ፖለቲካዊ ራእይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2019-09-24 07:34:43 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2254 times

ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክለዓል እንከሎ እተን ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዛ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እየን። ምኽንያቱ ብዘይህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፥ ዲሞክራሲ ንኽዕምብብን ኣብ ተግባር ክውዕልን ውሕስነት ስለ ዘየለ። ስለዚ ዲሞክራሲ ህይወት ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክህልዋ። ንህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝጻረር ከኣ  መላኺ ወይ ዓብላሊ እዩ።

ብመጀመርያ “ክንደይ ዓይነት ሰልፋዊ ስርዓታት ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ነቲ ዛዕባ ዓቢ ግደ ይህቦ እዩ። ከምቲ ጉግል ዝብሎ “ሰልፋዊ ስርዓታት ኣብ ሰለስተ ይኸፈል። ቀዳማይ ዓባላሊ እንኮ ሰልፋዊ ስርዓት፥ ካልኣይ ክልተ ሰልፋዊ ስርዓት፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ስርዓተ ኣብዝሓ ሰልፍታት እዩ።” እቲ ዳሕረዋይ ሰልፋዊ ስርዓት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉ ኣገባብ እዩ። እቲ  እንኮ ሰልፋዊ ስርዓት እቲ ንዲክታቶርነት ወይ ምልኪ  ዝምስርት እዩ።  ከምዚ ኣብ ዝዓይነቱ ስርዓት ውድድር ዝበሃል የለን። ወረ ኣብ ገለገለስ ከምዚ ስርዓት እሰያስ ዝኣመሰለ ምርጫ ክካየድ ይትረፍ ህላዌ ሰልፍታት ዝጻረር ጭው ዝበለ ምልኪ እውን ኣሎ። እዚ ስርዓተ እንኮ ሰልፊ ብሕታዊ ዓብላሊ ስርዓት እዩ። ነዚ ንምዕዋተ ከኣ ኣብዝሐ ሰልፍታት ኣይደልዩን እዮም።

እቲ ክልተኣዊ ሰልፋዊ ስርዓት ብፈደረሽን ይመሓደር እምበር ናቱ ኣበር ክህልዎ ይኽእል። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ስልፍታት ጥራይ እዩ ናይ ስልጣን  ቅብብል ዝካየድ። ኣብዚ ብመጠኑ ኣብ መንጎ ክልተ ሰልፍታት ውድድር ምህላው እወንታዊ እኳ እንተኾነ፥ እተን ናኣሽቱ ሰልፍታት ኣብቲ ናይ ባይቶ መንበር ስለዘይረኽባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ኣብ ውድድር ክኣትዋ ዕድል ስለ ዘይረኽባ ዳርጋ ዘይህልዋት እየን። በዚ ዝኣክል እተን ናእሽቱ ሰልፍታት በተን ዓበይቲ ሰልፍታት ስለ ዝዕብለላ እቲ  ናይ ስልጣን ቅብብል ናይ ክልተ ሰልፍታት ምልኪ (ዋንነት) ይኸውን።

