ብዙሓት ካብ'ቶም ዝገዓዙ ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮም፡ ብሕጽረት መግቢ ኸኣ ዝሳቐዩ'ዮም። ኩሎም'ዚኦም ኣብ ካልኦት ክፋላት ናይ'ታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ንኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ'ቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መአከቢን መበገሲን ዝጥቀመሉ መሳለጥያ ዝተበገሱ'ዮም። እቲ መስርሕ ምግዕዓዝ ብምትሕግጋዝ ሰብመዚ ሊብያን ኢጣልያን ዝተኻየደ'ዩ።
ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነተን ቦታታት ንስደተኛታት ዝሃባ ወይ ዝሓዘኣ ሃገራት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ፡ ግን ካብ'ቶም ካብ ሊብያ ዝገዓዓዙ ዘለው እቶም ተቐይዶም ወይ ክሰግሩ ተታሒዞም ዝመጹ ዘለው ዝያዳ ይቕልጥፉን ይበዝሑን ኣለው። ኣብ 2019 ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ስደተኛታትን ሰገርትን ብመንገዲ ዩኤንሲኢችኣር ካብ ሊብያ ከምዝግዕዙ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ከምዝጣየሱ ተገይሩ፡ እቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ካብ ባሕሪ ድሕሪ ምድሓኖም ወይ ከኣ ብጃልባ ክሃድሙ ብሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ልዕሊ 1200 ኔሮም።