ደላይ ፍትሒ፡ ጸረ-ሰልፍታት ኣይቀሳቐስን እዩ

2019-06-03 19:37:53 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1830 times

ሎሚ መብዛሕትኡ ዓለምና ካብ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ናብ ሊበራል ዲሞክራሲ ንኽግልበጥ ላዕልን ታሕትን ዝበሃል ዘሎ እዩ ዝመስል። ብፍላይ ኣመሪካ ዝመራሒተን ከም ቀንዲ ሓያል ሃገር ኮይና ነቲ ናታ ርእይቶ ክተስፋሕፋሕ ኢያ ትጽዕር ዘላ። እዚ ድማ ናብ ዓቢ ሽግር ዝሸምምን ድኻ ዝብደለሉን፥ ነፍሲ ወከፍ ብዕድሉ ይወስን ዝበሃለሉ፡ ግዜ እናኾነ  ክቕጽል ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ማለት እቲ “ዓቢ ንንእሽቶ ይውሕጥ” ዝዓይነቱ ናይ ዳርዊን ፍልስፍና እዩ ክስዕብ።

ህዝባውያን ማሕበራት ብናይ ኣክትቪስት ወይ ናይ ረብሓ ማሕበር ኣብ ዝብል’ውን  ዝቕየር  እዩ ዝመስል ዘሎ። በዚ ምኽንያት እቲ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝነጽግ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ምሁር ይኹን ዘይተማህረ እናበርከተ እዩ።  ስቪካውያን ማሕበራት ብዘይ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይ ስቪካዊ ማሕበራት፥ ከምኡ እውን ሓደ ካብዚኦም ድልዱል እቲ ሓደ ድማ ድኹም እንተኾይኖም ዲሞክራሲ ይኹን ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣሸጋሪ ጥራይ ዘይኮነስ ሰላምን ቅሳነትን ዘውሕስን ምእዙዝነት ንግዝኣተ ሕግን ኣይህሉን እዩ።

ስለዚ ኩሉ ግዜ መልኽቲ ወይ ምልካዊ ኣተሓሳስባ (ኢሰያስ ጥራይ ኣይኮነን) ዘለዎም ደቂ ሰባት  ንህላዌ ሲቭል ማሕበራት ኣይድግፉን  ንፖለቲካዊ ሰልፍታት እሞ ኸኣ ከም ቁርን ኣስሓይታን ኢዮም ዝፈርሕወን። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ ግዜ እቶ እቶ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ተበለጽትን ኣሎናልካ በሃልትን፥ ንሕና ኢና ዝብሉን ሰሊኾም ንምእታው ዝገብርዎ ዓቕሊጽበታዊ ፋሕተርተር እዩ። ስለዚ ሓደ “ኣነ ደላይ ፍትሒ ኢየ” ዝብል ንህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝጻረርን፥ ዘናሹን፥ መጀመርያ ነቲ ህዝብን ንግዛእ ርእሱን እዩ ዘናሹ ዘሎ። ካልኣይ ድማ ካብቲ መላኺ ስርዓት’ውን ፈሊኻ ንኽትርእዮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ምኽንያቱ መጀመርያ ሰልፍታት ካብ ህዝቢ ኢየን ዝምንጭዋ፥ ስለዚ ድማ ኣካል ህዝቢ ኢየን። ብዝኾነ ግን እቲ ንሳተን ቅድሚ ሎሚ ዝዓመመኦን ዘንጸፈኦን ባይታ እኮ እዩ እዚ ትማሊ ሓሙሻይ መስርዕ ዝብለን ዝነበረ፥ሎሚ ተመሊሱ ቃሉ ከየዕብር ብማለት  “ውድባት የላዋን፥ ውድባት ኣይረብሓን” እናበለ ንሓያለይ ዓመታት ዝዘመረ።

እዘን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብ 1991 ኣትሒዘን፥ እምቢ ንምልኪ፥ ይኣክል እንኮ ሰልፋዊ ምሕደራ፥ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ፥ ህዝባዊ ሰራዊት ኣካል ናይ ለውጢ እዩ፥ ግዝኣተ-ሕጊ ይንገስ፡ እንተበላ ግን በንጻሩ ከም ከሓድቲ ሃገርን፥ ደገፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣምሲሎም ከቕርብወን እውን ዝፈተንሉ ግዜ ውሑድ ኣይነበረን። ኣብዚ ግደ ሓቂ ንምዝራብ እዚ መንእሰይ’ዚ ተበዲሉ እምበር ኣይበደለን። ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣስማት ክልጥፍ ዝገበርዎ ግን እንተስ ካብቲ ስርዓት ይኹን እንተስ ካብ ፈሊጣውያን ኢና በሃልቲ፡ ብስውር ዘስንቑ እዮም በደልቱ። እዞም ስውራት ደቂ ሕድርትና  ብታሕተ ታሕቲ ሓቂ ኣምሲሎም ዘስንቑ ባእታታት ግን ገሊኡ ብጋህዲ ይብልዎን ይቀሳቐስሉን ስለዘልዉ ክነቕሓሎም ይግባእ። ምኽንያቱ ሕንፍሽፍሽ ንመን ይጠቅም እንተልና ነቶም መድናገርትን ቅኑዓት ተምሲሎም ዝቐርቡን እዩ ዘርብሕ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኩሉ ዝበሃል ዘሎ  እንተኾነ ቅድሚ ናጽነት ዝበሃል ዝነበረን ብውሑዱ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ጎሊሑ ዝግለጸሉ ዘሎን እዩ።

እዚ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝማዕበለ እምበር ሓዲሽ ዝመጸ የለን። መንእሰያት ንበሎ ህዝባዊ ምጥርናፋት ቅድሚ ሎሚ ባይታ ዝተነጽፎ ኢዩ ነይሩ እሞ ዓበይትናን ናኣሽቱናን ሓደ ነቲ ሓደ ረጊሑ ዝጭብጦ ዓወትን ዘምጽኦ ለውጥን ከምዘየለ ክንኣምን ይግበኣና። ኣምስያኡ ድማ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝበሃል ዝነበረ ታሪኽ፡ ምድምሳስ ናብ ሓቅነትን ፍትሓውነትን ምትእምማንን ዘብጽሕ ኣገባብ ክኸውን ኣይኮነን። ይኣክል ክበሃል እንከሎ ብጣዕሚ ምቁር ቃል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምቁርነቱ ግና ነቲ ትማሊ ዝተፈጸመ እወታዊ ታሪኽን፥ ግደ ናይ ካልኦትን ብምድምሳስ እንተኾይኑ ግን ኣብ ክንዲ ይኣክል ዘይኣክል ከይከውን ነግሩ ምስትብሃል ከድሊ ኢዩ።   ስለዚ እዚ በብጉጅለኻ ተወዲብካ  ወይ ውን ሓዲሽ ሓዲሽ ስያሜ እናኣምጻእካ ውድባት ምፍጣርን ምፍንጫልን መፍቶ ምልኪ እምበር መምጽኢ ፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣይመስልን።

Last modified on Monday, 03 June 2019 21:46