ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣይተቐየረን ኢሎም

2018-09-13 19:26:04 Written by  ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1933 times

ዋሽንግተን (ሮይተርስ)- ላዕለዋይ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዕንቅፋት ሰላም ኮይኑ ዝጸንሐ ኣብ ምውጋኑ ዝካየድ ዘሎ ኣተሓሕዛ ደጊፎም፡ እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንዝምድናን ምትሕግጋዝን ምስ ዋሽንግተን ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ገሊጾም።

Eritrean Embassy Reopening 16.07.2018
 ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈውርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ብ16 ሓምለ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ 

ኤምባሲ ኤርትራ ክኸፍቱ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ July 16, 2018. REUTERS/Tiksa Negeri//File Photo

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብ11 መስከረም 2018 ነቲ ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ናይ ሓባር ዶቦም ምኽፋቶም ነቲ ዝነበረ ወጥሪ ኣህዲኡ ተስፋ ዝህብ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ቲቦር ናጊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት፡ ተሓጋጋዚ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ንጽባሒቱ 12 መስከረም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክትዋሳእ ከም ዝጸንሐት ጠቒሶም፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ዝተወሰነ እገዳ ብዝምልከት ምልዓል ግዜኡ ከምዘይኣኸለ ጠቒሶም። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ ኣብ ሶማሊያ ምስ እስላማዊ ጉጅለታት ብምትሕግጋዛ ክኸውን እንከሎ፡ ኤርትራ ግና ነቲ ክሲ ኣይተቐበለቶን።

እቶም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ንኤርትራ ብዝምልከት ካብ ዘልዓልዎም ዝኽፍታታት፡ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ዘንቀዶ ማእሰርቲ ቦታዊ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራን ካለኦት ኣሜሪካውያንን ምዃኑ ገሊጾም። ከምኡ እውን ኣሜሪካ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ከም ዝገዘአት ኣብ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓበረ መብርሂ ከም እትደሊ ጠቒሶም።

እቶም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ ብማእሰርቲ ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ከምኡ ከኣ ብግዱድ ገደብ ዘየብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጥቡቕ መንግስታዊ ምቁጽጻጻር ከም ዝሻቐሉ ኣስፊሮም። እዞም ናይ ቅድም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኤርትራ ብጽቡቕ ኣቀራርባን ጽቡቕ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን እገዳ ከምዘይልዓለላ ከኣ ገሊጾም።

ብወገን ኤርትራ ዝረአ ኣውንታዊ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ንሕና እውን ዋላ ልሙድ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፍና ምስክርነትና ክንህብ ንኽእል ኢና ኢሎም። ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ክቐርባ ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ክሲ፡ ቅትለት፡ ምስቓይን ብዙሕ ዘይተመርመረ ገበናትን ክትነጽጎ እያ ጸኒሓ። ኣብ ሊዕሊ ኤርትራ ብ2009 ካብ 15 ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ13 ዝተደገፈ እዩ እገዳ ተበይንዋ። ትሕዝቶ ናይቲ እገዳ ምኽልካል ምግዛእ ኣጽዋር፡ ገደብ መገሻ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ናይዞም ዝተወሰኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃብቲ ምድስካልን የጠቓልል።እንተኾነ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ንፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዝቐየረ ጽገናዊ ስጉምትታት ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ቀይርዎ ኣሎ።

ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ናይ ኢትዮጵያ ገዛኢ ግንባር፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ኣቋሪጹ፡ እሱራት እውን ፈቲሑ። ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዝተወሰነ ደረጃ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክፉት ክኸውን ተሊሙ ኣሎ። ኣብይ በቲ ተባዕ ኣካይድኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ንሰላም ምስ ኤርትራ ብዝምልከት ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ ድሕሪቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝተኻየደን ኣስታት 80 ሺሕ ሰባት ዘህለቐን ናይ ዶብ ውግእ ዝውሰድ ዘሎ እዩ። ኤርትራ ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ከም መህደሚ ምኽንያት ክጥቀመሉ ጸኒሓ። ኣነ ንኤርትራ ናይ ስግእት መንግስቲ እየ ዝብላ’ውን ኢሎም ዲፕሎማት ናጋ። ምስ ምኽፋት ሰላማዊ ኩነታት ደጊም መህደሚ ምኽንያት ከምዘይህሉ ከኣ ሓቢሮም።

Last modified on Thursday, 13 September 2018 21:36