እቲ ብናይ ኣብዝሓ ሰልፍታት  ዝቕውም መንግስቲ ካብ ሰለስተ ወይ ካብ ሰለስተ ሰልፍታት ንላዕሊ ዝዋሰኣሉ እዩ። ኣብዚ እቲ ዝካየድ  ምርጫ፥ እቲ ህዝቢ ካብተን ዘለዋ ሰልፍታት ቁጽረን ይብዛሕ ይውሓድ ብዘየገድስ ንኽመርጽ ምርጫታት ኣለዎ። ካልኣይ እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝካየድ ምልኪ ናይ ምስራጽ ዕድሉ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ  ሰልፍታት ነቲ መንግስቲ ብተናጸል ወይ እውን ብልፍንቲ ክቆጻጸር ይኽእላ። ሓደ ሰልፊ ንበይኑ ነቲ ዝድለ ብዝሐ ድምጺ  ናይ ሓጋጊ ኣካል ከምጽእ ኣብ ዘይክእለሉ ናይ ግድን እዩ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ነቲ ድምጺ ክምልእ ክብል ከመሓዞ ወይ ልፍንቲ ክገብር። በዚ ዝኣክል እቲ ዝምስረት መንግስቲ ልፍንታዊ ስለዝኾነ ናይ ምትሕልላው መንፈስ ኣሎ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ዓይነት ሰልፋዊ ስርዓታት እቲ ናይ እንኮ ሰልፊ ምርጫ ከካይድ ወይ ዘይከካይድ ይኽእል። ምርጫ እንተካየደ ከኣ ነቲ ስልጣን ዝብሕቶ ንሱ ንበይኑ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ መርገጻቱ ዝኸይድ ነቲ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝተመስረተ ስርዓት ንምትካል እዩ ቀንዲ ዕላምኡ። ስለምንታይ ከምኡ ኣገባብ ይመርጽ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እምበኣር ነዚ ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝቐውም መንግስቲ ካብ ዕብለላን ጭቆናን ኣሃዳዊ ስርዓትን ነጻ ዝኾነ መንግስቲ  ንምትካልን፡ ተሳትፎ ህዝቢ ከዓዝዝን፥ ብኡ መጠን ድማ እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ናይ ምቁጽጻር ዕድል ይረክብ። እዚ ድማ በቲ “ዘይምእኩል ኣገባብ ምሕደራ” ዝብል ነቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝገትእ  ስልጣን ኣብ ላዕሊ ተኾሚሩ ገባርን ሓዳግን ዝኸውን፡ ናብ ወረዳታትን ኣውራጃታትን ይመቓራሕ ይብል። ስለዚ ካብዚ ነቒሉ እዚ ሰልፊ እዚ ነዚ ዝስዕብ ገለ ካብቲ  ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰረታዊ መሰላት ዝኣምነሉ  ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ዝቃለሰሉ ንምጥቃስ፥

1- ክሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ  ምሕብሓብ፡

2-ብሃይማኖት ይኹን ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፥ ብዘርኢ (ዓሌት) ጾታ ወይ ዝኾነ ይኹን  ኣድልዎ ዘየፍቅድ፡

3-ንስኡናትን ንኣረጋውያንን ምጥዋርን ምሕጋዝን

4--ናይ ምውዳብን ምእካብን ናጽነት ምኽባር

5-ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት

6-ናይ ውልቀ-መሰል ምኽባርን ምክልኻልን

7- ናጽነት ሃይማኖት

8-ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ክምረጽን ክመርጽን ምኽኣል ወዘተ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ሓደ ነገር ብሓንቲ ለይቲ ከምዘይህነጽ ርዱእ እዩ። ዲሞክራሲ ድማ ከምኡ ብሓንቲ ለይቲ ክህነጽ ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ነቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ክንሃንጾ እንደሊ ስርዓተ ምሕደራ፡ ምስቲ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ ቀዳምነት’ኳ እንተዘይተሰርዐ፥ ካብ ብሕጂ እንተሓሰብናሉ ኣየኽፍእን እዩ። ኣርሒቕካ ብዘይምርኣይ እቲቅድም ነዚ ንግበር እናተባሃልና ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወና ተመኩሮ፡ ደጊሙ ከይደግሰና ምጥንቃቕ የድሊ።  ህዝቢ ድሕሪ እቲ ስርዓት ምውዳቕ፥ ዝምእመኦን ዘርብሖን ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ መትከላት ናይ ኩለን ሰልፍታት ዝቕበሎን ዘይክቕበሎን ክመራመረሉ ይግባእ። ምኽንያቱ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሒጅ ጽረግ” እዩ ነገሩ።

ስለዚ መንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከምቲ ሓደሓ ዘይፈልጥዎ ብደገ ከጽልምዎን ዘይናቱ ክህብዎን ዝፍትንኑ ዘይኮነስ፥ ልኡላውነት ሃገርን ልዕልና ህዝብን ዝማእከሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ነዚ ከተግብር ከኣ ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሕ ፖሊሲ ወሳንነት ብኣብዛሓ  ድምጺ ዝኣምን እዩ።

Last modified on Tuesday, 24 September 2019 09:37