ካብ ሰነ ክሳብ ሰነ፡ መን ከሰበ፡ መንከ ከሰረ?

2019-06-22 08:14:41 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1736 times

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሕፍረቱ ቀንጢጡ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ  ክኣትዎ ዝጸንሐ መብጸዓታት ዓጺፉ፡ ምስ ካለኦት ዞባዊ ለኣኽቱ ውሽጠውሽጢ ውዲት ክኣለም ጸኒሑ፡ ዕባራ መመሳመሲ ሓረጋት ጠቒሱ፡ “ልኡኽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንሰድድ ኢና” ካብ ዝብል እነሆ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል ዓመቱ ኮይኑ። ናቱ ገዲፉ ኣብ እንዳማቱ ሃንደፍደፍ ክብል፡ ካብ ግጉይ፡ ስምዒታውን ዘይተጸንዐን ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝመስል  ህልኽ ነቒሉ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ካብ ዝብል እውን  እነሆ ከምኡ ሓደ  ዓመት መሊኡ። እቲ ናይ ሽዑ ሸብዳዕዳዕን ሸንዳሕዳሕን ግና ምስ ናይ ሎሚ ህልዊ ኰናታት ናይቲ መገሻታት ዘሳኒ ኣይመስልን። ነቲ ዘይምስናይ ዝወለዶ ከኣ ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና መላኺ  ግጉይ ናይ ዝምድና ቅዲ እዩ። እዚ ጌጋ ንኢሳይያስ ናይ መጀመርታኡ ከምዘይኮነ ኣስተብህሉ።

እቲ ኢሳይያስ ዓይኑ ተዓሚቱ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ፡ ክትሰምዮ ዘጸግም ወደኽደኽ፡ ኣብቲ እዋኑ ንብዙሓት ወገናት ኣጋግዩን ኣዛሪቡን እዩ። ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ መንግስታትን እውን ከም ዓብይ ኣጀንዳ ወሲደምዎ ነይሮም። ክሳብ ክንድኡ ተገዳስነት ናይ ምሃቦም ምስጢር ከኣ ኢሳይያስ ብኡ ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳዩ’ውን  “ዓይኑ ከንቁሕ እዩ”፡  ዝብል ግምት ስለ ዝነበሮም እዮም። እቶም ከምኡ ዝገመቱ ኢሳይያስ ንሓዋሩ ቅኑዕ ሓሳብ ዘየፈልፍል ምድረበዳ ኣእምሮ ዘለዎ ምዃኑ ዘይተገንዘቡ እዮም። ንሕና እቶም ብጨካን፡ ተበላጽን ጸረ-ህዝብን ተግባራቱ ፈሊሕና ዝገረርና ኤርትራውያን ግና፡ ካብኡ ሓድሽ ኣይተጸበናን። እነሆ ከኣ ክሳብ ሕጂ እቲ ብተመኩሮ ዝሃብተመ ግምት ኤርትራውያን ስዒሩ፡ ኢሳይያስ ካብቲ ዝኣተዎ መጻወድያ መውጽኢ ስኢኑ  ይሕመስን የውጠጥን’ሎ።

እዚ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ፡  መኽሰቡን ክሳርኡን ክግምገም ግድን ስለ ዝኾነ፡ ናይ መኽሰብን ክሳራን ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እቶም ካብዚ ናይ ሓደ ዓመት መስርሕ መኽሰብ ወይ ክሳራ ዝካፈሉ ቀንዲ ተዋሳእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን እዮም። ብሚዛና ብኽልተ ምኽንያታት ህዝቢ ኤርትራ ከሲቡ እምበር ኣይከሰረን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተወሰነ ግዜ ብምኽፋቱ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝነበረ ቤተሰቡ ተራኺቡ፡ ንውሱን ግዜ ከኣ ካብቲ ዝጸንሖ ህልም ዝበለ ስእነትን ሕጽረትን መሰረታዊ  ቀረባት ቁሩባትን ኣገልግሎታትን ትንፋስ ረኺቡ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ነቲ መዕሸዊ መንነትን ናይ ሓሶት መብጽዓታትን ናይቲ ዲክታተር ጋሊሁ፡ ሓቀኛ መንነቱ ክርዳእ ክኢሉ። ኢሳይያስ ተጠሊዑ እሞ ከኣ ደግጋጊሙ “ዶ/ር ኣብይ  ይምረሓና፥ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጥዎ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ቀያድን ናይ መወዳእታ ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ዘልዕሉ ወገናት ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ኣካላት እዮም፡ ኣይከሰርናን ……. ወዘተ “ ዝበሎም ሓረጋት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መን ከም ዝጸንሐን ምስ መን ከምዘሎን ዝተረደኣሎም ኣበሃህላታት እዮም። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መን ኮይኑ ኣንጻር መን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ዘረድእ ሓበሬታ ምርካቡ ካልእ ሳላ ኢሳይያስ ተደፋፊኡ ኣብዚ ዘየርበሖ ባሕሪ ምጥሓሉ ዝረኸቦ መኽሰብ እዩ። እነሆ ከኣ ሳላዚ መረዳእታ ናብ ናይ “ይኣክል” ምዕራፍ ተሰጋጊሩ።

