ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ዕግርግር ሊብያ ናብ ኢጣልያ ግዒዞም

2019-05-31 21:18:33 Written by  SBS Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1803 times
  • (UNHCR)
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝጸንሑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብምውጻእ ናይ ድሕነት ዘለዎ ቦታ ኣግዒዝዎም።
Tigrinya
 
1 Jun 2019 - 12:26 AM  UPDATED 1 HOUR AGO
ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ብርቱዕ ኲናት ኣብ ዝሃለወሉን ኩነታት ጸጥታ እናንቆልቆለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን 149 ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታትን ሓትቲ ዑቕባን ናብ ሮማ፡ ዓዲ ጥልያን ግዒዞም። እቶም ዝጋዓዙ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን'ዮም። ኣብ መንጎኦም ከኣ 65 ህጻናት፡ 13 ካብኦም ትሕቲ ሓደ ዓመት ይርከብዎም። ሓደ ካብ'ቶም ዕሸላት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝተወልደ'ዩ።

ብዙሓት ካብ'ቶም ዝገዓዙ ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮም፡ ብሕጽረት መግቢ ኸኣ ዝሳቐዩ'ዮም። ኩሎም'ዚኦም ኣብ ካልኦት ክፋላት ናይ'ታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ንኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ'ቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መአከቢን መበገሲን ዝጥቀመሉ መሳለጥያ ዝተበገሱ'ዮም። እቲ መስርሕ ምግዕዓዝ ብምትሕግጋዝ ሰብመዚ ሊብያን ኢጣልያን ዝተኻየደ'ዩ። 

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነተን ቦታታት ንስደተኛታት ዝሃባ ወይ ዝሓዘኣ ሃገራት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ፡ ግን ካብ'ቶም ካብ ሊብያ ዝገዓዓዙ ዘለው እቶም ተቐይዶም ወይ ክሰግሩ ተታሒዞም ዝመጹ ዘለው ዝያዳ ይቕልጥፉን ይበዝሑን ኣለው። ኣብ 2019 ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ስደተኛታትን ሰገርትን ብመንገዲ ዩኤንሲኢችኣር ካብ ሊብያ ከምዝግዕዙ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ከምዝጣየሱ ተገይሩ፡ እቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ካብ ባሕሪ ድሕሪ ምድሓኖም ወይ ከኣ ብጃልባ ክሃድሙ ብሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ልዕሊ 1200 ኔሮም። 

Last modified on Friday, 31 May 2019 23:24