ከመይ ዲዩ ክሳራ፡“ኣይከሰርናን”ዝበሃል

2019-06-17 16:08:03 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1725 times

ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ስውኣት እንዝክረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፥ ክሳብ ብቕዋም ትፈርስ ወይ ትጸድቕ፡ ክነብዕላ ታሪኻዊ ግደታ ኣሎና። ምእንቲ እዛ ሃገር ብውሑድ ክሳራ ናጽነት ክንጎናጸፍ ዝነበረና ተኽእሎ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕንገዳ፡ በሽሓት መንእሰያት ከሲርና። እዚ ሰኣን ስምምዕ  ህይወት ሰብ ብኸንቱ ኣጥፊኢካ ኣይከሰርናን ብዝብል ክትድምድሞ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።

ስርዓት ኢሰይያስን፡ ብደገን ብውሽጥን ዘለዉ ተሓባበርቱን፡ በቲ ዝተረኽበ ናጽነት፥ ንመንእሰይ ኤርትራ ዘማዕብልን፥ ምስ ናይ ዓለም መንእሰያት ብምህዞ ይኹን ብሞያ ንኸይወዳደርን፡ ንሃገሩ ከይሃንጽን ጂሆ ሒዞሞ ኣለዉ። ንኸጽንትዎ ድማ ብስም ሃገር ወይ ዶብ ኣመሳሚሶም ዘይፈጠርዎን ዘይገበርዎን የለን። ኢሰይያስ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣረመናዊ ተግባራት ክዋፈር ግን፡ በይኑ ዘይኮነስ እንተላይ እቶም ዓገብ ክብሉ ዝግበኦም ኣባላት ባይቶ ነበር ከይተረፉ ኣብ ምጥፋእ እዚ መንእሰይ እጃም ኣለዎም።

ስርዓት ህግዲፍ፥ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ንምኽላእ ምስ መን ዘይተተናኸፈን ዘይተናኸስን። ምስ የመን ብሰንኪ ይግባኣኒ ኢልካ ኣብ መጋባኣያ ዓለም  ዘይምቕራብ፥ ብሓይሊ ክፈትሕ፡ ውግእ ከፊቱ ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ተጋደልቲ ተመልዒሶም። እቲ መንቀሊ ግርጭት ዝነበረ መሬት ግና፡ ንየመን ተፈሪዱ ከሲርናዶ ኣይከሰርናን። ቀጺሉ ምስ ጂቡቲ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ዝምልከት እውን ተዃቲኹ ውግእ ብምኽፋት ቁጽሮም ዘይፍለጥ ተጋደልቲ ሓሊፎም። ኣብዚ እውን  ሰላም ዘይተረኽቦ መሬት ንመኖም ከምዝውሰን ጌና ኣይተፈልጠን። ከምኡ እውን ምስታ ሓብሓቢት ሰውራ ኤርትራን መዕቆቢት ኤርትራዊ ስደተኛን ህዝብን ዝነበረት ሱዳን ውን ክንደይ ዘይፈተነ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ምስታ ትማሊ ንሃገራዊ ሓይሊ ንምድምሳስ መሻርኽቱ ዝነበረት ወያነ እትምራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ውግእ ኣተወ። ኣብዚ’ውን ልዕሊ ዓሰርተ ትሻዕተ ሺሕ ዝተቐዝፉ ደቅና፥ ባድመ እኳ ንኤርትራ እንተተፈርደት ክሳብ ሎሚ እቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኣይተተግበረን።

ብሰንኪ እዚ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ድማ፡ እቲ ስርዓት መፍቶቱ ረኺቡ፥ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ከይትከል፥ መንእሰያት ተማሂሮም ንቡር ከይፍትኑ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዓፊኑ ንኽሕዝ  ዓቢ ዕድል ሂብዎ። ንህዝቢ ኣጥሚዩ፥ መንእሰያት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ ዝወጠኖ ተንኮል፡ እነሀ ኣብታ ትማሊ ንህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ድፋጭኡ ዘውጸኣቶ ኢትዮጵያ ንኽዕቆብ ተገዲዱ። ካብዚ ንኽላቐቕ ኢሉ እውን ኣብ ፈቐዶ ምደረበዳን፥ ባሕርን ምድረበዳ ሲናይን  ህይወቶም ዝጥፍኡ ኣዲኦም ትቚጸሮም። ኣብዚኸ ከሲርናዶ ኣይከሰርናን።

እቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ነቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ቅዋም ሞይቱ ከምዝበሎ ገይርዎ። ነቲ ዲሞክራሲ ክንትከል ክብሎ ዝጸንሐ ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይከኣልን ኢልዎ። ትማሊ ወያኔ ነቲ ብይን ንቕበሎ ግን ድማ ክንዛተ ኣሎና ምስ በለት ብዙሕ ኣጉባዕቢዑ። ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኮነ ብናይ ደገ ተጽዕኖ ነታ ወያኔ ክትብላ ዝጸንሐት ተረጊጹ ደጊምዋ። ነዚ መዋጽኦ ረኺበ ኢሉ ድማ፡ “ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣሎና” ኢሉ ክፈላሰፈልናን ኣይከሰርናን ክብልን ኣይሓፈረን።

እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ ከምዚ ዓብይ ዓወት ዘመዝገበ ይመስል፡  ኣይከሰርናን መበሊኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበን ንምሽፋን፥ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኤትዮጵያን ከም ክልተ ዝተፈላለየ ህዝቢ ዝብል ኣካል ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ እዩ ከኣ በለ። ስለዚ እታ ናቱ “ኣይከሰርናንሲ” ኣብ ምንታይ እያ ክትሽረፍ። ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቃ ዝተረኽበት ናጽነት ኤርትራ ኣልሚሱ ስልጣኑ ስለዘናወሔዶ ኾን ይኸውን ኣይከሰርናን ዝብለና ዘሎ። እወ! ዝተወፈዩ ደቅና ናጽነት ኣምጺኦሙልና፡ ደሞም ከንቱ ኣይተረፈን። እንተ እቲ ንመናውሒ ስልጣኑ ክብል ዝጥቀመሉ ዝነበረ ጻሕታሪ ባህሪ ግን ኣኽሲሩና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንክብርን ልኡላውነትን ክብርን ሃገርና’ውን ኣብ ሰንከልከል ኣውዲቕዎ እዩ።

እዛ ዕለት እቶም ምእንቲ እዛ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተላቒቓ ናጻ ክትከውንን፡ ህዝባ እፎይ ኢሉ ድምጺ ውግእ ዘይሰምዓሉን ሃዋህው ክፍጠርን በጃ ዝሓለፉ ብረት ዝዓጠቑ ይኹኑ  ዘይዓጠቑ ክብርን ሞጎስን ይግበኦም እዩ። ሳላ ክቡር ህይወቶም ከፊሎም ደሞም ዘፍሰሱን ኣዕጽምቶም ዝኸስከሱን ከኣ እነሆ መሳፍሒ ዝኸውን ሓራ መሬት ኣውሪሶሙናስ  ብዛዕባ መጻኢ ሓርነትን ዲሞክራስን ክንቃለስ እኳ በቒዕና እነሆ።

ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና

Last modified on Monday, 17 June 2019 18:11