእይቶታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ክበጽሕ ምዃኑ’ውን ሓቢሮም። ከምኡ’ውን ኣብተን ወጺአን ዘለዋ ሸውዓተ ሓይሊ ዕማማት  ንኽትነጥፉ እትግደሱ ኣስማትኩም መዝግቡ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ሰላምን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ኣኼባ ተዛዚሙ።

ወካሊ ሽማግለ በይ-ኤርያ ምንቅስቓስ ይኣክል ባይቶ ሰሜን ኣመሪካ

ኦክላንድ 20 ጥቅምቲ 2019

                 

                

                     

Last modified on Wednesday, 23 October 2019 20:43