ኢሳይያስ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ንዛረበሉ ዘለና ግዜ፡ ብክሳራን ውርደትን እዩ ኣሕሊፍዎ። ወዮ ተኸዊልሉን “ሓርበኛን ሃገራውን” ዝብል ቅጽል ረኺብሉን ዝነበረ ህሞት ፈሪስዎ’ዩ። ክልተሻብ ተራእዩ፡ እሙን ኤርትራዊ ሓርበኛ ዘይኮነ፡ ብሃገራውነት ተኸዊሉ ብልኡላውነት ክዋገ ዝጸንሐ   ጉሒላ ምዃኑ ተቓሊዑ። ነዚ ጉዱ ንምሕባእ ናብቲ ዝለመዶ በዓቱ ተመሊሱ ሓድሽ መዕሸዊ ምስሊ ዝሕዘሉ ዕድል ደጊም የብሉን። ኢሳይያስ ነዚ ሰፍ ዘይብል ክሳራኡ ምስተረደአ ዝፈተኖ ህድማ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ነቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ኤርትራ ምስ ትግራይን ዓፋርን ዓጽይዎ። እንተኾነ ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝበሃል፡ እዚ ዘይተጸንዐ ምኽፋትን ምዕጻውን ካብቲ ክሳራን ወጥርን ዘድሕኖ ኣይኮነን። ሕሳቡ ንምትዕርርራይ፡ ምስ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ዓጽዩ ምስ ሱዳን ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ክኸፍት ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። እዚ ግና ነቲ ክሳርኡ መሊሱ ዝድርዕ እምበር ዘኽስቦ ኣይክኸውንን’ዩ።

እዚ ነዚ ዲክታቶር ኣጋጢምዎ ዘሎ ወጥርን ክሳራን፡ ጉዳያት ካብ ስምዒት ወጺእካ፡ ኣገናዚብካን ንህዝቢ ከይዓመጽካን እንተዘይሒዝካዮ ንመኽሰብ ዝበልካዮ ንክሳራ ክኸውን ንቡር እዩ።  ኢሳይያስ ሓደ ጉዳይ ከጋጥሞ እንከሎ ብኻልኦት ምምስማስን ምምኽናይን ልማዱ ብምዃኑ ነዚ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ ዘዕለብጦ ዘሎ ሃለዋት ናብ ካለኦት ከም ዘላግቦ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝሰልበጦ፡ ንኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ድዩ ወይስ ንበዓል ሳዑዲ ዓረብያ ከኣ ኣብ መስርሕ እንርእዮ ክኸውን እዩ። “እገዳን ካብ ዓለም ተነጽሎን” ግና ደጊም መህደሚ ኣይኮናን እየን። ኢሳይያስ ዘይምጥኖ ምስሊ ሒዙ፡ ኣብ ዞባና ጐብለል ክኽውን ሕልሚ ከም ዝነበሮ፡ ኣብቲ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ፍታሕ ኩርኩር ኮይንሉ ዝነበረ ግዜ፡ ናብ ኬንያ፥ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን ብዓብይኡ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ ዘይምዕሩግ መገሻ ተዓዚብናዮ። እንተኾነ  ሰላምን ርግኣትን ዘይበቑሎ ንቑጽ እግሪ ስለ ዝኾነ፡ እተን ዝረገጸን ሃገራት ካብቲ ዝነበረኦ ገዲድወን እምበር ኣይቀሰናን። ኮነ ኢሉ’ውን ሓዊ ኣጒዱለን ይኸውን። እዚ ምስ ህዝቡ ሰላም ዘየብሉ ንካለኦት ሰላም ከምጽእ ከምዘይክእል ዘረድእ ተመኩሮ እዩ።

ደጊም ኢሳይያስ ኣሚኑ ዝረግጾ ባይታን ዓው ኢሉ ዝዛረቦ ቃልን የብሉን። ኣብ መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራን 20 ሰነ  መዓልቲ ሰማእታትን ዘስመዖ ህዉጽ መደረታት ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዕዳግኡ ወዲቑ እዩ። ድሕሪዚ ክሓስበሉ ዝግበኦ እምበኣር ናይ ውልቁ መዋጸኦ ሃሰው ምባል ጥራይ እዩ።

እቲ ዓብይ ቁምነገር፡ ንሕናውን ብዛዕባኡ ክንዛረብ ጉዳይና ከይንርስዕ ነስተብህል። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ንኢሳይያስን ጉጅለኡን ዛንዛን ኣቢልናዮም ኣለና። እንተኾነ ናይ ኢሳይያስ ክሳራ ናይ ቃልስና ሜዳ ዘህብትምን ዘስፍሕን እምበር፡ በይኑ ዓወት ከምዘይኮነ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Saturday, 22 June 2019 10:18