ኣሜሪካ ሰራዊታ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከትልእኽ እያ

2019-09-21 10:21:11 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1758 times

 በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃሰየ ትካል ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ

Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃሰየ ትካል ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ

ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ሰዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰራዊታ ናብ ስዑዲ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ማርክ ኤስፐር፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቁጽሪ ናይቲ ናብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣብ "ምክልኻል ዝዓለመ" ተልእኾ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ-የመን፡ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልተ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዶም ኣለው።

ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ግና ንኢራን እየን ዝኸሳ።

ዓርቢ ንግሆ ግና፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኢራን ቀጥተኛ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዘይደሊ ብምትንባህ፡ "ልዑል እገዳ" ከም ዝተነብረላ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ "ከምዝመስለኒ፡ ርእስኻ ምግታእ መግለጺ ናይ ሓያል ሰብ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ሓድሽ እገዳ ንማእከላይ ባንክ ኢራንን ምንጪ ሃብቲ እታ ሃገርን ዕላማ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።

ምስ ኣቦመንበር ጥሙር ሓለቓታት ስታፍ፡ ጀነራል ጆሴፍ ዳንፎርድ ብምዃን ብዓርቢ መግለጺ ዝሃበ ሚስተር ኤስፐር፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓገዝ ምሕታተን ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ዝለኣኽ ሓይሊ፡ ንዓቕሚ ሓይሊ ኣየርን ምክልኻል ሚሳይልን ክብ ከም ዘብልን፤ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት እትገብሮ ቀረብ ወትሃደራዊ ንዋት ከም እተቀላጥፍን ሓቢሩ።

ጀነራል ዳንፎርድ እቲ ምውፋር "መጠነኛ" ምኳኑ ብምግላጽ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዘይኮኑ ሓቢሩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝርዝራት ግን ኣይገለጸን።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከተካይድ እንተኾየና ዝተሓተተ ሚስተር ኤስፐር፡ "ኣብዚ እዋን ኣብኡ ኣይበጻሕናን" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበ ኒውዮርክ ታየምስ ጸብጺቡ።

ሚኒሰትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ናይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተረኽበ ናይ ሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ስብርባር ሓጻዊን ንምርኢት ብምቕራብ፡ ኢራን ኢድ ከም ዘለዋ መረጋገጺ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብልክዕ ካበይ ከም ዝተተኮሰ ግና ገና ምጽራይ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ሓደ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49780040

Last modified on Saturday, 21 September 2019 12:25